ዕላማ ንቕሎ ባሕቲ መስከረምን ውጽኢቱን

2018-09-13 08:16:41 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1816 times

ብቐዳምነት እንቋዕ ንመበል 57 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብቅዓና። ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ፡ ዕላማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መስከረም 1961፡ እምቢ ኣይግዛእን ዝብል ጽንዓትን ኒሕን ዘንቀሎ ሃልሃል ዝብል ሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ነድርን ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ኤርትራን ህዝባን‘ዩ ነይሩ። ይከኣል‘ዩ ብዝብል ቈራጽ ድልየትን ውሳኔን ህዝቢ ንዝተበገሰ ወፍሪ ዝዓግቶ ሓይሊ ስለ ዘየሎ ድማ፡ ውሑድን ድሩት ዝዓቕሙን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኩሉ ሓይልን ትምክሕትን ሓያላት መንግስታት ዘይተፈልዮ ባዕዳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ስዒሩ፡ ካባ ነጻነት ብምልባስ ተሞጒሱ (ተዓዊቱ)፡፡ እዚ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልስን መዘና ኣልቦ ክቡር ዋጋ መስዋእትን ዝተኸፍሎ ነጻነት ግን፡ ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ብምልኣት ስለ ዘይመለሶ፡ እንሆ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ሓሳረ መከራ ተሸሚሙ መዋእል ባርነት የሕልፍ ኣሎ።

እዚ ልዑላዊት ሃገርን ኤርትራዊ መንነትን ኣረጋጊጹ ሃገሩ ሲንጋፖር ክትኮነሉ ዝጽበ ተስፋ ዘይቆርጽን ትዕግስተኛን ህዝቢ፡ ድሌቱን ትጽቢቱን ምስ ድሌትን ባህግን ገዛኢ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዘይሳነ ግን፡ እንሆ ን27 ዓመታት ኣብ ርእይዎን ሰሚዑዎን ዘይፈልጥን ግዳይ ሕሱም ናብራ ክኸውን ብስርዓት ህግደፍ ተፈሪዱ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ እዚ ዋናን መሃዝን ሕግታት እንዳባ ምዃኑ ብዓለም ዝተኣምነሉን ዝተመስከረሉን ወረጃን ፍትሓውን ህዝቢ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም ደስ ከም ዝበሎ ዝኸይድ ውልቀ መላኺ ክርገጽን ክጭቈንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይግባእን ንዓለም ዘገረመን'ዩ።

እዚ ዓይነት ስርዓትን ኣካይዳን ብዝፈጠሮ ጠንቂ፡ ህዝብና ብዘይፈልጦን ዘይዓገበሉን ምስ ብየማን ብጸጋም ብምብራቕ ብምዕራብ ምስ ዝዳወቡዎ ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ከናቝትዎን ከዳምዩዎን ከም ዘይጸንሑ፡ ነቲ ንዓመታት ዶብ ከይሕንጸጽ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ኣብ ናይ ዘተ ጣውላ ኮፍ ኣይብልን'የ እናበለ ሓንጊዱ ዝነበረ ትምክሕተኛ ዲክታቶር ኢሳያስ፡ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ መዕለቢ ከይተገብረሉ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መደብ ሓድሽ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ጠገለ ዘይብሉ ጸፋዕፋዕን ክምስምስን ክብሃል ተዓዚብና።

ኣብዚ ብንጹር ንምዝራብ፡ ሰላም ምስ ኣሕዋትናን ጐረባብትናን ካልኦት ከባቢናን ብቀዳምነት እንደልዮን እንብህጎን ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። እዚ ማለት ግን እቶም ካልኦት ወገናት'ውን ኣይደልይዎን እዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብለይ ርዱእ ክኸውን እደሊ። ምኽንያት ሰላምን ፍቕርን ስጡም ሕውነትን ዝምድናን ጐረባብቲ ሓባራዊ ዕብየትን ምዕባሌን ዝስረተሉ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝኾነ። ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ክኽተሎ ዘለዎ መስርሕ ኣለዎ።
ብቐዳምነት ዝግበር ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ 2 ብቅዋም ዝሰርሑን ብባይቶ ናይ ህዝቢ ቍጽጽር ዝግበረሎም መንግስታዊ ትካላት ክህልዉ ኣለዎም።
ጠንቅን መንቀልን ናይ ህውከትን ዘስዓቦ መስዋእትን ክሳራን ክንጸርን ንዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ክሕበሮ ይግባእ።

ናይቲ ውግእን ህውከትን ጀማርን ግዳይ ብንጹር ክቕመጥን ክግለጽን ዝኽሕስን ዝከሓስን ብክልቲኡ መንግስታት ብመጋባእያ ወከልቲ ህዝቢ ክምዘንን ተቐባልነት ክረክብን ክምዝገብን ክዕቀብን ይግባእ።
እዚ ምስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተለሞን ኣብ ደንሃግ ዝተኻየደ ፍትሓዊ መዓልቦ ተገይሩሉ ዝበሃል እንተኾይኑ'ውን ንጉዳዩ ዝምልከቶም ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ክግለጽ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ወገናት ክሕብኡሉ ዝጸንሑ ውዕል ምሕንጻጽ ዶብ ብዘይ ቅድመኩነት ክፍጸም ዝብል መጸዋዕታ ተቐባልነት እንተረኺቡ፥ እቲ ውዕል በቶም ግዳይ ናይቲ ውግእ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ክልቲኡ ወገናት ክጅምር ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ግድነት'ዩ። ምኽንያቱ እዞም ህዝቢ'ዚኦም ን20 ዓመታት ሓሪሶምን ጓስዮምን ከይነብሩ፡ መሬቶም መደበር ወተሃደራት፡ ጋራጃት ታንክታትን ከቢድ ብረትን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከም ሰብ እግርኻ መሊእካ ዘይትረግጸሉ ፈንጂ ዝተዘርኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ተጸበይቲ ሓገዝ ናይ ግብረ-ሰናይ ኮይኖም ዝነብሩ ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰባት'ዮም። ነዚኦም ረሲዕካን ኣቓልቦ ከይሃብካን ዝግበር ውዕል ሰላም፡ ንገለ ክፋል'ቲ ሕብረተሰብ ሸጥካ ነቲ ካልእ ክትኣሊ ወይ ከተናብር ካብ ምሕሳብ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን'ዩ። እዚ ከኣ መስርሕ ሰላም ነባርን ቀጻልን ውሑስን ከይከውን፡ መዓልቲ ሓልዩ ዝባራዕ ፈንጂ ቀቢርካ ከም ምኻድ ስለ ዝኾነ፡ ዘላቒ ሰላም ዘየረጋግጽ ዓይነት ውዕላት'ዩ።

ህድእ ኢልና ብመንጽር ዓይኒ ሰላም እንተርኢና፡ ኣብ ሰላም ንደመር ዝብል ልዙብ መግለጺ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣቢ ኣሕመድ ካብ ዝዝመር 3 ወርሒ ኣብ ዘይመልእ፡ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ተበግሶታት ይርኣዩ'ኳ ይሃልዉ'ምበር ድሕሪ ምቅጻል ቤተክርስትያናት ኣሕመድ ግራኝ ኣብ ኢትዮጲያ ክሳብ'ዚ ትማሊ 9 ቤተክርስትያናት ክቃጸልን ካህናት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትሉላን ዕለት ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እዚ ፈኸም እናበለ ዝባራዕን ኣቓልቦ ዘይተዋህቦን ድጉል ሓዊ ዘላቒ ፍታሕ ከይገበርካ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን እናበልካ ዝግበር ስውኣ ዝጠዓመላ ኮማሪት ዝመስል ቀበዝበዝን ሸብዳዕዳዕን፡ ሕጂ'ውን ገደብ ክግበረሉን ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ክርአን ክእረምን ኣለዎ። ብኣጋጣሚ ነዚኣ ኣብ ምድላው ተጸሚደ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን፡ ብመሰረት እቲ ብ2 መራሕቲ ዝተሰማምዕሉ ናይ ምጣኔሃብታውን ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ውዕል ስምምዕ፡ ካብ ቻይና ንብረት ዝጸዓነት መቐለ ዝተባህለት መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ምእታዋ ርእየ ኣይጸላእኩዎን። ምኽንያቱ ኣብ ምርጋፍን ምጽዓንን እዛ መርከብ ብቀዳምነት መግቢ ዕለቶም ክረኽቡ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ። እዚ ግን ብውዕል ሕጋዊ መስርሕ ወደብን ኣሰራሕትን ሰራሕተኛታትን ብንጹር ብዝተቐመጠ ኣገባብ ምስ ዝኸውን እምበር ብፍኑውን ብተብተብን ክኸውን ዘይግባእ'ዩ። በዚ መንጽር'ዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ውዕላት፡ ኣፍካ ትም ኢሉ ኢድካ ግን ከይኳላለስሉ፡ ብንቕሓት ክትከታተልን መሰልካ ክትሓትትን ግድነት'ዩ። ምኽንያቱ ትማሊ-ትማሊ ተወሪርና ተባሂልካ ርኢኻ ዘይጸገብካዮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕሸላት ደቅኻ ዝኸፈልካሉ ጉዳይ ዶብ፡ ውዕል ኣልጀርስ ተቐበል ምስ ተባህለ፡ ብዘይከመይን ኣበይን ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣቲኻ ኣይከሰርናን ተኻሒስና ኢና ክበሃል ከሎ፡ መስዋእቲ ደቅኻ ሓድሽ መርድእ ከም ዝኾነካ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ድማ፡ ንኢሳያስ ዝዓጅቦ ስልጣኑን ቀጻልነታን እምበር፡ ጉዳይካን ጉዳይ ሃገርካን ከም ዘይኮነ'ዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፋሉል ስርዓት ነጻ ንምውጻእ እምበኣር፡ ብቃልኻ እምበር ብትኳቦ ዝርከብ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እንተላይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዕላማ ብረታዊ ቃልስና ምሉእ ብምሉእ ሸቶኡ ወቒዑ ህዝብና ክሓልፈሉ፡ መሰሉ ክሕሎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከቢሩን ኮሪዑን ክነብር፡ ሓደራ ስዉኣትና ከነተግብር፡ መብጽዓና ከነሐድስ እዋኑ ሕጂ'ዩ። ሓደ መስከረም'ውን ነዚ'ያ ትዕድም።
ዝኸበርካ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፡ ከም መንእሰይ ወለዶ መላግቦ ህልውን መሰጋገሪ ዝመጽእ ወለዶን ኣብ ርእሲ ምዃንካ፡ ተቐበል ናይ'ዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶን፡ መቐጸልታን ዋሕስነትን ሃገርን ህዝብን ወራሲ ውሕሉል ባህሉን ልምዱን'ውን ኢኻ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ በቦታትካን ኣዴታትካን ተዓቂቡ ዝቕጽል ዘሎ ኣወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዎ ታሪኽ ክትወርስን፡ ኣወንታኡ ዓቂብካ ኣሉታኡ እናኣረምካ ንቅድሚት ክትምርሽ ታሪኻዊ ሓላፍነትካ ምዃኑ ምርዳእ ኣማራጺ ዘየብሉ ግድነት'ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ እዛ ብንኡስ ዕድሚኦም ተበጅዮም ዘምጽእዋ ልኡላዊት ሃገር ኣቦታትካን ኣዴታትካን ዝዓበዩ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘየረጋገጹዎን ንምሉእ ህዝብና ዘይቀስነላ ሂወት ከም ዘሎ ባዕልኻ ትዕዘቦ ዘሎኻ'ዩ። ዕላማን ባህግን ህዝብና ከይተረጋገጸ ድማ ኣብ ዝኸድካ ኪድ ስለ ዘይገድፈካ፡ ተቓሊስካ ምስዓሩ'ምበር ብህድማን ስደትን ክምለስ ከም ዘይክእል ዘይትስሕቶ ሓቂ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንስዉኣት እናኣኽበርካ ምስ ህሉዋት እናተዛተኻ፡ ካብ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ በታኒ ምህዞታትን ዘየሳኒ ፈጠራታትን ሕማም ዘይምትእምማን ዝኾነ ናይ በለጽ ኣተሓሳስባ ነጻ ኮይንካ፡ ሃገርካ ካብ ጥፍኣት ህዝቢ ካብ ምብትታን ከተድሕን እቲ ዝኸበደ ጾር ናትካ'ዩ። ምእንቲ'ዚ ዕድመን ጾታን ብዘይምፍላይ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣበይ ጸኒሑን እንታይ ኣበርኪቱን ብዘየገድስ ኢድን ጓንትን ክትኮነሉን ፋሕብትን ዝበለ መሃዚ ዓቕሚ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ኣሕዋትካን ኣሓትካንዝእከቡሉ ጥጡሕ ባይታ ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ዝዕወተሉ ባይቶ ሰላም ዋናን በዓልቤትን እምበር ዕዱም ጥራሕ ከም ዘይኮንካ ክትርዳእ ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ውሻጠኻ ኮይንካ በሃሊኡን መንቀሊኡን ዘይፍለጥ ቋንቋ ፈይስቡክ ሰጊርና ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጣውላ ሃናጽን ተመላላእን ዝኾነ ጉዳይ ሃገር እንካን ሃባን እንበሃሃለሉ ጥራሕ'ዩ እቲ እንኮ ኣማራጺ ክኸውን ዝግባእ። ነዚ ብዘይምግባርና ድማ'ዩ ህዝብና ዝሳቐን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትወርድ ዘላን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ንህዝብናን ሃገርናን ኣሎናልካ ክንብል ዘይንኽእል እንተኴንና ከኣ፡ ዝብኢ ምስ ከደ ከልቢ እነብሕ ዝብል ምስላ ኣባና ከይምሰልን፡ ኣብ ፈርሲ ዓዕ ካብ ምዃን እንድሕነሉ መገዲ ከነናዲ ዘሎ ዘየገላብጥ ሓጺር ግዜ ብህጹጽ ክንሰርሕ ይግባእ።

ንዓወት ዕላማ ሓደ መስከረም መተካእታ የብሉን!!
ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!


Last modified on Thursday, 13 September 2018 10:20