ክንውደብ እንከለና ሓላፍነታውያን ንኹን

2018-08-01 07:06:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1966 times

ህዝቢ ዓለም ብምሉኡ ንናይ ውግእ ሓሳብን በይናዊ ስምዒትን ገዲፉ ኣብ ናይ ሓባራዊ ሰላም ምስፋን እንተዝሓስብ እዛ ዓለምናክንደይኮን መበልጸገትን መሰልጠነትን። ምኽንያቱ ውግእን ብቃሕ ዝበለካ ምውዳብን ኣዕናዊ፥ ኣረሓሓቒ ኮታ ስኒትን ፍቕርን ዝኸልእ ምዃኑ ኩሉ ወዲ ኣዳም ዝፈልጦን ዝርደኦን እዩ።

ግንከ ንሕና ካብ ተመኩሮ ትምህርቲ ክንቀስም ብዘይምኽኣልና ብቐሊሉ ንዝፍታሕብጎነጽን ሓይልን ብበይናዊ ውዳበን ኣቢልና ክንዕብልልን ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽርና ክነእትዎ ምድላይን ይስዕርረ። ኣብ ከም’ዚ ናይውግእን በበይናዊ ወደባን ሓሳብ ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ድማ ብዘይካ ሓይሊ ካልእ መዋጽኦ ዘሎ ኣይመስሎን እዩ።ሎሚ ዋላ እቲ ገለ ፊደል ዝቖጸረ ክፋል ህዝብና እውን እንተኾነ ነቲ ናይ ውግእ ኣተሓሳስባን ናይ በብዝደለኻዮ ወደባን ኣብ ክንዲ ዘውግድ መሊሱ ደኣ ከበርትዖን ንነገራት ብኡ ኣቢሉ ክፈትሖን ህርድግ ይብል ኣሎ። ኤርትራ ሎሚ ኣብ ቃራና እያ ተቐርቂራ ዘላ። እነሆድማ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ነቲ ህዝብን ነታ ሃገርን ከም ናይ ብሕቱ ዋንነት ከምድላዩ ይሰርሕን ይፍንጥሕን ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ካብዚ ግፍዐኛ መላኺ ስርዓት ክገላገል እንተኾይኑ ነዚ ስርዓት እዚ ብሓባር ኮይኑ ፎእ ክብሎ ኣለዎ። ከምኡእውን እዚ ድምበ ተቓውሞ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበኤርትራዊ ሓይሊ ነዚ እከይ ስርዓት እዚ ኣብ ምልጋስ ድሌታቱ ዝፈላለስለዘይኮነ ኣብ ክንዲ በብዝደለኻዮብፍኑው ምውዳብ ሓደ ኮይኑ ምስቲ ናይ ውሽጢሓይሊ ክተኣሳሰር ይግባእ። ይኹን እምበር እቲ ዓቢሽግር ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርሓት ኣብ ምስራሕ ዝካየድ ሓላፍነት ብዘይብሉ ፍኑውኣገባብ ይካየድ ምህላው ሓደገኛ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን።

እዚ ብንጹር ሓታትን ተሓታትን ዘይብሉ ኣገባብ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ዕንቅፋት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ሎሚ ሳላ ተክኖሎጂ ውልቀሰባት ብመራኺቢ ብዙሓን ወይ ድማ ብማሕበራዊ መድያ ኣቢሎ ዝውርወር መጥመሪ ዘይብሉ ሓሳባት ዓይኒየብለይ ስኒ የብለይ ዝዓይነቱ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዓቢይ ማህስይቲ ከምዘውርድ ርዱእ እዩ። ብፍኑው ኣገባብ ዝኸይድ ዋና ዘይብሉ ብድሕሪ ኮምፑተር ኰንካ ጠቓሚ ዲዩ ሃሳዪ፥ እወንታ ዲዩ ኣሉታ ከይመዘነ ቃሕ ከምዝበሎ ዝዛረብ ነቲዝተጠርነፈ ተቓውሞ ካብ ግቡእ ስራሓቱ ከም ዘተዓናቕፎ ፍሉጥ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፍኑው ፖለቲካን በብዘደለኻዮ ምውዳብን ተሓዊስዎ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ፍልልያት ክፈጥር ኣዚዩ ቀሊል እዩ ዝኸውን። እዚ ተሓታትነት ዘይብሉ ማሕበራዊ መድያ ድማ ምስቲምንቅስቓስ ደምበ ተቓውሞ ብግቡእ እንተዘይተጠቒምናሉ ጽልእን ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክዛራእ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ምኽንያቱ ሓላፍነት ዘይስመዖ ብዛዕባ ሃይማኖት፥ ዓሌት ወዘተ ክዛረብን ክጽሕፍን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከነኣእስ እንከሎ ዘጠራንፍ፡ ዘተሓቛቚፍን ዘሳንን ኣይኮነን ዝትንትን። እንታይ ደኣ ምዝራግን፥ እሾኽ ምዝራእን ነቲ ሓድነት ምብታንን እምበርካልእ ፋይዳ የብሉን።

ኣብ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣቲኻብጸቢብነትንዘይሓላፍነታውን ምዝራብን ምትንታንን ከይዱ ከይዱ ንጥርናፈ ሕብረተሰብ ሃሳዪ ግደ ክህልዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝግበር ተሓታትነትን ምቁጽጻርን ዘየበሉ ቅኑዕ ዘይኮነ ሓበረታን ብመጽናዕቲ ዘይተሰነየ ተንታንን ክትቆጻጸሮ ኣጸጋሚ እዩ። እወ! ኣብ ዓለምና ድልየትካ ምዝራብን ምጽሓፍን፥ ዝረኣየካ ምባልን መሰል ምዃኑዘይከሓድ እዩ። ኮይኑ ግን መሰለይ እንዲዩ ኢልካ ንዝኾነ ኣካል ድላይካ ክትብሎ ወይ ክትሃስዮ ግን መሰል የብልካን። በዚ መንጽር እዚእንተርእናዮ ከኣ ኢና ነቲ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ ቅኑዕን እወንታውን ኣቕጣጫ ክንመርሖ እንኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ሓቅነትን መርተዖን ኣብ ዘይብሉ ተመስሪትካ ምዝራብን ምጽሓፍን ስነምግባር ዝጎደሎ ስለ ዝኸውን ብሕጊ’ውን የሕትት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዲያስፖራ ንእንነብር ህዝቢ ኤርትራ ዘድልየና ኣብ ሕድሕድካ ምቁንጻብ፥ ምንእኣስን፥ ምጽላእን ዘይኮነስ፥ ስኒትን ፍቕርን ዓገብምባልን ተወሃሂድካን ሓባራ ሃገራዊ ራኢ ምውናን እዩ። ተሓታቲነት ዘይብሉን መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ ዘየብሉ ውዳበታት ምብዛሕዓቕምናን ኣተሓሳስባናን ስለ ዘዳኽም ኩልና ዓገብ ክንብሎን መስመሩ ክነትሕዞን ናይ ኩላትና ጻዕሪ ክካየድ ኣለዎ።

Last modified on Wednesday, 01 August 2018 09:13