መንነቶም ዘይተፈልጠ 40 ዕጡቓት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

2018-07-31 11:42:44 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2542 times

 

  •  
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ Image copyright Geez Media/screen ናይ ምስሊ መግለጺ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ

መንነቶም ዘይተፈልጠ 40 ኢትዮጵያውያን ምስ ምሉእ ዕጥቆም ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
ብቕድሚ ትማሊ ቀትሪ ሰዓት 6 ብኣንተኖቭ ናብ መቐለ ከምዝኣተዉ ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት እሙን ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ፀብፂቡ።
ንቶም ዕጡቓት ሒዛ ዝመፀት ኣንተኖቭ ካብ ሱዳን ብቐጥታ ዝመፀት ምዃናን ንሳቶም ብጌጋ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም ኣለዉ።
እቶም ዝተዓጠቑ ሰባት ብሬይን ሓዊሱ ከቢድ ኣፅዋር ከምዝዓጠቑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ከምዘለዉን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ግቡኦም ክፍፅሙ ኣታሓሳሲቦም
ኢትዮጵያ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ (ብፅሒት) ክህልዋ'ዩ
ንምንታይ ዕላማን ልኡኽን ከምዝመፁ ክሳብ ሐዚ ካብ ግምት ወፃኢ ንፁር መረዳእታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ይኹን'ምበር ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ምድንጋር ዝፈጠረ እንትኸውን፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለዩ ግምታት እናተውሃቡ ይርከቡ።
ኮይኑ ግና ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ጥቡቕ ክትትልን ሓለዋን ይገብሩ ምህላዎም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዛሪቦም ኣለዉ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-45016337

Last modified on Tuesday, 31 July 2018 13:59