”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” (ጆን ጋራንግ)

2018-07-14 07:10:08 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2183 times

ኣነስ ኩሉ ጊዜ ዝጥርጥሮን ጸጸኒሑ ዝግበርን ዝበሃልን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ሓቂ ዘምስሎን የጋጥመኒ። ጥርጠራይ ጌጋ ክኸውን፥ ኣነውን ተጋግየ ነይረ ኢለ ብታሕጓስ ክዛረብ ከብቅዓኒ ትምኒተይ ኢዩ። መንግስቲ ኢሳያስ ኣበይ ገጹ ይመርሓና ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፌስ ቡክ ገሊጸ ነይረ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ዝድግፍ ኣስተብሂለ።

ኣብ ከባቢ 2004-5 ኣቢሉ ይመስለኒ፥ ጆን ጋራንግ (ናይ ደቡብ ሱዳን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ መራሒ ዝነበረ) ንካርቱም ክበጽሕ መጸ። ኣብቲ እዋን`ቲ: ደቡብ ሱዳን ብፍሉይ ውዕል ምስ ሱዳን ክትቅጽል ዲያ ወይ ክትፍለ ንተኸታተልቲ ኣዝዩ ንጹር ዘይነበረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ጆን ጋራንግ ናብ ካርቱም ምስ መጸ፤ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዙሕ ህዝቢ ተቐበሎ። እቲ በዚ ዝተገረመ ጆን ጋራንግ ድማ ዘረባኡ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” ብምባል ከፈተ። እዚ ኣዘራርባዚ ክትርጎም እንከሎ፤ ህዝቢ ሓደ ሃገር ክንከውን ከምዝደለየ ዘመልክ እዩ ማለቱ ከምዝነበረ ኢዩ ዝውሰድ። ድሕሪ`ዚ ዑደት ግን ብዙሕ ከይጸንሐ፤ ምስጢራዊ ኣኸባ ምስ መራሕ ኡጋንዳ ድሕሪ ምክያዱ ሄሊኮፕተሩ ወዲቓ (ወይ ተወቒዓ ክትከውን ትኽእል) ሞተ።

ነዚ ምምጽአይ፤ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ መጺኡ ናይ ድራር ዕድመ ተገይሩሉን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ተዛሪቡ፤ ናይ ዶ/ር ዘረባ ሎሚ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ እንታይ ከም ዝብል ማንም ዝግምቶ ኮይኑ ስለዘሎ ምድጋም ዘድልዮ ኣይኮነን። ዶ/ር ኣብይ ነቲ ኣቀባብላ ኣመልኪቱ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” እንተዝብል ኣይምገረመንን፥ ጋሻ ተዓዳማይ ንሱ ስለዝኾነ፤ ዓዳማይ ከምኡ ክብል ግን ዘይገመቶ ተርእዮ ከምዝኾነ ስለዘመልክት፤ ምስ ኢሳያስ ዝኸይድን ዝሰማማዕን ኣይመስለናን። ግን እስከ ነስተብህል።

እቲ ዘስተብሃልኵዎ ኣብ ዘረባ ኢሳያስ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ፤ ”ሎሚ ኣብዚ ጽርግያ ህዝቢ ዝገበሮ መግለጺ ካልእ ዘረባ ኣየድልዮን ኢዩ፥ ወሰኸውን ኣየድልዮን ኢዩ”። ቅድሚ ምውድኡ፥ ካብቲ ናይ ምግላጽ ኣበሃህላኡ ነቒለ፤ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ!” ክብል ተጸብየ ነበርኩ ። ኣይበላን !! ኣብ መልሓሱ ከምዝነበረት ግን ተሰሚዓትኒ (ትደልይኦሞ ይዝንግዓክን እንዲና እንብል) ድሒሩ ድማ፥ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣቀባብላ፤ ”…ብፍኑው መገዲ መቆጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ ስምዒት መግለጺ ተርእዮ….” ክብል ነቲ ዘይፍኑውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበረ ህዝብና፤ ነዛ ዕድል እዚኣ ንከካይድ ብምፍቃድ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።

ምስ ጎረባብትና ብሰላምን ምክብባርን ”ፍቕርን” ክንነብር ከም ኩሉ ኣህዛብ ድልየትና ከምዝኾነ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ እዞም፥ ብፍላይ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዓመታት ዝተቓለስና (እንኮላይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ) እሞ ኣብ ምቅዋም እንርከብ፤ ከምኡውን እቶም ድሒሮም ነቲ ስርዓት ዝተረድእዎን፤ ኢሳያስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኺሉ ከሳትፈና ኢዩ ዝብል ኣተሓሓሳስባ እንተድኣ ሃልዩና፤ ንሓልም ኣለና ማለት ኢዩ። ነዚ ኩሉ ዝርዝር ገበናት ዘካየደ ሰብ፤ ግደፍዶ ካብ ሰብ: ብድምጺ ሃመማ ዝደሃል ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። ኢሳያስ ስልጣኑን ዕድሜኡን ክናዋሕ እንተኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ተፈጢሩሉ ዘሎ ኩነታት፤ ንቕድሚት ገጹ ኢዩ ክሃድም፤ ምስኡ ድማ ንመዳምቕቱን ሃገረ ኤርትራን ለኪሙ ኢዩ ክኸይድ። ስለዚ ተቓወምቲ ኢና እንብል ኩላህና፥ ወይ ከምሓዲሽ ካብ ነፍሰፍትወትን ንኡሳን ፍልልያትን ናጻ ብምዃን ነፍስና ሰሪዕና መርሕነትና ነቑም። ነዚ ወይ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ረኺብና ተቓውሞና ከነደልድል እንተዘይክኢልና ግን ዘሎና ምርጫ (ፈቲና ጸሊእና) እቶም ኣምሓርኛ ዘይተመሃርና ከሎ ገና ንመሃሮ። ካብዚ ንላዕሊ ዝኸብድ መጠንቀቕታ ክህብ ዓቕሚ የብለይን። ብዘይካ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ፋሕ ዝበለ ናይ ሰቪካዊ ማሕበራትን ናይ ውፉያት ውልቀሰባትን ጻዕርታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ርኢና ኣለና፥ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ስራሕን ጥርናፈን ኢዩ፤ እታ ዘይተዓደገት ጤል ኣበይ ትተኣሰር ከም ዝበሃል ኮይና ከይትተርፍ።

Last modified on Saturday, 14 July 2018 09:14