እምበኣር ኣይከሰርናን!

2018-07-13 18:43:04 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2150 times

ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዘይተደላዪ ደማዊ ውግእ፡ “ስለምንታይ ተኻይዱ?” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ከይበረሀ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብውሕዱ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንጉልባብ ዝቐረበ እምበር ጉዳይ ዶብን መሬትን ከምዘይነበረ ክበርህ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ውግ እዚ ኣብ’ዚ ዝቀረባ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ ውግኣት እቲ ዝዓበየ ምንባሩ ብዙሓት ናይ ውግእን ሳዕቤናቱን ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት ኣረጋጊጸምዎ እዮም። ናይ ሓደ ውግእ ግዝፈት ካብ ዝልከዓሉ መምዘንታት ሓደ ናይቲ ዘውርዶ ጉድኣት ዕምቆትን ስፍሓትን እዩ። እዚ ውግእ እዚ ኣዝዩ ከቢድን ኣኽሳርን ምንባሩ ንሕና ኤርትራውያን ኣካሉ ስለ ዝነበርና ምርምር ንጽበየሉ ኣይኮነን።

ብሰንክ’ዚ ብዙሓት ወገናት ተዓዘብቲ “ኣድላይ ዘይነበረ” ዝበልዎ ውግእ፡ እቲ ካልእ ገዲፍካ በቲ እዉጅ ኣገባብ ከም ዝተሓበረ፡ ብወገን ኤርትራ ጥራይ 19 ሺሕ መንእሰያት ተሰዊኦም። ብዙሓት ህጻናት ዘኽቲሞም፡ ኣሸሓት ሰንኪሎም፡ ኣሸሓት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተመዛቢሎም። ማእለያ ዘየብሉ ንብረቶም ባኺኑ፡ ነዚ ደማዊ ውግእ ንምክያድ ኣብ ካልእ ልምዓታዊ ስረሓት ክውዕል ዝግበኦ ዝነበረ ገንዘብን ንብረት በሪሱ፡ ዳርጋ ርብዒ ስፍሓት መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ወዲቑ ኩሉ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ክሳራታት ወሪዱ። ሕጂ’ውን ”ናይዚ ክሳራ’ዚ በሰላ ኣብ መነብባሮ ህዝቢ ኤርትራ ይረአ ኣሎ።

ድሕሪዚ ኩሉ ክሳራን ዘየድሊ ግዜ ምብላዕን ከኣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እነሆ፡ ናብቲ ቅድሚዚ ኩሉ ክሳራ ምውራዱ ክግበር ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ምቅርራብ ምዕራፍ ተበጺሑ። መራሒ ህግደፍ “እዚ ንዘይተርፍ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኩሉ ናይ ግዜ፡ ህይወትን ንብረት ክሳራ ምውራድ ኣድልዩ?” ዝብል ሕቶ እንተዝቐርቦ ካብ ምጉብዕባዕ ሓሊፉ ዝድህሰስ መልሲ ኣይመነበሮን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ነዚ ኩሉ ዝተዘርዘረ ክሳራ ዘንጊዑ ኣብ ኣስመራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ከኽመስምስ እንከሎ፡ ብዘይሕፍረት ኣግሂዱ ኣብዚ ዝሓለፈ ውግእ “ኣይከሰርናን” ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ ኣዝዩ ዘስደምም ኮይኑ፡ “ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃሎ ኣይኮነን።

ኣቶ ኢሳይያስ “ኣይከሰርናን” ዝበለ፡ ኣብ ቅድሚ እተን ደቀን፡ ኣሕዋተንን ሰብኡተንን ዘውፈያ ናይ ጸጉረን ዘይኮነ ናይ ልበን ድርምም ዘይተፈትሐ ኣደታት፡ ንብረቶም ከንቱ ዝጠፈአ ዜጋታትን ግዜኦም ዝባኸነ መንእስያትን ምዃኑስ እምበርዶ ይርደኦ እዩ። እቲ ኣከስርናን ዝብል ዘሎ እንታይ ምስዚ ኣቐድሙ ዝተጠቕሰ ክሳራ ክወዳደር እንከሎ እንታይ መኽሰብ ዝበሃል ስለ ዘመዝገበ እዩ ”ኣይከሰርናን” ዝበለ። እቲ ምስ ዶ/ር ኣብይን ዝመርሓ ኢትዮጵያ ዝምድና ምፍጣር እንተኾይኑ፡ ዘይንሱ ባዕሉ ዘሪግዎ እምበር፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመታትስ ዝነበረ ኩነታትዶ ኣይኮነን። ዝነበረ ሰላም ዘሪግካ ደሓር ኮለል ኢልካ ናብቲ ዝነበርካዮ ምምላስከ ምኽሰብን ውሕልነትን ዘብል ድዩ።

እዚ “ኣይከሰርናን” ዝብል ኣበሃህላ ነተን ብመስዋእቲ ደቀን መዓንጠአን ዝሓረረ ኣዴታት ኤርትራ ከምዘይውክል ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝውክል ሓድሽ ኣየምጸአን። ብርገጽ ስዉኣት ዝተሰውእሉ ኣገባብ ቅኑዕ ይኹን ግጉይ ኣይምለሱን እዮም። መስዋእቶም ግና ግቡእ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ’ሞ ኒሳይያስ ከም ልማዱ ዘንጊዕዎም ኢልካዮ ምሕላፍውን ሓደ ጉዳይ እዩ። ናይቶም ኣሸሓት መስዋእቲ ክሳብ ክንድዚ ተናዒቑ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣይከሰርናን” ምባል ግና ሸለል ክትብሎ እንተደለኻ ሸለል ዘይበሃል ብደዐ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መራሒ ህግደፍ እንተተበደዐ ንወልድቲ እቶም ሰማእታት ከም ነብሱ ወሲዱ፡ “ኣይከሰርናን” ኢለ ከእምን እየ ኢሉ ምምዳሩ ዘገርም እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ነቲ ኣበሃህላ ናይ ስኽራን እንተዘይኮይኑ ናይ ጥዕና ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብልዎ ዘለዉ።

ከምቲ “ከም ኣሕዋት ተፋቐር፡ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝበሃል፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ኣብ ኣቀባብላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ናይ ሰላምን ዓው ኢልካ ምዝራብን ጽምኣቶም ዝምስክር ኮይኑ፡ ነቲ ትርጉም ንዘየብሉን ብውልቃዊ ህልኽ ዝተላዕጠጠን ውግእ ዘካየደ ህግደፍን መራሒኡን ናይ ግድን ክተሓሳሰቦ ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ትምህርቲ ስለ ዘይተወስደሉን ንኢሳይያስ ሕራይ ገበርካ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘመሓላልፍን ኣብ ቅድሚ ሰማእታት እውን ዘሕትት እዩ። ኢሳይያስ ካልእ እንተ ተረፈ ናይቶም ሰማእታት መስዋእቲ “ክሳራ እዩ” ምባል ስለምንታይ ከም ዝጸገሞ ዘገርም እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ናይዚ ኣበሃህላ ቀንዲ ዕላማ ድሕሪ ከሲርና ምባል ናይቲ ክሳራ ተሓታቲ ምዃን ስለ ዘኸትል ካብዚ ንምህዳብ ጠኒኑ ዝኣተዎ ክሕደት እዩ።

Last modified on Friday, 13 July 2018 20:45