ምንዋሕ ፍታሕ ጉዳይ ባድመ

2018-06-14 19:44:57 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2644 times

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ንናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ብዝምልከት፥ ስለ ሰላምን ጉርብትናን ምዕብልናን ክልቲኣቱ ሃገራት፥ ነቲ ስምምዕ ከምዘለዎ ተቐቢልና ከነተርጉሞ ኢና ዝብል ቅድመ ኩነት ዘይሓዘ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ። ነዚ ውሳነ ተኸቲሉ ዝተፈላለየ ነቓፊን ኣመስጋኒን ርእይቶታት ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ቀንዲ ትጽቢት ዝነበረ ዘሎን ድማ ንመልሲ መንግስቲ ኤርትራ ምስማዕ ኢዩ ጸኒሑ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ፤ ናይ ሕወሓት ሓዲሽ ኣተረጓጉማ ናይቲ ብዕሊ በቲ ግንባር ዝተዋህበ መግለጺ ዝጻባእ ንሰምዕ ኣለና፤ ማለት፥ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ንምትግባር ጥራይ ዘይኮነስ፥ ምስኡ ዝኸዱ ንማሕበራውን ምጣኔሃብታውን ኩነታት ዝምልከቱሞ ዘተ ዘድልዮም ስለዘለዉ፤ ሓደ ፓኬት ኢዩ ዝብል ኢዩ። ነዚ ክትሰምዕ እንከለኻ መበገሲኡ እንታይን ካበይን ኢዩ ኢልካ ክትመራመር ግድን ይኸውን።

ኢሳያስ ነቲ ናይ ዶ/ር ኣብይ ዕድመ ቀልጢፉ ዘይምምላሱ፥ ማናልባሽ እውን ዘደናጒ መልሲ ብምምላሽ፤ነታ ዳርጋ ኣብ ኢድና ክትኣቱ ቀሪባ ዝነበረት መሬት ከይተመልሰት ክትደናጐ፤ እቲ ዝኸፍአ ድማ ሓዲሽ ኩነታትን ምዕባለታትን ተፈጢሩ ኣብ ናይ ቀደም ኩነታት ከይምለስ እናሰጋእኩ እንከለኹ፤ ናይ ሕወሓት መግለጺ ወጸ። ሕወሓት ድኣ ነቲ ውሳኔ ከይተረድእዎ ድዩ ዶ/ር ኣብይ ዘውጽኦ ኢልካ ንነፍስኻ ትሓትት፤ ዘይመስል ድማ ኢዩ። ከምዚ ዝመስል ሕቶ ንነፍሰይ ዝሓተትኩሉ እዋን ይዝከረኒ፤ እዚ ድማ ግዳይ ባድመን ሕቶ ጉዳይ ዶባትን ምስ ተላዕለ፤ ዋእ፦ ናጽነትና ከነዕልል ከለና ድኣ ነየነይቲ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ? ዶባት ንዝምልከት ከይተዘረበሉ ነታ ኤርትራ እትብል ስም ጥራይ ዲና ተቐቢልና? ብዝብል ተገረምኩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ዘይመለሰ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፤ ብፍላይ ድማ ባዕሉ ኢሳያስ፤ ንሱ ከይተዛረበ ብካልኦት ብኢድ ኣዙር ዘሕልፎ ዘሎዶ ይኸውን ድማ ትብል። ኢሳያስ ንባድመ ብቐደሙ ካብ ልቡ፤ ብናቱ ጽቡቕ ድልየት፤ ካብ ጀብሃ መንጢሉ ንወያኔ ገዲፉሎም ነይሩ ኢዩ። ባዕላቶም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ከምዝበልዎ፤ መሬትና ኢዩ ኢሎም ክጓነጹ ዝተቐራረቡሉ እዋን ከም ዝነበረን፤ ንኢስያስ ምስ ሓተቱ ግን ደሓን ግደፍዎም ብቐደሙ ናይ መን ምዃኑ ዘይተረጋገጸ ኢዩ ስለዝበሎም ከምቲ ልሙድ ኣፎም ከምዝዓጸዉ ኢዩ። ተንኮል ድዩ ዕሽነት ብዘየገድስ`ውን ናጽነትና ኣብ ዝኣወጅናሉ ጊዜ ዶባትና ኣየናይ ከምዝኾነ ከይተነጸረ ምንባሩ ምዝካሩ ዘሕፍር ኢዩ። ተንኮል ዝሓዘለ ኔሩ ክኸውን ድማ ይኽእል ነይሩ። ሕቶ ባድመን ኩሉ ንኤርትራን ህዝባን ንምድቋስ ዝካየድ ዘሎን ዝነበረን፤ ምስቲ ኢሳያስ ጥራሕ ዝፈልጦ መደምደምታ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ዘሎ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ምቅልቓል ናይ ኣግዓዝያንን ደለይቲ ኣንድነትን ዘረግቲ ሓድነት ተቓውሞን ወዘተ፤ ለኣኺ ዘይብሉ ካብ ሃዋህው ዝነቐለ ኣይኮነን ኢለ ኢየ ዝግምት። እቲ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶን፤ ካልእ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕልኽልኻትን ምድኻም ህዝቢ ኤርትራን ምድቋሱን፤ ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዳኽም`ሞ ካልእ ምርጫ ንከናዲ ንምግባር (ብኣፉ: ኢትዮጵያ ትሕሸና ንክብል ንምድፍፋኡ) ይመስል:: ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ናይ ሓደ ግኑን መራሒ ኣብ ኢትዮጵያ ምምጻእን፥ ነቲ ኢሳያስ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ”ዝመስል” ሕቶ ባድመ ንምፍታሕ ዝህቅን ንናይ ኢሳያስ ናይ ስልጣንን ዝናን ሕልሚታት ዝጻባእ ስለዝኾነ፤ ከም ልማዱ ካብ ሃገሩ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ሕንፍሽፍሽ ንክፈጥር ክጽዕር ከምዝኾነ ኢየ ዝግምት። እነሆ ድማ ድሮ ክቀላቐል ጀሚሩ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዘይህዱእ ዶብ ምስ ኤርትራ መነባብሮኡ ሕማቕ ኮይኑ ኣሎ፤ ጉዳይ ባድመ ተፈቲሑ ኣብ ናይ ቀደም ኩነታትና ክንምለስ ኢና ንደሊ፤ ትግራይ መዓስከር ወተሃደራት ብምዃና ብዙሕ ሕማቕ ንርኢ ኣለና ኢዮም ክብሉ ክንሰምዕ ዝጸናሕና። ሕጂ፥ ድሕሪ ብዕሊ፥ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ምቕባላ ኣብ ትግራይ ወይ ብኣባላት ሕወሓት ምስቲ ውሳኔ ዝጋጮ ርኢቶታትን ኣተረጓጉማኡን ከበግሱ ምርኣይ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ባድመን ኢሮብን ከኣ ናይዚ ኣብነት’ዩ። ንኢሳያስ ናይ ምድንጓይ ዕድል ዝኸፍት ድማ ኢዩ፤ ኢሳያስ ንመንእሰያት ኤሪትራ ኣብ ዶባት ገቲሩ መንፈሳዊ ርግኣት ዘይብሉ ናብራ ከሕልፉን ንእስነቶም ከሕርሩን ክገብሮም ዳግማይ ዕድል ይኽፈተሉ እነሀ።

ብካልእ ሸነኽ ድማ፤ ጉዳይ ዶብ ንዝምልከት ብዘይቅድመኩነት ብመሰረት ውሳን ኣልጀርስ ንቕበሎ ኢሉ ብዕሊ ንዘኣወጀ መንግስቲ፤ ከም ዝኾረየ: ቆልዓ ኮፍ ኣይብልን! ኣይላዘብን! ምሉቕ ኢልኩም ውጹ! ምባል ናይ ጥዕናን ግቡእ ናይ ፖለቲካ ኣሰራርሓን ኣይመስልን። እንተወሓደ ትኣምኖም መንጎኛታት ጌርዝከኣልንካ ንምትግባሩ ብዝምልከት ክትራኸብ ዘይከኣል ኣይኮነን። እቶም ደድሕሪ ኣበሃህላ ኢሳያስ ጎተት ንብል ዘለና ኣብ ልብና ተመሊስና ነቲ ክኸውን ዝግብኦን ነቃልሕ ኢለ እየ ክምዕድ ዝፈቱ።

ከም መደምደምታ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ሓደ ካብቲ ናብ ቅኑዕ መስመር ከምርሕ ዝኽእል ጉዳይ እንተሎ፤ ካብ ልብኻ ንህዝብኻን ንካልኦት ኣህዛብን ከተኽብርን ክትፈቱን ጽቡቕ ክትትምነየሎም ምስ እትበቅዕ ኢዩ። ኣብ ሃገራት ዝካየድ ፖለቲካ ብፖለቲካውያን ዝውሰንን ዝካየድን ስለዝኾነ፤ ብዘይንሕስያ ክትገጥሞን ወይውን ክትድግፎን ምብቃዕ ቅኑዕ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ፤ ብሰንኪ መራሕትና ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ኣህዛብ (ሓሓንሳብ እውን ኣብ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብካ) ኣብ ጽልኢ ዝተሞርኮሰ ሚዛንን ኣረኣእያን ክህሉ ግጉይ ፖለቲካ፤ ሓደገኛን ፍታሕ ዘየምጽእ ወዘተ ብምዃኑ፤ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መግዝእትን ስደትን ምስ ኩሉ ጎረቤት ዘበለ ህዝቢ ተቐሚጡን ተፋሊጡን ክሳብ እውን ተዋሲቡ ኢዩ። ምስ ገረባብቱ ድማ ከም ናጻ ሃገርን ህዝብን ብሰላምን ምክብባርን ምንባር ፍጹም ከጸግሞ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡውን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምዝገብ ምዕባሌያዊ ዓወት ከም ዓወትካ ርኢኻ ክትከስበሉን ከተኽስበሉን ብምትሕብባርን ምስምማዕን ንምስራሕ ካብኡ ሓሊፉ፤ ብክልቲኣቱ ሸነኻት ናይ ኣሉታዊ ቅንእን ኣሉታዊ ውድድራትን መንፈስ ምስ ዝኽተል፤ ንኩሉ ሸነኻት ዘየርብሕን: ንናይ ወጻኢ ጸላኢ መንግዲ ዝኸፍትን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዘይካ ምግጫውን ክፍኣትን ጥዑይ ስነምግባር ዘይብሉ ጨካን መላኺ ኣወጊዱ፤ ኣብ ሃገሩ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ ሰላምን ምዕብልናን ኣረጋጊጹ፤ ምስ ጎራባብቱ ተሓባቢሩ ክነብርን ዘኽእሎ ኩነታት ክፈጥር ክቃለስ ይግበኦ እብል።

Last modified on Thursday, 14 June 2018 21:49