ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንምትግባር ዘሕለፎ ውሳነ ምሕጓሶም ተገሊጹ

2018-06-14 07:05:03 Written by  ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1936 times

 

UNHCR

ዋሽንግተን

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡

ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባሩ ከምዝወሰነ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘሓጎሶም ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ስቴቨን ዱኻርክ ሓቢሮም።

እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ መርብሂዮም ነዚ ተዛሪቦም።

ዋና ጸሓፊ /ካብ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ዝተዋህበ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ንምትግባር ዝተዋህበ መግለጺ ተሓጉሶምዮም ክብል እኽእል።

እቶም ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንቕድሚት ንኽከይድ ድልየት ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ ኢሎም።

 

Last modified on Thursday, 14 June 2018 09:14