ንሕናን ከባቢናን

2018-06-02 23:09:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2013 times

“ንሕና” ዝብል ቃል ሓፈሻዊ ኮይኑ ብዝኾነ መልክዕ ተኣኪብካ መንነትካ እትገልጸሉ ኣጸዋውዓ እዩ። ንሕና ናይ ብዙሕ ኣነታት እኩብ ድምር ኮይኑ፡ ካብ በይንኻ ዝያዳ ዓቕምን ሓይልን ዝፈጥር እዩ። ሕጂ ንሕና ንብል ዘለና ከኣ ከም ኤርትራውያን ብሓፈሻ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ድማ ብፍላይማለትና እዩ። ከባቢ ካብ ዝተወሰነ ዘለኻሉ ኩርናዕ ጀሚሩ ክሳብ ሰፊሕ ሃገራዊ ኩርናዕ እትገልጸሉ ኣበሃህላ እዩ። መንበሪኻን ናይ ስራሕ ወይ ናይ ትምህርቲ ቦታኻ ዝርከቦ ከባቢ እውን እትገልጸሉ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ከባቢና ክንብል እንከለና ግና ከባቢ ሃገርና ኤርትራ ማለትና እዩ።

ከባቢና ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ይኹን ክሳዳዊ ኣቀማምጣ፥ ምቹእን ተሃራፍን ምዃኑ ዝሓለፈ ታሪኹ ይኹን ህልዊ ኩነታቱ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ውቅቡነት ከባቢና ዝፈጠሮ ዝሓለፈ ዓለም ለኻዊ ቆላሕታ ዝሰዓበ ምስሕሓባት እውን ናይዚ ኣብነትዩ። ከባቢና ምስቲ ኩለመዳያዊ ተበሃግነቱ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጸገማትን ግጭታትን ከም ዘለዎ ከኣ ኣብ ዛንታ ከይከድና ሕጂ ዘሎ ኩነታት መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ጽብቕትን ዕይንትን” ዝብልዎ ኮይኑ፡ እዚ ከባቢ ክንድቲ ምቹእነቱ ነበርቱ ተጠቀምትን ቅሱናትን ኣይኮናን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ዓብላሊ መግለጺ ከባቢና መግዛእቲ፡ ዝተናወሐ ናይ መሰል ቃልሲ፡ ግጭታትን ዘይርጉእ ምምሕዳራትን ኮይኑ ጸኒሑ። ሕጂ እውን እቲ ቅልውላው ደኣ መልክዑ ቀይሩ ዘቤታዊ ኮይኑ እምበር፡ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ የመን … ወዘተ ሃሰስ እንተበልካ ኩነታት ከባቢና እተራጥጠሉ ኣይኮነን። ጉዳይ ኤርትራ ከኣ ድምጺ ተኹሲ ዘይስመዓሉ ኮይኑ ብትሕዝቶኡ ግና ጽዕጹዕ ድምጺ ዘይብሉ ናይ ሕሳባት ተኹሲ ዝካየደሉ ዘይቅሱን ኩነታት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ከምቲ ቀደም እውን “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ኣብ ሓደ ሃገር ዝፍጠር ቅሳነት ኮነ ህውከት ኣብታ ሃገር ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብቲ ከባቢኡ ክፈስስ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ዘለናዮ ከባብያዊ ይኹን ዓለማዊ ኩነታት ገዛኻ ዓጺኻ ክጥዕመካ ይኹን ክኸፍኣካ እንከሎ በይንኻ ትስሕቀሉ ወይ እትቁዝመሉ ዘይኮነ ከባብያዊ ምጽልላው ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። ኩሉ ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ ከባቢና ክንብል እንከለና ሰፊሕ ስለ ዝኾነ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ከም ዝበሃል፥ ኤርትራን ህዝባን ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዎም ምጽልላው ዝያዳ ኩሉ ዝስራዕ እዩ። ኣብ ሃገርና ቅሳነት ክረጋገጽ ምስዞም ሃገራትን ህዝብታትን ዝህልወና ዝምድና ወሳኒ ክንዲ ምዃኑ፡ ብቐንዱ ውሑስ ከባቢ ንምርግጋጽ እቲ ጻዕሪ ካብዚ ናይ ቀረባ ከባቢ ክጅምር ናይ ግድን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ምስ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዘላቶ ሃለዋት ሕማቕን ሓደገኛን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ሚድያታትን ፖለቲከኛታትን መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ተባራዒ ዛዕባ እዩ። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ “ሕሰም ኮነ ራህዋ ህዝበይ፡ ናተይ ሕሰምን ራህዋን እዩ” ብዝብል ቅኒት ስለ ዘይምራሕ፡ ነዚ ኩነታት ከምዘይግደሰሉ ጥራይ ዘይኮነ ከምዘይዛረበሉ ተዓዚብና ኣለና። ናይዚ ዝሓለፈ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ መደረ ኣቶ ኢሳይያስ ነዚ ዘመልክት እዩ። ብመሰረቱ ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ሰቢሓ ፍርቂ ጐና ኣይትዓብርን እያ” ዝበሃል፡ ሓደ ባዕሉ ንህዝቡ ዝጭቁን መንግስቲ፡ ብናይ ህዝቡን ከባቡኡን ዝምድና ክግደስ እትጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻልን ንጉጅላዊ ረብሓኡን ዘገልግል ዝምድና ክፈጥር ኣይንቀሳቐስን ማለት ኣይኮነን። ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይኣፍልጦ ህዝብን ሕጋዊ ስርዓትን ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ናይ ወጻኢ ወታደራዊ መደበራት ክፈቅድን እናሻዕ ናብ ዓንገልቱ ዝገብሮ ውሽጡ እንታይ ምዃኑ ዘይፍለጥ መገሻታትን ከኣ ነዚ ዝምልከት እዩ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ፡ ሎሚ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ውሽጣ ኮነ ምስ ከባቢ ዘላትሉ ሃለዋት ነቲ ኮነ ኢሉ ዘጽቀጠ ጉጅለ ገዲፍናሉ፡ ኣብ ናይ ተዓዛቢ ቦታ እንቕመጠሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ምግማቱ ዘጸግም ናይ ብዙሓት ሰብ ፍሉይ ድሌት ምቁርቛስ ድምጽና ከነስምዕ ግድነት እዩ። ኣብዚ ኤርትራ ከመይ ክትዋሳእ ይግበኣ ዝብል ሰፊሕን ንናይዚ ዓውዲዚ ክኢላታት ዝግደፍን ኮይኑ፡ ጉዳያት ከባቢና ደም ብዘይፋስስ ፡ልዕልናን ቀያድነትን ሕጊ ብዘውሕስ ናይ ህዝብታት ረብሓን ቀጻሊ ሰላምን ብዘረጋግጽ ምሓዙ ዝብል ምላሽ ንኹልና ዘረዳድኣና ሓሳብ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣዛራራብነቱ ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እውን ብከምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብዩ ክምዘን ዝግበኦ። እዚ ኣገባብ ከኣ እዩ ንሰዓራይን ተሰዓራይን ዘየጉልሕ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ረብሓን ቀጻሊ ሰላምን ዘውሕስ። ናይዚ ጉዳይዚ ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ንክልቲኡ ወገናት ብማዕረ ዝጸሉ እምበር ሓደ እቲ ጉዳይ ፍታሕ ብምርካብ እቲ ካልእ ድማ እቲ ጉዳይ ብዘይምፍታሑ ዝርብሑ ኣይኮኑን። ሓደ ንረብሓ እቲ ካልእ ሰጊሩ ፍታሕ ከምጽእ ምፍታን እውን ናብ ቀጻሊ ርግኣት ዘብጽሕ ኣይኮነን።

ከባቢና ኣብ ምርግጋእን ውሽጣዊ ኤርትራዊ ኩነታትና ምጥጣሕን ሓደን ክልተን ምዃኖም ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ዝግበሮም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣዝዩ ስለ ዝጸልዎ እዩ። ክልተ ዝገብሮም ከኣ እቲ ሓደ ስለ ዝተፈትሐ እቲ ካልእውን ከምርዱእ ይፍታሕ ማለት ስለ ዘይኮነ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ምስ ዝፍታሕ ብኡ ንብኡ ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ኮታ ልዕልና ሕግን ህዝብን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ የብቅዕ ማለት ኣይኮነን። ግን ናይቲ ሓደ ጉዳይ ምፍታሕ እቲ ሓደ ንክፍታሕ ኣየቀላጥፎን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መንፈስ ኣብ ዝፍተሓሉ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ተሓቢእሉ ዘሎ መጋረጃ ተቐንጢጡ እቲ በዚ ተገልቢቡ ዘሎ ህዝብዊ ሕቶታት ዝያዳ ኣብ ኣደባባይ ከም ዝወጽእ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ብደረጃ ሃገርና ኮነ፡ ብደረጃ ከባቢና እቲ እንምነዮ ለውጢ ክረጋገጽ፡ ናይ ካልኦት ኢድ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ክንድቲ ከነብርክቶ ዝግበኣና ከነበርክትን ድምጽና ከነስምዕን ዝግበኣና ሰብ ጉዳይ ምዃና ምስትውዓል ከድልየና’ዩ።

Last modified on Sunday, 03 June 2018 01:15