ዕድመ ንሰፊሕ ሰሚናር ብምኽንያት ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኣብ ፍራንክፈርት

2018-05-11 06:40:39 Written by  ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1830 times

ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ንቀዳም ዕለት 02.06.2018 ኣብ ፍራንክፈርት በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ሰፊሕ ሰሚናር መዲብና ከምዘለና ንሕብር።

ኣብዚ ሰሚናር እዚ ንነጻነት ንምምጽእ ዝተኻየደ ቃልሲን፣ ጉዕዞን ፣ተምክሮ ፣ ብገዳይም ተቃለስቲ ክቀርብ ከሎ ብምሁራት ዲማ ብዛዕባ ነጻነትን ሓርነትን ዝምልከት ትንተናን ኣስተምህሮን ክቀርቡ ተመዲቡ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢና ንመጻኢ ክግበር ዘሎ ኣገባብ ኣከያይዳ ቃልስን ከምኡውን በቲ ተተኺሉ ዘሎ ሕጋዊ ማሕበር ዝምልከት ኣርእስትውን ኣብቲ ሰሚና ክዝተየሉ ምዃኑ ንሕብር።

ኣብዚ ሰሚናርዚ ኩሉ ተሳታፋይ ሓሳቡን ርእይቶኡ ክህብን ብንጥፈት ክሳተፍን ንኩሉ ንዕድምን ነተባብዕ።

ድሕሪ ናይ ፖሊቲካ መደብ ናይ ዕላል መደብ ክቅጽል ኣዩ።

ኩሉም ኣብ ፍራንክፉርትን ከባቢኡን ትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ (ተቃወምቲ ውድባት፣ ሰልፊታት፣ ስቪካውያን ማሕበራትን፣ ነጻ ኣካላትን) ኣብዚ ሰሚናር ተገዲስኩም ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ሰሚናር ዝካየደሉ ጊዘን ቦታን:

ዕለት ፡ ቀዳም ዕለት 02.06.2018

ሰዓት ፡ ካብ 15፡00 ክሳብ 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)

ኣዳራሽ ፡ ዛልባው ጋሉስ

 

SAALBAU Gallus
Frankenalle 111
60326 Frankfurt am Main
                    

                                                                                                                                                                        

ሓበረታ ብባቡር ትመጹ፡

ብኤስባናት ወይ ሽትራሰንባናት ናብ ጋሉስ ዝኸዳ ወሲድኩም ካብቲ ጋሉስ ሃልትሽተለ ኣስታት 200 መትሮ ምስቀጸልኩም ብየማን ሸኘኽ ዝርከብ ኣዳራሽ ናይ ሳልባው እዩ።

 

ብድሓንምጹ

ሽማግለህዝባዊምልዕዓልፍራንክፈርትንከባቢን

Last modified on Friday, 11 May 2018 08:48