ብርኢቶ ተፈላሊኻ ምፍንጫል፡ ብዙሕነት ዘይምኽባር’ዩ

2017-10-27 11:55:22 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2624 times

ሓደ ሕብረተሰብ ሃገሩን ኣብኣ ዝነብር ህዝብን ብሓባር ኮይኖም፡ ዝመጾም ሽግር ኣብ ምፍታሕ ስምረት ክህልዎ ከምዝደሊ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ስምረት እንተዘይብልካ ነቲ ሓባራዊ ዕማም ንምትግባር ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ዓቐበትን ቁልቁለትን ዘለዎ ጸድፊ እዩ ዝኸውን። ከምኡ እውን ሓድሕድ ምድምማጽ ይጠፍእ እሞ እቲ ዝተኣሳስረካ ፈትሊ ሃገራዊ መንነትን ታሪኽን ይበጣጠስ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥምረት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ነፍሲ ወከፍ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ክንዲ ዝጥምት ኣብ ናይ ውልቁ፡ ጉጅልኡ፥ ወይ’ውን ቀቢላኡ እዩ ዝያዳ ዘድህብ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ኣብ ምፍልላይን ምውንጃልን ኣትዩ ናብ ምፍልጫል ገጹ ይጎዓዝ።

መንቀሊ ምፍንጫል ብመሰረቱ ውልቃዊ ወይ እውን ጉጅላዊ ሓሳብ ምስቲ ናይ ካልእ ሓሳብ ክጠዓዓም ኣብ ዘይክእለሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝብገስ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ምፍልላይ ነቲ ናትካ ርእይቶ ምስቲ ናይ ካልእ ርእይቶ ምውህሃድ ገዲፍካ፥ ነቲ ናትካ ርእይቶ ልዕሊ እቲ ካልኦት ዝተሰማምዑሉ ርእይቶ ከበርኽ ኢሉ ዝህቅኖ ምስ ዘይዕወት ዝኽሰት እዩ። እዚ ከኣ ፈቲና ጸሊእና ነቲ ሕጊ ዲሞክራሲ ዝጠልቦ ክትቅበል ዘይምብቃዕ ዘመልክት እዩ። እቲ ጠለብ ተጻዋርነት፥ ኣብ ምፍታሕ እቲ ግርጭት እጃምካ ምብርካት፥ ሓድሕድ ምክብባርን ምድማጽን፥ ሕድገታት ምግባርን፥ ምእዙዝነትን ዘጠቓልል እዩ። ካብዚ ወጻኢ ናተይ ጥራሕ ትኹን ዝዓይነቱ ሙጉት ባህሪ ናይ ዲሞክራሲያዊ ባእታ ኣይኮነን።

“ናተይ ቅብልቲ እንተዘይኮነት” ኣብ ዝብል ምድራቕ፡ ኣብ ምንፍፋግ፥ ምቅንጻል፥ ጸለመን፥ ሓቂ ምድፋንን ትዋፈር እሞ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ውጽኢት ምፍንጫል ይኸውን። እዚ በዚ ይኹን በቲ ዝተፈላለየ ልፍንትታት ብምፍጣር ናይ ዓብላልነት ርእይቶኻ ንምርጓድ ኣጀንዳ ብምሓዝ ንመሰረታዊ ሽግራት ፍታሕ ንምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን። ናብ ምፍንጫል ገጽካ ክትጎዓዝ እንከሎኻ ኣቐዲሙ ዝመጽእ ዘረሓሕቕ ጽልኢ ነቲ ናትካ ርእይቶ ብዘዕዉት ኣገባብ ክትውንጭፍ ላዕልን ታሕትን ትብል።   

ምፍንጫል ኩልና ከም ንርደኦ ናይቲ ዝተጋገየ ሸነኽ ኣነ ተጋጊየ ነይረ ዘይምባል፥ ወይ እውን ነቲ ዝበዝሐ ዘሰማምዓካ ርዒምካ ዘይምኻድ ዘስዕቦ ጠንቂ እዩ።  ካብ ኩሉ ዝገደደ ከእ ነቲ ዝተመስረተ ሃገራዊ ምትእስሳር በታቲኹ ነቲ ምእንቲ እዛ ሃገር ዝተኸፍለ ዋጋ እውን ዘህስስ ይኸውን። ከምኡ እውን ነቲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ኣልሚሱ፥ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ንኸይጥጥዕ ዓብይ ሽግር ይፈጥር።  ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ውጽኢቱ “ከምዚ እዩ ክኸውን ዝኽእል” ኣብ ዘይትብለሉ ጥፍኣት ይነቑተካ።

ኣብ ከምዚ ህሞት እቲ መላእ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ፖለቲካውን ሓርነታውን ቃልሲ ንኸስተብህልን ክዋሳእን ሸውሃቱ ስለዝዓጽዎ ንድሌታት ህዝቢ ዘየማልእ ምዃኑ ይመዝኖ። ምፍንጫል ብዙሕ ሃስያታት ዘስዕብ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ገለ ወገናት “ናተይ መገዲ ወይ እቲ ሰፊህ ጎደና” ዝብል መጻብቦ ይስዕብዎ። ኣብ ክመዚ ኩነታት ንኹሉ ዝሓቊፍ ኣሳታፊ ለውጢ ንኽዕወት ከቢድ እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት  ነቲ ዝነበረ ቃልሲ ብኣጉል ፍልስፍናታት ሓቂ ደፊንካ ከምዚ ተገብረን ተፈጥረን ዝብል መናፍሕ ብምንዛሕ ኣጀንዳኻ ንኸዕውት እምበር፥ ተመሊስካ ጨፍለቕን ወጻዕን ምዃን ቅቡል ኣይኮነን። ምክንያቱ ውጽኢት ናይቶም ብሓይልን ዓመጽን ይኹን ብምክፋእን ጸለመን ዝብገሱ ሓይልታት ክልቲኡ ዕንወት ስለዝኾነ። ብትምክሕትን ጽበትን ዝተላዕጠጠ ወፈራ ከኣ ግርጭታት ኣልዩ ማሕበራዊ ፍትሒ ይኹን ቅኑዕ ምሕደራ ክምስርት ኣይበቅዕን እዩ። እቲ ምንታይ እቲ ንምፍንጫል ዝጥቀመሉ ምስምስ ካብ ሓቂ ርሒቑ ንጉጅለኣዊ ስምዒት እምበር ንኹሉ ዝሓቁፍን ንብዙሕነት ዝቕበልን ዝጸውርን ዘይኮነስ ምርሕሓቕ ፈጢሩ ምፍልላይ ዘራጉድ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ተጸዋዊርካን፥ ተኸባቢርካን ምጽባቡን ምምሕዳሩን ተሪፉ ናብ ምርሕሓቕ ዝዕድም ኣቀራርባ ክትዕዘር ይገብረካ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ምፍራስ፥ ኣብ ክንዲ ምስምማዕ ምፍልላይ፥ ከምኡ እውን ንድሌታት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ትሕለቕ ንስምዒታትካ ተቐድም። ረብሓታትካ ክተቕድም እንተኾይንካ ድማ፥ ነቲ ዲሞክራሲያ ዝጠልቦ ሕግታትን መምርሕን ወጊድካ፥ ፊን ናብ ዝብለካ ብምኻድ ንኣዕኑድ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዘፈራርስ እዩ ዝኸውን።

Last modified on Friday, 27 October 2017 13:59