ገንዘባዊ ሓገዝ ንቤተ- ክርስትያን መሓዛ መንግስቲ ኤርትራ።

2017-09-12 08:56:41 Written by  ሃገራዊ ተለቭጅን ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1901 times

ትርጉም ካብ ቋንቋ ሽወደን ወኪል ሓርነት ኦርግ ኣብ ሽወደን።

ሽወደናዊ ረድዮ ካሊበር: ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ንዝመጹ መንእሰያት: ኣብ ሽወደን ብዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ”ውህደት ብዝብል ፕሮጀክት” ብመንግስታዊ  ትካል ንኣመንቲ ሃይማኖታት ኣብ ሽወደን ሓገዝ ከም ዝግበረሉ ኣቃሊዑ።

እቲ ረድዮ እዛ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ምስቲ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዝፍለጥ ክነሱ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ምዃኑ ኣብሪሁ። እዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ኣብ ሽወደ ንውህደት መንእሰያት ስደተኛታት ኣመኽንያ' ሓገዝ ክትወስድ ጸኒሓ ዘላ።

ስደተኛታት ኤርትራውያን ተቛወምቲ ምልካውነት ኣብ ኤርትራ እዛ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን ነዊሕ ኢድ ምልካዊ ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ኮይና: እትገብሮ ምንቅስቓስ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ናይ ፕሮፕጋንዳን ምቊጽጻርን ሽወደናውያን ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ከምዝኾነ ገይሮም'ዮም ዝገልጽዋ።

መንግስታዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ”ምንቅስቓሱ” ንደሞክስያዊ ሓሳባትን ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ንዝገብር ጥራዩ ክወሃብ ዝግብኦ። ማክስ ስቶክማን ሓላፊ ንናይ እምነት ማሕበራት ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብር መንግስታዊ ትካል ሽወደን: ሓላፊ እዛ ቤተ- ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘስምዖ ደገፍ ዝተቐድሐ ሪኮርድ ሰሚዕናዮ ሰለ ዘለና፣ ክንገብሮ ዝጸናሕና ሓገዝ ደጊምና ክርእዮ ኢና ኢሉ ኣሎ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብዛ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን: ኢድን ጽልዋን ከምዘይብሉዩ ዝኽሕድ: ሓላፊ ፕሮጀክት ውህደት ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራውያን ኣማን ርእሶም ግን: ነቲ ሲ እኳ እንተኸሓዶ ኣብ መንጎ ቤት-ክርስታያኑን መንግስቲ ኤርትራን ሓድሕዳዊ ምክብባር ከምዘሎ ኣሚኑ ኣሎ።

ዜናዊ ጽሑፍ ሃገራዊ ተለቭጅን ሽወደን 11 መስከረም 2017።

Last modified on Tuesday, 12 September 2017 11:03