ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን

2017-09-11 11:04:28 Written by  Festival 2017 Frankfurt Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1857 times

4ይ ክፋል

እውንታን ኣሉታን ዲሞክራሲ

ኣብ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ከምዝተገልጺ ብዛዕባ ገለ ካብቲ መትከላት ዲሞክራሲ ተጠቒሱ ነይሩ። ዲሞክራሲ ክም ሕያሽን ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ምግባርን ዜጋታት ኣፍልጦ ዲሞክራሲን ክብርታቱን ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ክእለታትን ተፈጥሮኣዊ ዝምባሌ ክህልዎም ንሓባራዊ ሸቶ ንምብጻሕ ምውደብን ከምዘድሊ ብሩህ እዩ። እቶም ኣብ ሓባራዊ ሸቶ ንምብጻሕ ዝተወደቡ ኣካላት ከኣ ዝቕይዶም ሕጊ ከም ዝሕንጽጹ ፍሉጥ እዩ። ዝኣስሮም ሕግታት እንተዘየልዩ ግና ፍንጡሕን፥ ፍረኣልቦን ውጽኢት እዩ ክኸውን።

ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝቕጽል ዘሎ እምበኣር ብዛዕባ እውንታታትን ኣሉታታትን ናይ ዲሞክራሲ ብምግላጽ ንዲሞክራሲያዊ ውሳኔታት ንምብጻሕ ዝውሰድ ኣገባባት ክንርኢ ኢና።

እወንታታት  ዲሞክራሲ

  • ዲሞክራሲ ብዝያዳ ፍትሓዊ እዩ፥ ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብር ህዝቢ መን ከም ዝመርሖ ንኽውስን ዝኽእሎ ስለዝኾነ። ዲሞክራሲ ከምቶም ካልኦት ኣገባባት ከም ፍጹም ንግስነትን፡ ወተሃደራዊ ምልካውያን፥ ሃይማኖታውያን ወዘተ ንድሌታት ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ  ረጊጹ  መን ከም ዝመርሕ ንምውሳን፥ ኣብ ንእሽቶ ጉጅለ ወይ ውዲታውያን ሰባት ወይ ውልቀሰብ ወይ ቃሕ ብዝበሎ ኣገባብ ከም ትውልዳዊ  ውርሻ  ዝምርኰስ ኣይኮነን።
  • ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ሕጋዊነት መሪሕነት ወይ መንግስቲ ንኽረጋጋጽ ምድማጽ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። ምኽንያቱ ንሳ ወይ ንሱ መሰል መራሒ ናይ ምዃን ብመገዲ ምርጫ ህዝቢ ክማጎት ዝኽእል መሰል ስለዘለዎ። እዚ ከኣ ንፖለቲካዊ ርግኣት የዕዝዝ። 
  • ፍጹም ንግስነት ወይ ምልኪ ኣብ ዝህልወሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ መን እዩ  ብቑዕ ተካኢ ኣብ ዝብል ክርክር ይምዕብል እሞ ሓድሓደ ግዜ  ናይ ፖለቲካ ቆይቁ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ መንቀሊ ናይ ውግእ ሓድሕድ ኩነታት ከምርሕ ይኽእል። ዲሞክራሲ ግን ንመንግስታትን መራሕትን ኣብ ምቕያር ሰላማዊ ምስግጋር ዘውሕስ ውጽኢታዊ ኣገባብ እዩ።
  • ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት ግሉጽነት ወይ ቅሉዕነት ምርግጋጽን ብልሽውና ብዝምልከት ምቁጽጻር ምግባርን ኣዝዮም ብሉጻት እዮም። ምኽንያቱ  ተጻረርቲ ፖለቲካዊ  ሓይልታት ወይ ጉጅለታት ንናይ መንግስቲ ጌጋታትን ገበናትን ንምቅላዕ ዘድሃበ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ፈተነ ስለዘሎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መንግስቲ  ንምንቃፍ  ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ፥ እዚ ናይ ተሓታትነት ደረጃ ኣብ መብዛሕትኦም  እንኮ ሰልፍን ኣውቶክራት ስርዓታትን የለን። 
  • ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንዝጎሃዩ ወይ ዘይዓገቡ ብሰላም ናይ ከስተንፍስሉ ዝኽእሉ ዕድላት ከተግብር ይኽእል።ዜጋታት ከኣ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንመራሒ ይኹን መንግስቲ ናይ ምልዋጥ ድምጺ ከም ዘለዎም ብዝግባእ ይፈልጡ። ስለዚ ብወገን ህዝቢ ናይ ናዕቢ፥ሓፈሻዊ ኣድማ ወይ ናይ ዓመጻዊ ኣብያ ምምርኳስ ዕድል ዝወሓደ ይኸውን።
  • ዲሞክራሲያውያን መንግስታት ናብ ውግእ ገጾም ክኸዱ ዘለዎም ዕድልዝተሓተ እዩ።ምኽንያቱ ብኣጠቓላሊ ናይ ህዝቢ ፍቓድ ከሰንዮም ስለ ዝደልዩ። ውልቀ መላኺ/ትግኛ መብዛሕትኡ ግዜዊ ንብዝበሎ ንሃገሩ/ንሃገራ ናብ ውግእ  ከእትዋ ይኽእል እዩ።
  • ዲሞክራሲ ንዜጋታት ናህና እዩ ብምባል ናይ ምትእስሳር ስምዒት የተባብዕ።ኣብ ፖለቲካዊ ምስርሕ ምሉእ ተሳትፎን ናይ ዋንነት ስምዒትን ይህልዎም። 

ኣሉታታት ናይ ዲሞክራሲ

  • ናብ ሓጺር-ግዜ ዝብል ዝንባሌ ኣሎ። ምኽንያቱ መራሕቲ/መንግስታት ብኣጠቓላሊ ንሓደ ውሱን ዕድመ  ከገልግሉ እዮም ተመሪጾም። (ከምቲ ልሙድ ኣብከባቢ 4 ወይ 5 ዓመታት) መብዛሕትኡ ግዜ ዘጨንቖም ማለት ንሶም ኣብ ዳግማይ ምምራጾም እምበር ኣብቲ ኪኖ መጻኢ ምርጫ ኣይኮኑን ዝርእዩ። ገለገለ ማሕበራ’ውን፥ከባቢያውን ቁጠባውን ሽግራት ንምፍታሕ ኣዝዩ ነዊሕ ዝኾነ ግዜ እዩ ዘድሊ

  • ምልኪ በዙሃን ጉጅለ ንውሑዳን ጉጅለ ሕብረተሰብ ብቐጻሊ ኣስጋኢ እዩ። ከም መራሒ ወይ መንግስቲ ንረብሓታት ናይ ዝዓበየ ማሕበራዊ ጉጅለታት ጥራሕ ከገልግልን፥ናይ ካልኦት መስል ክዕምጽጽን ዋላ እውን ሸለል ዝብልን ክኸውን ይኽእል።
  • ውሑዳት ሃገራት ታሪኻዊ ባህሎም ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት ናይ መንግስቲ ኣየዋጽኦን እዩ፥ ካልእ ዓይነታት መንግስቲ እዩ ዝሓሸ (ዝሰርሕ) ክብሉ ይከራኸሩ።ናይ ምዕራባውያን ጽንሰ ሓሳብ ሱርመሰረቱ ኣብ ጥንቲ ግሪኽን ናይ ሮማን ኤውሮጳዊ ባህሊ ኣለዎ።እዚ ከኣ ንምብራቕን፥ ኣፍሪቃውን ሃገራት ዘይቃዶ ክኸውን ይኽእል።
  • ዲሞክራሲ ናብ ግብራዊ ዘይኮነ ልፍንትታት ንመወዳእታ ዘይብሉ ፍልልያትን ቆይቅን ፍታሕ ዘይርከቦ ፖለቲካዊ ህልኽን ከኸትል ይኽእል።ካልእ ፖለቲካዊ ስርዓታት ግን ናብ ዝሰመረ ኣቕጣጫ ክቕጽሉ ቀሊል ኮይኑ ይረኽብዎ። ውሑዳት ጥንታዊት ሮማ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር፥ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ቀይሳር ዝነበረትሉ ምሕደራ እያ ዝያዳ ዝሰርሐት ክብሉ ይከራኸሩ።
  • ብምልኣት ዝሰርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ዝተማህረን ሓበረታ ዝቐሰመን ህዝቢ እዩ ዝምርኰስ። ፖለቲካዊ መስርሕ ብኮርፖረሽናትን፥ ሃብታማት ውልቀሰባትን ዝንቡዕ ወይ ትሑት ዓይነት ሚዲያን ፍሉይ ናይ ረብሓ ጉጅለታት ክጭወን ክመዛበልን ይኽእል።
  • ዲሞክራሲ ዝያዳ ንድሌታት ወልቀሰብ ከማልእ ይሃልኽ፡ እንታይ እዩ ንመላእ ሃገር ዝሓሸ ገዲፉ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓታት ጥራሕ ምሕሳብን፥ብስስዐ ንኸድምጽ የተባብዕ።
  • ሓደ ፖለቲከኛ ወይ መንግስቲ ኣብ መንጎ ነታ ሃገር ዝሓሸ ረብሓታት ምንዳይን ኣብ መንጎ እቲ ንዳግማይ ምርጫታት ዝህሉዎም ዕድላት ዘዛይድ ምውሳን ሓድሓደ ግዜ ናይ ረብሓ ግርጭት ክኽሰት ይከኣል። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ነቲ ዳሕራይ ማለት ነቲ ዕድላት ናይ ዳግማይ ምርጫ ዘዛይድ እዮም ዝመርጹ።
  • ምርጫታት ብዙሕ ግዜ ክወስድን ግዙፍ ብዝሒ ገንዘብ ከህልኽን ይኽእል። እቲ ምእንቲ  ናይ ፖለቲካዊ ምልክታት ወይ መላለዪ ብሚልዮናት ዝጠፍእ ገንዘብ ናብ ካልእ ዝሓሸ ዝያዳ ጠቓሚ ነገራት እንተዝጠፍእ ምሓሸ  ነይሩ ዝብል  ክርክር  ክለዓል ይኽእል እዩ።
  • ዲሞክራሲያዊ መስርሕ፥  ፖለቲከኛታት ከዕቅብዎ ዘይክእሉ ምዃኖም እናፈለጡ ምእንቲ ክምረጹ መብጻዕታት ክገብሩ የተባብዕ’ዩ። እዚ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ህዝባዊ ምስትንዓቕ ወይ ምርሕሓቕን ተስፋ ምቑራጽን ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ዲሞክራሲ  እምበኣር “እቶም ምርጭኦም ዘድምጹ ብብልሓት ከድምጹን ክመርጹን ድሉዋት እንተዘይኮይኖምዲሞክራሲ ፈጺሙ ኽዕወት ኣይክእልን እዩ።እቲ ሓቀኛ መዕቆቢ ናይ ዲሞክራሲ እምበኣር ትምህርቲ እዩ። ክብል ፍራንክሊን ዲሩዝቮልት ገሊጹ።” Franklin D. Roosevelt

ከምኡ እውን “ንሕና ንዲሞክራሲ ግብራዊ ንምግባር ተዓዘብቲ ጥራሕ ምዃን ዘይኮነስ ናይ ተሳትፎ ሓሳብ ክህልወና ይግባእ። እቲ ዘየድምጽ ኣካል ናይ ቅረታ ይኹን ምጥራዕ መሰል የብሉን።ክብል ሉዊስላሞር ይጠቅስ። Louis L'Amour

ስለዚ ናይ ክልቲኣቶም ሓሳብ፥ሓደ ሕብረተሰብ ንዲሞክራሲያዊ  መትከላትን  ጽንሰ ሓሳባትን ብግቡእ እንተዘይፈሊጥዎን ኣተግቢርዎን ዲሞክራሲ ክዕወት ኣይክእልን ማለት እዩ።

 

ምስምማዕ ወይ ከኣ ሓባራዊ ስምምዕ

 

ኣብ ዲሞክራሲ ሕጊ ተኸቲልካ ብምኻድ ንኣብዝሓ ድምጺ ብዘይዕንቅፍ ኣገባብ ስምምዕ ውሳኔታት ክውሰድ ይከኣል። እቲ ዝውሰድ ውሳኔ ንኹሉ ከዕግብ ኣይክእልን ይኸውን፥ ይኹን እምበር ብናይ ብዙሓት ተማእዚዝካ ምኻድ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ  ዓንዲ ሕቘ ናይ ዲሞክራሲ እዩ። ሎሚ እንተዘይተዓወትካ ጽባሕ ሕጊ እናኣኽበርካ ነቲ ዝተወስደ ውሳኔ ግጉይ ምዃኑ ክተእምን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ዲሞክራሲ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ነጥብታት የተግብር።

1-ስምምዕ ወይ ሓባራዊ ስምምዕ፦እንታይ ደረጃ ናይ ስምምዕ ኢዩ ኣድላዪ? መኣስ’ዩኸ ሓባራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ዝብሃል? ሽሕ’ኳ ናይ ብዙሓን ድምጺ ሰዓሪ እንተዀነ፡ 51% ብ49% ድምጺ ክኸውን እንከሎ ስምምዕ ዘይኰነስ፡ በሊሕ ምግምማዕ ከምዘሎ ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ሓደ ጕዳይ ስምምዕ ወይ ድማ ሓባራዊ ስምምዕ ኣሎ ክንብል እንተደኣኰና፡ እቲ ድምጺ 65% ብ35% ወይ ድማ 50% ብ25% ኰይኑ፤ እቶም ዝተረፉ 25% ድማ መርገጽ ዘይሓዙ ወይ ዘየድመጹ ምስ ዝዀኑ ኢዩ። ስምምዕ ወይ ሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ኣምር፡ ሓደ ፍጹም ሕጊ የብሉን። ዋላ ሓባራዊ ስምምዕ እንተሃለወ ጌና ፍልይ ዝበለ ወይ ተጻራሪ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ክህልዉ ኢዮም።

2-ምምኽኻር፥- ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ንመርገጻቱን ሓሳባቱን ሓደ ነቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ምዕጋብ ዝካየደሉ መስርሕ ኣዩ። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ጥራሕ ንምእማን ክፉት ማለት እዩ ኣይኮነን።  ምምኽኻር  ብመሰረት ወድዓውን ከመይነትን ኩሉ ጉዳይ ዘቕርቦ  እማመ  ብተዘዋዋሪ ይኩን ብቕጥታ ንሓባራዊ ረብሓ ዘዕዝዝ ክርክር  ይግበር። እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጉባኤን ኣብ ናይ ደውላ ሓገግትን ዝካየድ ምይይጥ ናይ ምምኽኻር ባህሪ እዩ።ንሱ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ብልጫታት ወይ ዝያዳ ዕድላት ኣብ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ኣብቲ መስርሕ ዝረአ እዩ።

3- ልዝብ- ናብ ስምምዕ ንብጻሕ ከም መመላእታ መሳርሒ ናይ ምምኽኻር  እዩ።  ካብዚ ንንየው ኣብ ልዝብ፥ ነቲ ካልእ ሸነኽ ብመሰረት ጎድናዊ ጉዳይ ናይ ምእማን ሕቶ ዝግበር ክርክር የለን። ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ኣብ እምነቱ ይጸንዕ ግን ምናልባት ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድሌታቱ ከርኢ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ልዝብ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ፡ ግን እቲ ቀንዲ መቖሚ ሓደ ዓይነት ይኹን ወይ ካልእ ሕድገት እዩ። ኣብ ሕድገት ነፍሲ ወክፍ ወገን ገለ ነገር ክረክብ ካብቲ ንሱ ዝደልዮ ክገድፍ ኣለዎ። ንኣብነት ተሳታፊ “ሀ” ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ናይ ዝተኣመመ ሕጊ ተሳታፊ “በ” ዝጻረሮ ክድምስስ “በ” ነቲ  “ሀ”  ዘይድግፎ ከልግስ ድልው ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ።

4-ውሳኔ፥- ምውሳን ምስ ተኻእለ ጥራይ እዩ ናብ ስምምዕ ክብጻሕ ዝከኣል።  ኣብ ስርዓት ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝበዝሑ ይገዝኡ ዝብል ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ።ሽሕእኳ ዝበዝሑ ይገዝኡ ዝብል ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ ይበሃል እምበር፥  መሰል ውሑዳት ክሕሎ ይግባእ ዝብል መትከል እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ።ወጥሪ ኣብ መንጎ ዝበዝሑ ይገዝኡን ኣብ መንጎ መሰል ውሑዳት ይኸበርን ኣብ ሓገግቲ ኣካላት ክህሉ ብሩህ እዩ። ኣብዚ መሰማምዒ ውሳኔታት በቶም ዝበዝሐ ድምጺ ዘሎዎም እዮም ዝውሰኑ፥ግን ከኣ እቶም ውሑዳት ኣብቲ መስርሕ ርእይቶ ኣለዎም።እቶም ናይ ዝበዝሐ ዘድመጹ ወይ ድምጺ ንምሃብ ስልጣን ዘለዎም እቲ እማመ ምስቲ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ።

ክቕጽል’ዩ።

Last modified on Monday, 11 September 2017 13:11