መበል 26 ዓመት ዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።

2017-05-30 08:34:07 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3707 times

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኣኪቦም መበል 26 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ብ20 ግንቦት2017 ዓ.ም. ኣኽቢሮም። እቲ በዓል ብሓልዮት ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ”  ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዓል ናጽነት ብሙዚቃ ባንድ ዝተሰነየ ባህላዊ ጓይላ እዩ ዝኽበር ነይሩ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን መደባት ናይ ማሕበርን ኣብቲ በዓል ተረኺቡ ተሞክሮኡ መሰረት ብምግባር ብዛዕባ ታሪኽ ቃልስናን፣ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝርከበሉ ሃለዋት ምልክን ጭቆናን መዋጽኦ ዝእምትን  መግለጺ ዘቕርብ ጋሻ ብምዕዳም’ዩ ተኻይዱ።

 

ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ንኽብሪ በዓል ናጽነት ዝተኸፍሎ መስዋእትነትን ንምዝካር ናይ ሓደ ደቒቕ ጸጥታ ብደውታ ንኣኼበኛ ብምሕታት ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ዘዳለዎ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ዘቕረቦ ቃል ብዛዕባ ማሕበር፣ ዘሳለጦ ዕማማት፣ ዘጋጥሞ ሕጽረታትን ንምፍትሑ ዝሕግዙ እማመታትን ብዝርዝር ሓቢሩ።

 

ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር፣ ንሓያሎይ ኣባላቱ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንሃገራዊ ናጽነት ዘበርከትዎ ብምዝካር፣ ከይተሓለሉ ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ ቃልሶም ዝቕጽሉ ዘለዉን “ምስክርነት ኣድናቖትን ምስጋናን” ዝብል ወረቐት ዓዲሉ።

 

ናይቲ በዓል መደብ ቀንዲ ጋሻ ዝዀነ ሓርበኛ ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ ኣብ ኦክላንድ ብኣቦ መንበር ማሕበር ምስጉን ሓጎስ ሌላን ድሕረ-ባይታን ተገሊጹ፡ ብኣወሃሃድነት ኣቦ መንበር ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤፍረም ናይዝጊ ኣኼባ ተጀሚሩ።

 

የማነ መንነቱ ድሕሪ ምልላይ ካብቲ ዝዓበየሉ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ካልኣይ ዓመት እናተኸታተለ ከሎ ደርጊ ዓጽዩ ናብ ወፍሪ “እድገት በህብረት” ክሰዶም ኣብ ምድላው ከሎ፡ ኣብ ሕልና የማነ “ኢትዮጵያዊ ወይ ኤርትራዊ ናይ ምዃን ሕቶ” ክምልስ ዝተገደደሉ እዋን ምንባሩ ብምዝካር እቲ ምርጫ ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ፣ ብ1975 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። 1979 ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ (ህዝባዊ ኤርትራዊ ሰውራዊ ሰልፊ, ኢ.ፒ.ር.ፒ) ኰይኑ እናተቓለሰ ጸኒሑ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ክሳብ 1983 ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣባል ክፍሊ ስለያ ድሕሪ ምምዳቡ ወኪል ናይቲ ውድብ ኣብ ሶማልያ ተመዚዙ ክሳብ 1988 ክቃለስ ምጽንሑ ሓቢሩ።

Yemane Teklegherghis

 

ኣብ ስእሊ ዘለዉ፡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ምስጉን ሓጎስ፣ የማነ ተኽለገርግስ፣ ኤፍረም ናይዝጊ

 

የማነ ኣብ መእተዊኡ ብዛዕባ ተሳተፍቲ’ቲ ኣኼባ ትዕዝብቱን ምስጋንኡን ክገልጽ ከሎ፡ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ብሓባር ተኣኪብኩም፣ እተካይድዎ ንጥፈታት’ውን ካብቲ ክግለጽ ዝጸንሐ መደባት ክግንዘብ ስለዝኸኣልኩ ኣዝየ ሕጉስ እየ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘይነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ገኒኑ ዝርአ ዘሎ ኣውራጃዊ ፍልልያትን ካልእ ጸቕጥታትን ነጻ ኰንኩም ትቃለሱ ምህላውኩም ካብ ዘሐጐሰኒ እዩ፡ ምኽንያቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ጸቕጥታት ነጻ ኰንካ ምቅላስ ቅኑዕ ናይ ዕላማ መሰረት ስለዝዀነ።

 

የማነ ካብ ተሞክሮኡ ብምንቃል ኣብ ረድዮ ወጋሕታን መርበብ ኣሰናን ሰፊሕን ዝርዝር ሓበሬታን ኣቐዲሙ ስለዝሃበ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ምዝርጋሕ ዘሎ ባዕሉ ዝደረሶ መጽሓፍ ኣስፊሑ ገሊጽዎ ስለዘሎ ኣብዚ ብዙሕ ምዝርዛር ኣድላዪ ኣይከውንን፡ ይኹን’ምበር ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምጥቃስ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ጀብሃን ሻዕብያን ክልተ ሃገራውያን ውድባት ንናጽነት ዝቃለሳን ዝስውኣን ምንባረን ናይ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ኣረዳድኣን ዕግበትን ምንባሩ፣ ናይ መሪሕነት ሻዕብያ ብፍላይ ናይ መራሒኡ ኢሳያስ ዕግበትን ዕላማን ግን ካልእ ምንባሩ ኣብ ጉዕዞ የንጸባርቕ ምንባሩ ገለ ካብ ዝጠቐሶ ከምዚ ዝስዕብ ይርከቦ

  • ኣብ ሓደ ኣኼባ ንናይ ጀብሃ ስዉኣት ከም ዘይስዉኣት ክግለጽ ምስተፈተነ፣ ካብ ተጋደልቲ “ዝተሰውኡ ብጾትና ኣባላት ጀብሃ ስዉኣት ኣይኰኑን ማለት’ድዩ “ ዝብል ሕኑን ክትዕ ምስተላዕለ፡ ብትእዛዝ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ፡ ድሕሪኡ ብዛዕብኡ ምክታዕ ከምዝተርፍ ተገይሩ።
  • ኣብ 1975 ሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም ባሕሪ ባራ ዝነበረ ስብሓት ኤፍረም፣ ምስ ሓሙሽተ ብጾት ገለ ካብኦም ሕጂ ኣምባሳደራት ኰይኖም ዘለዉ ክንመያየጥ ከሎና፣ ብዛዕባ ስምረት ምስ ጀብሃ ኣብ ዝተላዕለ ነጥቢ፣ ምስ ጀብሃ ስምረት የለን፣ ካብ ሕጂ ክትዳለዉ ኣለኩም፣ ሳልሕ ጠጠው ብናይ ጀብሃ ጥይት ክስዋእ ከሎ “ምስዚኦም ከይትዕረቑ ኢሉና እዩ ሓሊፉ” ክብል ገለጸ፡ እዚ ንናይ መሰረታት ናይ ስምረት ድሌት ንምቕታል ካብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ፕሮፖጋንዳን ውግእ ሕድ-ሕድ ክቕጽሉ ስለዝደልዩን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ኣበሃህላ እዩ ነይሩ።
  • ኢሳያስ ረቂቕ ወዳቢ እዩ፤ “ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዘይተወደበ ኤርትራዊ ኣይኰነን” ይብል ነይሩን ኣሎን።
  • ኢሳያስ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት፣ ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታት ክዛረብ ከሎ ነቶም ብ1967 ዝተሰዱ ኣይንፈልጦምን ኢና፡ ነቶም ድሕሪ 1969 ዝተሰዱ ጥራይ ኢና ንፈልጥ ክብል ክሒዱ።
  • ተጋደልቲ ናይ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣብ ሳሕል መጺኦም ተዓሊሞምን ዓጢቖምን ንትግራይ ይምለሱ ነይሮም፡ ኣብ ጐኒ ሻዕባያ ኰይኖም’ውን ንጀብሃ ኣብ ምህራም ከምኡ’ውን ኣብ ምፍሻል ሻድሻይ ወራር ተሳቲፎም’ዮም። ንኣብነት ኣብ 1981 ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ዝመርሓ በጠሎኒ ን5000 ተጋደልቲ ወያኔ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ንምስጋር ኣብ ዝነበረ ሓለዋ ባዕለይ ዝነበርክዎን ዝተሳተፍክዎን ሓቂ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝኣተዉ ብጠቕላላ ክሳብ 7500 ተጋደልቲ ይበጽሕ። ኢሳያስ ነዚ ክውንነት’ዚ ክሒዱ፣ ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ከቕርቦም ምፍታኑ ምድንጋር’ዩ። ንሱን ሰዓብቱን ነዚ ግዙፍ ታሪኻዊ ሓቂ ንህዝቢ ከይሓበሩ፣ ክሒዶምን ኣጽቂጦምን ክነብሩ ገበነኛታት ተሓተትቲ ይገብሮም።
  • ናይ ዝተሰውኡ ብዝሒ ቍጽሪ 69 ሽሕ ክብሉ ዘቕረብዎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ እዮም ተሰዊኦም፡ ንዅሎም ስዉኣት ዘይምኽባር ጥልመት’ዩ።

የማነ ንኢሳያስ ብስራሕ ወይ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይረኽቦ ስለዝነበረ ብዘይካ’ቲ ብወረ ዝሰምዖ ብቐረባ ክዕዘቦን ክፈልጦን’ውን ዕድል ስለ ዝረኸበ ነዚ ዝስዕብ ተገንዝቦኡ ኣካፊሉ።

Ø  ዽሕሪ መስዋእቲ መራሒ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ኣብርሃም ተወልደ ዝተገብረ ምርጫ፣ ሃብተስላሰ ገብረመድህን’ዩ ተመሪጹ፡ ኢሳያስ ንሃብተስላሰ “ኣነ ኣብ ጀብሃ ከለኹ ናይ ምምራሕ ተሞክሮ ስለዘለኒ ንዓይ ክትገደፈለይ ኣሎካ” ምስ በሎ፤ “ሕራይ ውሰዶ” ስለዝበሎ መራሒ ኰይኑ ሽዑ ዝጀመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ህዝቢ የጋፍዕን ይጭቁንን ኣሎ።

Ø  የማነ ብ1979 ኣባል’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ምስ ኰነ ኣብቲ ናይ 1987 ዝተገብረ ናይ ሰልፊ ጉባኤ፣ ኢሳያስ ካብ ዘቕረቦ መደረ፡ “ኣብ ቻይና ክንመሃር ምስከድና ቻይናውያን ብዘይ ሰልፊ ክትዕወቱ ስለዘይትኽእሉ ሰልፊ ከተቝሙ ኣለኩም ምስ በሉና ሰልፍና ኣብኡ ጀሚርናያ፡ ነቲ ቅዋም ሰልፊ’ውን ባዕላቶም ጽሒፎም ሂቦምና” ዝብል ይርከቦ።

Ø  ቅድሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተዳለወ ጉባኤ ሰልፊ ናይ 1987፣ 366 ኣባላት ተጋቢእና፣ ኢሳያስ ካብ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ “2ይ ጉባኤ ውድብና ድሕሪ 10 ዓመታት ከነካይዶ ኢና፡ ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ኣኼባ ኣይተኻየደን፡ ዝመረጽኩሞ መሪሕነት ኣይሰርሐን ጥራይ ዘይኰነ ብልሽውና’ውን ሳዕሪሩ” ክብል ምስ ገለጸ፡ ካብ ኣኼባኛ ከብርሆ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ንዝቐረበሉ ሕቶታት፡ “ካብዚ ዝበልክዎ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን በለ።” ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት’ውን ብዘይተቓውሞ ስቕ ኢሎም ሓሊፎሞ። ሰክረታርያ ኣኼባ ባዕሉ ሰለስተ ሰባት መሪጹ ራብዓዮም ከም ወለንተኛ ኰይኑ ኣብቲ ኣኼባ ገባርን ሓዳግን ኰይኑ ኣካይድዎ። ምርጫ ምስተኻየደ ድማ ኢሳያስ ባዕሉ ነቲ ድምጺ ቆጺሩ፡ 365 ካብ ኩሉ ዝልዓለ ድምጺ ረኺቡ ተመሪጹ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ናይ ግንባር ጉባኤ ክግበር ምዃኑ ተገሊጹ፡ እቲ ውሳኔታትን ዝምረጹ ሰባትን ግን ኣብታ ጉባኤ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተወዲኡ ነይሩ።

Ø  ካብኡ ንሶማል ተመሊሰ መደበይ እናቐጸልኩ ከለኹ ብዙሕ ናይ ቅትለትን ምጭዋይን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክገንን ኣብቲ ናይ ስለያ ንጥፈታት ክርኢ ከለኹ ሕልናይ ክጻወሮ ኣይከኣለን።

 

ብልሽውና መራሕቲ ሻዕብያ ኣብ ሜዳን ወጻእን ድሕሪ ምርኣየይ ምስ ሕልናይን ዕላማይን ዘይቃዶ ምዃኑ ምስ ዓገብኩ ሓዲገዮ ናብ ጀርመን ኣትየ ዑቕባ ሓቲተ ተቐቢሎምኒ እነብር ኣለኹ። ኣብ ልዕለይ ናይ ሞት ብይን ወሲዶም፣ ንዓይ ክቐትል ሓደ ኣባል ናብ ጀርመን ዝሰደድዎ ምስ 5 ሸጓጉጥ (ሳይለንሰር፡ ክትኩስ ከሎ ድምጺ ዘይብሉ) ምስ ዝቐትል መርዛም ከኒናታትን ሒዙ ዝኣተወ፡ ብጸጥታ ጀርመን ስለዝተታሕዘ እቲ መደብ ፈሺሉ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ኢሳያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፍልልያት ይዘርእን የስፍሕን ኣሎ፤ ሃገርነት የዳኽም ኣሎ፤ ፍልልያትን ጽበትን ወጊድና ሓድነትና ኣደልዲልና ከነልግሶ ንቃለስ። ኣነ ንናጽነት ኤርትራን ልዑላውነታን ብመትከል ዝኣምነሉን ንምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ’ውን ግቡአይ ክፍጽም ድልው እየ ብምባል የማነ መግለጺኡ ዛዚሙ። ንዝቐረበሉ ሕቶታት’ውን መልስታትን መብርህን ሂቡ።

 

Last modified on Tuesday, 30 May 2017 10:47