ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደን ብዙሕን እዩ

2017-05-29 20:48:00 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1822 times

ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ምዃኑን ካብዚ ሓድነቱ ዝምንጩ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝውንን ፍሉጥ እዩ። ሳላዚ ካብ ሓድነቱ ዝነቅል ሓድነታዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ታሪኽ ዘይርሰዖ ቅያታት ዝሰርሐ ህዝቢ ምዃኑ ከኣ ዓለም ዝመስከረሉ ሓቂ እዩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝልለየሉ መምዘንታት፡ ኣብ ጽላል ሓንቲ ብቃልሱ ዘውሓሳ ልኡላዊት ሃገር ምህላዉ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ተሰሊፉ ዝተዓውተ ምዃኑ፡ ሓባራዊ ኤርትራዊ ዘንጸባርቑ ናይ ሓባር ክብርታት ምውናኑ … ወዘተ እንዳበልካ ምዝርዛር ይከኣል። እዚ ሓድነታዊ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ዝወለዶ ሓባራዊ መንነቱ መሰረት ሓይሉን ጽንዓቱን ምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈታዊ ኮነ ጸላኢ ዘመስከረ ህዝቢ እዩ።

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብድፍኑ ከምቲ ህግደፍ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ብዝብሎ መዕሸዊ ሓረግ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባኡ ዘትርርን ዘመልክዕን ብዙሕነት እውን ኣለዎ። እዚ ብዙሕነቱ ኣብ ጀኦግራፊያዊ ኣሰፋፍራኡ፡ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ብሄራዊ መንነቱ፡ ቋንቋውን ባህላውን መለለይኡ ዝስረት እዩ። እቲ ካብ ሓድነት ዝፍልፍል ሓድነታዊ ኣተሓሳስባኡ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ብዙሕነቱ ዝነቅል ናይ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ብዙሕነት እውን ይውንን። ኣብ ክሳብ ናይ ሕጂ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ሓድነታውን ብዙሕነታውን ኣተሓሳስባታት እንተተናቢቦምን ተደጋጊፎምን ኣብ ዓወት ከም ዘብጽሑ ኣብ ቃልሲ ንምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ ተመስኪሩ እዩ። እዚ ክረጋገጽ ዝኸኣለ ከኣ እቲ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ፡ እቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ድማ ነቲ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ብዘይጻብእሉ መንገዲ ክመሓደሩ ስለ ዝኸኣሉ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ብዙሕነታዊ ሓድነት ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ናይ ምውጋድ ምልክን ምህናጽ ብዙሕነታዊት ደሞክራስያዊት ሃገርን ቃልሲ እውን መተካእታ የብሉን። ብዙሕነትናን ሓደነትናን ምስ ኩለመዳያዊ ክውንነት ኤርትራ ክቃነ ከኣ ናይ ግድን እዩ።

እዞም ኣተሓሳስባታት እዚኣቶም ኣብ ሕድሕድ ዝጸላለዉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ሓደ ብዘይካ’ቲ ካልእ ህልውናኦም ጥዑይ ኣይከውንን። ኣብ ትሕቲ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ጸኒዕካ ቅድሚ ኩሉ ህልውና ናይታ ንኹሉ ዓይነት ብዙሕነት ሓቚፋ ዘላ ሃገር ምድሓን መተካእታ የብሉን።  ከምዚ ሕጂ ሃገርን ህዝብን ካብ መቑሕ ህግደፍ ንምንጋፍ ነካየዶ ዘሎና ቃልሲ ማለት እዩ። ኣብ ዙርያ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ብሓባር ምስላፍ ናይ ግድን ዝኾነሉ፡ እቲ ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ጸጋታት፡ ህልውነኣ ኣብ ዘየረጋገጸት ሓድነታዊት ሃገር ክረጋገጽ ስለ ዘይክእል። ህልውነኣ ኣብ ዘረጋገጸት ሃገር ንብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ህዝባ ዝጸውር ባይታ ምጥጣሕ ከኣ ካብ ቀንዲ መለለይታት ደሞራስያዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ ግቡእ ዋጋ ዝኽፈለሉ እዩ።

መዓስ ኣየናይ ኣተሓሳስባ ይቀድምን ይጐልብትን፡ እቲ ምጽልላው ዝበልናዮ ህያው ኮይኑ፡ ከከም ኩነታትካ ዝስራዕ እዩ። ንኣብነት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ እቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ እታ ንኹሉ ኣታሓሳስባታት ዝሓቖፈት ሃገርን ህዝባን እዮም። ስለዚ እቲ ንዓኣ ካብ ምንጋጋ ምልክን ጭቆናን ነጻ ንምውጻእ ዝግበር ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ዋኒን ናይ ኩሎም እቶም ናይ ብዙሕነት መለለይ ዘለና ኤርትራውያን እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኩልና ዝውክል ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ብኣኡ ክንምራሕን ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ከምቲ እንብህጎ ብቑዓት ክንከውን ዘይምኽኣልና ምስጢር ከኣ ነዚ ክንትግብር ብዘይምብቃዕና እዩ።

እቲ ኣብ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ዘድሃበ እሞ ድማ ትግባረኡ ነዚ ክጸውር ዝኽል ሃዋህው ምስ ተፈጥረ ዝረጋገጽ ፍልልያት ብባህሪኡ ናይ መላእ ህዝቢ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዝሓትት እዩ። መዕረፊኡ ድማ ንኹሉ ኣተሓሳስባታት ዘማእክል ብናጻ ድሌት ህዝቢ ብዝረጋገጽ ቅዋም እዩ። እዚ ሕጋዊ፡ ሰላማውን ደሞክራስያውን ናይ ውድድር ሜዳ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ እውን ከም ናይ ጽባሕ መወዳዳሪ ክቀላቐል ዝኽእል እዩ። እነሆ ከኣ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዝወለደን ውድባትን ማሕበራትን የንጸባርቐኦ። እዘን ውድባት ንናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነተን ከንጸባርቕ ብዝኽእል ምህላውን ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፎ መወዳደሪ ፖለቲካዊ ሜዳ ናይ ምፍጣር ብደሆ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ ዘሎ  ምዃኑ ክዝንገዓ ኣይግበአንን። እቲ ሜዳ ናይ ሓባር መወዳደሪ ስለ ዝኾነ ብናይ ሓባር ኣበርክቶአን ጥራይ እዩ ክጽረግ ዝግበኦ። ሜዳ ኣብ ዘይብሉን ኣብ ዘይእዋኑን ተወዳዲርካ ክትስዕርን ካብ ዘይምልከቶ ኣካላት ውሕስነት ክትረክብ ምጽባይን ግና ዘስርሕ ኣይኮነን። ነቲ “ክንብርኩትን ዘይክንብርኩትን ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ምስላ ወለዲ ከም ምዝንጋዕ’ውን ይቑጸር።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነታዊ ሓድነት ክሳብ ሕጂ ዘይተባህለ ሓሳብ ከነምጽእ ኣይኮናን። ኣብዚ መዳይዚ እንተተማሂርናሉ ንዓና ኮይኑ ንኻልእ ዝተርፍ  ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። እቲ ኣብ መጻኢ ናይ ምዕዋት ተስፋ እነንብረሉ እምበኣር ከምቲ “ልብን ሳዕርን እናሐደረ ይበቁል” ዝበሃል ንተመኩሮና ተማሂርናሉ ክንከውን እዩ። ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ቃልስና ከምቲ ዝተጸበናዮ ናይ ዘይምዃኑ ምኽንያታት ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ። እቲ ቀንዲ ናትና ውሽጣዊ ድኽመትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ምዃኑ ከኣ ክንሃድመሉ ዘይንኽእል እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት እንዕወት ከኣ ነዚ ድኽመትና ተመሊስና ርኢና ከነእርሞ እንተኽኢልና ጥራይ እዩ።

Last modified on Monday, 29 May 2017 22:52