ምሕያል ህግደፍከ ንረብሓ መን?

2017-02-08 18:11:22 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2858 times

“ፕረሲደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2017 ኣብ ዘካየዶ፡ ስም ተዘይስኢንካሉ ቃለመጠይቕ ክትብሎ ዘጸግም ሃተውተው ብገፈልመፈል ዝተመልአ ምንባሩ ብዙሓት ወገናት ምስክርነቶም ዝሃብሉ እዩ። እቲ ፈተውቱ ስሙ ምጽዋዕ ፈሪሖም “እቲ ሰብኣይ” ዝብልዎ ዲክታቶር፡ ከም ናይ መጻኢ መደቡ ሒዝዎም ካብ ዘሎ ዕማማት “ምሕያል ጨቋኒ ትካሉ ህግደፍ”  ምዃኑ ኣተንቢሁ። ነዚ ዝሰምዑ ወገናት “ወሓጥዮ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ካብ ምባል ዓዲ ከምዘይውዕሉ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ጠንቂ’ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደላትን ወጽዓን  እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ህዝብና ኣብ ባሕሪ’ቲ ወጽዓን ኣደራዕን ይነብር ስለ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ንዘሎ መሰላት ንምዝኽኻር ናይ ግድን ብኩራት፡ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሓዊ ሕጊ ምቕራብ፡ ኣብ ሃገርካ ከምድላይካ ምንቅስቓስ፡ ዝመረጽካዮ ምምላኽ፡ ምርካብ ዕድል ትምህርቲ … ወዘተ እንዳበልካ ምዝርዛር ናይ ግድን ኣይከውንን እዩ። ከምኡ እውን ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደላት ንምጽብጻብ፡ ብዘይፍርዲ ምእሳር፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስቓይ፡ ምቕታል፡ ብዘይክፍሊት ደረት ንዘየብሉ ግዜ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ምግልጋል፡ ርእሰማልካ ኣብ ሃገርካ ዘይምውፋር፡ ብህይወትካ ጥራይ ዘይኮነ ሬሳኻው’ን ኣብ ዓዲ ከይኣቱ ምንፋግ፡ ኣብ ዶባት ምርሻን … ወዘተ እንዳበልካ ምጭያሕ እውን ናይ ግድን ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ድማ ውጽኢት ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ እዩ።

ብመንጽር’ዚ “ንህግደፍ ከነሕይል ኢና” ዝብል ሓረግ ንህዝብና ብስራት ዘይኮነ መርድእ እዩ። ምናልባት ህዝብና ካብ መራሒ ህግደፍ ዝጽበዮ ናይ ብስራት መልእኽቲ ስለ ዘይጽበ ኣበሃህላኡ ሓድሽ ኣይኮኖን ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ራህዋን ለውጥን ሃንቀው እንዳበለ እዚ መርዛም ህግደፍ ናይ ምሕያል ትዕቢተኛ ኣበሃህላ ክሰምዕ እንከሎ ቃና ወጽዓ ህግደፍ ክሕደሶ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍ ማለት እዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ መዓት ጐቲቱ ዘምጸአ ካብኮነ ምሕያሉ ድማ ዝያዳ መዓት ዘኸትል ምዃኑ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዝቐበጸን ዝነቐጸን ኩሉ ሓደ”  ዝበሃል፡ ካብዚ ኣሽካዕላል ዲክታቶር ኢሳይያስ ህዝብና ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ጽቡቕ ከምዘየለ ተረዲኡ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ንክቃለስ ዘሕርኖ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ምእንቲ መጻኢ ራህዋ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ናብ ውልቀ ወይ እኩባት ሰባት ዘቕነዐ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ህዝብን ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ዝሕሰምም ሰይጣናዊ ዝንባለ ዘተከለ እዩ። እቶም ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወሲኽካ እንጸልኦምን ከነወግዶም እንቃለሶምን ውልቃውያንን ጉጅለታትን ብሰብነቶም ዘይኮነስ ብሰንክቲ ዘምልኽዎን ብዋጋ መሰልን ሓርነትን ህዝቢ ዘተግብርዎን ዘይቅቡል ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባ ድማ ካብ ኣንጉዕ ህግደፍ ዝፍልፍል እዩ። ህግደፍ ናይ ኩሉ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘሎ ሕማቕ ኣባ ጓይላ ስለ ዝኾነ እቲ ንቃለሰሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት እንጽበዮን ህዝብን ወሳንነቱን ዝማእከሉ ለውጢ ክመጽእ ከኣ ህግደፍ ክፈርስ ናይ ግድነት እዩ።

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ረብሓኦም ብህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ዝመስሎም ውሑዳት ኤርትራውያን ወገናት ህግደፍ ክሕይል እዩ ክበሃል እንከሎ፡ ምናልባት ኮበሮ ሓምሓሞም ይወቕዑ ይኾኑ። እንተኾነ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ እቲ ንዓኣቶም ባህ ዝብሎም ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ልዕሊ ክንደይ ሚልዮናት በደል የውርድ ከም ዘሎ ኣይተረድኦምን። ንግዜኡ ደኣ ኣይረደኣዮም እምበር፡ ንሳቶም እውን ካብቲ  ጽባሕ ኣብ መቓብር ህግደፍ ዝጥጥዕ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ተጠቀምቲ እዮም። ኣብ ሰላምን ደሞክራስን ኩልኻ ኢኻ እትጥቀም። ኣብ ከምዚ ብህግደፍ ዝዝውተር ዘሎ ወጽዓ ግና ብዘይካ ቁንጣሮ ወጻዕቲ ኩልኻ ኢኻ እትብደል። ህግደፍ ሎሚ ብንጹር ውሱናት ሰባት ከም ናይ ወጽዓ መሳርሒ ዝጥቀምሉ ኢደ-በይዛ ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ህግደፍ ሓደ እዋን ጸይቅን ንእሽቶን ክነሱ ዓብዪን ሕያዋይን ከመስል ንብዙሓት እንዳ ኣገደደን ብራሽን ካርድ እንዳፈራረሐን ኣብ መዝገቡ ክኽትሙን ወርሓዊ ውጽኢት ክኸፍሉን የገድዶም ነይሩ። ደሓር ግና ኩሉ ፍጊዕ ኢልዎስ “ህግደፍ መንደፍ፡ ንሰብ መን ይቐትሎ ህግደፍ፡ ንኣድጊ እንታይ ይቐትሎ መንደፍ” ኣብ ዝብለሉ ደረጃ በጺሑ ኣነሆ። እቶም በሃልቲ ንህግደፍ “መንደፍ” ምባሎም ከኣ ኣማን ብኣማን ናቱ ሂበምዎ።

ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኣጻዊድዎ ዘሎ መፈንጠርያታት ነዊሕ መዘዝ ዘለዎን ድሕሪ ውድቀቱ’ውን ዋጋ ዘኽፍል እዩ። ኤርትራዊ ባህልን መለለይን ብህግደፋዊ ወጻዒ ባህልን ልምድን ናይ ምትካእ ሕልና ከም ዘለዎ ንዕዘቦ ኣለና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዕድመን እምነትን ዝመሰረቱ ምክብባር ይብሕጎግ ኣሎ። ኣንቱምን ኣንትንን ተሪፉ፡ ኣንታን ኣንትን ይዕንድር ኣሎ። ካብ ሳዕሳዒት ጀሚርካ ኩሉ ኤርትራዊ መለለዪ ባህሊ ይደሃኽ ኣሎ። እዚ እንተበዚሑ “ንሕና ኤርትራውያን ኢና” ኢልና እንንየተሉ መለለዪ ሓለገትና ከይበርስ ዘየስግእ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሳ ህግደፍ ክሳብ ዝሓየለ ወጽዓና መመሊሱ ክስዕርር እዩ። ስለዚ ዕላማና ህግደፍ ምሕያል እዩ ዝብል ሕልሚ “እቲ ሰብኣይ” ኣብ ምብርዓን ንረባረብ።

Last modified on Wednesday, 08 February 2017 19:18