ንዝኽሪ ስዉእ ዶክ/ ሃብተ ተስፋማርያም

2017-02-07 20:29:21 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ፣ ሳስካቱን ካናዳ   Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2076 times

ዶክ/ ሃብተ ሓደ ካብቶም በጻብዕ ዝቍጸሩ፡ ቀዳሞት ክብ ዝበለ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ስለ ናጽነት ሃገርና ኤርትራን ሓርነት ህዝብናን ዝቃለሱ ዝነበሩ መንእሰያት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቨትሪናሪ ባችለር መዓርግ ድሕሪ ምውሳዱ፣ ኣብ ፖላንድ ቀጺሉ ናይ ማስተርስ መዓርግ ተቐቢሉ፣ ኣብ በርሊን ሃገረ ጀርመን ብምቕጻል ድማ ብዓቢ ብሉጽነት (Great Distinction)ናይዶክተርነት መዓርግ ተሰሊሙ። ትምህርቱ ንክካታተል ቋንቋታት እንግሊዝን ፖላንዳን ጀርመንን ክመልኽ ግድነት ነይሩ። ዶክ/ ሃብተ ንቋንቋ ጀርመን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መሊኹ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ክሳብ ምውሳድ ክበጽሕ እንከሎ ማዕረ ክንደይ ንፉዕ ተማሃራይን ቋንቋታት ናይ ምምላኽ ተውህቦ ዝነበሮ ሰብ ምንባሩን ክንግንዘብ ንኽእል።ድሕሪ ምውዳእ ትምህርቱ፡ ኣብ በርሊን ዩኒቨርሲቲ ከም ተሓጋጋዚ ፕሮፈሶር ኰይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ ነበረ፣ እንተዀነ ግን ንሃገሩ ዝነበሮ ዘቃጽል ፍቕሪ ልዕሊ ኵሉ ስለዝነበረ፣ ነቲ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ግዑዛዊ (ማተርያላዊ) ረብሓ ራሕሪሑ ምሉእ ግዜኡን ዓቕሙን ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ክውዕል ምውሳኑ ክብ ዝበለ ውፉይ ሓርበኛ ባእታ ምንባሩ እቲ ተግባር ንባዕሉ ይምስክር።

ናይ ዶክ/ ሃብተ ኣስተዋጽኦ/ኣበርክቶ ኣብ ሓደ ገጽ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ሓው ትኩእ ተስፋይ ንዝኽሪ ሓርበኛ ጅግና ስዉእ ዶክ/ ሃብተ ክንእከብ ኢና ዝብል ሓበሬታ ምስ ሃበኒ ነዛ ንዕኡ ዘይትበቅዕ ሓጻር መልእኽቲ ክሰድድ ወሲነ። ኣብ ውሑዳት ነጥብታት ድማ ከተኵር እየ።

ዶክ/ ሃብተ ኣብ ኣለማያ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝምሃረሉ ዝነበረ ግዜ ኣባል ናይ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥዝነበረ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕ ኰይኑ ክንቀሳቐስ ድሐሪ ምጽንሑ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ከደ፡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ከም ኢትዮጵያውያን ከይኖም ክብ ዝበለ ትምህርቲ ንምቕሳም ይልኣኹ እኳ እንተነበሩ ከም ኤርትራውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበር ተማሃሮ ንክህልዎም ተቓሊሶም ካብ እተዓወቱ ተማሃሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ማሕበር ተማሃሮ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን ካብ ናይ ኢትዮጵያውያን እተፈልየ ናጻ ማሕበር ንከይህልዎም ብትሪ ይቃወም ነበረ። ኣብዚ ቃልሲ እዚ ዝነበሩ እሞ ዝልዓለ ዋጋ ህይወቶም በጃ ህዝቦም ከፊሎም ዝሓለፉ ስዉኣት ዶክተራት፡ የሕያ ጃብር፡ ፍጹም ገብረስላሰን ኣረጋይ ሃብቱን፣ ብህይወቶም ካብ ዘለዉ፡ ገና ብዘይምሕላል ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ውፉይ ዶክ/ ዩሱፍ ብርሃኑን ሓው ከሊፋ ዑስማንን ካልኦት ኣስማቶም ክዝክሮም ዘይክኣልኩን ዘይፈለጥኩዎምን ብዘይምጥቃሰይ ይቕሬታ እንዳሓተትኩ ነዞም ክዝክሮም ዝኽኣልኩ ምጥቃስ ግቡእ ኰይኑ ይርኣየኒ። ዶክ/ ሃብተ ኣብ ምምስራት ማሕበር ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኰነስ እንተላይ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቐውም ዝነበረ ማሕበር ተማሃሮ ሰሚሩ ሓደ ዘድምዕ ማሕበር ኤርትራውያን ተማሃሮ ንክህሉ ተቓሊሱ እተዓወተ እዩ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ናይ ሰብዓታት ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ምፍንጫል ዘምርሕ ተርእዮታት ኣብ እተኸስተሉ ግዜ ኣይኰነሉን እምበር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ.ን ምስ ሓደ ካብቶም ነቲ ምፍንጫል ዘተባብዕ ዝነበረ ውሩይ መራሕን ተራኺቡ ሓድነት ናይ ሰውራ ኤርትራ ክዕቆብ ጽዒቱ። ዶክ/ ሃብተ ምስቲ ውሩይ መራሒ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ንባዕሉ እቲ ዘተባብዕ ዝነበረ ምሉእ ዕግበት ከም ዘይነበሮ ካብቲ “ኢድካ ኣብ ባሕሪ ኣኣትዋ ወይ ዓሳ ሒዛ ትወጽእ ወይ ከኣ ተሓጺባ ትወጽእ” ዝብል መልሲ ዝሃቦ ከም እተገንዘበን “ኢድ ምሕጻብ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ ብዓሳ ምውሓጥ/ ምቝራጽ እውን ኣሎ” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ብዛዕባ ሓድነት ማዕረ ክንደይ ይግደስ ከም ዝነበረን ከም ዝጽዓረን ስለ ዘመልክት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክዝክሮ እፈቱ። እቲ ውሩይ ሰብ ናብ ዓዲ ኵላትና ሓሊፉ ስለዘሎ ስሙ ክረቝሖ ኣይደለኹን።

ንዶክ/ ሃብተ ንመጀመርታ ግዜ ዝፈለጥኩዎን እተላለኹዎን ብ 1975 ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዩ። ሽዑ ዶክ/ ሃብተ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ተመሪጹ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሜዳ ምስ ተጋደልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ 35 ተጋደልቲ ናይ ጎብየ ሽክና ተሰኪሞም መጺኦም ኮፍ ክብልዎ ምስ ርኣየ ኣዚዩ ሰንበደን ጕሃየን። እቲ ተርኽቦ’ቲ ዶክ/ ብመሰል ወዲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ብመሰል እንስሳታት ከም ዝግደስ ዘርኣየ ነበረ። ኣብ ኣኼባ ናይ ሰውራዊ ባይቶ ኣድላዪነት ምዕቃብ እንስሳታት ዝገልጽ መሳጢ ጽሑፍ ኣቕረበ እሞ ሰውራዊ ባይቶ ጎብየን ካልኦት እንስሳታትን ንከይህደኑ ወሰነ።

ድሕሪ 2ይ ሃ.ጕ ዶክ/ ሃብተ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፣ ሓላፊ ምምሕዳር ክፍሊ ኤውሮጳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብ 1977 ንውድብ ኣብ ሃገረ-ሽወደን ክውክል ኣብ እተመደብኩሉ እዋን ብቐረባ ክፈልጦን ክላለዮን ዕድል ረኸብኩ። ሕያዋይ፡ መስተውዓሊ፡ ምቕሉል፡ጽን ኢል ዝሰምዕ፡ ሰሪሑ ዘስርሕ፡ውፉይ፡ እሙን ዓርኪ ምንባሩ እምስክር። ኣብ ሽወደን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣብ Lund University, Sweden ንጕዳይ ኤርትራ ዝምልከት ሓደ ዓውደ መጽናዕቲ (Symposium) ተኻዪዱ ነይሩ። ነዚ ብደርግ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ፍታሕ-እማመ መልስኹም እንታይ ከም ዝዀነ ክትገልጹ ንዕድመኩም ኣሎና ዝብል መልእኽቲ መጺኡና ኣሎ እሞ ውድባዊ መልሲ ኣሎና ድዩ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ “መሪሕነት ትኣኪቡ መልሲ ንክህብ ዘጋማጥል ግዜ የልቦን፤ ንስኻ እተራእየካ መልስ” ኢሉ ብዝሃበኒ ፍቓድ መሰረት መልሲ ኣዳልየ ብዛዕባ ከስምረሉ ዝደልዮ ነጥብታት ምስኡ ድሕሪ ምምይያጥ፣ ኣቕሪበ። እቲ ሽዑ ዘቕረብኩዎ ናብ ቋንቋ ሽወደን ተተርጒሙ ከም ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ሰሪሑ ዘስርሕ ምንባሩ ጥራሕ ዘይኰነስ ክብ ዝበለ ምትእምማን ከም ዝነበረና ዘመልክት እዩ።

ዶክተራት ሃብተን ዮሱፍ ብርሃኑን ንተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኤውሮጳ ምስ ሰልፍታትን መንግስታትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንምልላይ ዘካየድዎ ዘይሕለል ጽዓት ኣብ ናይቲ እዋን ናይ ተ.ሓ.ኤ. መጽሔታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብእኒ ዮውሃንስ ዘርኢማርያም፡ ወልደየሱስ ዓማር፡እስማዒል ዓልን ካልኦት ብጾቶምን ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ዝነበረ “Eritrean News Letter” and “The Eritrean Revolution” ተሰኒዱ ይርከብ። ኣብዚ ክዝክር ዝደልዮ ግን ሰለስተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣሎኒ፡

ቀዳማይ፡ ብሓገዝ ናይ UNHCR  ምቛም 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲንኤርትራውያን ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ከሰላ ሱዳን፡ መንእሰያት ኤርትራ እንተ ተማሂሮም ንርእሶምን ቤተ ሰቦምን ህዝቦምን ከገልግሉ ክኽእሉ ኢዮም ካብ ዝብል ዕግበት ኣብ ጂነቫ ንዝመደበሩ ዋና ቤት ጽሕፈት ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ዶክ/ት ሃብተን ዮሱፍን ካብ ንውሑዳት ሰባት ኣብ ወጻኢ ሰዲድካ  ምምሃር ንብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ምምሃር ብዝውሓደ ወጻኢ ዝልዓለ ፍርያት ክርከብ ከም ዝክኣል ከረድኡ ጽዒሮም። ከምውጽኢቱ ድማ እቲ ብልምዲ “ቤት ትምህርቲ ዩኔስኮ” ተባሂሉ ዝፍለጥ 2ይ ደረጃ ቢት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከሰላ ብጽዓት ናይ ተ.ሓ.ኤ.ን ፍቓድ ናይ መንግስቲ ሱዳንን፡ ኣብ 2ይ ክፋል ናይ ሰብዓታት ተኸፍተ። ክሳብ ሃገርና ኣብ ኢድ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረትሉ ግዜ ሳላ እቶም ንነብሶም ከም ሽምዓ እንዳመኸኹ ንኣሕዋቶም ዘይበርስ ፍልጠት ዘቕስሙ ዝነበሩ ውፉያት መምሃራን እቲ ሓገዝ ቀጻሊ ነበረ። ድሒሩ ግን ኤርትራ ናጽነታ ስለ እተጓናጸፈት ሓገዝ ክቋረጽ ግድነት እዩ ተባሂሉ ተቛረጸ። በቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ዝሓለፉ ኣብ ጥጡሕ ናብራ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣለዉ። ተጠርኒፎም ነቲ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ዘድልዮ ነገራት ከማልኡ እንተዝዕጠቑ ሓያሎይ ጾር መቃለሉ።ንብዙሓት መንእሰያትን ወለዶምን ዓቢ ተስፋ ምሃቡ። ንዕኦም ድማ ከምቲ ሓምሳ ለሚን፡ ንሓደ ሰብ ሰከም፡ ንሓምሳ ጌጾም ዝብሃል፣ ከም ስልማቶም ክርእይዎን ሰናይ ብምግባሮም ክሕጎሱን ጽቡቕ ኣርኣያ ከውርሱ ምዃኖም ከገንዝቦም እፈቱ። ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ድማ እትስፎ። ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ ዶክ/ ሃብተ ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰሉ መዓልቲ ኣልዒለዮ ስለዝነበርኩ ሓደ ካብኦም “እዛ መልእኽትኻ ኣብ ርእሰይ ኣትያ ኣላ፤ ክዕጠቐላ እየ” ዝበለኒ ኣሎ። ምስኡ ተራኺቡ/ባ ቁም ነገር ክሰርሕ ዝደሊ እንተልዩ/ያ ከራኽቦ/ባ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክሕብር እፈቱ። ስዉኣት ዶክ/ ሃብተ ኰነ ሚካኤል ጋብርን ካልኦት ዝሓለፉ ኮኑ ህሉዋት መምህራኖም ካብ ዝጽብይዎ ነገራት ሓደ እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ እሞ ማዕሬኡ ይግበሮም።

ካልኣይ፡ ዶክ/ ሃብተ ውጻዕ መዓት እዩ፡ ኣብ ግዜ ደርግ ኣብ ሉሳካ ዛምቢያ ኣብ እተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ወጻኢ ጕዳያት ሚንስትራትኣኼባ ከም ኣካል ናይ ሶማልያ ልኡኽ ኰይኑ ኣትዩ ዘድለዮ ናይ ት.ሓ.ኤ. ጽሑፋት ከም ዝዘርግሐ እተዓዘቡ ልኡኻት ደርግ ክጨውይዎ ምስ ሰበ ስልጣን ዛምቢያ ተሰማሚዖም ነይሮም። ሳላ ናይ ሶማል ኣምባሳደር ጻዕርን ዕቱብ ምክልኻልን ሃቐናኦም ፈሸለ። ጕዳይ ኢርትራ ብ ኣፍሪቃውያን ተቐባልነት ንኽረክብ ዋላ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከሳጥሕ ክምህ ይብል ከም ዘይነበር እዩ ዘመልክት።  ካልእ ምዓልቲ እውን ዝጕዓዘላ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣስመራ ዓሊባ ነይራ። ናይ መላኺ ስርዓት ሰበ ስልጣን ጸጥታ፡ ኣብኣ ምንባሩ ፈሊጦም እንተዝነብሩ እንታይ ከም ዝገብሩ ካብ ኵላትና ስዉር ኣይኰነን። በዚ ክልተ ምኽንያታት እየ ውጻእ ምዓት ዝበልኩዎ። ቀደም እንተዀነ እውን ሰበ-ስልጣን ፖላንድ ምእንቲ ተገዲዱ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ፓስፖርቶኡ ሒዞሞ ምንባሮም፣ እንትኸነ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ፖላንድ ናብ ናይ ሽዑ ምብራቕ ጀርመን ክትኣቱ ቪዛ የድሊ ስለዘይነበረ፣ ብዘይ ቪዛ ብምእታው ንውጥኖም ከም ዘምከኖ የዘንቱ ነበረ።

ሳልሳይ፡ ዶክ/ ሃብተ ድሕሪ ኣቦ መንበር ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ምስ ብዕላማ መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሎም ውድባት ኣብ ሓድነት ንምብጻሕ ምስ ካልኦት ድማ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ብምጥርናፍ ኵሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ጸጸጸሩ ደርብዩ እቲ ህዝብና ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነት ናይ ብሓቂ ናጽነት ኰይኑ ህዝብና ብሰላም ንክነብር ኣብ ሃገርና ዲሞክራስን ፍትሕን ንክሰፍን ብቅዋም እትምሓደር ሃገር ንክትህልወና ዝክኣሎ ንምግባር እምበር ንስልጣን ኢሉ ከም ዘይተቐብሎ ኣነ እውን ብወገነይ ኣብ ዘለኹዎ ንሓድነት ክድግፍ እሞ ነቲ ሒዙዎ ዘሎ ናይ ሓድነት ዕማም ክዉን ኣብ ምትግባር ግደይ ከበርክት ጸዊዑኒ ምንባሩን ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት እተኻየደ ፈስቲቫላት ፍራንክፈርትን ካስልን እውን ንጕዳይ ሓድነት ብዕቱብ ተተሓሒዙዎ ከምዘሎ ብእዉጅ ገሊጹ ምንባሩ እምስክር።

ኣብ መደምደምታ ናይ ዶክቶር ሃብተ መስዋእቲ ንውድቡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ዓቢ ክሳራ እዩ እሞ ንኵሉ ደላይ ፍትሒ ጽንዓት ይሃብ ምባል ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፣ ኵሉ ንዶክቶር ዘፍቅርን ዘኽብርን ነቲ ዝጀመሮ ግን ኣብ መዓርፎኡ ዘየብጽሖ ጕዳይ ሓድነት ብኣፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ ብዕቱብ ክትሓሓዞ፣ እወ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክሳብ ዝሰማምዑ ከይተጸበየ ኣብ ዘዘለዎ ተኸባቢሩ ኣብቲ ሓቢሩ ክሰርሖ ዝኽእል ሓቢሩ ክሰርሕ ክበቅዕ ምእንቲ ንቂምን ቅርሕንትን ወጊድ ክብል የድልዮ። ሕድገታት ክንገብር ድሉዋት ዲና? ነነብስና ንሕተት።

ዶክ/ ሃብተ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ካብ ዕድመኡ ንናጽነት ሃገርን ንሓርነት ህዝብናን ተቓሊሱ ከብቅዕ ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ናጻ መሬት ኤርትራ ከይረገጸ፣ ኣብ ሓጎስ ኮነ ሓዘን ናይ ስድራ-ቤቱን ኣዝማዱን ፈተውቱን ክሳተፍ ዕድል ከይረኸበ ምሕላፉ ኣዚዩ ከም ዘሕዝነኒ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ኣብ ድሕሪ ንፉዕ ሰብኣይ ኵሉ ግዜ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኣላ ከም ዝብሃል፡ ዶክቶር ወትሩ እተጽናንዖን እትኣልዮን ዝነበረት ወረጃ ብዓልቲ ቤቱ ኣድያምን ንሓድሕዶም ተጸናኒዖም ነዲኦም ዘጸናንዑ መንእሰያት ደቆም ዶክትር ሚለንን ሰንድን ሱሀልን ሓዲጉ እዩ ሓሊፉ እሞ ንኢዮብ ዝደበሰ ኣምላኽ ክድብሶም ኣብ ጸሎትና ንዘክሮም። ንነፍሰ-ኄር ዶክቶር መንግስተ ስማይ የዋርሶ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ሰላም፡ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ብልጽግና ንህዝብና!

ገረዝጊሄር ተወልደ፣ ሳስካቱን ካናዳ                              

05 ለካቲት 2017.      

 

Last modified on Tuesday, 07 February 2017 22:11