ዶናልድ ትራምፕ መን እዩ? መበቆል ከ ካበይ እዩ?

2016-11-05 01:04:28 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3039 times

ኣባሓጎ  ዶናልድ ጥሩምፕ ፣ Frederick Trump ዝብሃልካብ Kallstadt ትብሃል ንእሽቶይ ሃገረ ጀርመን ብ1885 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ንኣሜሪካ ተሰዲዱ። ሎሚ ኣብታ ኣባሓጎ ዶናልድ  እተወልደላ ቁሸት ካብቶም ዓሌቶም ዝተረፈ የለን ይብሃል። ኣቦኡ ንዶናልድ ትሩምፕ Fred Trump  ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዱ። እንተ ኮነ ዶናልድ ጥሩምፕ ወለዱ ከም ዝኾኑ ነበርቲ ናይዛ ሃገር ተሰዲዶም ከምዝመጹ ኣብ ግምት ዝእትዎ ኣይኾነን።ንባራክ ኦባማ ኣሜሪካዊ ኣይኮነን ኣብ ከንያ እዩ ተወልዱ ዝብል እምነት ኣሎዎ። ዶናልድ ትሩምፕ ካብ ወላዲኡ ብዝተዋሃቦ ርእሰማል ተበጊሱ ፣ቀጽሉ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነጋዶን ተራ ወልቀ ሰባትን እና ኣታለለን፣ ግብሪ መንግስቲ ን18 ዓመታት ከይከፈለ ሃብቲ ደሊቡ ይርከብ። ሰነድ ጥፈሻ ብተደጋጋሚ ግዜ እናመልኤ፣ ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈለሉ ሰነዳት ናብ ህዝቢ ከየውርዶ ምስጢሩ ከይግለጽ ፈሪሑ ሓንጊዱ ይርከብ።

ዶናልድ ትሩምፕ ነቶም መወዳድርቱ ዝነበሩ 16 ሙኩራት ኣብ ዝተፈላላየ መንግስታዊ ስልጣን ዘገልገሉ ሰባት ደኣ ብምንታይ ክስዕሮም ኪሉ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ ፣ እወ ክስዕሮም ኪኢሉ። ምክንያቱ ንሳቶም በቲ ልሙድ ዝጸንሔ ልዙብን ሲቪላዊ ኣገባብ ክዛረቡ እንኮለዉ፣ ንሱ ግን ብጽዩፍ  ዝኮነ ቃላት እናተጥቅመ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክወድቅ እዩ እናተባህለ ንኩሎም ጸሪፉን ድሂሉን ኣፋንዩዎም። ንሱ ዝጥቀመሉ ቓላት ናይ ጻዕዳ ዓሌት ልዕልና ዘሞግስ ፣ ንጸለምትን እስፓኒክስ ዘናሹ ፣ ( we will take our country back )  ክብል እንከሎ ካብ ጸለምትን እስፓኒክስ ሰደተኛታት ማለቱ እዩ ።መንግስቲ  መክሲኮ ኣብ ዓደና ትሰደልና ዘላ ዓመጽትን ቀተልትን እዮም። ሰደተኛታት ብወገን መክስኾ ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን መክሲኾን ሓደ ነዊሕን ጽቡቅን መንድቅ ከነድቅ ኢየ ይብል፣ መንግስቲ መክሲካ ከኣ ነቲ ዋጋ ከይፈተወት ክትከፍሎ እየ እናበለ ነቶም ሰዓብቱ ይምድረሎም። ቀጺሉ ነቶም 12, 000,000 ሚልዮን ዝኮኑ ወረቀት መቀመጢ ዘይብሎም ሰደተኛታት ኣራርየ ንዓዶም ክሰዶም ምዃኑ ይፍክር ።ሕሱር ጉልበት ሰርሓተኛታት ክረክቡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጓዓዙ ፋብሪካታት ክመልሶም እየ ይብል። Nafta ዝብሃል ናይ ኣሜሪካን ካናዳን መክሲኮን ናይ ንግድ ውዑል እንደጋና ክክልሶ ከም ዝኮነ ይሕብር። እዚ ናፍታ ዝተባህለ ውዑል ሰርሓኩም ኣጥፊእልኩም እናበለ ነቶም ሰዓብቱ ይምድረሎም። ዶናልድ ትሩምፕ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ንዕቀት ደረት የብሉን። ኣብ ሓደ ቪደዮ ብድዔ ብዝመልኦ ክዛረብ እንኮሎ ንዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ እንተላይ ሰብ ሓዳር ኣብ ዝኮነ ክፈል ኣካላተን  ድላዩ ክገብር ከምዝክእል ይዛረብ  እዚ እናገበረ እተን ደቂ ኣንስትዮ Celebrity  ውሩይ ስለዝኮነ ብፍጹም ቓል ከምዘየውጻኣ ይገልጽ። ብኣካለ ስንኩላንን፡ ሙሩኻት ኹናትን የላግጽ። ነቶም ሓላፍቲ ረፑብሊካን ፓርቲ እውን ኣየከብርን። ኮታ ዘርዚርካ ዝወዳእ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ዶናልድ ትሩምፕ ተርእዮ ሓዲሽን ሓደገኛን ምንቅሳቓስ እዩ። ሓደ ክፋል ናይቶም  Caucasian  ዓሌት፣ ንነዊሕ ዓመታት ቁጽሮም እናጎደለ ናይ ካልኦት ዓሌታት ቁጸሪ እናበዝሔ ምኻዱ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ብስደተኛታት ተወሪርና ከይብሉ ከኣ ሰብ ከይክዕቦም ኣብ ውሽጦም ሓቒፎሞ ይነብሩ ነይሮም። ሎሚ ግን ኣብ ክንድኦም ከይተሰከፈ ዓው ኢሉ ክዛረበሎም ዝክእል ኣብ ፕረሲደንታዊ ውድድር ክመጽእ እንከሎ፣ ዝበለ እንተ በለ፣ ዝገብረ እንተ ገበረ፣ ዶናልድ ትሩምፕ ወይ ሞት እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዶናልድ ትሩምፕ እውን ንደገፍቱ ጽቡቅ ገይሩ ኣጽኒዑዎም ኣሎ።ንሱ ከምዝበሎ  ኣብ ኒው ዮርክ ካብ ዝረኸብ መስኮት ገዝኡ ኮይኑ ካብቶም ኣብቲ ጎደነ ዝንቀሳቀሱ ሓፋሽ ተዂሱ ሰብ እንተቀተለ እውን ደገፍቱ ከምዘይ ገድዕዎ ዓው ኢሉ ይምድር። ኣብዚ ሃገር ዘለው ኩሎም ኣብ white Supremacy ዝኣምኑ እተፈላለዩ ጉጂላታት ድጋፎም ንዶናልድ ትሩምፕ የስምዑ ኣለዉ ።እቲ ዘሎ ሻቅሎት ዶናልድ ትሩምፕ እንተ ተሳዒሩ እውን ከምቲ ልሙድ ስዕረቱ ከምዘይቅበል ገሊጹ ኣሎ። ንሱን ደገፍቱን እንታይ ከምዝገበሩ ኣይተፈልጠን።

ሂትለር እውን ብህዝቢ እዩ ተመሪጹ ኣብ ስልጣን ዝመጸ። ኣብዚ ዓለምና ከም ሓንቲ ቁሸት ኮይናትሉ ዘላ። ቁጠባዊ ዝምድናታት ዶብ ሰጊሩ ከም ሰኪዔት ተኣሳሲሩ ዘሎ ዶበይ ክዓጹ እየ ምባል ንዓለማዊ  ቁጠባ ሓደገኛ እዩ። ምክንያቱ እቶም ካልኣት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቱ ክወዱ ስለ ዝክእሉ ኣብ ናይ ንግድ ኹናት(Trade War) ክንኣቱ ኢና። እዚ ከኣ ኣብ ጽጥታውን ወተሃደራውን ርጽሚ ክወስድ ይክእል። ኣብዚ ናይ ኑክለየር ዘመን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሰብ ናይ ዓሌትነት ምንቅስቓስ ክፍጠር እንከሎ ነቶም ረፑብሊካን ፓርቲ እውን ሕማቅ ሳዕቤናት ክይህሉዎ ዝሰግኡ ብዙሓት እዮም። ምክንያቱ ናይ ዐሌትነት ሰልፉ ኮይኖም ክይተርፉ እዮም። ኣብ ታሪክ ደቂ ሰባት ብሃንደበት እተቀልቀሉ ስርዓታት ዝፈጸምዎ ዘስካሕኪሕ ፍጻሜታት ነይሩ እዩ።

ናይ ኣሜሪካ ማዕከናት ዜና ንዶናልድ ትሩምፕ ጎብለል ክብል ዝገበሩ እዮም። ምናልባሽ ታሪክ ይፋረዶም ይኽውን ።እዚ ምንቅስቃስ እዚ ድሕሪ ሕጂ ደው ዝብል ኣይኮነን። Trumpism ንወለዶታት ክቅጽል እዩ።

ዝክሪ ንስውኣትና

ክብሮም ግረነት

   

     

Last modified on Saturday, 05 November 2016 02:08