ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ዘሎ ርሕቀት ንምጽባብ!
2016-11-03 09:37:00 Written by ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2851 timesኣብ ሕብረተሰብና ኮነ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ኣብ ዝምድና መራሕን ተመራሕን ዘሎ ኣረዳድኣ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ መራሕን ተመራሕን ርክብ ካብ ስድራቤት ዝጅምር እዩ። ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ድማ መመሊሱ ይዓቢ። እዚ ዝምድና ብዘይካ ኣብቲ ስድራቤታዊ ቀጻልነት፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ፖለቲካዊ ውድባትን መሰረታትን፡ ኣብ ሰራዊት ኣብ መንጎ ኣዘዝትን ተኣዘዝትን፡ ኣብ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ሓባር ውዳበታት እውን ይንጸባረቕ። ኣመጻጸኣ መራሕቲ ናብ ሓላፍነት ከከም ባህሪ ናይቲ ትካል፡ እቲ ትካል ዝተመስረተሉ ግዜን ዘተግብሮ ዕማምን ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ “መራሕን ተመራሕን” ዝብል ናይ ዝምድና ኣምርን ምክፍፍፋል ስራሕን ግና ኣብ ኩሉ ሓባራዊ ጉዕዞ ዝረአ እዩ።
ከም ልሙድ መራሒ ላዕለዋይ እዩ። ተመራሒ ድማ ታሕተዋይ። እቲ ታሕተዋይ ናይቲ ላዕለዋይ ትእዛዝ ወይ ብዘመናዊ ኣተሓሳስባ መምርሒ ተቐባሊ እዩ። ንዝምድነኦም ኣብ ምንጻር ካብ ዝቃልሑ ሓሳባት ከኣ “ታሕተዋይ ኣካል ብላዕለዋይ ኣካል ይምእዘዝ” ዝብል ንጥርናፈ ዘዕዝዝ ንበብድሌትካ ምኻድ ዝድርት ኣምር ኮይኑ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። እዚ ቅቡል እዩ። ኣድላይነት መራሒ ንምዕዛዝ እኳደኣ “ሽሕ ይሙት ኣካብ ሽሕ ኣይሙት” ዝብል ምስ ዘመናዊ ኩነታትና ይኸይድዶ ኣይከይድን ዘዳዲ ነባር ኣበሃህላ ኣለና።
እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ናይ መራሕን ተመራሕን ዝምድና፡ ከም ኩሉ ተረኽቦ እንዳማዕበለን ነብሱ እንዳመሓየሸን ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ምምሕያሽ ካብ ዝንጸባረቑ ድማ፡ ኣብ መንጎ መሪሕን ተመራሕን ዝጸነሐ ሰፊሕ ርሕቀት ምጽባብን ናይ ተመራሕቲ ተጸባይነት ምንካይን እዩ። ኣብ ናይ ቅድም ኣተሓሳስባ መራሕቲ ውሑዳት፡ ተመራሕቲ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሕዳር ዓድታትና፡ ወረዳታትና፡ ማሕበራትና፡ ውድባትናን መንግስታትን ክንዕዘብ እንከለና ነዚ ምርድኡ ዘጸግመና ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ውድባትና ቁጽሪ ዝምረጹ መሪሕቲ ካብ 15 ክሳብ 41 ዘሎ ዘይምዕሩይ ቁጽርታት እዩ ዘርእየና። ቁጽሪ ተመራሕቲ ግና ከከም ስፍሓትን ዕቤትን ናይቲ ውድብ ብኣማኢት ወይ ብኣሸሓት ዝቑጸር ይኸውን። እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ንምርዳእ እምበኣር ኣጸጋሚ ኣይኮነን።
ኣብ ኣተሓሳስባ መብዛሕትና ዝጸንሐ፡ እቲ ተመራሒ ማለት ከም መሰረት ናይ ሓደ ውድብ፡ ኩሉ ግዜ ናይ’ቶም ውሑዳት መራሕቱ ናይ “ከምዚ ግበር” ተጸባይ እዩ። እቲ መሪሕነት ብወገኑ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዝመርሖ ኣባል ውድብ እናሻዕ “ከምዚ ግበር” ናይ ምባል ሓላፍነት ከም ዘለዎ እዩ ዝወስድ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ኣዋን ግና ምስቲ ዘመናዊ መሳለጥያታትን ምዕቡምል ዓቕምን ኣብ ኩሉ መራሕን ተመራሕን እንዳሰሰነ ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ፡ እዚ ኣብ መንጎ መሪሕትን ተመራሕትን ዝነበረ ርሕቀት ኣዝዩ ይቀራረብ እዩ ዘሎ። እቲ ተመራሒ ከምቲ ምስቲ መራሒ ዘሎ ዓቕሚ፡ ኣፍልጦ ብዛዕባቲ ውድቡን ዘመናዊ መሳርሕን ዝውንን ካብ ኮነ፡ ሓደ ዕማም ንምፍጻም ከምቲ ናይ ቀደም ድምጺ መራሒ ዝጽበየሉ ምኽንያት የብሉን ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ብዛዕባዚ ዝምድና ዝተመራመሩ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ብምንቃል ድማ ኣብ ሓደ ውዳበ “ኩሉ መራሒ’ዩ” ኢሎም’ኳ ተዘይደምደሙ፡ ህልዊ ምዕባለና ቁጽሪ መራሕቲ ካብ ቁጽሪ ተመራሕቲ ኣብ ዝበዝሕሉ ምዕባለ ኢና ዘለና ይብሉ እዮም። ብመንጽር’ዚ ናይቶም ኣብ ወግዓዊ መድረኽ ብምርጫ ድዩ ብሕርያ ዝምዘዙ መራሕቲ ፍሉይ ሓላፍነት ኣዝዩ ቅርጡው ናብ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ኢና ንጐዓዝ ዘለና።
እዞም ኣብዚ ዝምድና መራሕን ተመራሕን ዘጽንዑ ዝበልናዮም ወገናት “መራሒ ክትከውን እትጅምር፡ “እዚ እዩ ደረጃኻን ሓላፍነትካን፡ እዚ ከኣ ዝርዝር ዕማምካ” ክሳብ እትበሃል ክትጽበ የብልካን። ናይ ምምዕባሉን ዘይምምዕባሉን ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ “ንኹሉ ሰብ ዝተዋህቦ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ኣለዎ“ ዝብል ዕግበት ኣለዎም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ “ኩሉ እቲ ተመራሒ እየ ኢሉ፡ ውጽኢት ካብ ኢድ ውሑዳት መራሕቲ ዝጽበ ንገዛእ ርእሱ መራሒ እዩ” እውን ይብሉ።
ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ’ሞ ይጽነሓልና፡ ዝኾነ ሓላፍነት ናብ ውሑዳት መራሕቲ ካብ ምጽዓን ክንወጽእ ይግበኣና። ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣብ ውሱናት መራሕቲ ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ንዘለና ተረድኦ ብዝድህስስ ተግባር ከነሰንዮ ግድን’ዩ። ነቲ ዝተሰለፍናሉ ዕላማ ዝምልከት ፖሊስን መትከላትን ካብ ተቐበልናዮን ፈለጥናዮን፡ ዋላ ውሱን ይኹን ዓቕሚ ኣብ ኢድና እንዳሃለወ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ከም “ግቡእ” ተዋሂቡና ዘሎ ሓላፍነት ንስጉም፡ ናይቶም ከማእክሉና ሓላፍነት ዝሃብናዮም ውሱናት መሪሕቲ ኢድ ክንጽበን “ከምዚ ተዘይገበርኩም” ክንብልን ግዜ ከነባኽን ኣይግበኣናን። ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ከም ኣብነት እንተወሰድና ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ክኸውን እንከሎ፡ ክትግብሮ ካብ ዝተቀበሎ ግቡእ “ኣባል ሰልፊ ብደረጃ እቲ ንሱ ዝርከቦ ጸፍሒ ኣብ ህይወት ሰልፊ ንጡፍ ግደ ይህልዎ፤ ንዕላማታትን መትከላትን ሰልፊ ናብ ህዝቢ ንምግላጽን፡ ንምዕማቑን ንምትግባሩን ይጽዕር፤ ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤” ዝብል ንረክብ። ሓደ ኣባል ነዚ ንምትግባር ናይ መራሒ ፈቓድ ኣይጽበይን እዩ።
እዚ ኣድማዒ ዝኸውን ከኣ ኣብዚ ጉዳይ ናይ መራሕትን ተመራሕትን ኣረዳድእ ውሁድ ክኸውን እንከሎ እዩ። ሓደ ኣካል ማዕረ ናይ መሪሕነት ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ ዓቕሚ እንዳሃለዎን እቲ መንገዲ እንዳፈለጦን “መራሒ ኢኻ” ስለ ዘይተባህለ ኣበርክቶኡ ትሕቲ መራሕቲ ገይሩ ክወስድ ኣይግበኦን። መራሕቲ’ውን ከምቲ “ተከዘ ንመረብ ሒዛ’ያ ትዕበ” ዝበሃል፡ ወርትግ ንግደ መሰረታቶም ኣብ በሪኽ ከንብርዎ ናይ ግድን እዩ።
ኣሮን ናኦድ