እንምነዮ ለውጢ ከይኩለፍ

2016-04-19 05:58:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2521 times

ዓለምና፥ “ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ” ብዝብል ሃብትን ንብረትን ናብ ምኽዕባትን ምውናንን ገጻ ትጎዓዝ ብምህላዋ ናይ ውሑዳት ጸብለልትነት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ብዘምጽኦ መዘዝ ብውሑዳት ሰብ ሃብቲ ከም እትበሓት ኮይና ኣላ። እዚ ኣገባብ  ምሕደራ ምዝመዛን ወጽዓን ዝወልድ ብምዃኑ፡ ዓለም ርህይዋን  ቀሲናን እትነብረሉ ሃዋህው ይብከል እዩ ዘሎ። በቲ ካልእ ወገን እዚ ኩነታት፡  እቲ ሃብታም ነቲ ድኻ ዝውሕጠሉ ኣገባብ እምበር እቲ ርኹብን ስኡንን ብሓባር ዝረብሕሉ ኣመሓድራ ኣብ ምፍጠር ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን’ውን ካብዚ ሓደጋ’ዚ ናጻ ክንከውን ስለ ዘይንኽእል እቲ ክነምጽኦ እንደልዮ ለውጢ ካብ ብሕጂ ጽጹይን ጥጡሕን መንገዲ ክነትሕዞ ይግበኣና። ካብኡ ሓሊፉ፥ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትህልወና ብትምኒት ጥራይ ኣይከውንን እዩ። እቲ እንምነዮ ለውጢ  ኣነጺርና ብግሉጽ ክነጒልሖን ብተግባር እውን እነሰንዮን ክኸውን ይግበኦ። ንእንመነዮ ለውጢ ከከም ድሌታትናን ኣተሓሳስባናን ጥራይ ክውሰን ከምዘይክእል ከነስተውዕል ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ  እንምነዮ ለውጢ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝውክልን ብሓባር ዘንብርን ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንመራመረሉ ይግበኣና።

ነዚ ኣንዊሑ ዝጥምት ምርምር’ዚ ንምክያድ፡ ናጻን ቀጻልነት ዘለዎን፡ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ቃልሲ ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝኸይድ ጉዕዞ ነቲ እንምነዮ ህዱእ መጻኢ ውሕስነት ዝህብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን፥ ህዝቢ ዝዋንኡ ስልጣንን ክህልወና እንከሎ ስለ ዝኾነ።

ነዚ መስርሕ ዝመልክት ስነፍልጠት ከም ዝሕብሮ፥ ‘’ጭቆና ንምቅዋም ይኹን  ወጻዒ ስርዓት ንምውጋድ ዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ቀጻሊ ህድኣት ኣብ ምውሓስ ክህልዎ ዝኽእል ውጽኢት፥ ምስቲ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ክረአ እንከሎ፡  ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።  ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ ግና ኣብ ዲሞክራሲያዊ ውጽኢትን ቀጻሊ ርግኣትን ዝህልዎ ጽልዋ ዝለዓለን ዘተኣማምንን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ።’’

ስለዚ ዲሞክራሲ ኣብ ጥጡሕ ባይታ ክስረትን እናማዕበለ ክኸይድን  ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናጽነት ክትሰፍር ኣለዋ። ምኽንያቱ ንባዕሉ ናጻ ዘይኮነ ንናይ ካልኦት ናጽነት ክኽብርን ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢን ክሓስብን ኣይክእልን እዩ። እዚ ባይታ’ዚ ኣብ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘይዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝንደቕ እዩ መሰረትን ውሕስነትን ዝተኣማምን ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ዘውሕስን ዝኸውን።

ብሓጺሩ እቲ ተቓውሞ ንዘይዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ክወስዶን ብተግባር ክሰርሓሉን እንከሎ  እዩ ናጽነት ዝዓዝዝን ናብኡ ገጹ ዝወስድ መንገዲ ጥጡሕ ዝኸውንን። እዚ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ውሑስን ዘተኣማምንን ክኸውን ግና ህዝቢ ብንቕሓትን ብውዱብ ኣገባብን ክሳተፎ እንከሎን ዝተጸንዐ መተካእታ ዝቐረበን ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ምድላው’ዚ ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ነቲ ኣገባብ ስለ ዝመረጽካዮ ጥራይ ትዕወት ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ኣብ ሓጺር ግዜ ብህዝባዊ ናዕቢ ዲክታቶራት ናይ ዘወገዳ ሃገራት ተመኩሮ ዝምህረና እውን እዚ እዩ።

Last modified on Tuesday, 19 April 2016 08:01