ጋዜጣዊ መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ

2016-04-14 21:34:06 Written by  ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2750 times

ብውጽኢት ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ 1-3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣኡ ኣካይዱ። ኣብ ምጅማር ኣኼባ፡ ኣቦ መንበርን ሓለፍቲ ጉጅለታት ዕማምን፡ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዕዮ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። እቲ ኣኼባ ድማ፡ ናይ ትግባረ ዕማማት ወድዓዊ ገምጋም ብምክያድ፡ ዝሓለፈ መድረኽ፡ ብሳላ’ቲ ካብ ተሳተፍቲ ውድባት ዋዕላ ናይሮቢ ዝረኸቦ ደገፍን፡ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነትን፡ ብመላኡ ኣወንታውን፡ ኣፍራይን ምንባሩ፡ ኣስሚሩሉ። ኣብ ገምጋም ናይቲ ድሕሪ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰዓበ መድረኽ፡ ካብ ገለ ሸነኻት፡ ኣብ ተረድኦ ዋዕላ ናይሮቢን ዕማማቱን ዘይምርዳእ ወይ ምድንጋር ተፈጢሩ ምንባሩ ተመልኪቱ። እዚ ምድንጋር’ዚ ምናልባት መስርሕ ዋዕላ ናይሮቢን ምስንዳእ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶን ናይ ግዜ ምትእትታው ብምንባሩ ይኸውን ብምባል ድማ ንምብራህ ዝኣክል

 

1. ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባት ዝተሳተፍኦ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ንመጻእን ዝጠመተ፡ ሓባራዊ ፖሊቲካዊ ራእይ ንምስራጽ ዝዓለመ ምይይጥ ንምክያድ ዝተገብረ ምምኻራዊ ርኽክብ ምንባሩ፣

2. ዕማም ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ድማ በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምምጻእ ደኣምበር፡ መተካእታ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኪዳን፡ ወይ ካልእ ምሕዝነታዊ ውደባታት ንምስንዳእ ከም ዘይኰነ፡ በዚ መሰረት’ ውን ዕማማቱ ምስ ዕማማት ምስንዳእ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዘይጋጮ ኣረጋጊጹ።

 

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ ዘቐመጦ ገምጋም ብምብጋስ ካብ ዕለት ኣኼባኡ ክሳብ’ቲ ኣብ ካልኣይ ክፍላ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክጋባእ ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይ ዘሎ ግዜ መደባት ዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ብዝምልከት ድማ እቲ ምምኻራዊ ዋዕላ ከመያየጠሎም ዘለዎ ኣጀንዳታት መሰረት ብምግባር፡ ንድፊ ሰነዳት ናይ ምድላው መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ናይ ሃገራውያን ውድባት ተቓውሞ ንድፊ ሓባራዊ ራእይ፡ ምልካዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዘኽእል ኣገባብ ቃልሲ ምንጻርን፡ ናይ መጻኢ መድረኽ ምስግጋር ንድፊ ሓባራዊ ርእይቶ ምቕራብን እዮም። ነዞም ንድፍታት ንምድላው ከም መወከሲ ዝጥቀመሎም ድማ፡ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ሰነዳት ሓይልታት ተቓውሞን ክኾኑ እዮም። ከምኡ’ውን ጠንቂ ሽግራት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምልላይን፡ ነዚ ዓቢ ዕማም’ዚ ንምስልሳልን፡ ብኣፍልጦን፡ ተመክሮን ናይ ዘለዎም ፈሊጣውያን ኤርትራውያን ዝቖመት ፍልይቲ ሽማግለ መዚዙ፣ ዕማማታ ንምስልሳል ዝሕግዙ ሰነዳት ክኣ ክቕርብ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ወሲኑ።

 

ኣኼባታት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ኤርትራ ዝተኻየደ ኣገደስቲ ርክባት ዘሰነዮ እውን ነይሩ። እቲ ርክባት ንኹሎም ውድባት ብዛዕባ ንጥፈታቱን ብመሰረ’ቲ ካብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ዘካየዶም ዕማማትን ንምብራህ፡ ናይ መጻኢ መደባት ንምሕባርን ተሓባባርነቶም ንምሕታትን ነበረ። ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ እተሳተፉ ውድባት፡ ድሕሪ ኣገደስቲ ምይይጥ፡ ግዜያዊ ኣካል ዕማማቱ ንምስልሳል ዘኽእሎ ምትሕብባር ከም ዘበርክቱ ኣረጋጊጾም።

መሪሕነት መድረኽን ኣባላት ግዝያዊ ኣካል ርኽክብን ምስ’ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዘይተሳተፉ 6 ውድባትን ከምኡ’ውን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኣገዳሲ ርክባት ብምክያድ ሃናጺ ልዝብ ገይሮም። እዞም ዝተጠቕሱ ሓይልታት ንክተሓባበሩ ድሉዋት ምዃኖምን ናብ’ቲ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፉን ኣረጋጊጾም።

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣብ ምዝዛም ኣኼባታቱ፡ ንኹሎም’ቶም፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ዘተባብዑን ብሓሳብ ኰነ ብግብሪ ዝተሓባበሩን፡ ምስጋናኡ እናቕረበ፡ ብፍላይ ነቶም ነዚ ኣኼባ’ዚ ብዓወት ንኽዛዘም ዘበርከቱ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣመዝጊቡ።

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ

4 ሚያዝያ 2016

Last modified on Thursday, 14 April 2016 23:41