ኣብ ዝኽርካ ኢዩ ጉባኤና
2015-04-30 04:39:34 Written by ፍረወይኒ ገብረገርጊሽ በይ ኤርያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2334 timesኣቦ ተበግሶ ናይዛ ሓዳሽ ቁጽሮ
ኣበይ ዳኣ ኣቢልካ ተወልደ ባካሮ
ከመይ ዱዩ ኔሩ እቲ ናይ ዓሚ ዉዕሎ
ብህልቒት ላምፓዱዛ ማሕላ ዝተማሕሎ
እንታይ ዳኣ ኮንካ እግርካ ተሕጹሮ
ኮምኡ ድያ እዛዓለም ዘይብላ የእምሮ
ንሃብታም ዝነበረ ድካ ትቅይሮ
ነቲ ብዓል ሓሳብ ነቲ ብዓል ቆጾሮ
ሓሳቡ ኮሊፋን ኣብ መሬት ተሕጽሮ
ንነጻነት ቃልሲ እጃምካ ዘበርከትካ
ሃገር ንምምዕባል ሃብትካ ዘወፈካ
ረኪቡካ’ዶታ እዚ ሽፍታ ናይ በረካ
ከምዛ መማኩርቱ ዓርኩ ዘይነበርካ
ንብረትካ ገቢቱ ኪድ ርሓቅ ኢሉካ
ከታሊ ጋሂ ሕማም የሕዲሩልካ
ግን -ግን እቲ ዚዓበየ ንስሓ ተናሲሕካ
ኣብ ቅድሚ ህዝብካ በደልካ ገሊጽካ
ይቅረ’ውን ኢሉልካ መሊሱ ፈቲካ
ኣባታዊ ምክሪ ረኪቡ ካባኻ
ጩራ ናይ ሓድነት ንስካ ኣበጊስካ
እንታይ’ሞ ወይ ተበጉሶካ ቅድም ከይብለልና
ወይ ከይትጽንሕ ከይተሰጉመና
ምምጻእካ ምካድካ ማዕረ ማዕረ ኮዩኑና
ከማካ እኮለዉ ዚሓደጉ ነቲ ሲርዓት
ሚስጢር ከይዛረቡ ዚሳኣኑ ቲብዓት
ሓኒቅዎም ከሎ ከም ምራን ቁረባዓት
ጽዒንዎም ከሎ ከም ሕማም መንዳዓት
ጎቦ ጎቦ ዚብሉ ኣካይዳ ፈራሓት
ኣይ ተባዓት ተካለስቲ ጎኒ ናይ ዉጽዓት
ኣይ ኑጹራት ተታበቅቲ መሳሰይቲ ጽርዓት
ነዚኦም ኢዩ ዝብከዮም ሞት ናይ ሕማቃት
እምበር ንስካስ
ኣብታ ሓጻር ተበግሶ
ንህዝቢ ክጥርንፍ ክትጉስጉሶ
ነቲ ናዲክታቶር ሽኮና ክፍኣት ዘጠተስጠሶ
ሚስጡሩ ከተውጽእ ሓመዱ ከተልሕሶ
ቀሪቡ እዩ ኔሩ ሓሞቱ ክፈሶ
ሞት እንደሞ ኣርኪባትካ ንዕኡ ተደግዕሶ
ኣለና ግና እቶም ዚማሓልና
ተጠርኒፍና ኣሎና ከነዕዉት ጉባኤና
መንገዲ ናይ ፍትሒ እዚኣያ ንህዝብና
እቲ ነዛ ተበግሶ ክብትን ዝደሊ
ብዓሌት በውራጃ ህዝቢ ዝፈላሊ
ዘይኑጹር መርገጹ በሊሕ መታለሊ
ካብ ረብሓ ዉጽዓት ረብሕኡ ዝደሊ
ቦታ የብሉን ዕንክሊል መበሊ
ከንሕልዋ ኢና ክንዕንብብ ከም ተክሊ
ፍረወይኒ ገብረገርጊሽ
በይ ኤርያ