Sunday, 31 May 2015 08:31

ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣውያት ህልቀት ባሕሪ ንምስማዕን ሽበራዊ ማሕረዲ ንምኹናንን ዝዓለመ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

Written by ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ - ሰሜን ኣሜሪካ
Rate this item
(0 votes)

እታ ብኣእላፍ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነትን፣ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን መዘና ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን፣  ኣብ ትሕቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ኣረሜናዊ ምልካዊ ጉጅለ፣ ኣብ ምልካዊ ባርነትን ጭቆናን  ጸልማት ቤት ማእሰርቲን ተቖሪና።  መንእስያትን ኣቦታትን ኣዴታትን ቆልዑትን ንቡር ሂወት ንምርካብ እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ብኣሽሓት ናብ ስደት ክውሕዙ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዶባት ካብ ናይ መቕተልቲ ሃድን ድሕሪ ምስጋር፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት መፍቶ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኮይኖም ሂወቶምን ኣካላቶምን ኣብ ዕድጋ ከም ኣቕሓ ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ።  ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ህራርሞ ምደረበዳ ሰሃራ ናብ ሊብያ ክጓዓዙ ብዙሓት ይሞቱን፣ ቀለብ ኣሞራን ኣራዊትን ይኾኑ ኣለው። 

 ድሕሪ እቲ ንዓለም ዘሰምበደ ናይ 360 ኤርትራውያን ጃምላዊ ህልቀት ላምፓዱሳ ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣  ብሓያል ነድሪ  ክድገም የብሉን፣ እምቢ ንስቕታ፣ እምቢ ንምልኪ ኢሎም ፣ ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን ሰፊሕ  ምልዕዓል ከም ዝጀመሩ ዝዝከር እዩ። ይኹን ኣምበር፣ ስደትን ህልቀትን ክጎድልስ ይትረፍ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ተሰጋጊሩ። ቅድሚን ድሕሪን ላምፓዱሳ ተደጋጋሚ ዓበይቲ ህልቀታት ተራእዮም። ኤርትራውያን ኣብ ዝኸድዎ ቦታታት ኣብ ሕስረትን ውርደትን ተሓላቒ ዘይብሎም ሰባት ኮይኖም ብኣማኢት ይጠፍኡ ኣለዉ።   ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ልዕሊ 350 ኤርትራውያን  ካብ ሓንቲ ጃልባ ጥሒሎም።  ዜጋታትና ብኻራ  ሽበራዊ ጉጅለታት ከም እንስሳ ይሕረዱን ይርሸኑን ኣለው።

ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኤርትራውያን ንሓደጋታት ህልቀት ባሕርን፣ ንሓደጋታት ሽበራዊ ማሕረዲን ምርሻንን፣ ንሕሱም ምልካዊ ጭኮናን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን መቕተልትን ተሳጢሖም ይርከቡ። ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ሊብያን እስራኤልን የመንን ካልእ ቦታታትን፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኤውሮጳን ዓለምን፣ ብዘይ ዑቕባን ሕጋዊ ቅቡል ተሓላቒን ኣብ ኣስካሕካሒ ኩነታት ኣለው።

 ኤውሮጳዊ ሕብረትን፣መንግስቲ እስራኤልን ኣህጉራዊ ትካላትን  ኣብ ኣፍደጊኦምን ኣብ ሃገሮምን ናይ ዘለዉ ደቂ ሰባት ሂወት ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣለዎም። ይኹን እምበር፣ ኣብ ክንዲ ንጠንቂ ስደትን ህልቀትን ካብ ሱሩ ምፍታሕ፣ ነቲ ምንጪ ናይቲ ሽግር ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ደገፋት ክገብሩን ምልካዊ ስርዓት ኣጉል መብጽዓታት ክገብር ክጠባብሩ ይፍትኑ ኣለው።  እቲ ዘገርም፣ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ናይ ባርነትን ስደትን ህልቀትን ዝኾነ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ፣  ኣብ ክንዲ ብገበናቱ ዝሕተትን ኣብ ፍርዲ ዝቐርብን፣ ወኪልን ተጸዋዕን ኮይኑ ብስቓይ ግዳያት ክነግድ፣ ኣዝዩ ዘስደምም ስጊንጢር እዩ።

ስለዚ ከኣ፣ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ፣ ብዝለዓለ ነድሪ፣ እምቢ ንምልኪ፣ እምቢ ንህልቀት ዜጋታት፣ እምቢ ንማሕረድን ምርሻንን ንጹሃት ኢሎም፣ ድምጺ ናይ  እቶም ድምጺ ዘይብሎም ኣሕዋቶምን ደቆምን ብምዃን  መልእኽቶም ዘመሓላልፉሉ   -  ዓቢን ኣድማዒን ሰላማዊ ሰልፊ  -  ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ  ተዳልዩ ኣሎ።

እዚ  ሰላማዊ ሰልፊ ንድሕነት ህዝቢን ሃገርን ዝዓለመ ኮይኑ፣  ኣብ ድሮ ዕስራ ሰነ መዓልቲ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ፣     ብ19 ሰነ 2015፣  ኣብ ሕምብርቲ ዋሽንግተን ዲሲ -  ካብ ቤት ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት ተበጊሱ  ናብ  ዋይት ሃውስ፣  ቀጺሉ  ናብ  ቦታ  ኮንግረስ  አሜርካ  ካፒቶል ሂል  ክምርሽ እዩ።   ንሰብኣዊ ክብሪን መሰልን  ኤርትራውያን፣  ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ህጹጽ ጻዕርታት ክግበሩ ክጠልብ እዩ።

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን፣  መላእ ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኤርትራን  ፈተውቲ  ኤርትራን፣  ኣብያተ-ክርስትያናትን፣ መሳጊድን፣  ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ህዝባዊ ትካላትን ውድባትን ኣብዚ ዓቢን ኣድማዕን ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉን፣ ብስሙር ድሙቕ ድምጺ ናብ ኩሎም ወሰንቲ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን መልእኽቶም ከመሓላልፉ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይጽውዓና ኣሎ።

ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ፣

ዓርቢ 19 ሰነ 2015

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ - ሰሜን ኣሜሪካ   

Read 11693 times Last modified on Sunday, 31 May 2015 08:41