Thursday, 18 June 2020 20:56

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 18 06 2020

Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ክሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን።

ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ዛዕባ ረዚን ስለ ዝኾነ፡ መንን ስለምንታይ ወሲንዎ ብዘየገድስ፡ ሰማእታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ሕልናና ስለ ዘለዉ 20 ሰነ ጓይላን ጃህራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሮም ምዝካራ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዝሓሰብሉ ዝሰማምዕሉ እዩ። እቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሰማእታት ክውሰኽዎ እንከለዉ ከኣ’ሞ እቲ ኣሃዝ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እቲ መዳለዊ ባህሪኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስለ ዝንጸባረቕ ባዕሉ ናይ ዝቐንጸሎም ሰማእታት መርድእ ንቤተሰቦም ኣይተነግረን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እውን፡ ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ኣብቲ ጉጅለ ህግዲፍ ዝቐለሶ ዝርዝር ሰማእታት ኣይሰፈሩን። እንተኾነ ኣብ ዝርዝር ህግደፍ’ኳ እንተዘይሰፈረ፡  ታሪኽ ኩሎም ሰማእታት ኣብ ሕቑፊ ሃገሮምን ህዝቦምን  ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ  ስዉእ ዘይወደቐላን ቅያ ዘይተሰርሓላን መዓልቲ ኣይነበረትን። ስለዚ ብግብሪኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ኩሉሳዕ መዓልቲ ሰማእታትዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብ20 ሰነ 1991 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘስመዖ መደረኡ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ውድባት ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ዝብል መርዚ ይርከቦ። እቲ ንህዝቢ ምክፍፋል ከቢድ ገበን’ዩ ዝበሎ፡ መልእኽቱ ንናይ ምውዳብ መሰረታዊ መሰል ዝሕርም፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ወጻኢ ምስ ካልእ ምስላፍን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስጓምን እዩ። እዚ ከኣ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ  ዝቕጽል ዘሎ ጥልመቱ  ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ሰማእታት ወግዓዊ  መግለጺኡ ነይሩ።

ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣእዋም ብምትካል፡ ዓመት ተጸቢኻ ሽምዓ ብምብራህ፡ ንቤተሰቦም ብህዝቢ ካብ ዝተለገሰ ቁንጣሮ ናቕፋ ብምሃብ፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቅላሕን ብዘሕቆቅንቁን ዜማታት ንቤተሰቦም ብምንባዕን ጥራይ ዝጥበር ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሕድሮምን ለበዋኦምን፡ ኣብታ ብዋግኦም ርእሳ ዘቕነዐት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ክትከል፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣብታ ሓላል መሬቱ ብዘይስኽፍታ ዝባኑ ቀሊዑ ክልምዕ፡ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፡ ኮታ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ንሰማእታቱ ሃገር ብምህናጽ ዝኽሕሰሉ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፍጠር እዩ ነይሩ።

እቲ ብግብሪ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ካብ ሕድሮም ዘየኽብር ኩነታት ከኣ፡ ሓደ ጸረ ህዝቢ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ዝኣከቦ ጉጅለ፡ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን፡ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ዘሽካዕልለሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣጽኒዑ ተማሂሩ ሃገሩ ክሃንጽ ዝነበሮም መንእሰያት ደቂ ስዉኣት፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዝጠፍኣሉ ገለን ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣደዳ ብዙሕ ስቓያት ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና። ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ ሰማእታት፡ ደቆም ከፊሎም ብደቂ ስዉኣት ደቆም ዝሕብሓብሉ ዕድሎም ዝመኸነሉ፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልመቱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ነታ ዋጋ ሰማእታት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ክጣለዓላ ትንዕምንዕ ዝብለሉ፡ ኮታ ወያ ሳላ ደቃ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩላ፡ ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን፡ ናይ ኩሉ ሕማቕ ምምሕዳርን ድኽነትን ኣብነት ኮይና ኣብ እትጥቀሰሉ ቀራና መንገዲ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ከኣ የለን።

“መራሒ ሃገር እየ” ስለ ዝበለ፡ ናብ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝያዳ  ከነድህብ ንቡር እዩ። እንተኾነ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታትና ህግዲፍ ከም ጉጅለ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ተረከብቲ  ሕድሪ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ሰማእታት “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” እንዳበሉ ነታጒ ረጊጾም ቡንባ እንዳደርበዩ፡ ካብ የማነ-ጸጋሞም  ዝሓለፉ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ መቓልስቶም ዝያዳ ተረከብቲ ሕድሪ እዮም። ነዚ ረሲዖም ኣብ ጐኒ ህግዲፍ ኮይኖም፡ ብገንዘብን ጹሩራን ተዓሽዮም፡ ሕድሪ ሰማእታት ዘዕብሩ ዘለዉ  ውሑዳት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግዲፍ ዘለዉ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዛዕባቶም “እቶ” እንዳበሉ ዘሰውእዎም ጀጋኑ፡ ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ረጊጽኩምዎ ዘለኹም መሬትን ጨቢጥኩምዎ ዘለኹም ዕጥቅን ካብ ሰማእታት ዝተረከብኩምዎ ምልክት ጽንዓቶም እዩ እሞ ሕድሮም እንተ ጠሊምኩም ዓጽሞም ከይወግኣኩም ሕሰብሉ። ውላዶም ወይ ናይ ቀረባ ሰቦም ምእንቲ ሃገር ሞባእ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ምእንቲ ሓላፊ ጠቕሚ፡ ምስቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ጉጅለ ክትመሓዘዉ እንከለኹም ክሳብ ክንደይ ካብቲ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም እተስተብህልሉን ናብ ልብኹም እትምለስሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። 

ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡  ናብ ልቡ ተመሊሱ ንቡር መንገዲ ሒዙ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር  ክንጽበዮ ዘይኮነ ክንቀብጾ ይግበኣና። ስለዚ ሕድሪ ሰማእታትና መኺኑ ከይተርፍ፡ ብቃል ዘይኮነ ብግብሪ “ሰማእታትና ንሕና ኣለናልኩም ቅሰኑ” ናይ ምባል ሓላፍነትና  ከነሕይል ይግበኣና። 20 ሰነ ክንዝክር እንከለና ከኣ ነቲ “ንሕና ንሓልፍ ኣለና፡ ንስኻትኩም ከኣ ሓደራ ንሕድርና ቀጽልዎ” ዝብል ቃሎም ድምጽና ኣበሪኽና ከነቃልሖን ብግብሪ ከነሰንዮን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ረዚን ዘይስገር ግቡእና እዩ። ነዚ ሕድሮም ዝጠለመ ህግዲፍ ነወግድ ክንብል እንከላና፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንኽብር ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንጽበየሉ ዘይኮነ ሎሚ ቃልና ከነሕድሰሉ  ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Source

 
 
Posted
 
17 Jun 2020
 
Originally published
 
11 May 2020
 
Origin
 
View original

Attachments

Summary

The present report is submitted pursuant to Human Rights Council resolution 41/1, in which the Council extended the mandate of the Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea for one year and requested the mandate holder to present a report on the implementation of the mandate to the Council at its forty-fourth session.

As in previous years, the Special Rapporteur was not granted access to Eritrea to conduct in-country visits. The Government of Eritrea remains opposed to engaging in cooperation under the mandate. The Special Rapporteur has continued to monitor the human rights situation in the country by conducting field missions to third countries and by engaging with a broad range of stakeholders.

During the period under review, the Special Rapporteur has found no evidence of a substantial improvement in the situation of human rights in the country. While Eritrea has increased its engagement with regional and international actors throughout the reporting period, this engagement has not yet translated into tangible reforms in human rights. A telling sign is that Eritreans continue to flee the country in large numbers. In the present report, the Special Rapporteur provides an update on the situation of human rights in the country, highlights specific areas of concern and sets out recommendations for the Government of Eritrea for achieving sustainable progress in human rights.

Tuesday, 16 June 2020 21:29

Interview With Ghidey Mehary 16.06.2020

Written by

ብዝኽሪ ስዉኣትና ዝያዳ እነስተንትነሉ ሰሙናት ስለ ዝኾነ፡ ንጽሑፋትናን መደረታትናን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ስዉኣትና ብዝብላ ቃላት ክንጅምር ግድን ኢዩ። እቲ ዝኽርን ክብርን ናይ ኲሎም ጀጋኑ ስዉኣት ኤርትራ ዘይግድሶ ስርዓት ኣስመራ’ኳ ብተግባራቱን ጥልመታቱን ከይሓነኸ ዝዝምረለን ቃላት ኢየን።

Martyries 1

ክትገልጾ ዘጸግም ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ፊን ብዝብሎ ክጐዓዝ ባይታ ኣደልዲሉ ስለ ዝጸንሔ፡ ሃገር ነጻ ኰይና ካብ እትብሃል 29 ዓመታት ሓሊፉስ፡ እታ ኣልቦ ሕግን ፍትሕን ዝገበራ ሃገረ ኤርትራ፡ ጌና ቊጽሪ ስዉኣታን ብዝሒ ዜጋታታን ከይፈለጠት ትነብር ኣላ። እዚ ሓደ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ መስደምማት ነጻ ሃገረ ኤርትራ’ዩ።

ውልቀ-መላኺ ሃገርና ፊን ኢሉዎ “20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ትኹን” ምስ በለ ኰይና። ዘግለለ ኣግሊሉ፡ “እቶም ስዉኣትና” 65,000 ኢዮም” ምስ በለ ከምኡ ዀይኑ። ድሕሪ’ቲ ባዕሉ ዝኣጐዶ ውግእ 1998-2000 ከኣ “ገለ 19,000 ስዉኣት ጥራይ” ኢዮም እተሰውኡ ኢሉ ምስ ኣቃለለ፡ መን ክእርሞ! መን ዓገብ ክብሎ! ከምዚ ኢልካ ንነዊሕ ዓመታት ምቕጻል፡ ከም ህዝቢ ዘየሕንኸና ጒዕዞ ኣይኮነን።

ቊጽሪ ስዉኣት ኤርትራ?

እታ ሎሚ ብቛንቋ እንግሊዝ “ማርቲር” እትብል ቃል ብግሪኽ "ምስክር" ካብ ዝብል ትርጉም ዘሎዋ ቃል ዝመጸት ምዃና ይግለጽ። ብዓረብ ከኣ ሸሂድ (ሻህድ) ብተመሳሳሊ ምስክር ዝብል ትርጉም ኣሎዋ። ሰማዕታት ዝብል'ውን ካብኡ ዝርሕቕ ኣይመስልን። ብግእዝ ሰማዕት/ሰማዕቲ (ዝሰምዑ፡ ዝረኣዩ ዝመስከሩ) ኰይኑ ይስማዓኒ። ብሓጺሩ ሰማዕት/ሸሂድ/martyr ምዃን፡ ጽኑዕ ምስክር ኰንካ ንእተኣምነሉ ዕላማ ደው ምባልን ዝመጸ እንተመጸ ምእንትኡ ዋጋ ምኽፋልን የስምዕ። ንኤርትራ ብዝምልከት ከኣ፡ እቶም ነዚ ናይ ዕላማ ምስክርነት ደው ዝበሉን ከዐውትዎ ዘድሊ ዋጋ ዝኸፈሉን፡ ብዘይ ሌላን-ጒለላን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ዝግብኦም ስዉኣት ሃገርና ኢዮም።

ኣብቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ጒዕዞ ዝወደቑ ስዉኣትናኸ መነመን ኢዮም? ብዝሖምከ? እዚ ካብቲ ጌና ዘይተመለሸ ሕቶታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብ1941 ዝጀመረ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ጒዕዞ  ኤርትራ እንሆ 80 ዓመት ክኾኖ ገለ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ይርከብ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ዓመታት እቲ ከኣ ምእንቲ ወይ’ውን ብምኽንያት ሃገራዊ ዕላማ ዋጋ ዝኸፈሉ/ዝኸፈላ ዜጋታት ናይዛ ከቢድ ዋጋ እተኸፍለላ ሃገር ኢዮም። እሞኸ ብዝሒ ሰማእታትና እቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፊን ኢልዎ ዝሓበሮ ኣስታት 85,000 ጥራይ ድዩ? ብዘይካ’ቶም ብረት ዓጢቖም እተቓለሱን ዝወደቑን ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ሓርነትን ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማ በጃ ዝሓለፉ ምህላዎም ህዝብና ኣጸቢቑ ይፈልጥ። ኣብ ከባቢ መስዋእቲ ዓብደልቃድር ከቢረ ይኹን ብድሕሪኡ ክንደይ ንሃገራዊ ዕላማ ክምስክሩ/ክጣበቑ ዘይወደቑ!! ኣብ ኣሃዛትን ኣተሓሳስባን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘየልዉ፡ ማለት ዕጡቓጥ ህዝባዊ ምሊሻን፡ ገባር ኣለይቲ ሰውራን፡ ብጒጉይ ኣተኣላልያ ውድባት ኤርትራ እተሃስዩን፡ በብመዓልቲ በዚ ህልዊ ስርዓት ዝቕዘፉ ዘሎዉን ዜጋታትና ስዉኣት ሃገረ ኤርትራ ኢዮም።  

ንዓና ንኤርትራውያን ዝኾነት መዓልቲ፡ መዓልቲ ስዉኣት ኢያ ክንብል  ንኽእል። ግን ከኣ ንዓመታዊ ኣበዓዕላ ክጥዕም ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክትምረጽ የድሊ። ህዝቢ ክርድኦ ዝኽእል ፍሉይ ድሕረ-ባይታን ትርጉምን ክህልዋ ከኣ ይምረጽ። 20 ሰነ ክብርቲ መዓልቲ ስዉኣትና ምዃና ንግዚኡ ዘጣዕስ ኣይኰነን። ክትጅመር እንከላ ክነብራ ዝግብኦ ትርጉም ከም ዘይሓዘት ግን ርዱእ ኢዩ -- እንትርፎ ኢሳያስ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ህዝቢ ኣኪቡ ናይ መጀመርያ ኣግላሊ መደረኡ እናሃበ “መዓልቲ ስዉኣትና ትኹን”  ምባሉ!!      

ንኣብነት ክዀነና፡ መዓልቲ ስዉኣት ናይ’ታ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ኣብ መዓልቲ መስዋእቲ ናይ ቃልሲ መራሒኣ ዝነበረ ዶክቶር ጆን ጋራንግ ይብዓል። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ከኣ ብኣጋጣሚ እቶም 30,000 ዝግመቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዳይ ዝኾኑ ሰላማውያን ኣቢላ ንዂሎም ስዉኣታ ትዝክር።

ኤርትራኸ ንዂሎም ናይ እተናውሔ ቃልሲ ስዉኣታ ብመዓልቲ መስዋእቲ ጅግና ፈላዊ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣቢላ  እንተተብዕሎ ኣይመመልክዓላንዶ? ወይ’ውን ንዓንጋሊ ሰውራ ዝነበረ ንተቓላሳይ “ሓፋሽ” ህዝባ ከይተረፈ ምእንቲ ከተኽብር፡ ካብቲ ኣስካሕካሒ ጅምላዊ ህልቂታት/massacres እተፈጸመሉ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ረቚሓ ንዂሎም ሰማእታታ ክትዝክር ዝያዳ ትርጉም ኣይምሃበንዶ? 

ስዉኣት ናይ እተናውሔ ቃልስና እጡቓትን ዘይዕጡቓትን ምንባሮም ምቕባል የድሊ። ስዉኣትና 85,000 ጥራይ ነይሮም ኢልካ ንኣበሃህላ ውልቀ-መላኺ ምኽታል ከኣ ቅኑዕ ኣይመስልን። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ብመጽናዕቲ ዝድገፍ ኣሃዝ ሃሰስ ዘይምባልና እውን ከም ህዝቢ ዘየሕምየና ኣይኮነን።

ብዝሒ ስዉኣት ኤርትራ ከባቢ እቲ ብስርዓት ህግደፍ እተጠቕሰ ኣሃዝ ጥራይ ከምዘይኮኑ ዝእምት ሓበረታታት ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት ብ1992 ኣብ ተሓትመ መጽሓፍ ከም ዘስፈርኩዎ፡ ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ብሰነ 1978 ክዛረብ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሽዑ 50,000 ዝኾኑ ሲቪላውያን ብሰንኪ ውግእ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ናይ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበረ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ 1975 ክሳዕ 1983 ከባቢ 280,000 ንጹሃን ሲቪላውያን ኣብ ኤርትራ መይቶም ኢሉ መስኪሩ። ናይ ወጻእተኛታት ትዕዝብቲ እውን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ፍሉጥ ሰሙናዊ መጽሔት ዓዲ እንግልሊዝ (The  Economist): ኣብ ናይ20 ጥቅምቲ 1990 ሕታሙ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ  ኤርትራ ክሳዕ 500,000 ዝኾኑ ዜጋታት ብሰንኪ ውግእ ከም ዝሞቱ ገሚቱ። ድሒራ ሓንቲ እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ (ሚቸላ ሮንግ - Michela Wrong) ብ2005 ኣብ ዘሕተመቶ መጽሓፍ (I Didn’t Do it for You)፡ 200,000 ዝኾኑ ሰላማውያን ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ኤርትራ መይቶም ኢላ።

ብዝኾነ፡ ናይ እተናውሔ ቃልስና ታሪኽ ብምልኣት ምእንቲ ክምዝገብ፡ ቊጽሪ ስዉኣትና ብሕጂ’ውን እንተኾነ ክንፈልጥ መጽናዕቲ ምክያድ ከድልየና ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ሽዑ ጥራይ ከኣ’ዩ ነቲ ዘየዕግብ ኣሃዛት ኢሳያስን ስርዓቱን እንእርሞ።

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ?

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንሕተት እውን ቅኑዕ መልሲ ከምዝይብልና ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 29 ዓመታት “ነጻ” ህላዌና ነዚ ቀሊል ሕቶ’ዚ ክንምልሽ ዘይምኽኣልና ዘየሕዝን ኣይኰነን።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ብ2016 ኣብ ዘሕተሞ Understanding Eritrea ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘስደምም “ምስጢራት” ዝርዓት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ዜጋታት ኤርትራ ካብ 3.2 ሚልዮን ክሳዕ 6.5 ሚልዮን ኣቢሎም ይኾኑ እንተዘይበልካ ካልእ መልሲ ከምዘይብላን  እውን ብኣስተንክሮ ጠቒሱ።

ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ እውን ንጹር ኣሃዝ ከይሓዘ ንብዝሒ ህዝብና ከም ድላዩ ክገላበጠሉ ይርኤ። ንኣብነት ብ12-13 መጋቢት 2019፡ ተስፋሚካኤል ገርሃቱን ኣደም ዑስማንን እተባህሉ ክልተ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ 18 ዝኣባላታ ፍልይቲ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ከተማ ክጅኔቫ ተረኺቦም ሕቶታት “ይምልሹ” ነበሩ። ኣብቲ መልስታት ልኡኻት ህግደፍ፡ ሓዲኦም ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.2 ሚልዮን ኢዩ እናበለ፡ እቲ ካልኣዩ ከኣ 3.4 ሚልዮን ኢዩ ኢሉ።  ጽንሕ ኢሎም ካብቲ ኣዳልዮምዎ ዝጸንሑ (ግን ንሽማግለ ኣይንዕድሎን ዝበሉዎ) ጽሑፍ እናገላበጡ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.8 ሚልዮን ምዃኑ ዝገልጽ ሓዲሽ ኣሃዝ ኣንበቡ።

እቲ ኩሉ መልስታቶም ኣስደሚምዎ ዝነበሩ ኣባላት ሽማግለ ቅኑዕ መልሲ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ፈሊጦም ብቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ መብርሂ ኣይሓተትዎምን። ምኽንያቱ፡ ካብቲ ድሮ ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻባት ብዓል ኣንባሳዶር ተስፋሚካኤል ገርሃቱ፡ ኣብ ኤርትራስ 11 ቤት ማእሰርቲ ጥራይ ከምዘሎ፤ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘይብላ፤ ካብ 1991 ክሳዕ 2019 ብመንግስቲ ኤርትራ እተቐትለ ሰብ ከምዘየሎ፤ ንፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ብ2007 ዝኣሰርዎ ባዕሎም ሰበ-ስልጣን ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን እንበር መንግስቲ ከምዘይኰነት … ወዘተ ክብሉ ስለ ዝጸንሑ፡ ቅኑዕ መልሲ ዘይብሎም ምዃኖም እታ ሽማግለ ጽቡቕ ገይራ ተረዲኣቶምን ተዓዚባቶምን።

እቲ ብ1931 እተገብረ ቈጸራ ህዝቢ (census): ብዝሒ ተቐማጦ ኤርትራ 600,000 ምንባሮም ኣረጋጊጹ። ድሒሩ ብ1950 ከኣ ህዝቢ ኤርትራ 1 ሚልዮን ምዃኑ ብገምጋም ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ተበጺሑ። በቲ ዓመት’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ 18 ሚልዮን ዝነበረ ሎሚ 114 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ -- ማለት ካብቲ ናይ 1950 ብዝሑ ብ6.3 ረቢሑ (18 x 6.3) ማለት ኢዩ። ተመሳሳልነት መነባብሮ  ህዝቢ ናይ ህልቲኡ ሃገራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህዝቢ ኤርትራ 1 x 6.3= 6.3 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል ካብ ዘብል ምኽንያታት ሓደ’ዩ። ከምኡ’ውን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብከባቢ 2.5% ከም ዝበዝሕ ይንገር። ሓደ ብ2.5% ኣብ ዓመት እናወሰኸ ዝኸይድ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ከባቢ 25 ዓመታት ዕጽፊ ይኸውን። በዚ መዐቀኒ’ዚ’ውን፡ ብ1975 ህዝቢ ኤርትራ 2 ሚልዮን፣ ብ2000 ከባቢ 4 ሚልሊዮን ብ2025 ከኣ 8 ሚልሊዮን ክበጽሕ ይኽእል ኢልካ ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን።

ቅድሚ 50 ዓመታት፡ ማለት ኣብቲ ብ1971 ብኢሳያስን ንኡስ ጭፍርኡን እተዳለወ “ንሕናን ዕላማን” ዘርእስቱ ማኒፈስቶ ሰልፊ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ 3 ሚልዮን ኢዩ ተባሂሉ ነይሩ። ካብ ርእይቶኡ “ፈልከት” ዘይብል ውልቀ-መላኺ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከኣ ነቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዘቐመጦ ኣሃዝ ነኺስዎ ክነብር ዝወሰነ ይመስል።

እሞ ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ’ዩ? ስዉኣት ኤርትራኸ ክንደይን መነ-መንን ኢዮም? እዚ ካብቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ከለዉ ክንምልሾ ዘይንኽእል ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ኢዩ። ክንምልሾም እንኽእለሉ ባይታ ክርከብ፣ ዳግማይ ዓወት ክጭበጥ፣ ሕጂ’ውን እተዓጻጸፈ ቃልሲን በብዓይነቱ መስዋእትነትን የድሊ ኣሎ። 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!

ሰነ 2020                                                                                                         

Martyries 2

ሰማእታት ወይ መስዋእቲ ማለት፡ ካልኦት ወገንካ ወይ ህዝብኻ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት በደል፡ ዓመጽ፡ ርግጸት ሰብኣዊ መሰል ነጻ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሰላምን ቅሳነትን መታን ክነብሩ፡ ብፍቓድካ ምእንትኦም ብህይወት ምብጃው ማለት‘ዩ።

እዚ መስዋእቲ‘ዚ፡ ከምቲ ጉዕዞ ሓደ ማይልስ ብሓደ ስጉምቲ ይጅመር ዝብልዎ ምስላ፡ ቀዳሞት ክሓልፉ ብዳሕረዎት እናተተክአ እቲ ዕላማ ክሳብ ዝዕወትን ንዝተረኽበ ውጽኢት ዓቂብካ፡ ዳሕራይ ወለዶ ኣብ ዝኾርዓሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ንመዋእል ዝቕጽል ባህርያዊ መስርሕ‘ዩ። ስለዚ‘ዮም ድማ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ እታ ናይ መወዳእታ ህይወቶም ክትሓልፍ ከላ ሕድርኹም እዛ ሃገር እናበሉ ረዚን ሓላፍነት ኣሰኪሞሙና ዝሓለፉ።

ሃገር ማለት ከኣ ጎቦ ኩርባ ስንጭሮ ሩባ ዘይኮነስ፡ እቲ ምእንትኣ ዝብጀዉ ጀጋኑ ዝወለደ ህዝባ ሕጋዊ ክብሩ ተዓቒቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓላፍነት ተሰኪሙ ንዳሕረዎት ከመሓላልፍ ዝኽእል ህዝቢ ማለት‘ዩ።  ሎሚ ኣብዘን ኣዋርሕ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ኴንና ክንሓስብ ከሎና፡ ዓሚቝ ምስጢር ሕድሪ ሰማእታትናን ተግባራዊ ኣካይዳ ህሉዋትን ብሓፈሻ፡ ኣረዳድኣ መንእሰይ ንምዕቃብን ንምቕጻልን ዘሎ ተኽእሎ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዘሎ ኣብ ውዱእ ገምጋም ክንበጽሕ‘ዩ ዘነጽረልና። እዚ ማለት እታ ብክንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበትን ብታሕጓስን ደስታን ዝላን ደበላን ዝተቐበልናያ ነጻነት ብሓቂ ዕላምኣ ወቒዓዶ ወይ በርዒና። ሕድሪ ሰማእታት መሊስናዶ ወይስ ጠሊምና ዝብል ሕቶታት ብግቡእ ስለ ዘይመለስናእዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ዘሎናዮ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ግን ኩሉ ሕቡእ ተቐሊዑ እሙንን ጠላምን ዝተነጸረሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብስም ስዉኣት እናታለልካ ምቕጻል ግዜኡ ዝሓለፎ ሽጣራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብህይወት ዘሕትት ገበን‘ዩ። ዝኽሪ ሰማእታት እምበኣር ናይቶም ነጻነት ንምምጻእ ብረት ዝዓጠቑን ዘይዓጠቑን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከተማን ገጠርን፡ ምእንቲ‘ዛ ሃገር እናተቓለሱ ብጸላእን ዘቤታዊ ጠላማትን ዝተሰውኡ እኩብ ድምር ዝተገልጸን ዘይተገልጸን ቍጽሪ ሰማእታት ዘጠቓለለን ንዘልኣለም ክትዝከርን ክትከብርን ክትነብር ዝግበኣ ዕለት‘ያ።

ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ‘ውን፡ መስዋእቲ ናይቶም ድሕሪ ነጻነት ኣብ ልምዓት ሃገር ዓቢ ግደ ክህልዎም ዝግባእ ክንሱ፡ ብግጉይን ዘይሓላፍነታዊ ፖሊሲ ኢሳያስን፡ ንስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝጻሕተሮ ናይ ጐረባብቲ ውግኣትን መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱዎም ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝሓለፉን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ከዳዕ ኢሳያስ ኣይከሰርናን ኢሉ ዝኸሓዶምን ዘጠቓልል ምዃኑ‘ዩ። እዚ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝነበረ ዓይነት መስዋእቲ ክኸውን ከሎ፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ከባቢና ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉእ ኣካይዳ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ክንሱ፡ ሰኽራም ኢሳያስ፡ ‘‘ጉዳይ ኢትዮጵያ ትም ኢልና ኣይንርእዮን ኢና‘‘ ምባሉን፡ ሎሚ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከተካ ትዕደም ምህላውካ ክትፈልጥን እምቢ ክትብልን ይግባእ። ከምዚ ዓይነት ምኽርን ሓበሬታን ወዮ ድኣ ኣይተሰምዐን እምበር ተደጋጊሙ ይግለጽ ምንባሩን ብዘይምስማዕካ ዝኸሰርካዮም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰይ ደቅኻ ተመሊስካ ምስትብሃል ኣድላዪ‘ዩ።  

ገለ ካብኡ ድማ፡ መጀመርያ 1994 ሃገራዊ ኣገልግሎት ንልምዓት ሃገር ብዝብል ምስምስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ እቲ ዕላማ ንልምዓት ዘይኮነስ መዓስን ምስ መንን ምዃኑ ኣብ ዘይተፈልጠ ኲናት ትዳሎ ምህላውካ ክትርዳእን እምቢ ክትብልን ከም ዝግበኣካ ምግላጻ ትርስዖ ኣይብልን‘የ።

ኣብዚ እዋንዚ ዕድመ ስልጣን ውልቀ-መላኺ ንምንዋሕ ኣብ ዝሕሰብ መገዲ ዕንወት፡ ብቀዳምነት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስዒቡ ድማ መላእ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣብ ምድምሳስ ጭፍራ ህግደፍ ክምክት ግዜ ዘይህብ ህጹጽ እዋን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። እዚ መሃንድስ ጥፍኣት‘ዚ ከየልገሰ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኤርትራዊ ድማ ከም ነጻን መንነትን ክብርን ዘለዎ ዜጋ ኮይኑ ክነብር መደብ ኮነ ድሌት ከም ዘየብሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ጭቡጥ ምስክር‘ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን መደብ ሰሪዑ ሃገር ኣዕንዩ ንህዝባ ኣጥምዩን ኣጽኒቱን ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላሳ መደቡ ንምዕዋት ይሰርሕ ምህላዉ ተረዲእና ክንቃለሶ ዘይምኽኣልና‘ዩ።  ነዚ ፈሊጡ ድማ‘ዩ ባዕሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ ስምረት ምስ ኢትዮጵያ ዓመታት ይውሰድ ዘመን ብዘየገድስ ክትግበር ከም ዝከኣልን፡ በቲ ኤርትራ ኣብ ካርታ ናይ ዓለም ስለ ዝኣተወትን ናይ ባዕላ ባንዴራ ስለ ዘለዋን ትርጉም ኣለዋ ክትብል ኣይከኣልን‘ዩ፤ ሓደ ባንዴርኡ ኣብ ዓለም ዘንበልበለ ህዝቢ ጠምዩ ዝሓድርን መነባብሮኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ እንድሕሪ ኮይኑ ሃገር‘የ ህዝቢ‘የ ክብል ኣይክእልን‘ዩ“ ኢሉ ክገልጾ ከሎ ሳዕቤኑ ክንርዳእን ካብኡ ንምድሓን ብኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ዘይምኽኣልናን‘ዩ። እቲ ሕጂ ብምስጢር ዝመሃዝ ዘሎ መደብ ከኣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ደምሲስካ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕቡእ ዕላምኡ ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ናይ ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃራና መገዲ ምህላውና ዘመልክት ብጫ መብራህቲ‘ዩ። ስለ ዝኾነ፡ መልስና ንሓድሽ ናይ ጥፍኣት መደብ ኢሳያስ እምቢ ምባልን ነጻነት ንምዕቃብን ንዘጋጥም መሰናኽላት እናመከትና ቍልፊ ሓድነት ተቐኒትና ክሳብ ፍጹም ዓወት ምቕጻል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ማለት ልዑላውነት ሃገር ከይድፈር ውልቀ ምልኪ ከይፍጠር ሕግን ስርዓትን ብግቡእ ክትግበር ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑን ከቢሩን ክነብር ክሕሉን ክከላኸልን ሓላፍነት ዝተሰከመ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ።

በዚ መስረት ብሕጂ ዝፈስስ ደም ከይህሉ ዘይተርፍ እንተኮይኑ ግን ንረብሓን ድሕነት ሃገርን ህዝብን እምበር መሳርሒ ውልቀ መለኽቲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ምርዳእ ወሳኒ‘ዩ። እዚ ጥራሕ‘ዩ ከኣ ፋሕጠርቲ ኣጻፍር ኢሳያስ ዶብ ከይሰግራ፡ ክቅርሰማን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸትን ብጀጋኑ ደቃ ዝተሓጽረትን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብሰላም ዝነብረላን ሃገር ክንሃንጽ ዘኽእለና። ስለዚ ዘሎናዮ እዋን ደጋፍን ተቓዋምን ካብ ዝብል ኣረጊት ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ኣብ ልዕሌና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና መግዛእትን ምብርዓን ሕድሪ ሰማእታትና ክንምልስን ከነኽብርን ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ-ዝኽሮም 20 ሰነ ቃል ኪዳንና ከነሐድስ‘ዩ ዝግበኣና። ክሳብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ብዙሕ ዝተሓብአ ምስጢራት ዝፈጠሮ ናይ ምድንጋር ተኽእሎ ምንባሩ ዝግመት ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ቅሉዕ ድሌት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተነጸረሉ እዋን ምስኡ ምውጋን ኣብ ዘይወዓልካዮ ገበን ኢድ ምሕዋስ ስለ ዝኾነ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ምክልኻል ሓይልታት ዘለዉ ዜጋታትና ክሓስብሉን ምስ ደለቲ ፍትሒ ክውግኑን ንመኽሮም። ካብኡ ብዘይፍለ ድማ ንኩሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ውልቀመላኺ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ዕላምኡን መዕለቢኡን ዘይፍለጥ ናይ ምቅላስ ሸውሃት ዝዘርግ፡ ናይ ገለ ሰባት መግለጽን ሓበሬታን ብንቕሓት ክትምክቱን ኣንጻርዚ ብዕድልኩም ዝጻወት ጕጅለ ኢሳያስ ብሓባር ክትቃለሱን ኤርትራዊ ምኽረይ እልግሰልኩም።

ነዚ ንምዕዋት ክትለብሱዎ ዘሎኩም ዕጥቅን ስንቅን ከኣ ሓቀኛ ኣቃውማን ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝነብሮ ብቕዓትን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝነብሮ ፍቕርን ሓድነትን ንሱ ዝፈጠሮ ብሓባር ተቓሊሱን ብሓባር ተሰዊኡ ነጻነት ናይ ዘምጽአ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ክትፈልጡ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ እዩ። እዚ ከኣ ብሓቂ ክትጥቀሙሉ እንተክኢልኩም፡ ካብ ብዙሓት መጻሕፍትን ኣካል ናይዚ ነጻነት ዘምጽአ ሓርጐጽጐጽን ዝነበሩን ብህይወት ዘለዉ ዘመሓላልፉዎ ሃብታም ተሞኩሮ እናተመሃርካ ዝጥረ ጸጋ‘ዩ። ስለዚ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ቃልሲ ኣረገውትን ንኣሽቱን ዘይኮነስ ንኩልና ብሓባር ዘጥቅዕ ለበዳ ስቓይ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ከነልግሶ ዝግባእ ሓባራዊ ሕማም ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ። ኣብዚ እዋንዚ ውዳበ ዝለዓለ ጥርናፈ ናይ ለውጢ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ‘ቲ ክኾንኦ ዝግብአን ክብርኻ ብዘይምኽኣለን መድረኽ ቀዲሙወን ከይከይድን ብቑዕ ብዘይኮነ ምኽንያት ዘልሓጥሓጥ ገዲፈን፡ ብዘይወዓል ሕደር ነዚ ውሁብ ወርቃዊ ዕድል መሪሑ ዘዐውት ጽላል ከቑማ ኣጥቢቐ እምሕጸነን።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኩሎም ጸረዚ ድርብ ብድሆታት በብዝመስሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ዘሎኒ ኣድንቖት እናገለጽኩ፡ ጽሓይና ዝበርቀሉን፡ ብዛዕባ ጸገምና ኣብ ርህውትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ተራኺብና ነድግመሉ ነዊሕ ከም ዘይኮነ ዘሎኒ እምነት እገልጽ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍን መሰልቶምን!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

15 ሰነ 2020  

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ14 ሰነ 2020  ናይ ኣባላቱ ሕድሕድ  ምልላይ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ዝተኻየደ ድሕርቲ ብ20 ጉንበት 2020 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን  ምሉእ ሓድነት ምኽታሙ፡  ነዚ ስምምዕ ተኸቲሉ ናይ ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ምልላይ ኣገዳስነት ብምርኣይ እዩ።

ኣብዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ፡ ክልቱኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓድነት ዘርእዮ ቅሩብነትን ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዕዋት ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝተመዛ ሽማግለታት ጻዕርን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ፡  ኣብዚ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘይስገር ወሳኒ ኣጀንዳ ዝኾነሉ መድረ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ሰዲህኤ ዘዕቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ካለኦት ኣካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ዘተባብዕ ኣብነት እዩ ኢሉ።

ድሕሪ እዚ፡ እቶም ንክልቲኡ ውድባት ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሓገግቲ ኣካላት ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ነፍሲ ወከፎም ሓጺር ድሕረ ባይተኦምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ብንጥቃስ ተላልዮም። ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ናይ ምልላይ ቃላቶም ንኣገዳስነትን እዋናውነትን ናይቲ ዝተዓወተ ምሉእ ሓድነት ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዝተፈልየ ከዕውትዎ ምኽኣሎም ኣመጒሶም። ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰዲህኤ ብዛዕባ ዝጽበዮ ዕማም ጠቒሶም ብኹሉ ዓቕሞም መሪሕነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ምህላዎም ኣመልኪቶም። ኣብ ርእሲዚ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ክልቲኡ ኣካላት መጀመሪ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ንሓድነት ኣብቲ ዝድለ ደረጃኡ ንምብጻሕ ማእከላይ ባይቶ ከም ሓደ ቀንዲ ዛዕባ ክሰርሓሉ ምዃኑ ቅርቡነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ፡  እዚ ሓድነት ኣብ ጽኑዕ ንድሕሪት ዘይምለስ ባይታ ክድኮን ብጽሒት መሰረታት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ኣብ ምስራጹ  ዕቱብ ስራሕ ክሰርሑ ተላብዩ። መሪሕነት ሰልፊ ንመስርሕ ሓድነት ኣጻፊፉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክኣቱ ቅሩብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡  ፈጻሚ ሽማግለ ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ ስራሓት ክካየድ ክትልም ከምዝኮነ ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።