ኣብ ኤርትራ ከም ሓድግታት ምምሕዳር ኢጣልያ ዝውሰዳ ብዙሓት ትካላትን ፋብሪካታትን ነይረን። ወያ ሎሚ ኸፊእዋ ዘሎ ውቅብቲ ዋና ከተማ ሃገርና ኣስመራ ብዓባያ እውን ኣብዚ ዝርዝር ሓድግታት መግዛእቲ እያ እትጥቀስ። ኩሎም ድሕሪ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝመጹ ምምሕዳራት ከኣ ኣብ ምዕናውን ምድኻምን ናይዘን ትካላት ነናቶም ኣሉታዊ ግደ ነይርዎም። ንኣብነት ምምሕዳር መንግስቲ እንግሊዝ ምስቶም ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተመሳጢራ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራን ባጽዕን ብስሉጥ ንብረት ዘመላልስ ዝነበረ ተለፍሪካ ከም ዝሸጠት ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ካብ ግዜ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚርካ ኣዕኑድ ተለፎን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ትካላት ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ተወሲደን እየን።

ካብቲ ካብ ምምሕዳር ኢጣልያ ዝተረፈ ሓድጊ እሞ ድሕሪኡ ምርኡይ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ፡ ትካላት ትምህርቲ ብኣብነት ዝጠቀሳ እየን። እታ ኣብ ኤርትራ “ሓንቲ ከም ሓሙስ” ትበሃል ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እያ። እንተኾነ ብዘይመተካእታን ብዘይቅቡል ምኽንያትን ብ2003 ካብ እትዕጾ እነሆ 17 ዓመታት ኮይኑ፡ ኤርትራ “ዩኒቨርስቲ ዘየብላ እንኮ ሃገር” እናተባህለት ትጥቀስ ኣላ። ኣብዚ ለንቅነ ከኣ  ቤት ትምህርቲ ጥልያን  ኣስመራ ፈቓዳ ብምምሕዳር ህግዲፍ ከም ዝተመንዘዐ ዝሕብር ዜና ብሰፊሑ፡ ዋላ ኣብተን ምስ ህግዲፍ ዝዳናገጻ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ምምሕዳር  ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ጉንበተ-ሰነ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ከም ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ተዓጸወት፡ ወዮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምዕጻው ዝለመደን ምስ ናይታ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ኣብ ቀጨውጨው ዝጸንሐን ህግዲፍ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ሒዝካ ምእላዩ፡ ንፈቓድ ናይታ ን103 ዓመታት ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ስሒብዎ። ብሓቂ ምምሕዳር ህግዲፍ ምናልባት እውን ኣብ መስርሕ’ቲ ኣተዓጻጽዋ ናይታ ቤት ትምህርቲ ዕቃበ እንተዝነብሮ’ውን ሓላፍነት ወሲዱ ከጻርን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክመልስን መተገብኦ እምበር፡ ኣብ ህልኽ ኣይመኣተወን። እንተኾነ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ምዕጻው መሊሱ ረጊጥዎ። ናይ ብዙሓት ናይ ጽባሕ ሰብ ተስፋ ህጻናት ናይ ትምህርቲ መኣዲ ከኣ ዓጽዩ። ነቲ ኩነታት ብቕረባ ዝተኸታተልዎ ከም ዝገልጽዎ፡ እዛ ለንቅነ ፈቓዳ ዝተሳሕበ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ፈደረሽን፡ ሃይለስላሴን ደርግን ምስ ኩሉቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጸገማት ብዘይምቁራጽ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ እያ። ሎሚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ግና ተረጊጣ።

ኣብዚ እዋንዚ ብኣዋጅ ደኣ ኣይዘረብ እምበር፡ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኤርትራ ዘለዋ ናይ ካለኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ነናይ ከባቢአን መንእሰያት ናይ ምስትምሃር ሓላፍነተን ካብ ምዕጻው ብዘይትሕት ተገፊፉ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሳዋ እትርከብ፡ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካብ ምባላ መዳጐኒት ክትብላ ዝቐልል ማሕዩር እዮም “ዝመሃሩ” ዘለዉ። ኣብ 2019 ካብ 20 ንላዕሊ ዝተፈላለየ ደረጃ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብ ሓያለ ኩርነዓት ኤርትራ ዝርጋሐ ዝነበረን ትካላት ምዕጻወን እውን፡ መግለጺ ሕዱር ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ጉዳም ጉጅለ እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ እንተነቋምት እውን ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘላግጽ ዘሎ ጉጅለ ኢና እንርዳእ።

እዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝምድና ዘለወን ግና ድማ ህዝቢ ኤርትራ ክግልገለለን ዝጸንሐ ትካላት ምዕጻው ዲፕሎማስያዊ ትሕዝቶ እውን ኣለዎ። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ብ1991 ምስ ዓብይ ተስፋ ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ብሰንኪ ገታር፡ ስሱዕን ዘይውሕሉልን ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ 2001 ንቁልቁል ክንቆት ምስ ጸንሐ እዩ ሎሚ መሬት ዘቢጡ ዘሎ። ብፍላይ ከኣ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዙሓት ናይ ኢጣልያ ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታት ነቲ ዝምድና ከዕርይዎ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ፈቲኖም እዮም። ናይ ኢጣልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምክትል ምኒስተር ላፖ ዲስተሊ ብ2014 ናብ ኤርትራ ዝገበርዎ እሞ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ዑደት  ኣካል ናይቲ ጻዕሪ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ዑደትዚ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቕሉን እሞ ዓለምና በቲ ተረኽቦ ኣዝያ ክትሓዝን እንከላ፡ መንግስቲ ህግዲፍ ዘይተገደሰሉ ተረኽቦ ዝተኻየደ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ኣየመዝገበን።

ጉጅለ ህግዲፍ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርት ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ  ኣብ ምትህልላኽን ምጽብጻብን እዩ ኣትዩ። ናቱ ግናይ ግብሪ ኣቐሚጡ፡ ንጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ እውን፡ ካብቶም ኢድ ብምእታው ዝኸሰሶም ሓደ ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ እዩ። ካብዚ ተበጊሱ እዩ ከኣ ንኢጣልያዊ ኣንበሳደር  ኣንቶኒዮ ባንዲኒ ኣብ 2001 ዝሰጐጎም። ነቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ 2014 “ሓውኻኸ ኣበይ ኣሎ” ብዝብል ንዘቕረብዎ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝሰሓበን ሓያል ሃወርያዊ መልእኽቲ እውን “ኢድ መንግስቲ ኢጣልያ ኣለዎ” ብዝብል ኣቖጢዕዎ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እቲ በተን ዝተዓጸዋ ትካላት ትምህርቲ ኮነ ሕክምና ክጥቀም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ሕውየት ህዝቢ ሕውየቱ፡ ፍልጠት ህዝቢ ከኣ ፍልጠቱ ነይሩ እንተዝኸውን ንዝምድናኡ ናይ ህዝቢ ተጠቃምነት ብዘይጐድእ መንግዲ መሓዞ። ኣይኮነንዶ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ክዓጹ፡ ሓደስቲ ትካላት ዝኽፈተሉ ኩነታት ክፈጥር መጸዓረ። እንተኾነ ከምቲ “…….. ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡  ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ ተመኩሮኡ ብገበርቲ ሰናይ ዝድገፋ ህዝቢ ዝግልገለለን  ትካላት ኣብ ምዕጻው እምበር ኣብ ምኽፋት ሓደስቲ ከምዘይኮነ ባዕሉ የመስክር ኣሎ። 

Arrivals August 2020* 98

Total Arrivals 2020 2,710

UASC1 2020 244

UNHCR continues to receive new arrivals in East Sudan, largely from Eritrea. The Commission for Refugees (COR) receives and assists asylum-seekers at the border where they are temporarily hosted in reception centres. Within 1-2 weeks they are transported to Shagarab camps where they undergo screening, registration, RSD2 and two weeks quarantine while receiving life-saving services and shelter

Tuesday, 15 September 2020 05:20

ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ

Written by

ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብዚ ግዜ እዚ; ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን፡ ኣሰቃቒ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን፥ ይሕባእን ይዕበጥን ኮይኑ እምበር ደው ኣይበለን።

Tuesday, 15 September 2020 05:03

ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ

Written by

ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብዚ ግዜ እዚ; ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን፡ ኣሰቃቒ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን፥ ይሕባእን ይዕበጥን ኮይኑ እምበር ደው ኣይበለን።

Tuesday, 15 September 2020 04:57

ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ

Written by

ብር ኢትዮጵያ ተቐይሩ፤ ናይ 200 ሓዲሽ ናይ ወረቐት ገንዘብ ተኣታትዩ

ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ መተዓዳደጊ ብር [ባጤራ] ኢትዮጵያ ከም ዘተኣታተወ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሕመድ ብትዊተር ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ናይ 10፣ 50ን ሓደ ሚኢቲ ብርን ክቕየሩ እንከለው፡ ሓድሽ ናይ 200 መተዓዳደጊ ናይ ቀረቐት ገንዘብ ከም ዝሓተመ ገሊጹ።

እቲ ሓድሽ ቅርሺ /ጤራ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ብልሽውናን ኮንትሮባንድን ኣብ ምቁጽጻር ክሕግዝ እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ናይ ወረቐት ብር ቅድሚ 23 ዓመት ብ1990 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድሕሪ ኢትዮ-ኤርትራ ተቐይሮም ናብ ስራሕ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።

ካብ ስርዓት ሃይለስላሰ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ናይ ወረቐት ኖታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜያት ዝተቐየሩ ኮይኖም፡ ናብ 50 ዓመታት ኣብ ዝጽጋዕ ናይ ስልጣን ግዜ ኣርባዕተ ግዜ ተቐይሩ'ዩ።

ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ነቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኣወጊዱ ስርዓት ምስ ሓደ ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ምስሊ እቲ ንጉስ ዝነበሮ ቅርሺ ክቕሩ ገይሩ።

ብተመሳሳሊ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ገንዘብ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቅየሩ ምግባሩ ይፍለጥ።

ባጤራ ምቅያር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲማ ትጥቀመሉ ዝነበረት ባጤራ ኣብ 26 ታሕሳስ 2015 ከም ዝቐየረቶ ዝዝከር እዩ።

ብዝለዓለ ዝቕባበ ዋጋ ዝተሃሰየት ሃገረ ቬነዝወላ'ውን፤ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቅልውላው ንምፍዃስ ን2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስማዊ ባጤራ ዕላዊ ገይራ'ያ።

እቲ ሓድሽ ብር፡ ብጸጋታት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ወርቅን ኣልማዝን ከም ዝሕገዝ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ኤዥያ'ውን ህንዲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምክዕባት ገንዘብን ብልሽውናን ንምቅላስ ናይ 500ን ሓደ ሽሕን ሩፒ ኣብ ሓደ ለይቲ ክቅየር ምግባራ ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ 2019 ኬንያ'ውን ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ሽሊንግ ብምእካብ፡ ናይ 50፣ ሓደ ሚኢቲን ሓደ ሽሕን ባጤራ ቐይራ'ያ።

SEPTEMBER 13, 2020  ETHIOPIANEWS

The arrest and detention of Kjetil Tronvoll, a highly regarded and engaged scholar with a particular expertise on Ethiopia and the Horn of Africa, will have a chilling effect on freedom of expression and academic inquiry.

Kjetil has now been freed and is on his way home. He has attended two Eritrea conferences hosted by Eritrea Focus.

Source: Blankspot

Norwegian professor detained at Ethiopia airport

By  | September 13, 2020

Norwegian professor Kjetil Tronvoll is said to have been abducted by police at Bole Airport in the capital Addis Ababa. He most recently came from Mekelle in the Tigray region, where he followed the “illegal election” criticized by the central government.

According to the Norwegian Ministry of Foreign Affairs, information was received during the evening that a Norwegian citizen had been detained at the airport.

– We have also been informed that he has now had the opportunity to travel further, says Ane Haavardsdatter Lunde at the press service at the Norwegian Ministry of Foreign Affairs to Blankspot.

Kjetil Tronvoll is head of the think tank Oslo Analytica as well as professor of peace and conflict knowledge at Bjorknes University. For the past thirty years, he has conducted field studies in Ethiopia, Eritrea and Zanzibar and also worked as an advisor and mediator in several peace processes.

One of his special areas is the development of democracy on the African continent.

But his presence during the election, which was won by the former ruling TPLF party, has been criticized by supporters of Prime Minister Abiy Ahmed for taking a stand for the opposition party.

Something he rejected on twitter this week.

“Just to clarify. I observe the election as part of my 30-year research on political developments in Tigray and Ethiopia. Studying a process does not mean supporting it, but the empirical reality is a key to later being able to analyze the situation. Some seem to confuse this, “wrote the Norwegian professor.

In another follow-up comment on twitter, Kjetil Tronvoll wrote that there was a smear campaign against his presence with allegations that he was there and working illegally on a tourist visa.

“It’s fake! I am here as part of my work as an adjunct professor at the University of Mekelle on an official visa issued by the Ethiopian government. ”

That is why the region’s politicians have arranged their own.

In an interview that Kjetil Tronvoll did recently with Al-Jazeera, he highlighted that both the people in the region and the TPLF party have undergone radical changes in recent years.

According to the ruling party TPLF, what has now taken place is a historic election that has given citizens an opportunity to choose between different political alternatives. They have also warned the government against intervening or in any way trying to stop the election because, according to them, it would be “a declaration of war”.

Relations between Tigray and the central government in Addis Ababa are strained, and in the past the TPLF, the dominant party in Tigray, has dropped out of government cooperation.

When asked by state television (EBC) about the election, the prime minister replied that it was a “minor headache” and that “the election is illegal because only the country’s national election commission can organize elections in Ethiopia”.

When Professor Kjetil Tronvoll returned to Addis Ababa’s airport Bole, he was taken away and detained, according to other passengers.

On Twitter, The Economist correspondent Tom Gardner writes that he was taken to a hotel.

According to the Norwegian Ministry of Foreign Affairs , he now has the opportunity to continue his journey.

Sunday, 13 September 2020 22:02

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 12.09.2020

Written by
Sunday, 13 September 2020 13:26

ሓዲሽ ዓመት ብሓዲሽ ተስፋ

Written by

ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረብን ዝተፈላለየ እምነታት ዝኣምንን ሕብረተሰብ ከም ዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ኣህዛብ ናይዛ ዓለምና ብዓለማውን መንፈሳውን ሕጊ ተገዚኡ ዝኸይድ ከም ምዃኑ መጠን፥ ኣብ ኣተገባብራኡ፡ ምእዙዝነቱን ተኣማንነቱ ኣብቲ ሕግን ምስቲ ዘለዎ ባህልን ልምድን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ በዓላት ሓዲሽ ዓመት ዝብል ክንወስድ ንኽእል።

ኣብ ዓለምና እምበኣር ብመጠን እቲ ባህልን ልምድን መንፈሳዊ ሕግን ናይቲ ሕብረተሰባት (societies) ክቑጸር ይኽእል።ኩሉ ህዝቢ ሓዲሽ ዓመት ክዝከር ከሎ ኣብ ኣእምርኡ ብዙሕ ተዘክሮታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ በቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ዝሰጋገርዎ ዘለዉ ሓዲሽ ዓመት ገሊኡ  ሓሚሙ፥ ካብ ሞት፥ ድሒኑ ብጥዕንኡ ምጽንሑ ከመስግንን ንዝመጽእ ዓመት ድማ ብሩህ ተስፋ ክኾነሉ  ይምነን ይጽልን።

ሓዲሽ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ኩሉ ኣብ ሓደ ዕለትን ወርሕን ኣይኮነን ዘብዕሎ። እንታይ ደኣ ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ኢዩ ዘብዕሎ። እተን ኣዋርሕ ከኣ ጥሪ (Jamuary) ለካቲት- ውይ መጋቢት፥(February or March) ሚያዝያ (April) መስከረም (September) እየን። ኩሎም ዝተፈላለየ ወግዕታት (traditions) ልምድን (customs) ስለዝውንኑ ከከም እቲ ልምዶምን ወግዕታቶምን ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ሓዲሽ ዓመት ከብዕሉ ከለዉ ምኽንያት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ወይ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ወይ እውን ካብ ካልእ ባህልታት ዝተወርሰ ክኸውን ይኽእል።

ብዝኾነ ግን ሓዲሽ ዓመት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝሓሸ ክኸውን እተዘኻኽረሉን፥ ሓዲሽ መደባት እትትልመሉን፥ ከምኡ እውን ብሃይማኖታዊ ሸነኽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕረ ክትብህሃልን ዝደፋፍእ ዕለት እዩ። ወዲ ሰብ ግን ስሱዕ ስለዝኾነ በቲ ዝሓለፈ ክቕጻዕን ካብ ሕማቕን ክፉእን ተግባራት ክቑጠብን ስለዘይክእል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን ተመሊሱ ናብ ጭቃ ኢዩ ዝጎዓዝ። ንኣብነት ንሕጊ ትራፊክ ተኸተል ማኪናኻ ብናህሪ ኣይትኺድ ንዝበሃል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን  በቲ ዝተባህሎ ገዲፉ ብፍጥነት ክኸይድ ይጅምር። ኣብታ ዝሓለፈት ዓመት ናይ ምቅትታል ይኹን ንደቂ ሰባት እንተስ ብዓሌት ወይ ብሃይማኖት ወይ እውን ብፖለቲካዊ ጸጊዒነት ኣሳቢብካ ዝግበር ግፍዒ ተመሊሱ ክደግሞ ኢኻ ትዕዘብ።

ሓዲሽ ዓመት እምበኣር ኩሉ  ግዜ ናይ መዘኻኸሪ፡ ምስ ነፍኻ እትመራመረሉን ካብቲ ዝሓለፈ ፍለይ ዝበለ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ኢልካ እትሓስበሉን ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ማለት ካብቲ ትሓስቦ ዝነበርካ ሕማቕ ሓሳባት ይኹን ናይ ተንኮል ስራሓት ንምስትውዓልን ምብርባርን ዝሕግዝ ናይ ሰዓት ደውል እዩ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዝኾነ ይኹን ስምዒት ይሃልወና ብዘየገድስ ነቲ ዓለማውን መንፈሳውን ሕግታት ክንክተል ናይ ግድን እዩ። ግን ስለምንታይ ኢና እነብዕሎ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ።

እቲ ቀንዲ ንሓዲሽ ዓመት ምኽባር ብእምነት ወይ ባህሊ ተደሪኽና ዲና ወይ ዕላማ ኣሎና ንዝብል ውን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዋላ እኳ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንታይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘሕለፍናን ኩሉ ጽቡቑን ሕማቑን ምናልባት ኣብታ ሰዓት  ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት እንሰጋገረላ ደቒቕ ኣይንዝክሮን ንኸውን። ምኽንያቱ ኩሉ ሓሳባትና ናብቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዕለት ኢዩ ክኸውን። ይኹን እምበር ነቲ ሓዲሽ ዕለት ቅድሚ ምቕባልና ይኹን ምስግጋርና እቲ ዝሓለፈ ዓመት ከመይ ነርና፥ ምስ መን ተዃሪና፥ ምስ መንከ ተጻሊእና፥ እንታይ ሽግር ኣሕሊፍና፥ ንካልኦት ሽጉራትን ዝተጻገሙን ናይ ምሕጋዝ ይኹን ምዕንጋል እንታይ ኣስተዋጽኦን ምትሕብባርን ገርና ዝብሉ ገምጊምና፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእከ እንታይን ዝሓሸን ተግባራትን ባህሪያትን ናይ ምምሕያሽ ውሳኔ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።

ንዝመጽእ ዓመት ኩሉ ሕልናና ንጽቡቕን ሰናይን ተግባራትን ኣብ ምፍጻም እንተዘይወጊንናዮ ነቲ ዝሓለፈ ጉድለታትናን ጌጋታትናን ደጊምና ክንፍጽሞ ኢና ማለት እዩ። ስለዚ ለውጢ ኣይገበርናን ከስምዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዝሓለፈ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት ክንሰጋገር ከሎና ንኣተሓሳስባና ካብቲ ዝነበረ ከነመሓይሽን ክንቅይርን ኣብ ነፍስና ለውጢ ክንገብር እንተዘይክኢልና ነፍስና ንጥብር ኣሎና ኢዩ ዘስምዕ።ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ነፍሱ እንታይ እንታይን ለውጢ ክገብር ከም ዝግበኦ ነቲ ዝሓለፈ ህይወቱን ትግባሬኡን ክምርምሮን ዘጓነፎ ጸገማትን ዝፈጸሞም ጉድለታትን ክፍትሽ ከሎ ኢዩ ዝረኽቦ። ንኣብነት እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት፥ ብምኽንያት እዚ ቀዛፊ ዝኾነ ሕማም ለበዳ ንህዝብና ኣደዳ ጥምየትን፥ ስራሕ ኣልቦነትን ኣቃሊሕዎ እንከሎ፥ ሃገርና ንቕድሚት ትግስግስን ትምዕብልን ኣላ እናበልካ ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት እናነዛሕካ ዝሓለፍካዮ ንኽንደይ ሰባት ከም ዝልክምን፥ ከምዝፈላልን ዘንጊዕካ ዝግበር ለውጢ የለን።

 እወ! ኩሉ እቲ ጽቡቕ ንምግባር እንሓስቦን ክንኮኖ ንደልዮን ብምሉኡ ኣይንፍጽሞን ንኸውን። ምኽንያቱ እቲ ንኹልና ዝገዝኣና ናይ ምንባር ሕቶ፡  ንናይ ውልቅኻ ምንባር ሓሳብ ስለ ዝዕብልል እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንመላእ ሕብረትሰብ ዝሃስን ዝደቁስን ሸነኽ፡ ምስቲ ናይ በይንኻ ረብሓ ብምትእስሳር ንናይ ካልኦት ወጽዓን፥ ግፍዕን መከራን ከምዘይስማዕ እዩ ዝገብር። እዚ ምእንቲ ንናይ ውልቅኻ ረብሓ ክትብል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ግፍዕን መከራን እናተፈጸመ ከምዘይተፈጸመ ጌርካ ምቕራብ፡ ኣብቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ሕማቕ ኣሰራት ኢዩ ዝገድፍ። ስለዚ ረብሓኻን ድሌታትካን ንምርዋይ፥ ንጌጋታትን ሕማቕ ተግባራትን ዓገብ ክትብል ዘይትኽእል ፍጡር እንተዀንካ ሓዲሽ ዓመት ነዓኻ’ውን ኣይንታይካን እዩ።

SEPTEMBER 11, 2020  NEWS

Government Ignores its own Covid-19 Restrictions

Source: Human Rights Watch

Government Ignores its own Covid-19 Restrictions

Sawa military camp from satellite
Satellite Imagery of the Sawa military camp, including the Warsai Yikealo Secondary School, recorded in January 2015.  Imagery © DigitalGlobe – Maxar Technologies 2019; Source: Google Earth

Videos and photographs circulating on social media earlier this week showed buses in Eritrea’s capital, Asmara, crowded with students, who were not wearing masks, as they were separated from their families and sent off to a military training camp in the country’s west.

Each year, Eritrea’s government forces thousands of secondary school students, some still children, to attend their final school year in the infamous Sawa military camp, where students study but also undergo compulsory military training.

This year’s departures take place amid a lockdown. To curb the pandemic, the government imposed strict movement restrictions and closed schools. Yet it still decided to send the students off to Sawa and risk exposing them to the virus.

That is likely because the final secondary school year in Sawa serves as the government’s main conveyor belt through which it conscripts its citizens into indefinite government service.

Last year we reported on what life in Sawa looks like: students under military command, with harsh military punishments and discipline, and female students reporting sexual harassment and exploitation. Apart from Sawa’s other defects, dormitory life there is crowded, facilitating the spread of the virus if introduced. The danger is compounded by its very limited health facilities.

This has a devastating impact on students’ futures. From Sawa, those with poor grades are forced into vocational training – and most likely military service. Those with better grades go to college, then into a civilian government job. Students have little to no choice over their assignment.

Former Sawa students abroad have campaigned recently for the government to stop sending students to Sawa, but in vain.

Even in “normal” times, life at Sawa is grim and abusive. During the pandemic, it is likely even more dangerous. Eritrea will not build education back better after the pandemic if it funnels students into military camps.

Instead of bussing new students to Sawa, the government should allow students serving in Sawa to return home and let them choose where they complete their final year in school, including at public secondary schools closer to home. It should end compulsory military training during secondary school and ensure that no one underage is conscripted.

Eritrea’s youth deserve real reform if they are to have any hope of a brighter future.

EPDP Magazines