Friday, 20 October 2017 22:08

Radio Demtsi Harnnet Kassel 19.10.2017

Written by

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ከም ዝተሰወአ መርድኡ ዝተነግረ ሓርበኛ ኪሮስ ወልደኣብ ብ19 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ኣብዚ ብዕሙር ሃይማኖታውን ባህላውን ኣገባብ ዝተኻየደ  ስነ-ስርዓት ቀብሪ በዓልቲ ቤቱን ደቁን፡ ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ናይ ስራሕ መሓዙቱን ከምኡ እውን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፎም። ሓጺር ታሪኽ ታጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ እዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ብ1960 ካብ ኣቦኡ ኣቶ ወልደኣብ ፍሰሃየን ኣዲኡ ወ/ሮ ኣዛሚት ሃይለን ኣብ ኤርትራ ኣውራጃ ሰራየ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጉልቲ ኣብ ዝበሃል ዓዲ እዩ ተወሊዱ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ብ 1974 ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ግቡእ መባእታዊ ትምህርቲ (ታዕሊም) ምስ ወሰደ ከኣ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ሓርነታዊ መሰል ህዝባን ሓርበኛዊ ግቡኡ ፈጺሙ።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ስደት ከኣ ካብ ቃልሲ ከይተፈልየ፡ ቅድም ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንጡፍን ውፉይን ኣባል፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይት፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ  ኣብ ህዝቡን ሃገሩን ዘነበሮ ፍቕሪ፡ ተወፋይነትን ሓልዮትን ኣመስኪሩ።

ኪሮስ ኣብ ዝተሰለፎ መዳይ ኣብ ዝኣምነሉ ጽኑዕ፡ ክብሎ ዝደሊ ካብ ምባል ድሕር ዘይብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘጋጥም ጸገማት ዘቐንዝዎን  ዝተጸገሙ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ዘይብልን ምንባሩ ናይ ቀረባ ብጾቱ ይምስክሩሉ።

ኪሮስ ኣብ መዳይ ስረሓት ቅድም ኣብ ሱዕድያ ይኹን ደሓር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነብሱ ንምኽኣልን ቤተሰቡ ንምሕብሓብን ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዕዉት ምንባሩ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ካብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኤልሳ በርሀ ዘፍረዮም ኣቦ ክልተ ቆልዑ እዩ። ደቂ-ደቁ  ክርኢ እውን በቒዑ። ኪሮስ ዋላ’ኳ ኩነታት ኣገዲድዎ ዝተወሰን ግዜ ክፍለዮም እንተተገደደ  ኣዝዩን ሓላይን ፈታውን  ስድርኡን ቤተ-ሰቡን እዩ ነይሩ።

ኪሮስ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ጀሚሩ ስለ ዝተጸልኦ ናይ ሕክምና ምክትታል ክገብር ምስ ጸነሓ፡ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ኩነታት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ 19 ጥቅምቲ 2017 ቤተሰቡ፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ቃልሲ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያ ቅዱስ ሚካኤል ላፍቶ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ጸብጻብ ቀብሪ 19.10.2017 2

ክፋል ካብ ቀባሮ 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣብዚ ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ብመስዋእቲ ወኪል ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ፡ ኪሮስ ወልደኣብ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንስዉእ ዘለዎም ክብሪ ቃልሶም ብጽንዓት ብምቕጻል ከረጋግጽዎ ምዃኖም ይገልጹ። ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት እውን ብመስዋእቲ ኪሮስ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብዝተፈላለዩ ኣጋባባት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም።

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 15.10.2017 ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት እዩ ኣካይዱ። እዚ ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብሰላምታን ብደሓን እንቋዕ መጻእኩም ብምባልን ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ነቲ ዕለት ተታሒዙ ዝነበረ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።  

  1. እዋናዊ ሰልፋውን፡ ዞባውን፡ ኣህጉራውን ከምኡውን ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
  2. ሰልፍና ዝተለሞ  መደባት ምሕዳስ ሰልፍን ክሳብ ሕጂ ተበጺሁ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢታትን
  3. 17.09.2017 ዝተዛዘመ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ 07.10.2017 ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን፤ ሰልፊ ዘውጽኦ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመን ኣብዝብሉ ኣጀንዳታት ድማ ኣኼባ ተዘራሪቡ።

እዚ ኣጀንዳታት እዚ ሓደ ብሓደ ተዘሪቡሉ። ብኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ድማ ብዛዕባ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ መንእሰያት ኣብቲ ዝነበረ ኣጀንዳታት ሕቶታት እናኣልዓሉ ብአቦ መንበር ሰልፊ ይኹን ብኣባላት ኣዕጋቢ መልስታት እናተዋህበ መሃሪ ዝኾነ ጽቡቕ ምርድዳኣት ተኻይዱ።

ገለ ካብቶም ብፍላይ ብመንእሰያት ዝለዓሉ ዝነበሩ ርእይቶታት ድማ - ኣብ ግዜ ህግደፍ ጭቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናኣትረሮ እኸይድ ምህላዉን፥ ኣብ ስደት መንእሰያት ክገብሩዎ ዝግባእ ነገራትን፥ መንእሰያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም መሰል ኣብ ተሰዲዶሙሉ ዘለዉ ሃገራት ስለ ዝረኽቡዎ ዘለዉ፡ እዚ ዕድል ተጠቒሞም ክመሃሩን ክምዕብሉን ኣብ ስራሕ ክጽመዱን ከም ዝግብኦም፥ ጀርመናውያን ባዕሎም ኣብ ፓርላማ ብዛዕባ ሽግርና እናተዛረቡስ ንሕና ሽግር ከም ዘይብልና ኣብዘየድሊ ንነብስና ሃሰይቲ ነገራትን ክንኣቱን ክንበኣስን ክርእዩና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕፍር ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ምኻድን ምክብባርን ምጥርናፍን ጌርና ንመሰልና ክንቃለስ ኣሎና፥ መንእሰያትና ናብራ ምስ ስድርኦም ከይጸገቡሉ፣ ክሳብ ትሕቲ ዕድመ እንከለዉ እናተሰደዱን ክንርኢ ከሎና፡ ከም ኣቦን ከም ኣደን ኴንና ክንኣልዮምን ክንምዕዶምን ኣሎና ዝብሉ ኣረምቲ ሓሳባት ኔሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ክብሮም፡ ብዛዕባ እቲ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺኡ ‘‘ ካብዚ ዝሓለፈ ውግእ ብዙሕ ተማሂርና ኢና፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ጎንና ዝነበራ ሃገራት ኣይነበራን፡ ስለዚ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢናብምባል ካብ እገዳን ካብ ተነጽሎን ክሃድም ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ ኣብሪሁ። ንህዝቡ እናኣጥመየን እናገፍዐን ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ስደት ብወለድን ብጸላእትን ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ንዞባ ደቡብ መግለጺ ብምሃብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም እፍትን ምህላዉን ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ነቲ ብሰልፍና ዝካየድ ዘሎ ምሕዳስ ሰልፍን፡ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ኣሞጒሱን ብጽንዓት ክንሕልዎ ከም ዘሎና ድማ ኣስሚሩሉ።፡ ነቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን ሓቢርካ ንምስራሕ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት  ድሕሪ ምምጓስ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉት ተደምዲሙ።

  

  

The Sweden-Eritrea Solidarity Association in Gothenburg, Sweden, also known as "Eritrea in Our Hearts", on 16 October 2017 organized an awareness seminar on family reunion for refugees, most of whose family are outside Sweden, mainly in Ethiopia.

 

According to Mr. Zehaie Keleta, one of the active members of the organizer association, the seminar greatly benefited from the presentation made by Ms Lena Russell, a human rights activist with 40 years of experience in family reunion and refugee rights. 

  

News Item 16.10.2017 Lena Sweden

 

As of late, Eritreans refugees in Sweden have been facing problems related to family reunion and their asylum requests. Ms Lena Russell informed the meeting participants that these cases have been contested by five groups of prominent human rights advocacies in Sweden and that the case will be reviewed at the supreme court in Sweden within the current month and can most probably obtain a positive decision.

At the end of a two-hour discussion of the asylum issues, Eritreans wished to remain behind at the meeting hall and discussed a common strategy to pursue their struggle for the basic refugee rights in the country of their asylum.

ንዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ቭክቶርያ ሁሰት ብሓልዮት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ማሕበር ዝተዳለወ ኣኼባ ፡ ብገባሪት ሰናይ ሙኩርቲ ሌና ሮሰል ናይ 40 ዓመት ዝሰርሓትሉ ብጉዳይ ስደኛታት፡ ብፍሉይ ኪኢላ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ብቅዕቲ ዝኾነት፡ ንካብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ኣሕዋት ዝተማሳሰላ ጸገማት ስድራቤታቶም መብዛሕታኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሓበረታታን ምኽርን ሂባ።                               

News Item 16.10.2017 Lena Sweden

እቲ ጉዳይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ራዲኦ ፐ1 ራዲዮ ሃገር ሽወደን ዝተቃልሔ፡ እቲ ጉዳይ ብፍላይ ናይ ኤርትራውያን መንግስቲ ሽወደን ፓስፖርት ናይ ዓድኹም ኣምጽኡ ኢላ ትግድዶም ዘላን፡ ነዊሕ ኣዋርሕ ትጽቢታትን ጨሪሱ ምስቲ ሕግታትን መሰል ደቂ ሰባትን ዝጋራጮን ግጉይ ኣገባብን ምኳኑ ብንጹር ተሰኒዱ ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ልዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዉሳኔ ክወሃቦ ምኳኑ ሓቢራ።  ነዚ ጉዳይ ተታሓሒዞሞ ዘሎዉ ከኣ ናይ ቀይሕ መስቀል ኪኢላ ሕጊ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ሃገር ሽወደን፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል  ሃገር ሽወደን ፡ ሙኩራት ናይ ሕግን ተሞክሮን ኪኢላታትን 5 ሽወደናውያን እየን። ብብሩህ ከኣ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ጸልማትን መሪሪ ስለ ዝኾነ ዘሎ መንግስቲ ከኣ መትሓዚ ዘይብሉን ዘይሰምዕን ዘይልወጥን ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ሽወደን ተመሊሱ ነቲ ሕግታት ክልውጦ ኣሎዎ ዝብል ተሪሪ ሰነዳዊ ጥርዓን ስለ ዝኾነ ኣዎንታዊ ትጽብት ኣሎና ኢላ። ከምቲ ንሶማልውያን ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል ንኤርትራውያን ከኣ ክወሃብ ትጽቢት ከም ዘሎ ሓቢራ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ምይይጥን ሕቶታትን መልስን ፈጺማ ብምስጋናን ጌና ኣብ ጎድንኹም ኣሎኹ ብምባል መደረኣ ዛዚማ። ብድሕሪኡ ኩሉም ኤርትራውያ ንበይኖም ተሪፎም ብልዙብ ዝኾነ ብጥርኑፍ ኣገባብ ቃልሶም ክቅጽሉ ምኳኖም ተሳማሚዖም ተፋንዮም።  

                       

ጅግና ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ኣብ 1974 .ኢዩ ብንእስነቱ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።

 

ተሓኤ ተደፊኣ ናብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ይሰርሕ ነይሩ። ዋላ ኣብ ሃገር ስደት እንተዀነ እውን ንሓንቲ ህሞት ትኹን ካብ ቃልሲ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስውእ ኪሮስ። ቅድም ክብል ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሒሩ ድማ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኰይኑ እናተቓለሰ እንከሎ ኢዩ: ትማሊ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ብሃንደበታዊ ሕማም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዊኡ። ስውእ ኪሮስ ወልደኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ኪሮስ ወልደኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ብመላኦም ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበለ፡ ናይ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

17 ጥቅምቲ 2017

The EPDP sub-zone of Germany, which consists of three active branches in southern, central and northern parts of the country, held its third congress on 14 October in Frankfurt. Taking part in the congress were elected delegates of each branch and the outgoing leaderships of the three branches as well as of the Germany Sub-zone.

The opening session was addressed by EPDP-Europe Zone chairman, Mr. Isaac Woldemariam, and the Germany Sub-Zone chairman, Mr. Tesfamariam Kibreab. Both speakers referred to the congress slogan and underlined the importance of redoubling  efforts to further strengthen the EPDP as one of Eritrea's trusted instruments in forging a better tomorrow. 

Per the congress agenda, each leadership of the three branch in Germany presented its activity reports, which reflected quite satisfactory achievements in various fields of endeavours.  one glaring good instance of additional efforts by the branches was their involvement in assisting in the integration of non-party members like newly arrived Eritrean refugees. For example, EPDP branch members in northern Germany have been actively helping young Eritreans in organizing sporting groups. It was also made known that the branches implements most of the action plans given them by the Germany Sub-Zone leadership. A special auditing team formed by the Sub-Zone also confirmed the correctness of reports presented at the congress. 

Congress Sub Zone Germany 14.10.2017 2

The congress continued its deliberations by an elected three-person committee. At the end of the discussions on past reports and current situation evaluations, the congress participants outlined major activities which should be included in new action plans of the branches in Germany.  The congress also voted on nine candidates for the future leadership of the Sub-Zone of whom five were elected to lead the Sub-Zone with two reserve members, who also work closely with Sub-Zone leadership in implementing party programmes.

Before concluding its session, the EPDP Germany Sub-Zone Congress commended all members of the three branches for their unflinching stand in defence of their party constitution and the legitimate party leadership. The congress reaffirmed its full support to the documents of the March 2017 All-Europe Conference in Frankfurt. Likewise, it gave its resounding support to the 8th Regular Meeting of the EPDP Central Council for its right decision preceding approach in trying to resolve the  crisis created by a some members of the former zone leadership in North America. The congress concluded by once again stressing the importance of respecting the rule of law on the bases of adopted party rules and structures.

ህዝቢ ኤርትራ እነሆ ን26 ዓመት ብሓደ ሰብን ውሑዳት መጋበራይታቱን ድከቱ ሰትዩ ገና እውን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተገፊፉ ይሳቐ ኣሎ። ዝወለዶም ደቁ ብግቡእ ከየዕብዮም ፍቕሪ ወላዲ ስኢኖም ይዋረዱን ይሳቐዩን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ወጽዓን ልዕሊ ኩልና ስለ ዝፈልጦ ይወግሕዶኾን ይኸውን እናበለ እዩ ዝጽመም ዘሎ።

ህዝቢ ብፍላይ ድኻን ትምህርቲ ዝውሕዶን እንተኾይኑ፥ ነቲ ወጽዓ ንግዚኡ ናተይ ኢሉ ክስከሞ ግድን እዩ። ነዚ  ክስከም እንከሎ ካብቲ ካብ ኣብራኹ ዝወጸ ሰራዊት ናይታ ሃገር ናይ ፍታሕ ተስፋ ይጽበ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ባዕዳዊ ኣይኮነን፥ እቲ ሰራዊት ንወለዱን ደቂ ሃገሩን ክውጽዕ ወይ ክጭቁን ኢሉ ስለ ዘይዕሰብ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራዊት ኣብ ኢዱ ብረት እንከለዎ ሱቕ እንተበለ፡ እቲ ጥራሕ ኢዱ ዘሎ ህዝቢ ናይ ግድን እዩ ንግዚኡ ክጽመም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ህዝቢ ክውጻዕ እንከሎ ኣብ ጐኒ ህዝቡ እዩ ደው ዝብል።  ኣብ 1975 ሰራዊት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ  ህዝቢ ከበሳብሱ ምስ ጀመሩ ኮማንድስ ዘርኣይዎ ምክልኻል  ክም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ትምህርቲ፥ ሕክምና፥ ጽርግያ፥ ዝብላዕ ዝስተ፥ መብራህቲ፥ ተሓሪሙ፥ ሰሪሑ ከይበልዕ ስራሕ ኣልቦነት ወሪርዎ….ወዘተ ኢልና እንተ ቖዘምና ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ባዕሉ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ስለ ዝኾነ ተመሊስና ንሕና ክንሕብሮ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር ነቲ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝግፈፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ንለውጢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይልታት ድው ንኽብል ዝዕድም፡ ዘለዓዕልን ንትርግታ ልቡ ዝምስጥን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ ኣገባብ ክንክተል ኣሎና። እቲ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ንኣምን ካብ ሃሎና፥ እቲ ኣገባብና ከኣ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣገባብ  ሓይልታት ምክልኻል  ኣብ ጎዳጒዲ ዝነብር ዘሎ ኣካል ህዝቢ ብምዃኑ፥ ንሱ እውን ውጹዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻኡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስኻ ዋሕስ ህዝቢ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ክበጽሖ ይግባእ።

“ዓመጽ ንዓመጽ ትወልዳ” ከም ዝበሃል፡ ደምበ ተቓውሞ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጐነጽ ክድምስሶ እየ  ዝብል ኣምር ቀዳማይ ምርጫኡ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብጐነጽ እንተመጺእካ ንሱ እውን ብጐነጽ እዩ ክቕበለካ። ኣብዚ እቲ ዝገደደ ህልቂት ዘስዕብን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከኣ በቲ ዝደልዮ ስትራተጂ ትመጾ ስለ ዘሎኻ ህዝቢ እንተበረሰ ኣይግድሶን እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ዘድሓንካ፥ ሎሚ እውን ከም ናይ ትማሊ ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መላኽን ጨቋንን ስርዓት ክተናግፎ ታሪኻዊ ግቡእካ እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓላው ሃገር፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ክትብል እዩ እቲ ማሕላኻ። እቲ ወጽዓ ናይ ህዝብን ሰራዊትን ብምዃኑ ድማ ንስኻ ምስ ዝርህወካ ህዝቢ ከም ዝርህዎ፥ ህዝቢ ምስ ዝርህዎ ከኣ ንስኻ’ውን ሰላምን ቅሳነትን ከም ትረክብ ርዱእ እዩ። እዚ ምስ ኮነ ከኣ እዩ እቲ ናይ ክልቴኹም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕሎ፥ ሽዑ ከኣ እዩ ካብ ጐዳጒዲ ወጺእካ ናብራ ዓለም ክተስተማቕር ዕድል ዝህልወካ።

ስለዚ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንኣራዊታውን ኣረመናውን ስርዓት ባሕጒጉ ዋሕስ  ቅዋማዊት ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎካ። እዞም ኣብ ልዕለኻ ኮይኖም ደቚሶም ጅሆ ሒዞሙኻ ዘለዉ ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ኣንጻሮም ንኸይትብገስን ፍትሒ ንኸይትሓቶምን ብምስጋእ እዮም። ስለዚ ነዚ እኩይ ሰንሰለት ውጽዓ ምስ ህዝብኻ ኰንካ በታቲኽካ ንስኻን ህዝብን ናጻ እትወጹሉን ፍትሒ እትረኽቡሉን ብዓቢኡ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝትከለላ መድረኽ ክትፈጥር ሓላፍነትካ እዩ። እዚ ምስ እትገብር ከኣ መብጽዓን ሕድርን ናይቶም ቅድመኻ ምእንቲ እዛ ሃገርን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ኣውሒስካ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ገበናት በኣኻ ኣቢሉ ንኽፍጽሞ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ምፍሕፋሓትን ጽልእን ንኽፍጠር ለይቲ ምስ መዓልቲ ስለ ዝጽዕር ክትነቕሓሉ ይግባእ።  እዚ ከኣ ጽባሕ ንግሆ ንስኻ ተሓታቲ ንኽትከውን ምእንቲ ኢሉ ዝምህዞ ሸርሒ እዩ።  ካብዚ ብምንቃል እቲ ምልኪ ብኣኻ ኣቢሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ወይ ገበናት ተሓታቲ ንሱ እቲ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ናይ ምግባር ሓላፍነትካ እዩ።

ብሓጺሩ ነዚ የዋህ ህዝብን ለጋስ መሬትን ካብ ምልኪ ኣናገፍካዮም ወይ ኣጥፋእካዮም ኣብ ኢድካ ዘሎ እዩ። ሎሚ ግዝኡ ኣኺሉ ህዝቢ ኣብ ዝነቕለሉ እዋን ክትድግፎን ኣብ ጎኑ ደው ክትብል እምበር፡ ክትኮልፎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስልጣን ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። “ብትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ከኣ ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል  ማንም በዓል ጸሩራ መጺኡ ከም ድላዩ ክህድደካን ከሳቕየካን፥ ብገዛእ ህዝብኻ ክተሳቒ ክእዝዘካ፡ ድሕሪ ደጊም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ካብዚ ዘሎኻዮ መከራን ኣደራዕን ዝገደደ እዩ ክመጸካ። ስለዚ ንስኻ ዋሕስ ናይዛ ሃገርን ናይዚ ህዝብን ምዃንካ፥ ተገንዚብካ ሓላፍነት ክትስከም ኩሉ ዝጽበዮ ክስመዓካን እዋኑ እዩ’

 

ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ።እቲ ጉባኤ ምምሕዳር ሽማግለታት ሰለስቲኡ ጨናፍርን ብጨናፍሮምዝተወከሉ ኣባላት ጨናፍርን ኢዮም ተኻፊሎሞ። ብዘይካዚ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ንስራሓት ጨናፍር ኣብ ምጽፋፍን ንብረት ሰልፊ ኣብምክትታልን ንምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ትካል ቁጽጽርን እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ ነይሩ።

ኣብዚ ንሳልሳይ ግዝይኡ ዝሰላሰል ዘሎ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብምምስጋን፣ ንኡስ ዞባ  ሒዝዎም ዝጸንሐ ስራሓትን ቅጥዒ ጉባኤን ብምሕባርን ጉባኤ  ንኡስዞባ ጀርመን፤ ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ፤ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ይካየድ ምህላዉ ብዘቕረቦ መኽፈቲ መግለጺ’ዩ፡ ቃል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ንምቕራብ እቲ መድረኽ ንሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኣረኪብዎ። ሓው ኢሳቕ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ  ነቲ ጉባኤ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ብምቕራብ ሽማግለ ዞባ ተታሓሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዎ ስጥመትን ናይ ሓሳብ ውህደትን፡ በብሃገሩ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝገብሮ ዝገበሮን፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብሪሁ።

ድሕሪ መኽፈቲ መልእክቲ ክልተ ኣቦ መንበራት ትካላት ሰልፊ ምስማዕ ናብቲ መሰረታዊ መደባት ናይቲ ጉባኤ ንምእታው፡

              1. ጸብጻባት ጨናፍር

             2. ጸብጻብ ተቆጻጻሪ

             3. ጸብጻብ ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን

             4. ምምራጽ ሰክረታርያ ጉባኤ

             5. ምምራጽ ሓዳስ መሪሕነት ንኡስ ዞባን ለበዋታትን ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ ጽሑፍ ንተሳተፍቲ ተዘርግሐ።

ኣብ ቀዳማይ ቅጥዒ ኣባላት ሽማግለ ሰለስቲኤን ጨናፍር ንኣታሃላልዋ ኣባላቶምን ተሳትፍኦም ኣብ ከባቢያዊ ሓባራዊ ዕማማትን ኣበርክታኦምን፡ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታትን ዘመልከተ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕዳራውን ማሕበራውን ጸብጻባት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜን ጀርመን ዝጅመር ንዘሎ ናይ መንእሰያት ስፖርታዊ ምጥርናፋት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት ንነብሶም ካብ ካልእ ኣሉታዊ ኣቕጣጫታት ንከይወስዱ እውን ሓጋዚ ምዃኑን ተሓቢሩ። ኣብዝቐረበ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር ድማ ኣገዳሲ ወኸስታትን ዝርርብን ተኻይዱ፡ ንዝጸንሑ ሕጽረታትን ናይ ስራሕ ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓሳብት ብምቅራብ ድማ ተደምዲሙ።

ክልተ ተቆጻጻርቲ ብግዲኦም፣ ንዝቐረበሎም ገንዘባዊ ጸብጻባትን ኣብ ጉባኤ ዝተዋህበ መግለጺ ጨናፍርን ሓቕታት ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ድምር ናይ ኣሃዛት ዘይኮነስ ብዝተዋህበ ቅጥዒ ዘይምስራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይነበረ መስኪሮም። ሓው ተስፋይ ባይረ ብፍላይ ተሓዝቲ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ጨናፍር  ክእለታቶም ኣብ ምኽዕባት ክተሓባበር ከምዝኽእል ድማ ቃል ኣትዩ።  

እቲ ንምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ወኪሉ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ዝቐረበ ጸብጻብ እንተኾነ እውን ድምር ናይቲ ብጨናፍር ክማሓላለፍ ዝጸንሐ ጸብጻባትን ኣብ መስኖኣዊ ኣሰራርሓ ዝነበሮ ጉድለታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ክውሰድ ዘለዎ ኣራሚ መንገድታት ዝኣመተ እውን እዩ ነይሩ። ሓው ታደሰ ንኡስ ዞባ ካብ ዝሰርዖም መደባት ሓያሎይ ኣብ ትግባረ ተፈቲኖም እዮም፣ ኩሎም ተዓዊትናሎም ኢና እኳ እንተዘይበልና ድማ፡  ምስ ናይ መጻኢ ዕማማት ኣዋሃሂድካ ትስፉዋት ኢና። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ምምልማልን ኣብ ምምሃርን ብዘይምቁራጽ ብበዓል ሓው ክብሮም ዓንዶም ሒዝናዮ ዘለናን ክንቅጽሎ ዘለና መደብን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እዚ ዕማምዚ ኩለን ትካላትና ኣብ ጀርመን ክዝውትርኦ ከምዝግባእ ጠቂሱ። ብዘይካዚ ይዕበ ይንኣስ ብጨናፍር ንኡስ ዞባ ዝካየዱ ዕማማት ናይ ወረቐት ስራሕ ከሰንዮም ከምዝግባእን፡ እዚ ምስዝበኩር ከምዘይተፈጸሙ ክስገሩ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

Congress Sub Zone Germany 14.10.2017 2

ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ፡

  1. ስፍሓት ሰልፊ ኣብ ምርግጋጽ ቀወምቲ ኣባላትን ተሓባበርትን ኣብ ምጽራይን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ቦታኦም ብዘየገድስ ሽግራቶም ኣብ ምቅላል እንገብሮ ምትሕብባርን፡
  2. ቅዋማውን ሰነዳውን ኣሰራርሓና ኣብ ዓውደ ተግባረን ነዚ ዝምልከት ከጋጥሙና ዝጸንሑ ጸገማትን ብፍላይ ኣብ ምትግባር መምርሒታትን ጸብጻብት ምትሕልላፍን
  3. ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተሳትፎና ከም ንኡስ ዞባ ጀርመን ከመይ ንመዝኖ፡
  4. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣታሃላልውኡን
  5. ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ኣባላቱ ዘካይዶም ሰሚናራትን፡ ሃገራዊ በዓላትን፡ ህዝባዊ ኣኼባታትን ፈስቲቫልን
  6. ናይ መጻኢ ዕማማትን ዝብሉ ነጥብታት ኣካል ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መግለጺታት እዃ ይኹኑ እምበር፡ ጉባኤኛ ዳግማይ ክርእዮም ከምዘለዎም ተገይሩ። በዚ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ንዝጸንሐ ኣወንታዊ ኣሰራርሓ

ዝያዳ ንምሕያሉ፡ ንዝተራእይ ጉድለታት ድማ ኣራሚ መንገዲ ክታሓዝ ጉባኤ ውሳኒታት ወሲዱ ዝቐረበ ሰነዳት ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናይ መጻኢ ውጥናት  ተሊሙ።

ቀጺሉ ንዝቐረቡ ውጥናት እንተተግብርን ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት መደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን እተማእክልን ሓዳስ ምምሕዳር ሽማግለ ንምምራጽ፡ ጉባኤኛታት ካብ ውሽጦም ትሻዓተ ኣባላታ ሕጹያት ኣቕሪቦም፡ ካብዚኣቶም ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ብዘይካዚ ንብረትን ገንዘብን ንኡስ ዞባ ዝቖጻጸርን ዝከታተልን ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ማሕበራት ጀርመን ዝምልእን ሓደ ተቆጻጻሪ መሪጾም።

ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብፍላይ ድማ ምምሕዳር ሽማግለታት ስራሓቶም ኣብ ምጽፋፍን ኣባላቶም ንዘቕርብዎ ሓጋዚ ድልየታትን ንምስላጥን፣ መምርሕን መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ስራሕ ሰልፊ ናብ ታሕተዎት ኣካላት ክቐርብን ዝብሉ ኣገደስትን እዋናውያንን ለበዋታት ቀሪቦም።

  1. ኣብ መጠረስታ፡ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ውሽጣዊ ስጥመት ሰልፊ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ከረጋገጽ ዝኽእል ኣሳልጦን ዓወትን ከምዘየሎ ብምግንዛብ፡ ጕባኤ፡ ነቲ ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ጀርመን እተኻየደ ዋዕላ ምሕዳስ ሰልፊ ዘሕለፎም ውሳኔታት ደገፉ ደጊሙ የረጋግጽ።
  2. መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ዘጋጠመ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጕምትታትን 8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዘሕለፎም ውሳኔታትን ደገፉ ይገልጽ።
  3. ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ጐድኒ ሓጋዊ መሪሕነቶም ደው ምባሎም ድማ የመጉስ።
  4. ብተወሳኺ ኣቐዲሙ ክምዝተጠቕሰ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፤ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኸፍተ ኮይኑ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ከምቲ ብማይ ዝተሰርሐ ቆፎ፡ ብማይ ዝፈርስ ኣይኮነን። ስለዚ ህያው ዝኾነ ሰልፊ ብጉባኤታቱን  ቅርጹን ትካላቱን ዝልለ  ተግባራዊ ሂወት ዘለዎ ደኣበር ብነበር ዝግለጽ ሰልፊ ከምዘይኮነ እዩ ጉባኤ ንዑስ ዞባ ጀርመን ነዚ ሓቂ እዚ ብምርግጋጽ፡ ጉባኤ ብዝኽሪ ስዉኣት ተደምዲሙ።

ዓወትን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

    

Two Executive Committee members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held a public meeting in the Norwegian capital of Oslo on Saturday, 14 October, at which hot issues of the hour, including the urgency of joint work by forces opposed to the dictatorship at home, were discussed. Also held the same day was 7th congress of the Norway Branch. The leadership members were Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), EPDP head for Organizational Affairs, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Affairs Office in the party.

 

Norway Public Meeting 14.10.2017

 

Following introductory remarks by Mr. Medhanie Habtezghi about the guest speaker and the topics at hand, Mr.Tesfai Woldemichael made a brief summary of the disquieting situation of the Eritrean people under a repressive regime which has failed to work out the most basic state institutions in over quarter of a century of its misrule.

Other than that, Mr. Tesfai W. Degiga regretted the ongoing fragmentation of the forces supposed to reverse the bad situation in Eritrea but added his renewed conviction for a better future for joint work of the opposition forces. He mentioned the scheduled meetings in Germany and Ethiopia this month by pro-change forces whose agendas are focused on the urgent need for unity of common action. The EPDP proposal for joint work at least in the spheres of diplomacy, the media and public mobilization was adequately explained and discussed.

The EPDP leadership members alternated in answering question and viewpoints from the floor, and the meeting was concluded after recording recommendations to the organized bodies from the general public.

7th Norway Branch Congress

Meanwhile, the EPDP Norway Branch also on the same day held its 7th congress which was attended by delegates from different parts of Norway. The congress was also attended by  two EPDP Executive Committee members.

EPDP Leadership Holds Public Meeging Attends congress BT2

Branch chairman, Mr. Mahder Ogbazghi, opened the congress with a statement in which he outlined the programme for the congress and also seized the opportunity to condemn disruptions made by fringe elements, and reaffirmed the branch's unwavering dedication to strengthen the EPDP and continue carrying on the struggle against the evil regime at home.

 Report of branch activities between the 6th and 7th branch congresses was presented by branch secretary, Mr. Khalifa Abdalla. Besides listing the political, diplomatic and social tasks carried out during the year, he reported that the branch worked closely with Eritrean civic movements in the region, and branch members actively took part in party conferences and seminars organized in Sweden and Germany during the year. It was made clear that every Norway branch member is also actively involved in assisting refugee projects in the Sudan.  The financial and property reports were presented by Mr. Mussie Amar.

After discussing and adopting the reports, the congress elected new branch committee of three with two reserve members.

Mr. Tesfai Woldemichael at the end addressed the branch congress in which he commended the historic dedication to the struggle shown by Norway branch members, and further explained a number of current issues of concern related to the struggle of the opposition camp and the EPDP. He took time to inform branch members about the small vocal clique in North America that defied leadership decision about Mesfin Hagos whose actions and behaviour showed unacceptable disregard to the rule of law as contained in the EPDP constitution and bye laws.