ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ኪርስ ወልደኣብ ተፈጺሙ

2017-10-19 19:48:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3766 times

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ከም ዝተሰወአ መርድኡ ዝተነግረ ሓርበኛ ኪሮስ ወልደኣብ ብ19 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ኣብዚ ብዕሙር ሃይማኖታውን ባህላውን ኣገባብ ዝተኻየደ  ስነ-ስርዓት ቀብሪ በዓልቲ ቤቱን ደቁን፡ ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ናይ ስራሕ መሓዙቱን ከምኡ እውን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፎም። ሓጺር ታሪኽ ታጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ እዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ብ1960 ካብ ኣቦኡ ኣቶ ወልደኣብ ፍሰሃየን ኣዲኡ ወ/ሮ ኣዛሚት ሃይለን ኣብ ኤርትራ ኣውራጃ ሰራየ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጉልቲ ኣብ ዝበሃል ዓዲ እዩ ተወሊዱ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ብ 1974 ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ግቡእ መባእታዊ ትምህርቲ (ታዕሊም) ምስ ወሰደ ከኣ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ሓርነታዊ መሰል ህዝባን ሓርበኛዊ ግቡኡ ፈጺሙ።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ስደት ከኣ ካብ ቃልሲ ከይተፈልየ፡ ቅድም ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንጡፍን ውፉይን ኣባል፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይት፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ  ኣብ ህዝቡን ሃገሩን ዘነበሮ ፍቕሪ፡ ተወፋይነትን ሓልዮትን ኣመስኪሩ።

ኪሮስ ኣብ ዝተሰለፎ መዳይ ኣብ ዝኣምነሉ ጽኑዕ፡ ክብሎ ዝደሊ ካብ ምባል ድሕር ዘይብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘጋጥም ጸገማት ዘቐንዝዎን  ዝተጸገሙ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ዘይብልን ምንባሩ ናይ ቀረባ ብጾቱ ይምስክሩሉ።

ኪሮስ ኣብ መዳይ ስረሓት ቅድም ኣብ ሱዕድያ ይኹን ደሓር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነብሱ ንምኽኣልን ቤተሰቡ ንምሕብሓብን ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዕዉት ምንባሩ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ካብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኤልሳ በርሀ ዘፍረዮም ኣቦ ክልተ ቆልዑ እዩ። ደቂ-ደቁ  ክርኢ እውን በቒዑ። ኪሮስ ዋላ’ኳ ኩነታት ኣገዲድዎ ዝተወሰን ግዜ ክፍለዮም እንተተገደደ  ኣዝዩን ሓላይን ፈታውን  ስድርኡን ቤተ-ሰቡን እዩ ነይሩ።

ኪሮስ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ጀሚሩ ስለ ዝተጸልኦ ናይ ሕክምና ምክትታል ክገብር ምስ ጸነሓ፡ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ኩነታት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ 19 ጥቅምቲ 2017 ቤተሰቡ፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ቃልሲ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያ ቅዱስ ሚካኤል ላፍቶ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ጸብጻብ ቀብሪ 19.10.2017 2

ክፋል ካብ ቀባሮ 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣብዚ ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ብመስዋእቲ ወኪል ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ፡ ኪሮስ ወልደኣብ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንስዉእ ዘለዎም ክብሪ ቃልሶም ብጽንዓት ብምቕጻል ከረጋግጽዎ ምዃኖም ይገልጹ። ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት እውን ብመስዋእቲ ኪሮስ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብዝተፈላለዩ ኣጋባባት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም።

Last modified on Thursday, 19 October 2017 22:35