ብመጀመሪያ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ቀጺልና ደማ ደስ እናበለና ነዚ ዝስዕብ ብስራት ነበስረኩም። ንሕና እብ ሆላንድ እንነብር ኤረትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ናይ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ሓቢርና ንምብዓል ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም መደብ ሰሪዕና ኣለና።
እዚ በዓል እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዝኾነ እሞ ብኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ስለዝተረኽበ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓደ ይብጽሖ ኢልና ንእምን። ስለዝኾነ ድማ፣ እብዚ ህዝባዊ በዓል ብምስታፍ: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ኩሎም ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኩውንቲ ንምግባር ዝተሰውኡ፣ ዝሰንከሉ፣ ዘለና ክብሪ እንገልጸሉ: ብካልእ ሸነኽ ድማ፣ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን እንመዝነሉን፣ ካባና ዝጥልብ እንእምተሉን፣ ኣገዳሲ ዕለት ስለዝኾነ፣ ኩሉኹም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን መጺእኩም ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
ዕለት | 22 ጉንቦት 2016. (22-05-2016) |
ጊዜ | ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 22፡00 |
ቦታ | Dickenslaan 173, 1102 AS Amsterdam. |
መጓዓዝያ | Metro 53 (station Venserpolder) |
ንሓበሬታ | ተሌፎን፡ + 31 687207167 |
ብደሓን ምጹ
ሽማግለ ማሕበር
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኩልና ከም እንረዳደኣሉ፡ እዚ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ውጽኢት ናይቲ ክጐዓዞ ዝጸንሐ ነዊሕ ግጉይ መንገዲ እምበር ብሃንደበት ዝሓደሮ ሕማም ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ምስ ሓመመ፡ እንተ ብዘመናዊ ወይ ባህላዊ ሕክምና ክሓዊ ንቡር እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሓደ ኣካል እንተሓሚሙ ቀረቡ ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። ክሓዊ እዩ ዝብል ትጽቢቶም ከኣ ኣይሓርርን እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ እምነት እውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገምጋምካ ተኸቲልካ ሓደ መንገዲ ትመርጽ’ሞ ኣብቲ መስርሕ ዝመረጽካዮ ፖሊሲ ህዝባዊ ተቐባልነትን ውጽኢትን ዘየብሉ ኮይኑ ምስ ረኸብካዮ ግዜ ሂብካ ክትመዝኖ ንቡር እዩ። ድሕሪዚ ምቕያር መንገዲ ዘድልየካ ኮይኑ እንተረኺብካዮ ተተዓራርዮ። ነቶም ቅድም በቲ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ እንከለኻ ዝሃሰኻዮም ኣካላት ይቕረታ ሓቲትካ፡ ብተግባር ክትክሕሶም ድማ ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ተሳትፎ ህዝቢ ነቲ ውጽኢት የማዕርጎ።
ኢስይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ዝመረጾ መንገዲ ግጉይ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። እዚ ብስምዒት ዝብጻሕ መደምደምታ ዘይኮነ ብርኡይ መርተዖ ዝተረጋገጸ እዩ። ነዚ ዝምስክሩ ውሱናት ኣካላት ዘይኮኑ፡ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም እዩ። ውሱናት ብኣጻብዕ ዝቐጸሩ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ምህላዎም ከኣ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ኣገራሚ ይገበሮ። ገለ ወገናት ንጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ንቡር ናይ ምስትውዓል ዓለም ዝነብር ዘሎ እንዳመሰሎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣምታት ገለ መሕወስ ሰብ ዝኸውን ስጉምቲ ክወስድ ይጽበይዎ እዮም። ከም ኣካል ናይዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ደኾነ ገለ ይገብር ኢሎም ዝጽበዮ ሓሓሊፎም ይረኣዩን ይስምዑን እዮም። እዚ ካብቲ ኣብ ንቡር ዓለም ዝነብር ኣካል እትጽበዮ እዩ። መራሕቲ ሃገር ወይ ገዛእቲ ሰልፍታት ንድምቀት ከምዚ ዝኣመሰለ ረዚን ኣጋጣሚ ኢሎም፡ እሱራት ይምሕሩ፡ ብህዝቢ ክምረር ዝጸንሐ ፖሊሲታት ሰሪዞም ዝሓሸ ኣዋጃት የውጽኡ፡ ምስ ገለ ወገናት ተበላሽይዎም ዝጸንሐ ዝምድና ከም ዘመሓይሹ ቃል ይኣትዉ … ውዘተ።
እቲ ጉጀለ ህግደፍ ዝመርሖ ዘሎ ጉልሒንጣ መንግስቲ ግና ሃለዋቱ፡ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ግናይ እዩ። እዚኣ ኣላቶ ጥዕይቲ ኢልካ ሃሰስ ኢልካ ትረኽበሉ ደሓን የብሉን። ስለዚ ኩለንተናኡ እዩ ክዕረ ዝግበኦ እምበር ቆንጢርካ ወሲድካ ዝድሕን ሓማም የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓደ ኣካል ንዕኡ ዝከኣል ኮይኑ ስለ ዝተራእዮ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምዚ ዓይነት ኣውንታ ክገብር እዩ” እንተበለ ከም ገበን ክትቆጽረሉ ኣይግባእን። እንተኾነ ካብቲ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ህግደፍ ነቒሉ ከስተብህል እሞ ንተስፋኡ ደረት ክገብረሉ ምንጋሩ ጌጋ ኣይኮነን። ስለዚ ጉጀለ ህግደፍ ሓንሳብ ስለ ዝዓበደ፡ በቲ በብግዜኡ ዘስመዖ ዘይትግበር መብጸዓታት ደኣ ዝሓሾ ይመስምል ይኸውን እምበር፡ ከቶ ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብን ናብ ኣይከኣልን ዝተጸገዐን እዩ። ዘይሓዊ ካብ ኮነ ከኣ እቲ ፍታሕ ምውጋዱ ምዃኑ ንጹር እዩ። ስለዚ ትጽቢትናን ጻዕርናን ኣብ ብኸመይ ይውገድ እምበር ኣብ ብኸመይ ይጥዒ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎ ምውጋዱ እምበር ምሕዋዩ ስለ ዘይኮነ።
ካብዚ ክንነቅል እንከለና ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራውያን ኮና ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኩልና መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ከነኽብር ክንዳሎ ባህርያዊ እዩ። “ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒምና እንታይ ንግበር? እቲ ካብዚ ታሪኻዊ መድረኽዚ ኣማዕዲና እንርእዮ እንታይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ግና ቃናና በበይኑ እዩ። እቲ ጉጀለ ብኸመይ መግዛእታዊ ዓርዑቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የትርር እዩ ክሓስብ። ነዚ ብዝተፈላለዩ ብዕረ ዝተላዕጠጡ፡ ላዕሊ ላዕሎም ግና መንገዲ ራህዋ ዝኸፍቱ ዝመስሉ ጭረሖታት የዋድድ ኣሎ። ንሕና ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ነቶም ዝጭርሑ ላዕሊ-ላዕሎም ዘይኮነስ እቲ ሓቚፈምዎ ዘለዉ መርዚ ኣለሊና ብምርዳእ፡ ምስ ናይ ህግድፍ ዝጻረር ካብዚ ዘለናዮ ሕማቕ ዘበን ናብ ራህዋ ዝመርሓና መቃልሕ ብምስማዕ ኢና ነዚ ኣጋጣሚ ክንዝክሮ ዝግበኣና። እቶም ኣብዚ ጸልማት ክንነብር ዝደልዩን ምእንታኡ ዝሰርሑን ደግፍቲ ህግደፍ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ስለምንታይ እቶም ዝበዛሕና በሃግቲ ራህዋ ዘይንዕወት? ንዝብል ሕቶ ከኣ ብግቡእ ክንምልስ ይግበኣና። ንበዓልና ንከምዚ ዓይነት ምስግጋር ተዘይተጠቒምናሎ፡ መዓልቲ ይመጽእ ይሓልፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ።
ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን
ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 3, 2017 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም። ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12 ፋዱስ ኢዩ።
ብደሓን ምጹ!
ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!
ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE. THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.
WELCOME!
DATE JUNE 03, 2017
LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)
1600 SENTER ROAD
SAN JOSE, CA 95112
PRAYER TIME: 12:00 P.M.
PROGRAMS INCLUDE CHILDREN AND ADULT ACTIVITIES.
PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.
THE BAY AREA CATHOLIC COMMITTEE
SAN JOSE, SAN FRANCISCO, OAKLAND, BERKELY, & SANTA ROSA
Voice of LIberty - Arabic Service April 4, 2016
Written by EPDP Information OfficeLetter: Eritrea must free imprisoned journalists
Written by Index on CensorshipOn World Press Freedom Day, Index Youth Advisory Board calls for the release of imprisoned journalists in Eritrea and urges the government to end its persecution of media workers
3 May 2016
Mr Isaias Afewerki
President of Eritrea
Office of the President
PO Box 257
Asmara, Eritrea
Dear President Afewerki,
We, the Youth Advisory Board of Index on Censorship — a global free expression organisation — are writing to you to call for the immediate release of imprisoned journalists in Eritrea.
We condemn the brutality and ruthlessness with which your regime has gagged expression and assaulted the rights of its citizens to access information.
The very constitution on which your regime governs upholds the rights of all to freedom of conscience. Yet journalists are imprisoned and go missing at the hands of your government. Eritrea has been ranked last on the Reporters Without Borders World Press Freedom Index for the past eight years. At least 15 journalists are currently detained and, out of 13 journalists incarcerated in 2001, only four remain alive today.
Dawit Isaak, a Swedish-Eritrean journalist, was arrested in 2001 and has since been held incommunicado and in solitary confinement without any charges or a verdict. He has not seen a lawyer or his family for 13 years. Eritrean authorities have ignored the appeals of the European Union, the African Commission on Human and Peoples’ Rights and a lawsuit before a Swedish court.
Seyoum Tsehaye, imprisoned for writing an article that criticised your regime, also has not seen anyone from the outside world since 2001 — including his daughter, who was born soon after his arrest.
Seyoum is a journalist, photographer and prisoner of conscience who earned fame for capturing moving images of Eritrea’s war of independence. That war ended in Eritrea’s first multi-party elections in which your party was victorious, but the people of Eritrea have not seen elections or democracy in any meaningful form since. For speaking out and fighting for freedom to be restored to his country, Seyoum has paid a heavy price.
Eritreans have been denied their human right to freedom of expression. International agencies and human rights groups have alerted the world to arbitrary imprisonment and torture within Eritrea. The government’s attempts to silence critical voices and media workers must end. We urge you to release all journalists from prison and respect international human rights law by granting all Eritreans their right to freedom of expression.
Signed,
The Index on Censorship Youth Advisory Board
This letter was written by the Index on Censorship Youth Advisory Board, a group of 16-25 year olds drawn from the global community and who were moved to write this letter following a meeting with 2016 Index on Censorship Freedom of Expression Awards finalist Vanessa Berhe.
At just 16 years old Berhe set up the organisation One Day Seyoum to campaign for the release of her uncle Seyoum Tsehaye, a journalist who has been imprisoned in Eritrea since 2001. Show your support for the campaign here.
Source=https://www.indexoncensorship.org/2016/05/eritrea-must-free-imprisoned-journalists/
Tags: Dawit Isaak | Eritrea | Isaias Afewerki | journalists | One Day Seyoum | Seyoum Tsehaye | Vanessa Berhe | Youth Advisory Board
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዘይካ ብቓልሱ ብኻልእ መንገዲ ከም ዘይረጋገጽ ምስ ዓገበ፡ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ። ነዚ ቃልሱ ንምዕዋት መሳርሒ ዝኾኖ ውዳበ ክህልዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። ውዳበ ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ንከዕውትዎ ዝጥቀምሉ ሓባራዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መሳርሒ ውደባ ብሃታሃታ ጠፋጢፍካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዕን ኣገባብን ሒዙ ብመስርሕ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዝምስረተሉ ቀጥዒ ጽፈትን ድልዳለን ከኣ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣኡ ኣቢልካ ዝብጻሕ ዓወት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ተቓሊሶም ናጽነት ዘውሓሱለን ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ፍልልይ፡ ምስሕሓብን ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ዝፈሰሰ ደምን ዝባኸነ ንብረትን ግዜን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ነናተን ግደ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዘን ውድባት ኩለመዳያዊ መሰረትን መንቀልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ዋና ናይቲ ናጽነት ንሱ እቲ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ዋና ናጽነት ዝኾነሉ ምኽንያት ደቁ መሪቑ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘሰለፈ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕሉ እውን፡ ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ጸላኢ መሰረታዊ ሓበሬታታት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ በረኻ ምንቅስቓስ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝነበረ ቅሩብነት ብምትእስሳር፡ ተጋደልቲ ብምዕንጋልን ዝሓምሙ ብምሕካምን ኣብ ዓውዲ ውግእ ልዑል ደገፍ ብምሃብን ዘበርከቶ፡ ልዕሊ ተዘይኮይኑ፡ ትሕቲ ናይቶም ብረት ዓጢቖም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝረጋረጉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝስራዕ ኣይኮነን። ሓይሊ መግዛእቲ’ውን ናይ ህዝቢ ወሳንነት ተረዲኡ ዓዲ ንምውዓሉ ዝወስዶ ዝነበረ ስጉምትታት ዘናሕሲ ኣይነበረን።
ሓደ ውድብ ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል መልክዕ ኣብ ምትሓዝን ምምራሑን ዝህልዎ ግደ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብዝኾነ መልክዑ ቀሪቡ ልዕሊ ኣብርክቶ ህዝቢ ክስራዕ ማለት ግና ፈጺሙ ጌጋ እዩ። ከምቲ ዝምድና ባሕርን ዓሳን፡ ውድብ ብዘይህዝቢ ክህሉ ኣይሕሰብን እዩ። ውድባት ኤርትራ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ንግደ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ግቡእ ክብደት ይህብዎ ነይሮም ከም ሓደ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተመኩሮ ብክኢላታት ክጽናዕ ዝግበኦ’ዩ። እቲ ቀንዲ ክምዘን ዝግበኦ ድሕሪ ናጽነት እዚ ብተግባር ሓላፍነቱ ብግቡእ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ቦታኡ ከመይ ኮይኑ? ከኣ ነጸብራቓ ናይቲ ውድባት ንህዝባዊ ወሳንነት ዝህበኦ ዝነበራ ክብደት እዩ።
ኩልና በብናትና ተመኩሮ ከነረጋግጾ ከም እንኽእል፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝጸንሐ ከም መምጽኢ ናጽነት እቲ ኣብ ዓዲ ኮይኑ መስተንክር ተሳትፎ ከበርክት ዝጸንሐ ህዝቢ ድማ ከም ናጽነት ዝተመጽወተሉ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ። “ሲቪል ድዩ ተጋዳላይ” ብዝብል ኣሽካዕላል ከኣ እቲ ብረት ዘይሓዘ ከም ዘይተጋደለ ኣምሲልካ ምርኣይ ልሙድ ነይሩን ኣሎን። ምናልባት ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቃልሶም ዝያዳ ዝመረረ ነይሩ ተባሂሉ፡ መዓርግን መዳልያን ከምኡ እውን ንመሰረታዊ መሰል ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘየውድቕ ሓለፋ እንተዝግበረሎም ኣይመጉሃየን። ካብዚ ሓሊፉ ብረት ዓጢቕካ ስለ ዝተቓለስካ ኣብ መሰረታዊ መሰል ናጽነት ንህዝቢ “ኣይምልከተካን’ዩ” ብዝብል ምሽቑራር ብገበን ዘይረኣየሉ ምኽንያት የለን። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብኩራት ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ሃገርን ህዝብን ከኣ ካብዚ ጥልመትዚ ዝነቅል እዩ።
ምስ ኩሉ’ቲ ብጸጋኡ ዘይምጥቃሙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ናይዚ ንመበል 25 ዓመት ክብሩ ዝዝከረሉ ዕለት ቀሪቡ ዘሎ ናጽነት ዋና እዩ። እዚ ዋንነት’ዚ ብጉጅለ ህግደፍ ክባረኸሉ ክጽበ ኣይግበኦን እዩ። ነዚ ብዋግኡ ዝመጸ ግና ፍርያቱ ዝተንፍጎ ናጽነት ከኣ ክኽብሮን ክዝክሮን ይግበኦ። ንጉጅለ ህግደፍ ዝረኸብካ መሲሉካ ንናጽነት ካብ ምንእኣስ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ሓደ መዓልቲ ብትኳቦ ዘይኮነስ ብቓልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ናብቲ ዋንኡ ክርከብ ምዃኑ ጥርጥር የለን። ጉጅለ ህግደፍ ብጉልባብ ናይ ናጽንት ኢዮበልዩ ከውደኽድኽ እንከሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝዝኽትመሉ ምኽንያት የለን። ኣብ’ቲ ኣገባብ ኣከባብራ ናይ ጉጅለ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ላዛ ክፈላለ ባህርያዊ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘየለ ክውንነት “ናይ ጽቡቕ ኣለና” ነጋሪት ክወቅዕ ምዃኑ ምልክታት ይህብ ኣሎ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ናይ “ብፍረ ናጽነተይ ኣይተጠቐምኩን” መቓልሕ ከስምዕን መጻኢ ቃልሱ ክእምትን ናይ ግድን ክኸውን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘምጸኦ እምበር ብጉጅለ ህግደፍ ዝተተኹበሉ ከም ዘይኮነ በሪኹ ክረአ ይግበኦ።
لنا اليوم وليس لنا الأمس والغد
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريالأمس حقبة حياتية مضت بخيرها وشرها، لا مجال لترحيله الي اليوم، واللاعبون في مسرح الأمس يلعبون أدوارهم حسب خططهم وأفكارهم فيسجلون الإنجازات أو الإخفاقات حسب ظروفهم، وقد يشعرون بالندم علي أنهم فعلوا أو تركوا كذا أو كذا، لكن ليس بإمكانهم نقل ما مضى من أخطائهم بغرض إصلاحها في مسرح اليوم. وكما الأمس فإن الغد أيضاً عالم مستقل عن عالم الأمس ينتظر دوره بعد انقضاء عالم اليوم وانفضاض مسرح الأمس. رجال الغد أيضاً ليسوا رجال الأمس واليوم، ينتظرون دورهم بفارغ الصبر. لذلك ما دمنا لا نملك الأمس ولا الغد فعلينا الاستفادة القصوى من وقتنا الحاضر الذي هو اليوم.
عندما نقول: لنا اليوم وليس لنا الأمس والغد، فإننا لا نعني أن لا نتزود بالدروس والعبر من الأمس أو أن لا نفكر في تطورات الغد. وكما كان الأمس زاداً ودرساً لليوم فإن اليوم أيضاً درس الغد وزاده. نحن جيل اليوم وإن كنا بلا قدرة علي استحضار الماضي ولا القفز الي المستقبل إلا أننا مسئولون مسئولية كاملة عن إنجاز مهام حاضرنا.
وكما يأخذ رجال الأمس نصيبهم من الشكر أو اللوم يكون رجال اليوم أيضاً عرضة لحكم الغد عليهم سلباً أو إيجاباً. علي أن الحكم الصادر بأي جيل من الأجيال هو ما حكم به رجال الجيل علي أنفسهم بحسن أو سوء فعالهم، وإذا لم يحافظ جيل اليوم علي سمعته فلن يدخر له جيل الغد حمداً وشكراً علي بياض. ولا ننسى أن تعاقب الأجيال وتوارثها لن يتوقف عند محطة اليوم ولا الغد، سيمضي بلا توقف. أحد أهم أسباب حرص الجيل الحاضر علي قبول التحدي التاريخي هو الوفاء لوصايا الشهداء، وهي أمانة في عنق جميع الأجيال الحاضرة والمستقبل. ومن مسئوليتنا التاريخية أن لا نتراخى في إنفاذ ما علينا من واجب الوفاء. فكما يقال: الأمس تاريخ، واليوم عطاء وغداً سر مغيب، يجب أن نعطي ولا نبخل بما لدينا اليوم.
نحن المناضلين في سبيل التغيير اليوم أكثر من عشاق نظام الهقدف كماً وكيفاً. لقد طال فراق الشعب لنظام الهقدف، ولم تعد تلتف حول الهقدف سوى قلة قليلة. العالم والعامل الخارجي بدورهما وإن كانا ليسا بالعنصر الحاسم في قضايانا، إلا أن أغلب القوى والعوامل الخارجية اليوم في صف معسكر المعارضة لا الهقدف، لكن هذا كله لا يعني أننا قد غيرنا ميزان القوة بيننا وبين النظام لصالحنا. لماذا؟ هذا سؤال وتحدٍّ إجابته لا تقتصر علي أحدٍ منا دون الآخر.
من ناحية المبدأ لا غبار علي معسكر معارضتنا، فهو بكل مكوناته متمسك بالديمقراطية وكل ما هو مساند لها ومعادٍ للدكتاتورية، لكن صحة المبدأ ليست وحدها بالأمر الحاسم. وذلك لأن إمكاناتنا ضعيفة من جميع النواحي، وكل نقطة ضعف في صفنا هي نقطة قوة في صالح النظام، إنه يعيش علي استثمار نقاط ضعفنا نحن المعارضين. ونحن بدورنا لولا ضعف إمكاناتنا لاستطعنا استثمار ضعف النظام. لكن مشكلتنا الرئيسية لا تكمن في ضعف الإمكانات فقط، بل في عدم قدرتنا علي توظيفها التوظيف الأمثل، يجب ألا يتسرب الوقت – وقت اليوم – من أيدينا، لنترك الجدل والنزاع علي أحداث التاريخ أو المغالطات في التنبؤ بما يأتي به الغد، لقد فات الأمس ولن يعود فلا يفوتنا اليوم، ولنعمل قبل أن يداهمنا الغد.
More...
ኣንቱም ንሰማማዕ
ጽባሕ ከይንጽፋዕ
ብምልኪ ከይንጥቃዕ
ንሓድሕድና ከይንበላላዕ
ሕደጉ ኣይንገዳዳዕ
ብሃገር ኣይንጣላዕ።
‘’ዓስ እብለኪ ክር እብለኪ እንተኣበኺ ንነብሪ ጎልጎል እህበኪ’’ ዝብል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሕና ነቶም ቅድመና ዝነበሩ ዝሓለፍዎ ተመኲሮ እንተስ ብቐጥታ ካብኦም ወይ ከኣ ብዝተክእዎም ኣካላት ክንዲ ንመሃር፡ ኣብ ደረጃ ምንጽጻግ ጥሒልና ንርከብ። “ሕደጉ! ኣንድነት እባ ራቢጣ እናተበበሃሃልና ኣይንፈላለ” እናተባህለ ከሎ እኮ እዩ ኣብ ሓምሳታት ተጻባእትና ንኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ዝፈረዱዋ። ሕጂ እውን ታሪኽ ንነፍሱ ይደግም ከም ዝበሃል እነሆ ከምታ ናብ ዓዘቕቲ ዘእተወትና ኣገባብ ሒዝና ንምርሽ ዝብሉና ወገናት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ይመስሉ።
ሎሚ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ንዲሞክራስን ፍትሕን ከም ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ክዋሳእ እንተዘይበቒዑ፥ ምልኪ ካብ ኣተሓሳስባና ንዘልኣለም ክድምሰስ ኣይኮነን። ኩሉ ዕዮ ገዛና ከኣ ንሕብረብሄራዊ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ስነሓሳብ ብምትእስሳር ኣበርቲዕና ክንነቕሓሉን ክነተግብሮን ቀንዲ ሓላፍነት እዩ። ነዚ እምነት እዚ ምስ እንሕዝ ከኣ እዩ እቲ ናይ እምነት ናጽነት፥ ማዕረነትን ናጽነትን ዝሰፈና ሃገር፡ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ዘውሕስ ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ኩልና ናይ ዕላማ ሓድነት ክህልወና ምስ ዝኽእል እዩ ድልዱል ሃገራዊ ጥምረትን ምትእምማን ዝመልኦ ሓባራዊ ስራሓት ተወሃሂዱ ንኡድ ንኹሉ ዘዕግብ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል።
ካብዚ ሓሊፉ ንዕዮ ገዛና ኣትኪልናን ኣነጺርናን ኣብ ክንዲ ምስራሕ፥ ንእኡ ብዘፍርስ መንገዲ ምኻድ፡ ዕላማ ኣልቦ ኰንና ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክንከውን ኣይክንክእልን ኢና። ነዚ ወሪዱና ዘሎና ምልካዊ ስርዓት ክንገጥሞን ካብ ሱሩ ክንምሕዎን እምበኣር፡ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና ዕዮ ገዛ ብሓቂ ናብ ሰላማዊ ናብራ ዘብጽሕ ከምዘይኮነ እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ፥ ንናጽነት ኣይተቓለስናን፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ እገለ ብሄር እዩ፥ ባንደራ እዚኣ እባ ኣቲኣ፥ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብን ስውኣቱን ብምንእኣስ ንምልኪ ዘውግዱ ኣገባብ ኣይኮኑን። ንሓርነታዊ ቃልስና ክንበቕዖን ክነዕውቶን እንተዀይና፥ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ራኢናን ንመጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመሓደርን ትህነጽን ኣብ ዝብል ሓደ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሽግርና ደርባዊ ወጽዓ ስለዝኾነ፡ ደርባዊ ወጽዓ ከኣ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ እዩ ዝውገድ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ብናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣሳቢቡ ንፍሉይን ውሱንን ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ኣየካየደን። እንታይ ደኣ ብኣልማማ ንኹለን ብሄራትን ሃይማኖታትን እዩ ዝጭቊን ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣየናይ ብሄር ወይ ኣየናይ ሃይማኖት ዝያዳ ተወጺዑ ኣብ ዝብል እንተኣቲና ኣብ ናይ ጉጅልኣዊ ባህሪ ሰጢምና እቲ ወጽዓ ኣየናይ ሃይማኖት ይኹን ብሄር ብዘየገድስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ንዝብል ወድዓዊ ሚዛን ንፍኩሶ ኣሎና እዩ ዘስምዕ።
ኣብ ኤርትራ፡ ስልጣንን ምንጭታት ናውቲ ማእቶትን ገቢቱ ዝሓዘ ስርዓት እምበር ንብሄር ወይ ንሃይማኖት ወኪሉ ዝጭቊን ከምዘይኮነ ኩልና ክንኣምን ይግበኣና። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን እምበር ብመልክዕ ገዛእን ተገዛእን ክንጥምቶ ኣየድልን። እዚ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ሸነኻት ጨቋንን ተጨቋንን ቁርቊስ ናይ ስልጣን መን ጨበጠ ቃልሲ ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ደላይ ለውጢ እቲ ካልእ ከኣ ጸረ ለውጢ እምበር ንፉሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝመጽእ ለውጢ ኣይኮነን። ስለዚ ኣተሓሳስባና ክንደይ ካብ ኣየናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም ምጽብጻብ ዘይኮነስ ኩሎም ምእንቲ ሓንቲ ኤርትራ ዝቖስሉ፡ ዝተሓየሩን ዝተሰውኡን ምዃኖም ክንዓግብ ይግበኣና። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስና ኣብ ክንድኡ ዝትከል ስርዓት ዝተኣማምን ህዝባዊ ተሳትፎን ምልኣት ሕብረተሰብን ዝውሕስ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ክምስረት እምበር ንፍሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘርብሕ ለውጢ ከምዘየለ’ውን ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ክትግበር ግን ንሓደ ስርዓት ሽፍታ ኢልካዮ ኣይበልካዮ፥ ባንደራና እቲኣ ወይ እዚኣ፥ ናጻ ሃገር የለን ብምባል ነቲ ስርዓት ዝቕይር ኣይኮነን።
እቲ ጸገም ናይ ኩሉ ክነሱ፡ ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ እዩ ምባልን፥ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣየረጋገጽን እዩ። እዚ ኮነ ኢልካ ብገለ ገለ ወገናት ሃገራዊ መንነትናን ናጽነትናን ክብርናን ናይ ምድኻም ኣዕናዊ ፈተነ እዩ። እዚ ግጉይ ኣካይዳ ምስ ዝዕወት ናብ ገደል ከእትውናን ነቲ ቅኑዕ ሓርነታዊ ቃልሲ በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ስነፍልጠታውን ፍቱንን ኣገባብ ኣቀላልሳ ከይከይድ ዝዕንቅፍ ሽርሒ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መንእሰይ ተመኲሮ ኣያታቱ ከይቀስምን ምስኣያታቱ ከይቃለስን ወግሐ ጸብሐ ምቱኽታዅ፡ ሃገራዊ መንነትና ንምህሳስ ዝግበር ምህዞ እዩ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣግላሊ ባህርያትን ጠባያትን ከም ዝስዕርር ይገብር እሞ ሰላም፡ ቅሳነትን ርግእትን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምምስራት ኣፍራስን ግቡእና ከይንፍጽም ዓንቃፍን እዩ።
نحب بلادنا ارتريا ولكن نعارض نظام الهقدف بشدة
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريالارتريون لا شك يحبون بلادهم ويقدرونها بشدة، يضعونها في خانة الأم، وهذه العلاقة بين الارتريين و بلادهم ارتريا أزلية وذات ثقل عظيم، ولم يحل تعددهم وتبايناتهم الدينية، الاقليمية، العرقية، اللغوية عن العمل بإخلاص وتفانٍ علي تحرير بلادهم. والأمر هنا لا يحتاج الي كثير شرح.
لقد خبر المستعمرون المتوالون علي ارتريا معدن الشعب الارتري ومقته ومقاومته لحكم الدخيل، لذلك حاولوا، نظام منقستو علي سبيل المثال، حاولوا الظهور بمظهر الأم والأسرة الحريصة علي تأديب الضالين من أبنائها، لذلك كان منقستو يصف الثوار الارتريين بمن يعضون ثدي أمهم التي ولدتهم وأرضعتهم فجازوها بالعقوق.
ونحن اليوم سيراً علي درب شهدائنا الأبطال الذين ناضلوا وضحوا من أجل الاستقلال، نناضل من أجل حقوق الانسان وكرامته وكل ما نستحقه كبشر نتساوى مع الآخرين في الحقوق وسائر القيم الإنسانية. إن وقودنا لهذه المعركة النضالية الحالية وما يحرك مشاعرنا الوطنية هو تلك التضحيات التي قدمها شهداؤنا لننعم نحن بالحقوق والهناء والرخاء، لكن سرقت منا بواسطة هذا النظام القمعي الأرعن. إنه نضال ليس لاجترار الأحزان فحسب لكنه نضال للوفاء بوصايا وأحلام الشهداء. والكل مهما تواضعت إمكاناته يعمل علي تحقيق هذا الهدف.
نظام الهقدف متأسياً بمن سبقوه من الحكام المستعمرين يحاول هو الآخر ستر عيوبه وممارساته المعادية للشعب بالتظاهر بالحرص علي مصلحة الشعب والبلاد. وعلي الرغم من أن الشعب باقٍ والنظام زائل يحاول النظام أن يفرض أكذوبة أنه والشعب وجهان لعملة واحدة، أي أنه خالد خلود الشعب وباقٍ بقاءه.
إن عبدة وعشاق النظام لا يتوانون في دمغ أعداء الهقدف بأنهم أعداء الوطن، كما يخوِّنون من يقيمون في بلاد معادية للنظام. بل يتجاوزون ذلك الي وصف من يعادي الهقدف إنما يخون وصايا الشهداء ويهزأ بدمائهم الطاهرة. إن الرسالة من هذا الموقف المختل من النظام إنما تقول باختصار: اتركوا الهقدف وشأنه، ليفعل بالبلاد ما يفعل فهو أدرى منكم بشؤونها.
نحن وشعبنا كما فعلنا من قبل بحكام الاستعمار سوف نطيح بدكتاتورية الهقدف الجاثمة علي صدور شعبنا ونقذف بها الي مزبلة التاريخ.
ጨንፈር ደቡብ ጀርመን/ሽቱትጋርትን ከባቢኡን/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ብኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝምእከል ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንዕለት 04.06.2016 ኣብ ከተማ ሽቱትጋት ኣዳልዩ ምህላዉ እንዳሓበረ፡ ኩለን ግዱሳትን ክዱስን ዜጋታት ክሳተፎዎ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ኣኼባ ንህልዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝጠመተን ናይ ስርዓት ለውጢ ዝሓቶ ብድሆታትን ዝሓዘ ክከውን እዩ።
ቦታ ኣኼባ፡
Heidelbeerstr.5
70329 stuttgart - Obertürheim
ኣኼባ ዝጅመረ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡30 (ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ)
ርሑስ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።
ሽማግለ ጨንፈር
30.04.2016
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰደህኤ
ቃልሲ ኤርትራውያን ነዊሕ ዝዕድሚኡ ተደራራቢ ዕላማ ዝነበሮን ዘለዎን ምዃኑ ንኤርትራውያን ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሓት ናይ ታሪኽ ክኢላታት ዝመስከርዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኤርትራውያን ባዕላቶም ተዋሳእቱ ስለ ዝነበሩን ዘለዉን፡ ብኻልእ ክንገሮም ከኣ ስለ ዘይጽበይዎ። ኣብዚ ነዊሕ መስርሕ ቃልሲ ብዙሓት ኤርትራውያን ክቡር ዋጋ ከፊሎም እዮም። ናይ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ከኣ ነናቱ ኣበርክቶን ክቡር ቦታን ዘለዎ እምበር ዝባኸነ ኣይኮነን።
ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ምዕራፋት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ምርግጋጽ ናጻን ልኡላዊት ሃገርን፡ ሰላም፡ ደሞክራስን ክብሪ ኩሉ መሰላት ዘውሕስ ስርዓት ምትካልን፥ እቶም ክልተ ኣገደስቲ ምዕራፋት ናይ ቃልስና እዮም። እዞም ክልተ ምዕራፋት ቃልስና ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉን፡ እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ህልውና ዘየብሉን እምበር ነጻጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ካብቲ ቃልስና ዝተበገሰሉ መሰረታዊ ዕላማታት፡ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ እቲ መሰረታዊ ምዕራፍ እዩ። እዚ ማለት ግና ናጽነት ስለ ዝተረጋገጸ፡ እቲ ህዝብና ዝተላዕለሉ መሰረታዊ ዕላማ መሊኡ ማለት ኣይኮነን። ምሉእ ንክኸውን ጌና ዘይተረጋገጸ ክፋል ናይቲ ቃልሲ ኣሎ። ነቲ ተሪፉና ዘሎ ንምርግጋጽ ከኣ እነሆ ቃልስና ይቕጽል። እቲ ነካይዶ ቃልሲ እምበኣር ነቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዓወትና ዝንእድን ዝሕሉን፡ ኣብኡ ተመስሪቱ ድማ ዝካየድ እምበር ነቲ ክንምርኮሰሉ ዝግበኣና፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ጽኑዕ ባይታ ብምንእኣስ ወይ ብምርኻስ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።
እቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን፡ ናይ ኣየናይ ውድብ ኣባላት ነይሮም ብዘየገድስ ዋጋ ከፊሎም ዘረጋገጽዎ 25 ዓመታት ዝዕድሚኡ ናጽነት፡ ናይ መላእ ኤርትራውያን ጻማን ዋጋ ደምን ክነሱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘጉባዕበዐ ከም ፍሉይ ግነዖት እንህበሉ ምኽንያት የብልናን። ንናጽነትና ጉጅለ ህግደፍ ዝንየተሉ፡ እቶም ኣንጻሩ ምእንቲ ሓርነትን ቀጻሊ ራህዋን ንቃለስ ዘለና ድማ ንጓነየሉ ምኽንያት የለን። ብናጽነትና ክንሕበን እንከለና፡ ንመስዋእቲ ናይቶም ምእንትኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ከም ብሌን ዓይንና ከነኽብር ግድን እዩ። ንመስዋእቲ ጀጋኑ ዘይምኽባር ግና ናብ ንናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ዘይምቕባል ዘምርሕ ሓደገኛ መንገዲ ምዃኑ ኣይንስሓት። ነዚ መንገዲ ስሒቱ ዝጐዓዝ ኣካል ከኣ፡ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ዝቃለስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ዝተሃንጸ ዕርዲ ናጽነት ኣብ ክንዲ ዝጽገዓሉ ደፊኡ ከፍርሶ ይደናደን ስለ ዘሎ።
ርግጽ እዩ ገለ ወገናት፡ ናይ ህዝቢ ሓርነትን መሰልን ዘይተረጋገጸሉ ናጽነት ትርጉም ስለ ዘየብሉ፡ መሬታዊ ናጽነት ፋይዳ የብሉን ክብሉ ንሰምዕ ኢና። ስለዚ “ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናጽነት ኣፍልጦ ክንህቦ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ክመጣጠሩ ከለውስ ኤርትራ ናብቲ ዝነበረቶ መግዛእቲ ትመልስ ማለቶምዶ ይኸውን? ምናልባት “እቲ ሓርነትከ ኣበየናይ ናጽነት ተዘሪኡ እዩ፡ መድሕን ህዝቢ ዝኸውን?” ኢልና እንተንሓቶምስ መልሶም እንታይኮን መኾነ? ንሕና ሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ፈላሊና ንርእዮም ዘይኮኑስ ተደጋገፍትን እቲ ሓደ ብዘይቲ ሓደ ህልውና ዘየብሉን ክልቲኦም ማዕረ ከም ዘድልዩና ኢና ንኣምን። ሓርነት ብዘይናጽነት፡ ናጽነት ብዘይሓርነት ከኣ ኩሎም ጐደሎ እዮም። ቃልስና ምሉእ ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ዓወት ዓቂብና ዝተረፈ ንምምላእ ክንቃለስ እንከለና ጥራይ እዩ።
መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ውጽኢት ቃልስና ስለ ዝኾነ፡ ምስ ኩሉ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ምልኪ ደበና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ናይ ግድን እዩ። ክንዝክሮ እንከለና ግና ዝተርፈና ቃልሲ ከም ዘሎ ብምስትብሃልን፡ ንቐጻሊ ቃልሲ ከም መንጠሪ ብምጥቃምን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብክቡር ደም ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ናጽነት ምስ ዘይነኽብሮ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኮበሮ ዓምሓሙ መወቐዐ። ምኽንያቱ “ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ኣነ ዘምጻእኩዎን ከም ድላየይ ዘመሓድሮ ንብረተይ እዩ” ዝብሎ ስለ ዘሳንየሉ። ህግደፍ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት “ከኽብር እየ” ኢሉ ይሸባሸብ ኣሎ። ንሕናውን ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ክንዝክሮ ኢና ክንብል እንከለና፡ ምስኡ ሓደ ኮይና ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሕና ንዝኽሪ ናጽነት እንህቦ ትርጉምን፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተመስሪትና እነማዕድዎ መጻእን ካብቲ ናይ ህግደፍ ዝተፈልየ’ዩ። ህግደፍ ነዚ ዝኽሪ ብኸመይ ኣብ ስልጣን ይቕጽል ውዲት ዝኣልመሉ ኣጋጣሚ ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ተረኽቦ ክንዝክሮ እንከለና ግና “ብኸመይ ካብዚ ዘሎ ውጽዓ ናብ ራህዋ ንሰግር” ዝብል ጭረሖ ነቃለሓሉ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና ንወስዶ። ከምቲ “ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም” ዝበሃል፡ ንሕናን ህግደፍን ዝኽሪ ናጽነት ንዝክረሉ መንፈስ በበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ተጻራሪ’ዩ። ስለዚ ክብሪ ናጽነት ብዋጋ ህዝብና ዝተረኽበ፡ መሰረት ናይቲ ኣብ መጻኢ እነረጋገጾ ዓወት እምበር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ንምጥዎ ሕዛእቲ ክኸውን ኣይግበኦን።