ዶር ገብረ ገብረማርያም፣ ካብ ዝባን ሕጊውን ስለ ሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!
Written by መድሃኔ ሃሓሙሻይ ክፋል
መእተዊ፣ ኣብ ሂወት ሓደ ህብረተሰብ ወይ ውዱብ ጉጅለ ምቕልቃል ዝተፈላለየ ሪኢቶታት ጸጋን መሰረት ምዕባለን ናይቲ ሕብረተሰብ ወይ ጉጅለ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ እሞ እዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕቡል ኣገባብ ምምሕዳር እምበይ ምተበጽሐን። ነዚ ዝተፈላለየ ሓሳባት ከመሓድር ዝኽእል ሕግታት ምስ ዘይህሉ ድማ፣ በንጻሩ ሓቢርካ ምንባር ኮነ ናይ ሓባርካ ምስራሕ ኣይምሃለወን። ዓወታትውን ኣይምተረኽበን። ምእንቲ ምንታይሲ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ፍሉይ ሪኢቶ ናተይ ሪኢቶ ተቀባልነት ይሃልዊ ክብል፣ ኣብ ምስሕሓብ መነብርና፣ ካብ ዓወታትን ምዕባለን ድማ ምበኾርና። ወይ እውን ብዘይ ሕግን ደሞክራስን ሪኢቶታቶም ናይ ምትግባር ሓይሊ በዘለዎም ባእታታት ክንምራሕ ምነበርና።
ምልኪ ብመሰረቱ ምስ ተሪእዮ ብሕጊ ክግዛእ ፋቓደኛ ዘይኮነ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባዊ ወይ ትምህርታዊ ሓይሊ ተዛሚዱ እዩ ዝቕልቀል። ወተሃደራዊ ሓይሊ ንኹሉ ፍሉይ ሪኢቶታት ጨፍሊቁ፣ ንሪኢቶኡ ጥራይ ንምትግባር ወተሃድራዊ ሓይሉ ብምጥቃም፣ ምልካዊ ምሕደራ ይኽተል። ሉዑል ቁጠባዊ ሓይሊ ዘለዎ’ውን ንቁጠባዊ ሕጽረታት ናይ ከባቢኡ መዝሚዙ፣ ንዘይቅቡል ሪኢቶኡ ኣብ ሊዕሊ ድኻ ክፋል ህብረተሰብ ተቀባልነት ከምዝረክብ ክገብር ይኽእል። ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘይኣምን ትምህርታዊ ዓቕሚ ዝውንን ድማ፣ ሪኢቶኡ ብብዙሓት ተቀባልነት ምስ ዘይረክብ፣ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ ተኸቲሉ፣ ኣነ ዘይሰመዓሉ ባይታስ ዋላ ኣይሃሉ ኣብ ዝብል ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣድሂቡ ይሰርሕ፣ ንኹሉ ናይ ሓባር መደባት ኣብ ምዝራግን ምትዕንቃፍን ድማ ይዋፈር።
እምበኣር ኣብ ሰደህኤ መን እዩ ንቋዋም ሰልፊ ዝጥሕስ ዘሎ ንምብራህ፣ ሲዒቡ ዘሎ ዓናቕጽ ቋዋም ሰልፊ ምስ ምጉት ዶር ገብረ ኣዛሚድና ክንሪኢ እላቦ።
1ይ፣ ንሕጋውነት ናይ ውሳኔታትን መትከላት ደሞክራስን ኣብ ሰደህኤ ብዝምልከት፣
3.11. ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሰልፊ፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ፤
እዚ ማለት፣ ኣብ ጉባኤታት ሰልፊ፣ ጉባኤታት ዞባ፣ ጉባኤታት ንኡስ ዞባ፣ ጉባኤታት ጨንፈር፣ ዝጸድቕ ሕግታትን መምሪሕታትን ኮነ ዝምረጽ መሪሕነታት ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝጸድቅን ከም ዝምረጽን፣ ዝኾነ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዝውሰን ውሳኔታትውን እንተኾነ፣ ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝባጻሕ እዩ ዝሕብር። ብብዝሒ ድምጺ ንዝተበጽሐ ውሳኔታት ኣይግዛእን ዝብል ኣባል ሰልፊ ግን፣ ብመሰረቱ ነቲ ሕጋውነት ናይ ሰነዳት ኮነ ናይ መሪሕነታት ከምዘይቅበሎ፣ ወይ እውን ንነፍሱ ሊዕሊ ሕግን ሊዕሊ ብዙሓትን ኣቐሚጡ ከምዘሎ እዩ ዝሕብረካ።
2ይ፣ ንሕጋውነት ናይ መሪሕነቱን ፣ቅዋሙን፣ ንሊዕልና ሕግን (rule of law) ብዝምልከት፣
3.3.ሰዲህኤ ኣብ መትከል ዲሞክራሲ እተሰረተ ሰልፊ እዩ። ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ሰልፊ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቑ እዮም። መሪሕነቱ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጹ ብመሰረት ቁዋም ዝመርሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሰልፊ ተሓታቲ ዝኾነ ኣካል እዩ፣”
ኣብ መትከል ደሞክራሲ እተሰረተ እዩ ክብል ከሎ፣ ድምጺ ብዙሓት ዝርኸበ ሪኢቶ ናይ ትግባረ መሰል ይረክብ፣ ድምጺ ውሑዳት ዝረኽበ ሪኢቶ ግን ክስማዕ መሰል ኣለዎ፣ ትግባረ ግን ኣይረክብን ማለት እዩ። ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቁ ሰነዳትን ዝተመርጸ መሪሕነትን ክብል ከሎ’ውን ሕጋውያን ሰነዳትን መሪሕነትን ምዃኖም ምስ ምግላጽ፣ ሕጋዊ ስልጣንን ሓይልን ከምዘሎዎም እውን ይሕብር። ብመሰረት ቋውም ሰልፊ ዝመሪሕን፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሰልፊ ተሓታቲ ዝኾነን መሪሕነት ክብል ከሎውን ልዕልና ሕጊ ኣብ ሰደህኤ ሑልው ምዃኑ እዩ ዘብርህ፣ ኡዙይ ድማ፣ ዝኾነ ኣባል ሰልፊ ናይ ቃልሲ ተመኩሮኡ፣ ዝናኡ፣ ደርጃ ትምህርቱ፣ ኣብ ሰልፊ ዘለዎ ናይ ምምራሕ ጽፍሕን ብዘየገድስ፣ ሊዕሊ ሕጊ ሰልፊ ከምዘይስራዕን፣ እኳ ደኣ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኾነን እዩ ዝገልጽ።
ሕጊ ጢሒሱን ንነፍሱ ልዕሊ ሕጊ ሰሪዑን ከም ቓሕ ዝበሎ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ንኽኣሊ እቃለስ ኣሎኹ እንዳበልካ፣ ቋዋም ሰልፊ ንገድላዊ ተመኩሮን፣ ደረጃ ትምህርትን፣ ሞያን፣ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ኣብ ሊዕሊኦም ትግባረ ክህልዎ ኣይነበሮን ኢልካ ምምጓት ግን፣ ወንጮስ እንተ ገልቢጥካዮ’ውን ወንጮ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ፣ ምስ ዝብል ምስላ ዝተኣሳሰር ቃልሲ ምክያድ ማለት እዩ።
3ይ፣ ንመሰል ምኽባር ሪኢቶ ብዝምልከት ቋዋም ሰልፍና ኣብ ዓንቐጽ
3.8. ሰዲህኤ ናጽነት ርእይቶ፡ ሓሳብን ሓበሬታን ምልውዋጥ፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ይኹን ኣብ ግዳም ዘኽብር ሰልፊ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ናጽነት ውልቀሰብ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ ኣባላት ሰልፊ ብውድባዊ መስኖታት ኣቢሎም ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ፡ ርእይቶታቶም፡ ቅሬታቶም ኮነ ሃናጺ ነቐፌትኦም ከቕርቡ መሰሎም ዝተሓለወ እዩ፣
4.3.5 ውድባዊ ቦታ ብዘየገድስ፡ ብኣባላት ኮነ ብመሪሕነታዊ ኣካላት ንዝፍጸሙ ጕድለታትን ጌጋታትን ንምእራም፡ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ሰልፊ ዘለዎ ትዕዝብቲ፡ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ ርእይቶን ሃናጺ ነቐፌታን ከቕርብ መሰል ኣለዎ፤
እዚ ማለት ዝኾነ ሪኢቶ ምንጩን ኣንፈቱን ብዘየገድስ ከም ሪኢቶን ሓሳብን ክብረቱ ዝተሓለወ እዩ፣ ተቀባልነትን ትግባረን ንኽረክብ ግን ናይ ተቀባልነቱ ባይታ እዩ ዝውስኖ። እንተ ደኣ ናይ ብዙሓት ደግፍ ረኺቡ ግብራውነት ይረክብ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ናይ ሪኢቶ መሰሉ ይሕሎ። ብብዙሓት ተቀባልነት ዘይረኸበ ፍሉይ ሪኢቶ ኣምጺእካ ተባሂሉ ኣባልነቱ ካብ ሰልፊ ዝተመንጠለ ኣካል የሎን ኣይክህሉን እውን።
ኣባላት ሰልፊ ብውድባዊ መስኖታት ኣቢሎም፣ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ሃናጽን ነቓፍን ሪቶኦም ከቅርቡ ይኽእሉ ክብል ከሎ እውን፣ ሰልፊ ዝጥቐመሉ ናይ ስርሑ ከናለታት ተጠቂምካ፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ከከም ኩነታቱ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ሪኢቶታትካን ሓሳባትካን ተመሓላልፍ ማለት እዩ። ነዚ ኩሉ ሰልፋዊ ሕጋዊ ኣገባብ ነጺግካ ኣባል ሰልፊ እየ እንዳበልካ፣ ናይ ሰልፊ ትካላት ዘይኮኑ መርበብ ሓበረታን ህዝባዊ መራኸቢታትን ተጠቒምካ፣ መሪሕነት ሰደህኤ ልቦና የብሉን፣ ውዕል ጠሊሙ፣ ስምምዕ ሓድነት ኣፍሪሱ፣ ወዘተ እንዳበልካ ምምዳር ግን፣ ዶር ገብረ ኣብ ሊዕልና ሕግን ኣብ መትከላት ደሞክራስን ዘይኣምን ምሁር ኣካል ምዃኑ ጥራይ እዩ ዘብርህ። ንሪኢቶኻ ንዘይተቀበሉን ንዓኻ ንዘይመሰሉን፣ ኣገዳስነት ዘይብሎም ኣካላት፣ ልቦና ዝጎደሎም መሪሕነት፣ ወዘተ እንዳበልካ ምግላጽ ግን ኣብ ሰልፍና ባይታ ከምዘይብሉ እዚ ዓንቀጽ እዚ ይሕብረና።
4ይ፣ ንሕጋዊ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ኣብ ሰልፊ ብዝምልከት፣
3.10. ታሕተዎት ደረጃታት ሰልፊ፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ፤ ይብል።
ቅርጻን ትክላዊ ኣሰራርሓን ሰደህኤ ትኹላዊ (vertical) ኮይኑ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፣ ጨንፈር - ንኡስ ዞባ- ዞባ- ማእከላይ ባይቶ - ጉባኤ ሰልፊ ኢሉ ዝቆመ እዩ። ብመሰረት ናይዚ ዓንቐጽ እዚ ታሕተዎት ኣካላት ብላዕለዎት ኣካላት ክምራሑ፣ ላዕለዎት ኣካላት ድማ ካብ ታሕተዎት ኣካላት ንዝመጸ ሪኢቶ ኮነ ሕቶ ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ክምልሱ ግቡእ እዩ። ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ዝወሃብ መልሲ ንተጸበይቲ መልሲ ኣወንታ ወይ ኣሉታ ክኸውን ይኽእል። ሓቲቱ መልሲ ዘይረኸበ ወይ እውን ዝተዋህቦ መልሲ ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ኣይኮነን ዝበል ኣካል ግን ቕረታኡ ክስምዕን ይግባይ ክብልን መስሉ ሕሉው እዩ።
ብዚሒ ድምጺ ማለት ደሞክራሲ ማለት ኣይኮነን፣ ብገበን ዝተጠርጠረ ክሳብ ብቤት ፍርዲ ዝብየን ገበነኛ እዩ፣ ወዘተ እንዳበልካ ምስ ኣህጉራዊ ተጠቃምነትን ኣተረጓጉማ ሕጊ ዘይሳነ ትርጉምን ምኽኑይነትን (interpretation and justification) እንዳ ኣምጻእካ ክትምጉት ምፍታን ግን ኣብ ክንዲ ብጌጋኻ ምእራምን ብሕጊ ተገዛኢ ምዃንን፣ ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ ዝብል መሪገጺ ወሲድካ ኣብ ጌጋኻ ምንባር እዩ።
5ይ፣ ንግቡኣት ናይ ኣባል ሰልፊ ኣመልኪቱ
4.4.3 ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤
ኣንጻር ናይዚ ዶር ገብረ ንኹሉ ምምሪሒታትን ሕግታትን ሰልፊ ምጥሓስ ጥራይ ዘይኮነስ ንመሪሕነት ሰልፍውን ክጸርፍን ከነኣእስን ይነብር።
4.4.7 ሓድነት ሰልፊ ይሕሉ፡ ሰልፋዊ ዲሲፕሊን/ሰነ-ሰርዓት የኽብር፡ ምስጢራት ሰልፊ ይዕቅብ፤ ፍሉይ ሓሳባት ወይ ርእይቶ ንዘለዎም ኣባላት፡ ርእይቶኦም የኽብር፣ ዶር ገብረ ግን ፍሉይ ሓሳባት ወይ ሪኢቶ ንዘለዎም ሰባት ከም ኣኽላባት ገይሩ ወይ ከም ዘየድልዩ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ይገልጽ፣ ኣብ ክንዲ ሓድነት ሰልፊ ምሕላው ምፍንጫል ይእውጅ፣
4.4.9 ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ወስታታት ይከላኸል፤
ዶር ገብረ ግን ኣብ ክንዲ ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ወስታታት ዝከላኸል፣ ንሰልፊ ክኸፋፍል ንዝዓለመ ወይ ባዕልኹም ቀዲምኩሞም ተፈንጨሉ፣ ዓቕምኹም ምስ ዘፍቅደልኩም ግን ኣብ ኣኼባታት ገጢምኩም በድህዎም ንዝብል ናይ ጸልማት ምኽሪ ከተግብር ድቓስ ለይቲ ሲኢኑ ይርከብ።
6ይ፣ ንምስንባት ኣባልነት ብዝምልከት ዝያዳ ምስ ኣልዒልናዮ ዘሎና ጉዳይ ዝዛመድ ዓናቕጽ፣
4.5.4 ንፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰልፍን መትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዝጻረር፤ ንክብሪ ሰልፊ ዝሃሲ መርገጽ ወይ ዘመተ ምስ ዘካይድ፤ ምስጢር ኣሕሊፉ ምስ ዝህብ
4.5.6 ካብ ላዕለዎት ኣካላት ንዝመጸ መምርሒታት ምስ ዝጥሕስ፤
መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ሊዕሊ ኣባላት ዝወሰዶ ናይ ኣባልነት ምስሓብ ውሳኔ እንተሎ ድማ፣ ዝኾነ ክማጎት ዝደሊ ኣካል ንቁዋማውነቱ ብመሰረት ናይዚ ዓናቕጽ እዚ እዩ ከረጋግጽ ዘለዎ።
7ይ፣ ኣብ ሊዕሊ ቁዋም ሰልፊ ዝጠሓሰን፣ መምሪሒታት መሪሕነት ዝነጸገን እሞ ንሰልፊ ሓደገኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣካል ዝውሰዱ ስነ-ስርዓታዊ ስጉምትታት ብምዝምልከት፣
4.7 ስነ-ስርዓታዊ ውሳነታት ብኣባላት ሰልፊ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብደረጃታቶም ዝተፈላለዩ ስለዝዀኑ፡ እቲ ዝውሃብ ስነ-ስርዓታዊ መቕጻዕቲ እውን ማዕረ እቲ እተፈጸመ ጌጋ ክኸውን ይግባእ። ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ግን፡ ዝፍጸሙ ጌጋታት ንምእራም እንኽተሎም ኣገባባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥
4.7.1 ነቐፌታ፤
4.7.2 መጠንቀቕታ፤
4.7.3 ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፤
4.7.4 ምውንዛፍ ኣባልነት፤
4.7.5 ምስንባት ኣባልነት፣
ዶር ገብረ ግን እዚ ስጉምትታትዚ ንኹሉ ኣባል ሰልፊ ብማዕረ ዝምልከት ኣይኮነን ኢሉ እዩ ዝማጎት። ምኽንያቲ ነጥቢ-ሞጎተ ናይ ዶር ገብረ ተጋደላይ መስፍን ሓጎስ እምነ መሰረት ናይ ሓድነት ሰልፊ ስለዝኾነ፣ ዝበደለ እንተበደል ኣባልነቱ ክሰሓብ ወይ ክውንዘፍ ኣይነበሮን፣ ስለዚ መሪሕነት ሰልፊ ሕጅውን ኣብ ሊዕሊ መስፍን ሓጎስ ዝወሰዶ ውሳኔ ብዘይ ወዓል ሕደር የልዕሎ ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፣ ኣይከውንን ዝብል መልሲ ምስረኽበ እዩ፣ ንምሪሕነት ሰልፊ ኣብ ምውንጃልን፣ ምዝላፍን፣ ምንእኣሰን ወፊሩ ዘሎ።
8ይ፣ ዓንቀጽ 9፡ ትርጉምን ምምሕያሽን ቋዋም ሰልፊ
9.2 ነዚ ቅዋም’ዚ ክቕይር ዝኽእል ጉባኤ ሰልፊ እዩ፤
9.3 ማእከላይ ባይቶ፤ ንዝኾነ ይኹን ኣከራኻሪ ዓንቀጽ ክትርጉም፣ ከብርህ፡ ከነጽር ሓላፍነት ኣለዎ ።
ብሓይሊ ቃል ናይዚ ዓንቐጽ እዚ ንትሕዝቶን መንፈስን ናይ ዝኾነ ኣከራኻሪ ዓንቐጽ ክትርጉም ሕጋዊ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ጥራይ እዩ። ወነንቲ ገድላዊ ተሞክሮ፣ ልዑል ትምህርታዊ መዓርግ ኮነ ካልእ ረቋሒታት ግን ኣብ ምትርጓም ዓናቕጽ ቋዋም ሰልፍና ቦታ የብሎምን።
ለበዋይ ንዶር ገብረ ኮነ ንሰዓብቱ፣ ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ክንብል ዋላ ሰሚርና ክንሰርሕ እንተዘይ ኪኢልና፣ ፍልልያትና ተቐቢልና፣ ተኸባቢርና በቢ የዐውተናዩ ዝበልናዩ ውዳቤ ተወዲብና ክንቓለስ እውን ተኽእሎ ከምዘሎና ፈሊጥና፣ ኣብኡ ገጽና ኣድሂብና ንኽንሰርሕ እላቦ።
መድሃኔ ሃ/ ኦስሎ
ንቅልውላውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ኮንፈረንስ ብሩሰልስ ወ/ሮ ኪታሩዝን ካለኦት ክኢላታትን መደረ ኣስሚዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣገዳሲ ኮይኑ ዝምዕብል ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታትን ብዝምልከት ብዙሓት ክኢላታት ዝተሳተፍሉ ኮንፈረንስ ኣብ ብሩሰልስ ብ19 ጥቅምቲ 2017 ተኻይዱ። ኣብዚ ኮንፈረንስ ዝተነጸረ ዓብይ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ኩሉቲ ናይ ሓሶትን ምጽብባቕን ገዲፍካ ዝኾነ ለውጢ ዘየለ ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተገልጸ ብሓላፊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ኪታሩዝ እዩ። ንሰን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነትን ጸልማትን ብቀሊል ሓረግ “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” ዕድል ኤርትራዊ እሱር ኣብዚ እዋንዚ ብዝብል ገሊጸንኦ።
እዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ብሩሰልስ ብወኪል ሓንቲ ካብ ግዝእት ጀርመን ሀሰን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ጥራይ ኣይኮነን ኣነጺሩ። ብዘይካዚ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎምን መጻኢ ህይወቶም ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ዝጠቐሰ ነይሩ። ኣብ ምድላው እዚ ኮንፈረንስ ካብ ዝተሳተፉ፡ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ፡ ኣማኸርቲ ወጻኢ ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን፡ ዓለምለኸ ጸረ ውግእን ይርከብዎም።
እቲ ኮንፈርንስ ብዘይካ ናይ ግዳያት ምስክርነት ምስማዕ፡ ፍሉጣት ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ከም በዓል ፖርቱጋላዊት ኣና ኣናጉመዝን ፈረንሳዊ ማሪየ ክርቲን፡ ከምኡ እውን ኤርትራዊ ፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብን ዝርከብዎም መደረታት ኣስሚዖም። ኣብዚ ኮንፈረንስ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ተሳቲፎም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ኣብዚ ኮንፈረንስ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያት ኣብዚ ኮንፈረንስ ተወኪሉ።
ካብቲ ወደብቲ ኮንፈረንስ ዘሰፈርዎ መበገሲ ነጥብታት ብምንቃል፡ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ካብ ዝሕዘኦ 2012 ጀሚሩ ዝተዓሙ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ንመጻኢ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጉዳያት ንምቕያር ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ ዘርዚረን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ብመርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንተሓታትነት ተደራራቢ ገበነናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበጸሖ መደምደምታ ናይ ተግባር ስጉምቲ ይጽበ ከም ዘሎ ጠቒሰን፡ ኤርትራውያን ንጡፋት ከተኩሩሉ ከም ዝግበኦም ሓቢረን። ኣተሓሒዘን ድማ ንሓደሓደ ዝተደናገሩ ወገናት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምስራሕ ማለት ትምህርቲ ማለት ከም ዘይኮነን፡ ማእከላት ሕክምና ምስራሕ ጥራይ ሕክምና ክኸውን ከም ዘይክእልን ብምጥቃስ መኺረን። ወ/ሮ ኪታሩዝ ኣብ መወዳእታ 5ይ ዓመተን ካብዚ መዝነት ከም ዝለቃ ጠቒሰን፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ መዳይ ዝነጥፉ ኣካላትን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ንክኸውን ዕማም ራፖርት ሰብኣዊ መሰል ንምንዋሕ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘዕግብ ስራሕ ክሰርሑ ተስፋአን ጠቒሰን’።
እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ኮንፈረንስ ሰለስተ ተዛመድቲ ክፋላት ነይረምዎ። እቲ ቀዳማይ ክፋል ኣኼባ ንኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቑባ ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጥሞም ዘሎ ብደሆታት ዝምልከት ነይሩ። ኣብ ሲናይ ኣጻብዕቱ ዝሰኣነ ግዳይ ፊልሞን ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ኣኼባ ዝሃቦ ምስክርነት ብምኽታል፡ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ፕሮፈሶር ኣብ ዩኒቨርስቲ፡ ምዝንባል ብሰንኪ ጥሕሰት እቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ይገድድ ኣሎ ኢሎም። ዶ/ር ዳኒኤል መኮነን ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ብወገኖም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብታ ሃገር ለውጢ ከይመጸ፡ ካብታ ሃገር ጽቡቕ ዜና ኣይክስማዕን እዩ ኢሎም። ዶ/ር ሳራ ካብ ዓባይ ብሪታንያ ብወገነን ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ናይ ቋንቋ ጸገምን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣዝዩ ከም ዘጸግሞም ጠቒሰን። ካለኦት ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈርስን ብወገኖም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ይገጥሞም ንዘሎ ጸገማት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ኣቅሪበምዎ።
2ይ ክፋል ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝካየድ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን ናይ ጉልበት ብዝበዛን ዝምልከተ ነይሩ። ካብ ከረን ተበጊሳ ምድረበዳን ባሕርን ኣቋሪጻ ኤውሮጵ ዝበጸሐት ጓል 16 ዓመት ተመርጻ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን ናብ ኤውሮጳ ክትሰግር እንከላ ዝነበረ ኩነታትን ዝምልከት ናይ ምስክርነት ቃላ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ኣቕሪባ። ደራሲ ዳዊት መስፍን ክሕደት ህልዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣብ ወጻኢ ዝነብራ ኤርትራውያን ኣደታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣተን ኣብ ዝሓለፈ 30 ናይ ቃልሲ ዓመታት ምእንቲ ናጽነት መስዋእቲ ዝኸፈላ ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ብዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኣሉታዊ ጽልዋ ግዱድ ዕስክርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ኣብሪሀን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሌክስ ጃክሶን ካብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኖም ኣገዳስነት ሓድነት ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ንምቕያር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት መብርሂ ሂቦም።፡
ኣብቲ 3ይን መወዳእታ ክፋል ኣኼባ፡ ካብ ባረንቱ ብወገን ሸገራብ ናብ ሱዳን ወጺኣ በቲ ነዊሕን ሓደገኛን መስመር ጉዕዞ ኣቢላ ኣብ በልጂም ዝበጸሐት ሓያት ተመኩሮኣ ኣቕሪባ። ነዚ ናይ ሓያት መግለጺ ተኸቲሎም ከኣ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ካብ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ዳርጋ መሰል ስደተኛ የለን ዘብል ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ፕሮፈሰር ሚርያም ዳይረተር ኣማኻሪ ወጻኢ ፖሊሲ ኤውሮጳ ብወገነን፡ ብዛዕባቲ ዘሕዝን ኩነታት ህይወት ምድረበዳ ሲናይ ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺረን፡ ግዳያት ካብ ኣስገርቲ ሰባት ንምክልኻል ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰርሐት ጠቒሰን። ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብወገኖም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳውያን ንዘይኮኑ ስደተኛታት ግቡእ ኣተሓሕዛ ከምዘይግበረሎም ኣመልኪቶም። ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፕላውት ብወገኖም ብዛዕባቲ ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ናብኣ ከይኣትዉ ብዝብል ንፍሪቃውያን መለኽትን ናይ ውግእ አጋውስን እትህቦ ሓገዝ ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ሊቢያ ንዘለዉ መራሕቲ ምሊሻን ንመንግስቲ ሱዳንን ዝወሃብ ገንዘብ እሞ፡ ዶባት ክሕልዉ ብዝብል ናታቶም ዓመጸኛ ዕጡቓት ዝቖጽሩሉ ኣገባብ ኮኒንምዎ።
እዚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፥ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት ቀይርካ፥ ኣብ ክንድኡ ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባዊ መንግስቲ ዝኾነሉ ለውጢ ምምጻእ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ኩሉ ግዚ “ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር” ዝብል ኣምር፥ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ መላኺ ስርዓትን ምልክን ንምልቓቕ ብሃውሪ ወይ ከኣ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኮነስ ስነ-ፍልጠት ተኸቲልካን ከመይነት ናብ ለውጢ ንምብጻሕ ንጥቀመሉ ፖለቲካ ክኸውን ኣለዎ።
እዚ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጺእና ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስና ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ግን “ለውጢ ንመን?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። መልሱ ቀሊል እዩ። ግን ቅድሚ ናብቲ መልሲ ሃሰው ምባል፥ መጀመርያ “እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ለውጢ እንታይ እዩ?” ንምዘን። እወ! ለውጢ ንራህዋ፡ ቅሳነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምሕደራን እዩ። እዚ ብሓሳብ ክትርእዮ እንከለኻ ቀሊል ይመስል ግን ከኣ ብርቱዕ ጻዕርን ፍልጠትን ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ለውጢኸ ደኣ ብምንታይ እዩ ዝመጽእ ዝብል ሕቶ እውን ክቐርብ ይኽእል። ለውጢ ብጸርፍን፥ ፈኸራን፥ ጸለመን ፥ምርሕሓቕን ኣቢልካ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ለውጢ ንታሪኽ ኣቦታትናን፥ ሰማእታትናንን ኮታ ምእቲ ሃገር ኢሎም ዝተቓለሱ ኩሎም ብምንሻው እውን ኣይብጻሕን እዩ። ለውጢ ንዝተሰማማዕካሉ ሓሳባት ይኹን ዝቕይደካ ድንክል ብምንጻግ ኣይመጽእን እዩ። ለውጢ ዝመጽእ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ኩርኳሕ ክኾኑ ዝኽእሉ መዕለቢ ዘድልዮም ጉዳያት መሚኻ ብምፍላጥ ዝምስረት መንግስቲ እዩ እዚ ማለት ነቲ ክም ሰረት እንደልዮ ርግኣት ዘለዎ ስርዓት ህላዌ ድሞክራሲያዊ ህይወት ንኽዓዝዝ ዘኽእል ረቛሒታት ዘበርኽ ግብርን ሓሳብን ምውህሃድ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ እቲ ሕብረተሰብ ክዕቅቦን ክኽተሎን ኣብ ግብሪ ክትርጉሞን ዝኽእለሉ ባይታ ምምድማድ የድሊ።
ሕብረተሰብ ኣብ ደረጃ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝርዕም እቲ ለውጢ ናይ መላእ ህዝቢ ንክኸውን ዝእምት ተስፋ ዘለዎ ይኸውን። በዚ ኣቢሉ ድማ መላእ ህዝቢ ንዲሞክራሲ ብግቡእ ተረዲኡን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ክፍትንን፡ ነቶም ዝብድህዎ ደቀቕቲ ይኹኑ ዓበይቲ ጉዳያት ብግልጺ ኣልዒሉ ክዛረበሎምን ፍታሕ ከናድየሎምን ይኽእል። እዚ ንምግባር ግን ኣብ ብሄራትዶ ሃይማኖት ወይ’ውን ኣውራጃ ዝተኸፋፈለ ሕብረተሰብ ዲሞክራሲያ ክማዕብል ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቲ መራኸቢ ብዙሃን ንገዛእ ርእሱ ንዲሞክራሲ ብዝግባእ ተረዲኡ ንሕብረተሰብ ዘስተምህር ሓበረታን ኣፍልጦን ከሰንቕ እንተዘይክኢሉ ንምዕባለ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ሃስያ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣብ ሓድነት እቲ ህዝቢ እውን ኣሉታ ክፈጥር ይኽእል። ከምኡ እውን ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ዘንጊዑ ንስልጣን ዝሃርፍ ሰልፍታት ምስ ዝህሉ እቲ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ናይ ምትካል ተኽእሎ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ ዝኸውን። ውጽኢቱ ድማ እቲ ለውጢ ንረብሓ ኩሉ ዜጋ ዘይኮነስ ንገለ ውሱን ክፋል ዘርብሕ ይኸውን።
ስለዚ እቲ ለውጢ ንመን እዩ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ እምበኣር፥ ካብዚ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምር ዲሞክራሲ ብምብጋስ መልሱ ክርከብ ይከኣል። እቲ ለውጢ ብርግጽ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኮይኑ፥ ንረብሓ ኩሉ ተቓዋሚ ዲዩ ደጋፊ፥ ብማዕረ ዝረብሑሉ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ግን ገበነኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣይቀርብን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብቲ ቅዋም ዝተሓንጸጸሉ ህሞት ምስ በጻሕና ዝውሰን ጉዳይ እዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ህዝቢ ኣብቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ መስርሕ ክዋሳእን ክሳተፍን ይግበኦ። ኣብቲ ዝኸይድ ፖለቲካ ጉዳዩ ምዃኑ ኣሚኑ ንገዛእ ርእሱ ኣማዕቢሉ ጥዑይ ምሕደራ ንክምስረት ሓጋዚ እዩ ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከም ዘይናቱ ምስ ዝርእዮ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ክዕብልል ዘሎ ተኽእሎ ንጹር እዩ። እቲ ለውጢ ንኹሉ ዜጋ እዩ ካብ ተባህለ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ ናይ ወጻዒ፥ ኣግላሊ፥ ነጻግን፥ ዓብላልን ኣተሓሳስባ ነጻ ክኸውን ይግበኦ። ኩሉ ዜጋ ካብ ተንኮልን ንዓይ ይጥዓመንን ነጻ ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ሰላም፥ ምዕብልናን ዲሞክራስን ይጥጥዕ። እዚ ምስ ዝጥጥዕ ከኣ እዩ እቲ ጥዑይ ምሕደራ ዝፍጠረሉን ፍትሒ ዝነግሰሉን ባይታ ብሱል ዝኸውን እሞ፡ ኩሉ እቲ ትልሚ ንረብሓ ኩሎም ዜጋታት ከም ዝውዕልን፥ እቲ መንግስቲ ከኣ ኣገልጋሊ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝኸውንን ውሑስነት ዝህልዎ።
Brussels Conference on Eritrean Refugee Crisis Addressed by Ms Keetharuth & Other Experts
Written by EPDP Information OfficeOne of current season's most important Eritrean events took place in Brussels on 19 October 2017 at which prominent experts were at hand to analyze different aspects of the never improving Eritrean situation and its ongoing refugee crisis. The topmost message at the conference was that, cosmetics and distortions aside, "nothing has changed in Eritrea in years." This was intoned by the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea, Ms Sheila Keetharuth, who described the state of lawlessness and the "sea of darkness in Eritrea by the simple phrase: "detention until death" is the fate of every prisoner in the country today.
The conference, co-organized hosted at the EU Representation of the German State of Hessen, did not only highlight the worsening political, economic and human rights situation in Eritrea, but also dealt with the urgency of providing protection for Eritrean refugees in Europe and taking care to improve their wasted lives. Others involved in organizing the event were Eritrean Law Society; the External European Policy Advisors (EEPA); the Pro-Asyl; the Eritrean Movement for Democratic Change (EMDHR); War Resisters International, and Connection e.V.
In addition to listening to first-hand witnesses of the situation, the conference was addressed by heavy-weight European Parliamentarians the like of Ana Gomes of Portugal and Marie-Christine Vergiat of France, as well as Eritrea experts including university Profesors Gaim Kibreab, Mirjam van Reisen, and researcher-journalist Martin Plaut and others. Also attending were Eritrean civil society movements in different parts of Europe. The Eritrean People's Democratic Party (EPDP) was there represented by its head for foreign relations, Mr. Woldeyesus Ammar.
Following remarks by the conference organizers and the host, Ms. Sheila Keetharuth presented a moving keynote address which traced the trajectory so far covered since her involvement in the matter in 2012, and the heaver challenged awaiting all those sincerely concerned to end the unbearable situation in Eritrea. She stressed that the UN Commission of Inquiry's conclusion on the need for accountability for multiple crimes committed against humanity in Eritrea still awaits action and that Eritrean activists must play central role in the effort. She also advised some mistaken "observers" to know that "building schools is not education and that opening clinics alone is not public health". Ms. Keetharuth said she will resign mandate at the end of her 5th year in the job next year and hoped that human rights organizations and activists will convince the UN Human Rights Council on the huge need of keeping the Eritrean regime under scrutiny by extending the mandate of a Human Rights Rapporteur for Eritrea.
The day-long conference had three panel session on related topics. Panel One dealt with the challenges of Eritrean asylum seekers in the European Union. Started with first-hand witness Philmon, a survivor of the Sinai ordeal after losing fingers on both hands, the next panelist was Dr. Gaim Kibreab, a UK university professor, who said displacement is worsened by the breakdown of old survival strategies in the society. Dr. Daniel Mekonnen, of the Eritrean Law Society, who gave details on the asylum regime (laws) in Europe stated that no good news will come out of Eritrea until structural change is worked out. Dr. Sara Ogbai of UK spoke experiences with unaccompanied children, the language barrier and depressing culture shock they have to undergo. Ms. Papadopoulous explained the situation of Eritrean refugees in Europe. According to her report, 8,924 Eritrean refugees were relocated from Italy to different European countries since 2015. The panelists in general exposed the existing weakness in addressing the problems of Eritrean refugees in Europe.
Panel Two speakers talked about the horror stories related to the conscription and forced labour practiced by the Eritrean authorities. Witness Temerza talked about the harrowing experiences she faced starting at the age of 16 at home in Keren until she crossed dangers of the desert and the sea to reach Europe where everything was not rosy. Author-activist Dawit Mesfin stressed the total neglect of the Eritrean regime since independence of the mothers in Italy and other places who sacrificed so much for the 30-year struggle. Ms Selam Kidane spoke on the impact of forced militarization and forced labour, and Amnesty International's Alex Jackson stressed on the urgent need of unity amongst Eritrean pro-democracy and human rights activists to put an end to the appalling situation in Eritrea.
The final session with Panel Three had Hayat as first-hand witness telling her dangerous journey from Barentu via Shegerab to exile through all the dangerous routes till she reached Belgium. Dr. Adane Ghebremeskel of EMDHR from southern Africa talked on the unhappy state of Eritrean refugees in five African countries where refugee rights are almost non-existent. Professor Mirjam van Reisen, the EEPA director, reminded the audience of the sad Sinai days and regretted that Europe is not doing the right thing in support of refugees who are in need of protection from human traffickers in Africa. Father Mussie Zerai expressed the concern that Europeans are not yet ready to cater equal human rights to non-Europeans. Horn of Africa expert Plaut worried about the wrong actions of the European Union to assist undeserving dictators and warlords in Africa with the aim of prevention refugees from entering Europe. In particular, he condemned the support given to criminal militia leaders in Libya and to the regime in the Sudan which is using the funds to employ in borders its infamous Janjawid militias to stop refugees from crossing borders.
Ms Helen Kidan of EMDHR and Mr. Rudi Friedrich of Connection e.V. made a quick summation of the discussions in the panels before reverting to the Deputy Director of the Representation of the State of Hessen to EU, Mr. Claus-Peter Appel, for his closing remarks.
Radio Demtsi Harnnet Kassel 19.10.2017
Written by Demtsi Harnnet Kasselስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ከም ዝተሰወአ መርድኡ ዝተነግረ ሓርበኛ ኪሮስ ወልደኣብ ብ19 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ኣብዚ ብዕሙር ሃይማኖታውን ባህላውን ኣገባብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ በዓልቲ ቤቱን ደቁን፡ ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ናይ ስራሕ መሓዙቱን ከምኡ እውን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፎም። ሓጺር ታሪኽ ታጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ እዚ ዝስዕብ እዩ።
ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ብ1960 ካብ ኣቦኡ ኣቶ ወልደኣብ ፍሰሃየን ኣዲኡ ወ/ሮ ኣዛሚት ሃይለን ኣብ ኤርትራ ኣውራጃ ሰራየ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጉልቲ ኣብ ዝበሃል ዓዲ እዩ ተወሊዱ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ብ 1974 ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ግቡእ መባእታዊ ትምህርቲ (ታዕሊም) ምስ ወሰደ ከኣ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ሓርነታዊ መሰል ህዝባን ሓርበኛዊ ግቡኡ ፈጺሙ።
ድሕሪ ናጽነት ኣብ ስደት ከኣ ካብ ቃልሲ ከይተፈልየ፡ ቅድም ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንጡፍን ውፉይን ኣባል፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይት፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ህዝቡን ሃገሩን ዘነበሮ ፍቕሪ፡ ተወፋይነትን ሓልዮትን ኣመስኪሩ።
ኪሮስ ኣብ ዝተሰለፎ መዳይ ኣብ ዝኣምነሉ ጽኑዕ፡ ክብሎ ዝደሊ ካብ ምባል ድሕር ዘይብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘጋጥም ጸገማት ዘቐንዝዎን ዝተጸገሙ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ዘይብልን ምንባሩ ናይ ቀረባ ብጾቱ ይምስክሩሉ።
ኪሮስ ኣብ መዳይ ስረሓት ቅድም ኣብ ሱዕድያ ይኹን ደሓር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነብሱ ንምኽኣልን ቤተሰቡ ንምሕብሓብን ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዕዉት ምንባሩ ኣረጋጊጹ እዩ።
ኣቶ ኪሮስ ወልደኣብ ካብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኤልሳ በርሀ ዘፍረዮም ኣቦ ክልተ ቆልዑ እዩ። ደቂ-ደቁ ክርኢ እውን በቒዑ። ኪሮስ ዋላ’ኳ ኩነታት ኣገዲድዎ ዝተወሰን ግዜ ክፍለዮም እንተተገደደ ኣዝዩን ሓላይን ፈታውን ስድርኡን ቤተ-ሰቡን እዩ ነይሩ።
ኪሮስ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ጀሚሩ ስለ ዝተጸልኦ ናይ ሕክምና ምክትታል ክገብር ምስ ጸነሓ፡ ብ16 ጥቅምቲ 2017 ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ኩነታት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ 19 ጥቅምቲ 2017 ቤተሰቡ፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ቃልሲ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያ ቅዱስ ሚካኤል ላፍቶ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ክፋል ካብ ቀባሮ
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣብዚ ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ብመስዋእቲ ወኪል ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ፡ ኪሮስ ወልደኣብ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንስዉእ ዘለዎም ክብሪ ቃልሶም ብጽንዓት ብምቕጻል ከረጋግጽዎ ምዃኖም ይገልጹ። ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት እውን ብመስዋእቲ ኪሮስ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብዝተፈላለዩ ኣጋባባት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም።
ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 15.10.2017 ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት እዩ ኣካይዱ። እዚ ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብሰላምታን ብደሓን እንቋዕ መጻእኩም ብምባልን ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ነቲ ዕለት ተታሒዙ ዝነበረ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።
- እዋናዊ ሰልፋውን፡ ዞባውን፡ ኣህጉራውን ከምኡ‘ውን ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
- ሰልፍና ዝተለሞ መደባት ምሕዳስ ሰልፍን ክሳብ ሕጂ ተበጺሁ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢታትን፤
- ብ17.09.2017 ዝተዛዘመ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ 07.10.2017 ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን፤ ሰልፊ ዘውጽኦ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመን ኣብዝብሉ ኣጀንዳታት ድማ ኣኼባ ተዘራሪቡ።
እዚ ኣጀንዳታት እዚ ሓደ ብሓደ ተዘሪቡሉ። ብኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ድማ ብዛዕባ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ‘ዚ መንእሰያት ኣብቲ ዝነበረ ኣጀንዳታት ሕቶታት እናኣልዓሉ ብአቦ መንበር ሰልፊ ይኹን ብኣባላት ኣዕጋቢ መልስታት እናተዋህበ መሃሪ ዝኾነ ጽቡቕ ምርድዳኣት ተኻይዱ።
ገለ ካብቶም ብፍላይ ብመንእሰያት ዝለዓሉ ዝነበሩ ርእይቶታት ድማ - ኣብ‘ዚ ግዜ‘ዚ ህግደፍ ጭቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናኣትረሮ እኸይድ ምህላዉን፥ ኣብ ስደት መንእሰያት ክገብሩዎ ዝግባእ ነገራትን፥ መንእሰያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም መሰል ኣብ‘ዚ ተሰዲዶሙሉ ዘለዉ ሃገራት ስለ ዝረኽቡዎ ዘለዉ፡ እዚ ዕድል‘ዚ ተጠቒሞም ክመሃሩን ክምዕብሉን ኣብ ስራሕ ክጽመዱን ከም ዝግብኦም፥ ጀርመናውያን ባዕሎም ኣብ ፓርላማ ብዛዕባ ሽግርና እናተዛረቡስ ንሕና ሽግር ከም ዘይብልና ኣብዘየድሊ ንነብስና ሃሰይቲ ነገራትን ክንኣቱን ክንበኣስን ክርእዩና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕፍር ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ምኻድን ምክብባርን ምጥርናፍን ጌርና ንመሰልና ክንቃለስ ኣሎና፥ መንእሰያትና ናብራ ምስ ስድርኦም ከይጸገቡሉ፣ ክሳብ ትሕቲ ዕድመ እንከለዉ እናተሰደዱን ክንርኢ ከሎና፡ ከም ኣቦን ከም ኣደን ኴንና ክንኣልዮምን ክንምዕዶምን ኣሎና ዝብሉ ኣረምቲ ሓሳባት ኔሮም።
ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ክብሮም፡ ብዛዕባ እቲ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺኡ፥ ‘‘ ካብዚ ዝሓለፈ ውግእ ብዙሕ ተማሂርና ኢና፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ጎንና ዝነበራ ሃገራት ኣይነበራን፡ ስለዚ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ” ብምባል ካብ እገዳን ካብ ተነጽሎን ክሃድም ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ ኣብሪሁ። ንህዝቡ እናኣጥመየን እናገፍዐን ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ስደት ብወለድን ብጸላእትን ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ንዞባ ደቡብ መግለጺ ብምሃብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም እፍትን ምህላዉን ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ነቲ ብሰልፍና ዝካየድ ዘሎ ምሕዳስ ሰልፍን፡ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ኣሞጒሱን ብጽንዓት ክንሕልዎ ከም ዘሎና ድማ ኣስሚሩሉ።፡ ነቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን ሓቢርካ ንምስራሕ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ድሕሪ ምምጓስ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉት ተደምዲሙ።
Sweden-Eritrea Association Organizes Rights' Awareness Seminar in Gothenburg
Written by EPDP Information OfficeThe Sweden-Eritrea Solidarity Association in Gothenburg, Sweden, also known as "Eritrea in Our Hearts", on 16 October 2017 organized an awareness seminar on family reunion for refugees, most of whose family are outside Sweden, mainly in Ethiopia.
According to Mr. Zehaie Keleta, one of the active members of the organizer association, the seminar greatly benefited from the presentation made by Ms Lena Russell, a human rights activist with 40 years of experience in family reunion and refugee rights.
As of late, Eritreans refugees in Sweden have been facing problems related to family reunion and their asylum requests. Ms Lena Russell informed the meeting participants that these cases have been contested by five groups of prominent human rights advocacies in Sweden and that the case will be reviewed at the supreme court in Sweden within the current month and can most probably obtain a positive decision.
At the end of a two-hour discussion of the asylum issues, Eritreans wished to remain behind at the meeting hall and discussed a common strategy to pursue their struggle for the basic refugee rights in the country of their asylum.
ንዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ቭክቶርያ ሁሰት ብሓልዮት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ማሕበር ዝተዳለወ ኣኼባ ፡ ብገባሪት ሰናይ ሙኩርቲ ሌና ሮሰል ናይ 40 ዓመት ዝሰርሓትሉ ብጉዳይ ስደኛታት፡ ብፍሉይ ኪኢላ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ብቅዕቲ ዝኾነት፡ ንካብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ኣሕዋት ዝተማሳሰላ ጸገማት ስድራቤታቶም መብዛሕታኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሓበረታታን ምኽርን ሂባ።
እቲ ጉዳይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ራዲኦ ፐ1 ራዲዮ ሃገር ሽወደን ዝተቃልሔ፡ እቲ ጉዳይ ብፍላይ ናይ ኤርትራውያን መንግስቲ ሽወደን ፓስፖርት ናይ ዓድኹም ኣምጽኡ ኢላ ትግድዶም ዘላን፡ ነዊሕ ኣዋርሕ ትጽቢታትን ጨሪሱ ምስቲ ሕግታትን መሰል ደቂ ሰባትን ዝጋራጮን ግጉይ ኣገባብን ምኳኑ ብንጹር ተሰኒዱ ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ልዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዉሳኔ ክወሃቦ ምኳኑ ሓቢራ። ነዚ ጉዳይ ተታሓሒዞሞ ዘሎዉ ከኣ ናይ ቀይሕ መስቀል ኪኢላ ሕጊ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ሃገር ሽወደን፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል ሃገር ሽወደን ፡ ሙኩራት ናይ ሕግን ተሞክሮን ኪኢላታትን 5 ሽወደናውያን እየን። ብብሩህ ከኣ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ጸልማትን መሪሪ ስለ ዝኾነ ዘሎ መንግስቲ ከኣ መትሓዚ ዘይብሉን ዘይሰምዕን ዘይልወጥን ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ሽወደን ተመሊሱ ነቲ ሕግታት ክልውጦ ኣሎዎ ዝብል ተሪሪ ሰነዳዊ ጥርዓን ስለ ዝኾነ ኣዎንታዊ ትጽብት ኣሎና ኢላ። ከምቲ ንሶማልውያን ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል ንኤርትራውያን ከኣ ክወሃብ ትጽቢት ከም ዘሎ ሓቢራ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ምይይጥን ሕቶታትን መልስን ፈጺማ ብምስጋናን ጌና ኣብ ጎድንኹም ኣሎኹ ብምባል መደረኣ ዛዚማ። ብድሕሪኡ ኩሉም ኤርትራውያ ንበይኖም ተሪፎም ብልዙብ ዝኾነ ብጥርኑፍ ኣገባብ ቃልሶም ክቅጽሉ ምኳኖም ተሳማሚዖም ተፋንዮም።
ጅግና ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ኣብ 1974 ዓ.ም ኢዩ ብንእስነቱ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።
ተሓኤ ተደፊኣ ናብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ይሰርሕ ነይሩ። ዋላ ኣብ ሃገር ስደት እንተዀነ እውን ንሓንቲ ህሞት ትኹን ካብ ቃልሲ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስውእ ኪሮስ። ቅድም ክብል ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሒሩ ድማ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኰይኑ እናተቓለሰ እንከሎ ኢዩ: ትማሊ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዊኡ። ስውእ ኪሮስ ወልደኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ኪሮስ ወልደኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ብመላኦም ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበለ፡ ናይ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
17 ጥቅምቲ 2017
More...
EPDP Sub-Zone, Germany, Holds Successful Congress in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeThe EPDP sub-zone of Germany, which consists of three active branches in southern, central and northern parts of the country, held its third congress on 14 October in Frankfurt. Taking part in the congress were elected delegates of each branch and the outgoing leaderships of the three branches as well as of the Germany Sub-zone.
The opening session was addressed by EPDP-Europe Zone chairman, Mr. Isaac Woldemariam, and the Germany Sub-Zone chairman, Mr. Tesfamariam Kibreab. Both speakers referred to the congress slogan and underlined the importance of redoubling efforts to further strengthen the EPDP as one of Eritrea's trusted instruments in forging a better tomorrow.
Per the congress agenda, each leadership of the three branch in Germany presented its activity reports, which reflected quite satisfactory achievements in various fields of endeavours. one glaring good instance of additional efforts by the branches was their involvement in assisting in the integration of non-party members like newly arrived Eritrean refugees. For example, EPDP branch members in northern Germany have been actively helping young Eritreans in organizing sporting groups. It was also made known that the branches implements most of the action plans given them by the Germany Sub-Zone leadership. A special auditing team formed by the Sub-Zone also confirmed the correctness of reports presented at the congress.
The congress continued its deliberations by an elected three-person committee. At the end of the discussions on past reports and current situation evaluations, the congress participants outlined major activities which should be included in new action plans of the branches in Germany. The congress also voted on nine candidates for the future leadership of the Sub-Zone of whom five were elected to lead the Sub-Zone with two reserve members, who also work closely with Sub-Zone leadership in implementing party programmes.
Before concluding its session, the EPDP Germany Sub-Zone Congress commended all members of the three branches for their unflinching stand in defence of their party constitution and the legitimate party leadership. The congress reaffirmed its full support to the documents of the March 2017 All-Europe Conference in Frankfurt. Likewise, it gave its resounding support to the 8th Regular Meeting of the EPDP Central Council for its right decision preceding approach in trying to resolve the crisis created by a some members of the former zone leadership in North America. The congress concluded by once again stressing the importance of respecting the rule of law on the bases of adopted party rules and structures.
ህዝቢ ኤርትራ እነሆ ን26 ዓመት ብሓደ ሰብን ውሑዳት መጋበራይታቱን ድከቱ ሰትዩ ገና እውን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተገፊፉ ይሳቐ ኣሎ። ዝወለዶም ደቁ ብግቡእ ከየዕብዮም ፍቕሪ ወላዲ ስኢኖም ይዋረዱን ይሳቐዩን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ወጽዓን ልዕሊ ኩልና ስለ ዝፈልጦ ይወግሕዶኾን ይኸውን እናበለ እዩ ዝጽመም ዘሎ።
ህዝቢ ብፍላይ ድኻን ትምህርቲ ዝውሕዶን እንተኾይኑ፥ ነቲ ወጽዓ ንግዚኡ ናተይ ኢሉ ክስከሞ ግድን እዩ። ነዚ ክስከም እንከሎ ካብቲ ካብ ኣብራኹ ዝወጸ ሰራዊት ናይታ ሃገር ናይ ፍታሕ ተስፋ ይጽበ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ባዕዳዊ ኣይኮነን፥ እቲ ሰራዊት ንወለዱን ደቂ ሃገሩን ክውጽዕ ወይ ክጭቁን ኢሉ ስለ ዘይዕሰብ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራዊት ኣብ ኢዱ ብረት እንከለዎ ሱቕ እንተበለ፡ እቲ ጥራሕ ኢዱ ዘሎ ህዝቢ ናይ ግድን እዩ ንግዚኡ ክጽመም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ህዝቢ ክውጻዕ እንከሎ ኣብ ጐኒ ህዝቡ እዩ ደው ዝብል። ኣብ 1975 ሰራዊት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ህዝቢ ከበሳብሱ ምስ ጀመሩ ኮማንድስ ዘርኣይዎ ምክልኻል ክም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ትምህርቲ፥ ሕክምና፥ ጽርግያ፥ ዝብላዕ ዝስተ፥ መብራህቲ፥ ተሓሪሙ፥ ሰሪሑ ከይበልዕ ስራሕ ኣልቦነት ወሪርዎ….ወዘተ ኢልና እንተ ቖዘምና ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ባዕሉ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ስለ ዝኾነ ተመሊስና ንሕና ክንሕብሮ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር ነቲ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝግፈፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ንለውጢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይልታት ድው ንኽብል ዝዕድም፡ ዘለዓዕልን ንትርግታ ልቡ ዝምስጥን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ ኣገባብ ክንክተል ኣሎና። እቲ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ንኣምን ካብ ሃሎና፥ እቲ ኣገባብና ከኣ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ጎዳጒዲ ዝነብር ዘሎ ኣካል ህዝቢ ብምዃኑ፥ ንሱ እውን ውጹዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻኡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስኻ ዋሕስ ህዝቢ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ክበጽሖ ይግባእ።
“ዓመጽ ንዓመጽ ትወልዳ” ከም ዝበሃል፡ ደምበ ተቓውሞ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጐነጽ ክድምስሶ እየ ዝብል ኣምር ቀዳማይ ምርጫኡ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብጐነጽ እንተመጺእካ ንሱ እውን ብጐነጽ እዩ ክቕበለካ። ኣብዚ እቲ ዝገደደ ህልቂት ዘስዕብን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከኣ በቲ ዝደልዮ ስትራተጂ ትመጾ ስለ ዘሎኻ ህዝቢ እንተበረሰ ኣይግድሶን እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ዘድሓንካ፥ ሎሚ እውን ከም ናይ ትማሊ ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መላኽን ጨቋንን ስርዓት ክተናግፎ ታሪኻዊ ግቡእካ እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓላው ሃገር፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ክትብል እዩ እቲ ማሕላኻ። እቲ ወጽዓ ናይ ህዝብን ሰራዊትን ብምዃኑ ድማ ንስኻ ምስ ዝርህወካ ህዝቢ ከም ዝርህዎ፥ ህዝቢ ምስ ዝርህዎ ከኣ ንስኻ’ውን ሰላምን ቅሳነትን ከም ትረክብ ርዱእ እዩ። እዚ ምስ ኮነ ከኣ እዩ እቲ ናይ ክልቴኹም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕሎ፥ ሽዑ ከኣ እዩ ካብ ጐዳጒዲ ወጺእካ ናብራ ዓለም ክተስተማቕር ዕድል ዝህልወካ።
ስለዚ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንኣራዊታውን ኣረመናውን ስርዓት ባሕጒጉ ዋሕስ ቅዋማዊት ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎካ። እዞም ኣብ ልዕለኻ ኮይኖም ደቚሶም ጅሆ ሒዞሙኻ ዘለዉ ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ኣንጻሮም ንኸይትብገስን ፍትሒ ንኸይትሓቶምን ብምስጋእ እዮም። ስለዚ ነዚ እኩይ ሰንሰለት ውጽዓ ምስ ህዝብኻ ኰንካ በታቲኽካ ንስኻን ህዝብን ናጻ እትወጹሉን ፍትሒ እትረኽቡሉን ብዓቢኡ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝትከለላ መድረኽ ክትፈጥር ሓላፍነትካ እዩ። እዚ ምስ እትገብር ከኣ መብጽዓን ሕድርን ናይቶም ቅድመኻ ምእንቲ እዛ ሃገርን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ኣውሒስካ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ገበናት በኣኻ ኣቢሉ ንኽፍጽሞ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ምፍሕፋሓትን ጽልእን ንኽፍጠር ለይቲ ምስ መዓልቲ ስለ ዝጽዕር ክትነቕሓሉ ይግባእ። እዚ ከኣ ጽባሕ ንግሆ ንስኻ ተሓታቲ ንኽትከውን ምእንቲ ኢሉ ዝምህዞ ሸርሒ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ምልኪ ብኣኻ ኣቢሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ወይ ገበናት ተሓታቲ ንሱ እቲ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ናይ ምግባር ሓላፍነትካ እዩ።
ብሓጺሩ ነዚ የዋህ ህዝብን ለጋስ መሬትን ካብ ምልኪ ኣናገፍካዮም ወይ ኣጥፋእካዮም ኣብ ኢድካ ዘሎ እዩ። ሎሚ ግዝኡ ኣኺሉ ህዝቢ ኣብ ዝነቕለሉ እዋን ክትድግፎን ኣብ ጎኑ ደው ክትብል እምበር፡ ክትኮልፎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስልጣን ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። “ብትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ከኣ ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል ማንም በዓል ጸሩራ መጺኡ ከም ድላዩ ክህድደካን ከሳቕየካን፥ ብገዛእ ህዝብኻ ክተሳቒ ክእዝዘካ፡ ድሕሪ ደጊም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ካብዚ ዘሎኻዮ መከራን ኣደራዕን ዝገደደ እዩ ክመጸካ። ስለዚ ንስኻ ዋሕስ ናይዛ ሃገርን ናይዚ ህዝብን ምዃንካ፥ ተገንዚብካ ሓላፍነት ክትስከም ኩሉ ዝጽበዮ ክስመዓካን እዋኑ እዩ’
ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ።እቲ ጉባኤ ምምሕዳር ሽማግለታት ሰለስቲኡ ጨናፍርን ብጨናፍሮምዝተወከሉ ኣባላት ጨናፍርን ኢዮም ተኻፊሎሞ። ብዘይካዚ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ንስራሓት ጨናፍር ኣብ ምጽፋፍን ንብረት ሰልፊ ኣብምክትታልን ንምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ትካል ቁጽጽርን እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ ነይሩ።
ኣብዚ ንሳልሳይ ግዝይኡ ዝሰላሰል ዘሎ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብምምስጋን፣ ንኡስ ዞባ ሒዝዎም ዝጸንሐ ስራሓትን ቅጥዒ ጉባኤን ብምሕባርን ጉባኤ ንኡስዞባ ጀርመን፤ ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ፤ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ይካየድ ምህላዉ ብዘቕረቦ መኽፈቲ መግለጺ’ዩ፡ ቃል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ንምቕራብ እቲ መድረኽ ንሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኣረኪብዎ። ሓው ኢሳቕ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ነቲ ጉባኤ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ብምቕራብ ሽማግለ ዞባ ተታሓሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዎ ስጥመትን ናይ ሓሳብ ውህደትን፡ በብሃገሩ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝገብሮ ዝገበሮን፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብሪሁ።
ድሕሪ መኽፈቲ መልእክቲ ክልተ ኣቦ መንበራት ትካላት ሰልፊ ምስማዕ ናብቲ መሰረታዊ መደባት ናይቲ ጉባኤ ንምእታው፡
1. ጸብጻባት ጨናፍር
2. ጸብጻብ ተቆጻጻሪ
3. ጸብጻብ ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን
4. ምምራጽ ሰክረታርያ ጉባኤ
5. ምምራጽ ሓዳስ መሪሕነት ንኡስ ዞባን ለበዋታትን ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ ጽሑፍ ንተሳተፍቲ ተዘርግሐ።
ኣብ ቀዳማይ ቅጥዒ ኣባላት ሽማግለ ሰለስቲኤን ጨናፍር ንኣታሃላልዋ ኣባላቶምን ተሳትፍኦም ኣብ ከባቢያዊ ሓባራዊ ዕማማትን ኣበርክታኦምን፡ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታትን ዘመልከተ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕዳራውን ማሕበራውን ጸብጻባት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜን ጀርመን ዝጅመር ንዘሎ ናይ መንእሰያት ስፖርታዊ ምጥርናፋት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት ንነብሶም ካብ ካልእ ኣሉታዊ ኣቕጣጫታት ንከይወስዱ እውን ሓጋዚ ምዃኑን ተሓቢሩ። ኣብዝቐረበ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር ድማ ኣገዳሲ ወኸስታትን ዝርርብን ተኻይዱ፡ ንዝጸንሑ ሕጽረታትን ናይ ስራሕ ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓሳብት ብምቅራብ ድማ ተደምዲሙ።
ክልተ ተቆጻጻርቲ ብግዲኦም፣ ንዝቐረበሎም ገንዘባዊ ጸብጻባትን ኣብ ጉባኤ ዝተዋህበ መግለጺ ጨናፍርን ሓቕታት ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ድምር ናይ ኣሃዛት ዘይኮነስ ብዝተዋህበ ቅጥዒ ዘይምስራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይነበረ መስኪሮም። ሓው ተስፋይ ባይረ ብፍላይ ተሓዝቲ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ጨናፍር ክእለታቶም ኣብ ምኽዕባት ክተሓባበር ከምዝኽእል ድማ ቃል ኣትዩ።
እቲ ንምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ወኪሉ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ዝቐረበ ጸብጻብ እንተኾነ እውን ድምር ናይቲ ብጨናፍር ክማሓላለፍ ዝጸንሐ ጸብጻባትን ኣብ መስኖኣዊ ኣሰራርሓ ዝነበሮ ጉድለታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ክውሰድ ዘለዎ ኣራሚ መንገድታት ዝኣመተ እውን እዩ ነይሩ። ሓው ታደሰ ንኡስ ዞባ ካብ ዝሰርዖም መደባት ሓያሎይ ኣብ ትግባረ ተፈቲኖም እዮም፣ ኩሎም ተዓዊትናሎም ኢና እኳ እንተዘይበልና ድማ፡ ምስ ናይ መጻኢ ዕማማት ኣዋሃሂድካ ትስፉዋት ኢና። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ምምልማልን ኣብ ምምሃርን ብዘይምቁራጽ ብበዓል ሓው ክብሮም ዓንዶም ሒዝናዮ ዘለናን ክንቅጽሎ ዘለና መደብን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እዚ ዕማምዚ ኩለን ትካላትና ኣብ ጀርመን ክዝውትርኦ ከምዝግባእ ጠቂሱ። ብዘይካዚ ይዕበ ይንኣስ ብጨናፍር ንኡስ ዞባ ዝካየዱ ዕማማት ናይ ወረቐት ስራሕ ከሰንዮም ከምዝግባእን፡ እዚ ምስዝበኩር ከምዘይተፈጸሙ ክስገሩ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ፡
- ስፍሓት ሰልፊ ኣብ ምርግጋጽ ቀወምቲ ኣባላትን ተሓባበርትን ኣብ ምጽራይን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ቦታኦም ብዘየገድስ ሽግራቶም ኣብ ምቅላል እንገብሮ ምትሕብባርን፡
- ቅዋማውን ሰነዳውን ኣሰራርሓና ኣብ ዓውደ ተግባረን ነዚ ዝምልከት ከጋጥሙና ዝጸንሑ ጸገማትን ብፍላይ ኣብ ምትግባር መምርሒታትን ጸብጻብት ምትሕልላፍን
- ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተሳትፎና ከም ንኡስ ዞባ ጀርመን ከመይ ንመዝኖ፡
- ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣታሃላልውኡን
- ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ኣባላቱ ዘካይዶም ሰሚናራትን፡ ሃገራዊ በዓላትን፡ ህዝባዊ ኣኼባታትን ፈስቲቫልን
- ናይ መጻኢ ዕማማትን ዝብሉ ነጥብታት ኣካል ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መግለጺታት እዃ ይኹኑ እምበር፡ ጉባኤኛ ዳግማይ ክርእዮም ከምዘለዎም ተገይሩ። በዚ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ንዝጸንሐ ኣወንታዊ ኣሰራርሓ
ዝያዳ ንምሕያሉ፡ ንዝተራእይ ጉድለታት ድማ ኣራሚ መንገዲ ክታሓዝ ጉባኤ ውሳኒታት ወሲዱ ዝቐረበ ሰነዳት ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናይ መጻኢ ውጥናት ተሊሙ።
ቀጺሉ ንዝቐረቡ ውጥናት እንተተግብርን ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት መደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን እተማእክልን ሓዳስ ምምሕዳር ሽማግለ ንምምራጽ፡ ጉባኤኛታት ካብ ውሽጦም ትሻዓተ ኣባላታ ሕጹያት ኣቕሪቦም፡ ካብዚኣቶም ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ብዘይካዚ ንብረትን ገንዘብን ንኡስ ዞባ ዝቖጻጸርን ዝከታተልን ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ማሕበራት ጀርመን ዝምልእን ሓደ ተቆጻጻሪ መሪጾም።
ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብፍላይ ድማ ምምሕዳር ሽማግለታት ስራሓቶም ኣብ ምጽፋፍን ኣባላቶም ንዘቕርብዎ ሓጋዚ ድልየታትን ንምስላጥን፣ መምርሕን መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ስራሕ ሰልፊ ናብ ታሕተዎት ኣካላት ክቐርብን ዝብሉ ኣገደስትን እዋናውያንን ለበዋታት ቀሪቦም።
- ኣብ መጠረስታ፡ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ውሽጣዊ ስጥመት ሰልፊ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ከረጋገጽ ዝኽእል ኣሳልጦን ዓወትን ከምዘየሎ ብምግንዛብ፡ ጕባኤ፡ ነቲ ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ጀርመን እተኻየደ ዋዕላ ምሕዳስ ሰልፊ ዘሕለፎም ውሳኔታት ደገፉ ደጊሙ የረጋግጽ።
- መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ዘጋጠመ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጕምትታትን 8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዘሕለፎም ውሳኔታትን ደገፉ ይገልጽ።
- ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ጐድኒ ሓጋዊ መሪሕነቶም ደው ምባሎም ድማ የመጉስ።
- ብተወሳኺ ኣቐዲሙ ክምዝተጠቕሰ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፤ “ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኸፍተ ኮይኑ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብማይ ዝተሰርሐ ቆፎ፡ ብማይ ዝፈርስ ኣይኮነን። ስለዚ ህያው ዝኾነ ሰልፊ ብጉባኤታቱን ቅርጹን ትካላቱን ዝልለ ተግባራዊ ሂወት ዘለዎ ደኣበር ብነበር ዝግለጽ ሰልፊ ከምዘይኮነ እዩ ጉባኤ ንዑስ ዞባ ጀርመን ነዚ ሓቂ እዚ ብምርግጋጽ፡ ጉባኤ ብዝኽሪ ስዉኣት ተደምዲሙ።
ዓወትን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
EPDP Leaders Hold Public Meeting, and Attend at 7th Branch Congress in Oslo
Written by EPDP Information OfficeTwo Executive Committee members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held a public meeting in the Norwegian capital of Oslo on Saturday, 14 October, at which hot issues of the hour, including the urgency of joint work by forces opposed to the dictatorship at home, were discussed. Also held the same day was 7th congress of the Norway Branch. The leadership members were Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), EPDP head for Organizational Affairs, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Affairs Office in the party.
Following introductory remarks by Mr. Medhanie Habtezghi about the guest speaker and the topics at hand, Mr.Tesfai Woldemichael made a brief summary of the disquieting situation of the Eritrean people under a repressive regime which has failed to work out the most basic state institutions in over quarter of a century of its misrule.
Other than that, Mr. Tesfai W. Degiga regretted the ongoing fragmentation of the forces supposed to reverse the bad situation in Eritrea but added his renewed conviction for a better future for joint work of the opposition forces. He mentioned the scheduled meetings in Germany and Ethiopia this month by pro-change forces whose agendas are focused on the urgent need for unity of common action. The EPDP proposal for joint work at least in the spheres of diplomacy, the media and public mobilization was adequately explained and discussed.
The EPDP leadership members alternated in answering question and viewpoints from the floor, and the meeting was concluded after recording recommendations to the organized bodies from the general public.
7th Norway Branch Congress
Meanwhile, the EPDP Norway Branch also on the same day held its 7th congress which was attended by delegates from different parts of Norway. The congress was also attended by two EPDP Executive Committee members.
Branch chairman, Mr. Mahder Ogbazghi, opened the congress with a statement in which he outlined the programme for the congress and also seized the opportunity to condemn disruptions made by fringe elements, and reaffirmed the branch's unwavering dedication to strengthen the EPDP and continue carrying on the struggle against the evil regime at home.
Report of branch activities between the 6th and 7th branch congresses was presented by branch secretary, Mr. Khalifa Abdalla. Besides listing the political, diplomatic and social tasks carried out during the year, he reported that the branch worked closely with Eritrean civic movements in the region, and branch members actively took part in party conferences and seminars organized in Sweden and Germany during the year. It was made clear that every Norway branch member is also actively involved in assisting refugee projects in the Sudan. The financial and property reports were presented by Mr. Mussie Amar.
After discussing and adopting the reports, the congress elected new branch committee of three with two reserve members.
Mr. Tesfai Woldemichael at the end addressed the branch congress in which he commended the historic dedication to the struggle shown by Norway branch members, and further explained a number of current issues of concern related to the struggle of the opposition camp and the EPDP. He took time to inform branch members about the small vocal clique in North America that defied leadership decision about Mesfin Hagos whose actions and behaviour showed unacceptable disregard to the rule of law as contained in the EPDP constitution and bye laws.