ነቲ ዝድግፍዎ’ስ፡ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ

2024-01-03 10:13:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in Editorial Read 150 times

ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎን መምስ ዝኽሰት ምዕባለታት ዝለዋወጥን ኢዩ። “ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ” ዝብል ስያመ ከኣ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ምጥምማት እዩ። እዞም ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕዶም፡ ስለምንታይ እቲ ሓደ ነቲ ጉጅለ ከም ዝቃወም ወይ ስለምንታይ እቲ ካልእ ከም ዝድግፍ፡ ተመዓዳድዮም ይተሓታተቱ እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን፡ እቲ ሓደ፡ እቲ ካልእ ወገን ብዝህቦ መልሲ ኣይተዓጋገቡን። ብሰንኪቲ ካብ ህግደፍ ዝተወርሰ፡ ዘይስልጡን ኣተሓሕዛ ፍልልይን ካብኡ ዝተወርሰ ክሕደትን፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ዜጋታት ኣፍልጦ ዘይምውህሃብሉን ዝጓነጽሉን ተግባር’ውን ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ከኣ ብጽልኢ ዝተቓንነየ፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ፖሊሲታት ህግደፍ እዩ።

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ከምዚ ሎሚ ዕርቓኑ ከይወጸ እንከሎ፡ ሓይሊ ሚዛን ናብ ደገፍቱ ዝዛዘወ ምንባሩ ይዝከር። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዝድግፉ ናብቶም ዝቃወሙ፡ “ድሕሪ ናጽነትከ እንታይ ጐዲሉና ኢሎም እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ?፡ ህግደፍ ናጽነት ብምምጽኡ ኣብ ክንዲ ምምስጋኑ ምቅዋሙኸ እንታይ ኣምጽኦ?” ብዝብል ከነኣእስዎም ይፍትኑ ምንባሮም ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እንተኾነ ዋላኳ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ዝገዝኦ እንተዘይረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክቃወምዎ ዝጸሑ፡ ቅቡል ናይ ምቅዋም ምኽንያታት ከም ዝነበሮም ተነጺሩ’ዩ። ምኽንያታቶም ንመጻኢ’ውን ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ህያው እዩ።

ህግደፍ፡ ልዕሊቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓምጣርነቱ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ዝብል፡ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ፡ ትካልዊ ኣካይዳ ዝነጽግ፡ ልዕልና ፍትሒ ዘይቅበል፡ ዜጋታት ዝጨውን ዝቐትልን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝግህስ፡ ኣብ ጉዳይ እምነት ኢድ ኣእትዩ ዘዳኽር፡  ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከይሓርሱ፡ ከይነግዱን መሬቶም ከየመሓድሩን ዝዕንቅጽ፡ መንእሰያት፡ ከይምርዓዉን ከይድርዓዉን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዱ ንክስደዱ ዝደፍእን ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ከምዘይመሃሩ ዝገብርን……ወዘተ፡ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዝቃወምዎ ብዓንተብኡ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም።

እንተኾነ እዚ ኩሉ ዘይሰብኣዊ ተግባራቱ፡ በታ ብግጉይ ኣረዳድኣ “ናጽነት ስለ ዘምጸአ”  እትብል ሸፈጥ፡ እቲ ሓቀኛ ጨካን ምስሊ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዝተወሰነ  ክሕባእ ጸኢሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናጽነት ዘምጸአ ባዕሉ ክነሱ፡ እቲ ኣፍልጦ ንህግደፍ ክምጥዎ ምጽንሑ ከኣ ከም ሓደ መርኣያ ናይ “ንዘይትፈልጦ ምድጋፍ”  ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጌጋ ዝሃቦ ዘይግብኦ ክብደት መዝሚዙ ኣርዑት ጭቆናኡ ከሕይል ጸኒሑን ብኣኡ ይቕጽል ኣሎን።

ግዜ እናሰጐመ ምስ ከደ ግና፡ ህግደፍ ነቲ ተቓወምቱ ከም መቃወሚኦም ምኽንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ እሞ እቶም ከይፈለጥዎ ዝድግፍዎ ዝሓብእሉ ዝነበሩ ኣበሳታት ባዕሉ ብተግባር ከቐልዖ ተገዲዱ። በዚ ድማ ሓያሎ ወገናት ካብቲ ዘይተጸንዐ ደገፎም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ገለን ብዓውታ ገለን ድማ ብስቕታ እግሮም ክስሕቡ ጀሚሮም። ብፍላይ  ኣብ 2001 ጉጅለ ህግደፍ  “ስለምንታይ እቲ ሓቀኛ ተግባረይን መልከዐይን ይቃላዕ?” ብዝብል ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ሰፊሕን ግሁድን ወፈራ ምእሳርን ምስዋርን ኣካይዱ።

ኣብ ልዕሊ መቓልስቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ጨኪኑ። ነተን እግሪ ዝተኽላ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንብረተንን ወሪሱ፡ ኣብኣተን ዝሰርዝሑ ንዝነበሩ ክኢላታት ከኣ ብኣልማማ  ቀፊድዎም። እንደጋና ድሕሪ ውሱን ዓመታት ነቲ “ናይ 1997” ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ፡  “ከይተተግብረ ዝሞተ” ኢልዎ። በዚ ከኣ እቲ ብውሑዳት ጥራይ ዝቃላዕ ዝነበረ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተጋሂዱ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣሰላልፋ ተቐይሩስ ሚዛን ሓይሊ ናብ ተቓወምቱ ዛዝዩ። ብዙሓት ነቲ ተቓውሞ ኣፍልጦ ዘይህብዎ ካብ ዝነበሩ ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢረምዎ፡ ኣብ ምቅላዑ፡ ዓብይ ብጽሒት ኣበርኪቶም፡ ይቕጽሉ ከኣ ኣለዉ።

እቶም ነዚ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዝድግፉ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ብሰንኩ ሃገሮም ዝገደፉ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ዝቐርብ ቅኑዕን ወድዓውን ሓቂ ዘይቅበሉ እዮም። ወረ ገሊኦምስ ዋላ በቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝተኣመነሉ ኣሉታኡ ብዘይምዕጋብ፡ ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ እዮም። እዚኣቶም ንጭቆናን ወጽዓን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉን ሕልናኦም ንንባርንነት ሸይጦም፡ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ግጉይ መንገዲ ዝመርጹ እዮም። ብመንጽርዚ፡ እቲ“ዝውጻዕ ንወጽዒኡ ክድግፍ ምኽንያታዊ ኣይኮነን”፡ ካብ ዝብል ስለ ዝነቕሉ እዮም ነዞም ዝተዳህለሉ ወገናት “ነቲ ዝድግፍዎ፡ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ዝብልዎም።

ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ዝበሃልን  ግንዛበ ቀስ ኢሉ ብመስርሕ ስለ ዝመጽእን እቲ ካብታ ናይ ወጽዓ ባቡር ወሪድካ ናብታ ናይ ለውጢ  ባቡር ናይ ምስፋር ጉዕዞ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ከም ዝቕጽል ከኣ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ኣብ ስሰዐን በሓትነትን ዝምስረት ዘየናሕሲ ፖሊሲኡ ስለ ዝነቅል፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ገንዘቦም ከውፍሩ ኣይፈቕድን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ገዛእ ሃገሮም መንበሪ ገዛ ክሃንጹ እኳ ኣይፈቕደሎምን። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሰብ ጸጋ፡ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጐላን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን የስብሑ ምህላዎም ድማ  ናይዚ ውጽኢት እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዘይምንግስታዊ ትካላትን ማሕበራትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን መሳለጢ ክሃንጻ ክሓታ እንከለዋ፡ “እቲ ገንዘብ ኣምጸአኦ’ሞ ባዕልና ክሃንጾ ኢና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉጅለ ዝኾለፈን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጹ ማሕበራዊ ትካላት ከም ዝወረሰ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገለ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ገንዘብ ከዋጽኡ ተንቀሳቒሶም ስለ ዝተኸልከሉ “ጫውጫው”  ክብሉ ተዓዚብናዮም።  ካብዚ ሓሊፎም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ነጻጊ ተግባራት፡ ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ክነሱ፡ ምስ ተለኣኣኽቲ ኤምባሲታትን ኣብኡ ዝሰርሑ ዕቡሳትን ክራገሙ ተሰሚዖም። እዚ ድማ “ነቲ ዝድግፍዎ’ስ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ኮይኖም ምጽነሖም ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ገባቲ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ዝነበረን ክድግፍዎ ዝጸንሑን እምበር፡ ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ስለዘይኮነ።

Last modified on Wednesday, 03 January 2024 11:20