ናጽነትና ዓቂብና፡ ቃልስና ንሓርነት ንቕጽል

2016-04-29 14:31:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in Editorial Read 1260 times

 epdp logo 0ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ቃልሲ ኤርትራውያን ነዊሕ ዝዕድሚኡ ተደራራቢ ዕላማ ዝነበሮን ዘለዎን ምዃኑ ንኤርትራውያን ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሓት ናይ ታሪኽ ክኢላታት ዝመስከርዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኤርትራውያን ባዕላቶም ተዋሳእቱ ስለ ዝነበሩን ዘለዉን፡ ብኻልእ ክንገሮም ከኣ ስለ ዘይጽበይዎ። ኣብዚ ነዊሕ መስርሕ ቃልሲ ብዙሓት ኤርትራውያን ክቡር ዋጋ ከፊሎም እዮም። ናይ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ከኣ ነናቱ ኣበርክቶን ክቡር ቦታን ዘለዎ እምበር ዝባኸነ ኣይኮነን።

ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ምዕራፋት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ምርግጋጽ ናጻን ልኡላዊት ሃገርን፡ ሰላም፡ ደሞክራስን ክብሪ ኩሉ መሰላት ዘውሕስ ስርዓት ምትካልን፥ እቶም ክልተ ኣገደስቲ ምዕራፋት ናይ ቃልስና እዮም። እዞም ክልተ ምዕራፋት ቃልስና  ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉን፡ እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ህልውና ዘየብሉን እምበር ነጻጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ካብቲ ቃልስና ዝተበገሰሉ መሰረታዊ ዕላማታት፡ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ እቲ መሰረታዊ ምዕራፍ እዩ። እዚ ማለት ግና ናጽነት ስለ ዝተረጋገጸ፡  እቲ ህዝብና ዝተላዕለሉ መሰረታዊ ዕላማ መሊኡ ማለት ኣይኮነን። ምሉእ ንክኸውን ጌና ዘይተረጋገጸ ክፋል ናይቲ ቃልሲ  ኣሎ። ነቲ ተሪፉና ዘሎ ንምርግጋጽ ከኣ እነሆ ቃልስና ይቕጽል። እቲ ነካይዶ ቃልሲ እምበኣር ነቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዓወትና ዝንእድን ዝሕሉን፡ ኣብኡ ተመስሪቱ ድማ ዝካየድ እምበር ነቲ ክንምርኮሰሉ ዝግበኣና፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ጽኑዕ ባይታ ብምንእኣስ ወይ ብምርኻስ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

እቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን፡ ናይ ኣየናይ ውድብ ኣባላት ነይሮም ብዘየገድስ ዋጋ ከፊሎም ዘረጋገጽዎ 25 ዓመታት ዝዕድሚኡ ናጽነት፡ ናይ መላእ ኤርትራውያን ጻማን ዋጋ ደምን ክነሱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘጉባዕበዐ ከም ፍሉይ ግነዖት እንህበሉ ምኽንያት የብልናን። ንናጽነትና  ጉጅለ ህግደፍ ዝንየተሉ፡ እቶም ኣንጻሩ ምእንቲ ሓርነትን ቀጻሊ ራህዋን ንቃለስ ዘለና ድማ ንጓነየሉ ምኽንያት የለን። ብናጽነትና ክንሕበን እንከለና፡ ንመስዋእቲ ናይቶም ምእንትኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ከም ብሌን ዓይንና  ከነኽብር  ግድን እዩ። ንመስዋእቲ ጀጋኑ ዘይምኽባር ግና ናብ ንናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ዘይምቕባል ዘምርሕ ሓደገኛ መንገዲ ምዃኑ ኣይንስሓት። ነዚ መንገዲ ስሒቱ ዝጐዓዝ ኣካል ከኣ፡ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ዝቃለስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ዝተሃንጸ ዕርዲ ናጽነት ኣብ ክንዲ ዝጽገዓሉ ደፊኡ ከፍርሶ ይደናደን ስለ ዘሎ።

ርግጽ እዩ ገለ ወገናት፡ ናይ ህዝቢ ሓርነትን መሰልን ዘይተረጋገጸሉ ናጽነት ትርጉም ስለ ዘየብሉ፡ መሬታዊ ናጽነት ፋይዳ የብሉን ክብሉ ንሰምዕ ኢና። ስለዚ “ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናጽነት ኣፍልጦ ክንህቦ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ክመጣጠሩ ከለውስ  ኤርትራ ናብቲ ዝነበረቶ መግዛእቲ ትመልስ ማለቶምዶ ይኸውን? ምናልባት “እቲ ሓርነትከ ኣበየናይ ናጽነት ተዘሪኡ እዩ፡ መድሕን ህዝቢ ዝኸውን?” ኢልና እንተንሓቶምስ መልሶም እንታይኮን መኾነ? ንሕና ሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ፈላሊና ንርእዮም ዘይኮኑስ ተደጋገፍትን እቲ ሓደ ብዘይቲ ሓደ ህልውና ዘየብሉን ክልቲኦም ማዕረ ከም ዘድልዩና ኢና ንኣምን። ሓርነት ብዘይናጽነት፡ ናጽነት ብዘይሓርነት ከኣ ኩሎም ጐደሎ እዮም። ቃልስና ምሉእ ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ዓወት ዓቂብና ዝተረፈ ንምምላእ ክንቃለስ እንከለና ጥራይ እዩ።

መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ውጽኢት ቃልስና ስለ ዝኾነ፡ ምስ ኩሉ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ምልኪ ደበና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ናይ ግድን እዩ። ክንዝክሮ እንከለና ግና ዝተርፈና ቃልሲ ከም ዘሎ ብምስትብሃልን፡ ንቐጻሊ ቃልሲ ከም መንጠሪ ብምጥቃምን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብክቡር ደም ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ናጽነት ምስ ዘይነኽብሮ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኮበሮ ዓምሓሙ መወቐዐ። ምኽንያቱ “ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ኣነ ዘምጻእኩዎን ከም ድላየይ ዘመሓድሮ ንብረተይ እዩ” ዝብሎ ስለ ዘሳንየሉ። ህግደፍ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት “ከኽብር እየ” ኢሉ ይሸባሸብ ኣሎ። ንሕናውን ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ክንዝክሮ ኢና ክንብል እንከለና፡ ምስኡ ሓደ ኮይና ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሕና ንዝኽሪ ናጽነት እንህቦ ትርጉምን፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተመስሪትና እነማዕድዎ መጻእን ካብቲ ናይ ህግደፍ ዝተፈልየ’ዩ። ህግደፍ ነዚ ዝኽሪ ብኸመይ ኣብ ስልጣን ይቕጽል ውዲት ዝኣልመሉ ኣጋጣሚ ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ተረኽቦ ክንዝክሮ እንከለና ግና “ብኸመይ ካብዚ ዘሎ ውጽዓ ናብ ራህዋ ንሰግር” ዝብል ጭረሖ ነቃለሓሉ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና ንወስዶ። ከምቲ “ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም” ዝበሃል፡ ንሕናን ህግደፍን ዝኽሪ ናጽነት ንዝክረሉ መንፈስ በበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ተጻራሪ’ዩ። ስለዚ ክብሪ ናጽነት ብዋጋ ህዝብና ዝተረኽበ፡ መሰረት ናይቲ ኣብ መጻኢ እነረጋገጾ ዓወት እምበር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ንምጥዎ ሕዛእቲ ክኸውን ኣይግበኦን።

Last modified on Friday, 29 April 2016 16:36