ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ12 ጥቅምቲ 2021 ምስ ኦሉሰንጎ ኣባሳንጆ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተዘራሪቦም። ኣብ ዝርርቦም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን እውን ከም ዝተሳተፊ፡ ንወሃቢ ቃል ነድ ፕሪሰ ብምጥቃስ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወጸ ዜና ይሕብር።
ኣብዚ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣቦመንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል፡ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያ ዓባይ ብሪታንያ ኤልዛበት ትሩስ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ኒልስ ኣንነን ናይ ፈረንሳ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍረድሪክ ክላቪየርን ተሳቲፎም። እዞም ኣብዚ ርክብ ስተሳተፉ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘርእይዎ ዘለዉ ምውህሃድ ተቐቢለምዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓብይ ብሪታንያን፡ ኣካላት ናይቲ ውግእ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓመጽ ጠጠው ከብልዎን ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ክኣትዉን፡ በዚ ኣቢሎም ከኣ ሰፊሕን ንኹሉ ዘሳትፍን ምይይጥ ዘብጽሕን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ሓድነት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘውሕስን ባይታ ክፈጥሩ ጸዊዖም።
እዞም ተሳተፍቲ ናይቲ ርክብ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተቐቢሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ንክበጽሕ ክምእዘዙ ጸዊዖም።
ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ ጐስጓስ ንተሳትፎ መንእሰያት፡ ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ9 ጥቅምቲ 2021 ተዋሂቡ። ኣብዚ ሓያሎ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳተፍዎ፡ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣስተምህሮ፡ ብጾት ያሲን ኢብራሂም፡ ኣስገደት ምሕረተኣብን ደስበለ ካሕሳይን ንኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት መጽናዕታዊ ጽሑፍት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ ብኣላይነት ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሓው ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ኣገዳሲ መበገሲ ነጥብታት ኣቕሪቡ። ብጻይ ያሲን ኣብ መብገሲ ሕሳቡ፡ ኣገዳስነት ምክያድ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጐስጓስን ተሳትፎን መንእሰያት ኤርትራ፡ መንእሰይ ካብቲ ካልእ ክፍልታት ሕብረተሰብ ብፍሉይ ዝረአየሉ ምኽንያት፡ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ኣረአእያ መንእሰይ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኩነታት መንእሰያት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ብምጥቃስ ኣገዳሲ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።
ብጻይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶምን ዓብዮምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ኣገባባትን ካብ ኤርትራ ወጺኦም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ወኸሳታት ዘሰነዮ መጽናዕቲ ኣቕሪባ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኣወጻጽእኦም ካብ ሃገር ጀሚርካ ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ዘለዎም፡ ብኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ዝሓለፉ ምዃኖም ገሊጻ። ብፍላይ እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እኹል ኣፍልጦ ዘየጥረዩ፡ ብዘይካቲ ክስደዱ ዘገደዶም ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባኡ ዝነገሮም እንተዝይኮይኑ፡ ብዛዕባ ግደ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ውድባት ምሉእ ኣብፍልጦ ከምዘይብሎምን ነተን ካለኦት ውድባት በቲ እቲ ጉጅለ ዘስረጸሎም ግጉይ ኣተሓሳስባ “ሓሙሻይ መስርዕ” ኢሎም ካብ ምጽዋዕ ሓሊፎም ካልእ ግንዛበ ከምዘየብሎም ኣስፊራ። ብዘይካዚ ንጉዳያት ኣስፊሕካ ብምራኣይ ኣብ ከም ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣመሰሉ ኣምራት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰኒያ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይቲ መንእሰይ ኣተሓሳስባ ክሰፍሕን ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍን ቀጻሊ ኣስተምህሮ ምሃብን ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ኣተሓሳስባ ቀሪብካ ምርዳእን ከም ዘድሊ ሓቢራ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ብወገኑ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝምልከት ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ብጻይ ደስበለ ከም መወከሲ ዝወሰዶም ካብ 25 ክሳብ 40 ዝዕድሚኦም ዕባይ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ናይ ምምሃር ዕድል ዝረኸቡ ምዃኖም ኣረዲኡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ናይዞም መንእሰያት ስድራቤት ናይ ስደት ተመኩሮን ኣብቶም መንእሰት ዘሕድሮ ጽልዋን ኣገንዚቡ። ኣተሓሒዙ፡ እዞም መንሰያት ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ከይሳተፉ ጽልዋ ካብ ዘሕድርሎም ካብ መጀመርታ ምስ ኤርትራዊ ኩነታት ዘላልዮም ኣብ ወጻኢ ሓያል ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዘይምንባሩ ከም ሓደ ምኽንያት ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ከይተሓጽረ ብኣህጉራዊ ደረጃ ንመንእሰያት ኣብ ዝምልከት ናይ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከም ኣብነታት ንተሳተፍቲ ገሊጹ። ከምኡ እውን መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ተሳቲፎም ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጻዕርታትን ጐስጓሳትን ኣስፊሩ።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣገዳስን እውናውን ኣስተምህሮ ድሕሪቲ መግለጽታት፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣቕረብቲ ኣስተምህሮን ተሳተፍትን ግቡእ መልስታት ተዋሂቡን ነቲ መጽናዕትታት ዘሀብትም ተወሳኺ ሓሳባት ቀሪቡን። ብዘይካዚ ብዛዕባቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ዝቐረቡ ነጥባታ ኮነ ተዛመድቲ ዛዕባታት ብፍላይውን ኣብዚ ተኣፋፊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ግደ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ጠቐምቲ ለበዋታትን መተሓሳሰባታትን ቀሪቦም።
ኢትዮጵያ፡ ምስ ህወሓት ንምዝታይ፡ መንጎኝነት ደቡብ ሱዳን ተቐቢላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ደቡብ ሱዳን ንመንግስቶምን ህዝባዊ ወያነ ሕሃርነት ትግራይን (ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ከተዛቲ ብኢጋድ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዝተቐበልዎ፡ ሱዳን ትሪቡን ብ8 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ሓቢራ።
ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲዳንታዊ ወሃብ ቃል፡ ኣተኒ ወክ ኣተኒ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ብምብራቕ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ኣካል ኢጋድ ዝቕረበ ንደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጸገም ንምህዳእ ከም ብቕዕቲ ኣዛታይት ዝመዘዘሉ ሓሳብ ብወግዒ ከም ዝተቐበልዎ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 08: ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።
እቶም ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲደንታዊ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ጁባ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ሬድዮ ኤፍ ኤም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ናይ 2ይ ዙር መዝነቶም ምስ ተረከቡ ውሱን ዕለት እዃ እንተዘይጠቐሱ ብቐጥታ ከም ዝጅመር ሓቢሮም።
ሚራያ ከም ዝጠቐስዎ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ተቐባልነቶም ብኢትዮጵያ ዘረጋገጹ ኣብ ጽንበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2021 እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓምዶክ፡ እቶም ብቑዕ ሰብ ነቲ ዘተ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምዃኖም ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ዜና ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ንፕረሲደንት ሳልቫኬር ዝመዘዝሉ ምኽንያት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ብቑዕ እዮም ብዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህውከት ዝተፈጥረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2021 ምንቅስቓስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ሓይልታቶም ናብ ትግራይ ምስ ኣዋፈሩ እዩ ክብል፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኩነታት ጠቒሱ። ድሕሪዚ እቲ ህውከት ምሉእብምሉእ ናብ ሰፊሕ ወግእ ማዕቢሉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝመዛበለሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ቤት ጽሕፈት ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ዝሃቦ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ 250 ሺሕ ካብ ክልልዓፋር ከኣ ክሳብ 112 ሺሕ ዝበጽሑ ሰባት ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ኣስፊሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ከም ቅድመ-ኩነት ተኹሲ ንምቁራጽን ንዘተን ምውጻእ መልሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ኣቕሪቡ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብዚ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ክመርሖ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ብዛዕባ ምስታፉ ዝተፈልጠ ከምዘየለ ጠቒሱ።
ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ እንተዘይተራእዩ እገዳ ክግበር ሓቲቶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣባላት ፓርላማ ኤውሮጵ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 እንተዘይተመሓይሹ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይቲ ውግእ እገዳ ክውሰን ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቲቱ።
ብመሰረትዚ ብብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝተቃልሐ መጸዋዕታ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ምግዳድ እቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላትን እዩ። እቶም ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዘተዓናቕፉ ኣካላት ብቕልጡፍ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ፡ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስታዊ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕን ጸዊዖም። ከምኡ እውን ኣብ ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎም ኣብዚ ኣኼባኦም ኣመልኪቶም።
እዚ ብ618 ድምጺ ዝተደገፈ፡ ብናይ 4 ድምጺ ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ እቲ ቀረብ መድሃኒት፡ ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝኽልክል ዘሎ ዘይዕላዊ ውሳነ ክለዓል፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላኳ እንተዘይተቐበሎ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ከይቀርብ ከም ዝዕንቅፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥምየትን ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምእታው ኣብ ክባ ከም ዘእተዎ ብምጥቃስ እዩ ዝኸስስ።
ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ 2021 ኣኼብኦም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ሰብኣዊ ረድኤት ክግበር ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ምግባሮም ኮኒኖም። ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ኲናት ምምልማል ከምኡ’ውን ኣብቲ ኲናት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጽን ካለኦት ግፍዕታትን እውን ተቓዊሞም።
እቲ ኣኼባ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዘጓሃህር ተግባራት ካብ ምፍጻም ክዕቀቡ ብምምሕጻን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ወገናትን ናይቶም ዛጊት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመት ክገብር ተማሕጺኑ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒዮ ጉተረዝ ብ6 ጥቅምቲ 2021 ንኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጹ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቶም። ህይወት ንምድሓን ናብቲ ክልል ረዲአት ከይበጽሑ ይሰናኸሉ ምህላዎም እውን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።
ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ)፡ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዙር ምምስራት መንግስቲ፡ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ ንቐጻሊ 5 ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ክቕጽሉ ሰይምዎም። እቲ ካብ 547 ኣባላቱ 425 ዝተሳተፍዎ፡ ብኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ዝተዓብለለ ቤት ምኽሪ፡ ነቶም ኣፈባይቶ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እንደጋና ኣቐጺልዎም። ወይዘሮ ሎሚ በዶ ዝተባህላ ፖለቲከኛ ከኣ ምክትል ኣፈ ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን። ኣብዚ ናይ ንግሆ ክፋል ኣኼባ፡ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ፕረሲደንት ፈደራላዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣብያተ-ምኽሪ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ከፈታ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ቀጻሊ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ስፍሕ ዝበለ መደረ ኣቕሪበን።
ጐኒንጐኒ፡ ናይዚ መስራቲ ኣኼባ ፓርላማ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣኼባ ተኻይዱ። እዚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ክሳብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ንዝነበሩ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣፈባይቶ ገይሩ መሪጽዎም። ምክትሎም ከኣ ኣብ ክልል ዓፋር በዓልቲ መዚ ዝነበራ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድ መሓመድ ኮይነን።
ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ብመንገዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቃለ መሓላ ፈጺሞምም። ድሕሪ ቀትሪ ብወተሃደራዊ ሰልፍን ሙዚቃዊ ምርኢትን ተሰንዩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝቐጸለ ሰፊሕ ጽንብል፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒሲተር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያን ንመስርሕ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫን ዝምልከት ስፍሕ ብዝበለ ገሊጾም። ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዝምልከት እውን እቲ ልሙድ መርገጾም ኣንጸባሪቖም፡ ንምህናጽ ሓያል ሰራዊት ከም ዝቕጽልዎ’ውን ገሊጾም። ንተግባራት ምዕራባውያን መንግስታት ጠቒሶም ከኣ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም።
ኣብዚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽምብል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩወሪ ሞሰቪኒ ናይ ዩጋንዳ፡ ሳልቫኬር ማርደት ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ዑመር ገለ ናይ ጅቡቲ፡ እሁሩ ከንያታ ናይ ኬንያ፡ መሓመድ ፎርማጆ ናይ ሶማልያ፡ ማሳኪ ናይ ሰኔጋል፡ ኣሕመድ ቡሃሪ ናይ ናጀርያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጎን ተረኺቦም።
እዚ ከኣ ብዘይካ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ኩለን ንኢትዮጵያ ዘዳወበኣ ሃገራት መራሕቲ ከም ዝተሳተፉ እዩ። ካብዞም ኣብቲ ጽንብል መደረ ዘስምዑ፡ መራሕቲ፡ ናይ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፡ ብቐጥታ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ብዝኾነ ውሕልነት፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ገጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰላም ክፈትሖ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ መስርሕ ክተሓባበርዎ ቅሩባት ምዃኖም ዘመልክት መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሓድሽ ካቢነኦም ኣባላት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም ከጽድቑ ትጽቢት ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ከም ዝኣዘዘ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናትን ዝተፈላለያ ትካላት ዜናን ሓቢረን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ብ30 መስከረም 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቶም ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ዝኣዘዞም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳያት ኢድ ብምእታው እዩ ከሲስዎም።
እቶም ካብ ኢትዮጵያ ንክስጎጉ ዝተወሰኖም፡ 1) ኣቶ ግራታ ለይቲ፡ ምክትል ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረዲአት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ጉዳይ ሰብኣዊ ረዲአት 2) ወይዘሮ ኣደል ኮዶር ወኪል ዩነሰፍ ኣብ ኢትዮጵያ 3) ወይዘሮ ጋዳ ኢልታሂር ሙዳዊ ግዝያዊ ምክትል ኣተሓባባሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረዲአት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ 4) ኣቶ ክወሲ ሳንኩለተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰላምን ዕቤትን ኣማኻርን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ረዲአት ኣተሓባባርን 5) ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሄርሲ ምክትላ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ 6) ኣቶ ሶኒ ኣኑግብላ ተቖጻጻሪ፡ ጸብጻብ ሓጋዝን፡ መራሒ ጋንታ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ 7) ወይዘሮ ማርሲ ቪጎዳ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ እዮም።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ማርቲን ግረፊት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፎም፡ እዚ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ጥሜት ዘጋድድ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲአት ዝቐርበሉ ዕድል ይዓጹ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጎተሬዝ ብወገኖም እቲ ውሳነ ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከም ዝደንጸዎም ጠቒሶም፡ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራት፡ ብመንጽር ሰብኣውነት፡ ርትዓውነት፡ ብዘይሻራነትን ናጽነትን ከም ዝካየድ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ሕቡራት ሃገራት፡ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ማይን ንጽሬት ዘድሊ ነግራትን ምቕራብ ዝርከቦ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓት ተግባራት የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ኣብቶም ኣብዚ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ክሕግዝ ድልዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረዲአት ግቡእ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከፍቅደሎም ይግበኦ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሞት ዘብጸሓ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ነዚ ስጉምቲ ብምውሳዱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይኹነን ኣሎ።
ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ሕሃ፡ መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግረፊት ሓገዝ ዝጸዕና መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቶም። እዞም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ህጹጽ ረዲአት ሓላፊ ማርቲን ግረፊት፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ጉድኣት የውርድ ከም ዘሎ ከም ዝርድኡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢረምዎ።
እቶም ሓላፊ “ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ እገዳ ናብ እትርከብ ትግራይ”፡ ክበጽሕ ካብ ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ 10% ጥራይ ናብቶም ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ከም ዝበጸሐ ነቲ ማዕከን ዜና ሓቢረምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ ህጹጽ ሕተኦም ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉ ኩነታት ክፍጠር ምዃኑ ኣመልኪቶም። እዚ ጸገም ሰብ ዝሰርሖ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ክፈትሖ ከም ዝግበኦ እዞም ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ኣመልኪቶም።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ውግእ ካብ ዝጅመር ንነጀው፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ዘመልከት ጸብጻባት ክቐርብ ከም ዝጸንሐ እውን ኣብ መግለጺ ናይዞም ሓላፊ ተጠቒሱ። እቶም ሓላፊ ዓጸቦ ዘጋጥሞም ሰባት ክሳብ 400 ሺሕ ክበጽሑ እዮም ዝብል ግምት ነይሩና ኢሎም። እዚ ግና ከኣ ስሩዕ ሓገዝ ክቐርብዩ ብዝብል ሕሳብ ዝቐረበ ግምት እዩ ነይሩ ኢሎም።
ግረፊትስ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ጥረ ገንዘብ፡ ነዳዲ፡ ተሽከርከርትን ወግዓዊ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ እገዳን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ብሰንክዚ ሕጽረታት’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ከጋጥም ዝግመት እዩ ኢሎም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ናይ ሓገዝ እገዳ ከምዘይተግብረ ሓቢሩ፡ እኳደኣ መስርሕ ምቕራብ ረዲአት ንምቅልጣፍ 7 ዝነበረ መቆጻጸሪ ነቑጣታት ናብ 3 ከም ዘውረዶ ክገልጽ እዩ ጸኒሑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በወገኑ ናብ ትግራይ ሓገዝ ጽዒነን ምስከዳ ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ እንታይ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኣይነጸረለይ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እተን መካይን ዘይተመልሳሉ ምኽንያት መምለሲ ነዳዲ ስለ ዝሰኣና እየን ዝብል መልሲ ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ሑቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ጉዕዞአን ክልተ ግዜ ተኹሲ ከም ዝተኸፍተንን ደቂ ትግራይ መራሕቲ መካይን ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኣስርሉ ኣጋጣሚ ከም ዝተፈጥረን ይሕብር።
30 ማሕበራት ናብ ዋና ጸሓፍን ኣባላት ቤት ምኽርን ሕቡራት ሃገራትን ደብዳበ ጽሒፈን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝርከባ 30 ማሕበራት ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ህውከትን ጥሜትን ከብቅዕ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፈን።
ሳራህ ሸፈር ዋና ዳይረክተር ርክብ ዓለምለኸ ስደተኛታት፡ ነዚ ብ22 መስከረም 2021 ዝተላእከ ደብዳበ ጠቒሰን ከም ዝበለኦ፡ እቶም ዝተላእከሎም ኣካልት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንእትርከብ ትግራይ ዝምልከት ስጉምቲ ክወስዱ መጸዋዕታ ቀሪቡ ኣሎ።
እዚ መልእኽቲ ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ሰቪል ነበርቲ፡ ሓገዝ መግቢ፡ ኣገልግሎት ባንክን መራኸብታትን ከም ዝተቛረጾም ተጠቒሱ፡ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጥሜት ኣትዩ ከም ዘሎን ብዙሓት ከኣ ኣብ ኣፍ ጥሜት በጺሖም ከም ዘለዉን ተንጸባሪቑ። በቲ ዝተኻየደን ጌና ዘዓረፈን ውግእ ጾታዊ ዓመጽን ጥምየትን መሳርሒ ውግእን ጠንቂ ምምዝባልን ይኸውን ከም ዘሎ ተጠቒሱ።
እተ 30 ማሕበራት ኣብዚ መልእኽተን፡ ዋና ጸሓፍን ኣባላትን ቤት ምኽሪን ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ክወስዱ ጸዊዐን። ተኹሲ ጠጠው ክብልን ኩሎም ሓይልታት ካብ ትግራይን ከባቢኡን ክወጹን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኣፍደገታት ክኸፍት ኣብቲ መስርሕ ዕንቅፋት ከይፈጥርን፡ ናብ ትግራይ ተቖጻጸርትን ብዛዕባቲ ዝተፈጸመ ሰብኣውን ሕጋውን ግህሰታትን ዘጻርዩ ኣካላትን ክኣትዉ ተጽዕኖኦም ከሕይሉን፡ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይን ካለኦት ተቓወምቲ ኣካላት ዝሳተፍዎ ዘተ ንክግበር ከተባብዑን ጸዊዐ።
ካብተን ኣብቲ መልእኽቲ ዝኸተማ ማሕበራት፡ ምሕዝነት ምህናጽ ሰላም፡ ባይቶ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብ ንዕቤት፡ ግሎባላዊ ማእከል ሓላፍነት ንሓለዋ፡ ጀዊሽ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ፡ ማእከል ግዳያት ስቓይ (ቶርቸር)፡ ጠቕላላ ቦርድ ቤት ክርስትያንን ማሕበረሰብን፡ ኮሚተ ስደተኛታትን ተጣየስትን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ማሕበር ግዱሳት ምሁራት ኣፍሪቃ፡ ኮሚተ ተግባር ሰቪላዊ ማሕበረሰብ፡ ትካል ሰዓብቲ ስደተኛታትን ተጣየስትን ኣስተምሃሪ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ይርከበአን።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውግእ ትግራይ ኩሎም ወገናት ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኩሎም ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዝፈጸሙ፡ ሚሸል ባቸለት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ንሰን ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራትን መንግስታዊ ትካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብሓባር ናይ ዘካየድዎ ውሱን መርመራ ጠቒሰን መግለጺ ከም ዝሃባ ተፈሊጡ።
ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቶምን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽ፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ምምዝባልን ምቕያድን ሲቪላውያን ፈጺሞም ክብላ ከሲሰን። እተን ኮሚሽነር ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ናይቲ ዝመርሐኦ ትካል ኣኼባ፡ ንሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ከይዶም ተመሳሳሊ በደላት ከም ዝፈጸሙ ጠቒሰን።
ኮሚሽነር ባችለር ኣብቲ ኣኼባ ውጽኢት ናይቲ ካብ 16 ጉንበት ክሳብ 20 ነሃሰ 2021 ዝተኻየደ ናይ ሓባር መርመራ ባሕቲ ሕዳር 2021 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጠን። እቲ ሓባራዊ መርመራ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ምብራቓውን ደቡብውን ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ከባብታት ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን ማይካድራን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ተነጊሩ። ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ግህሰት ከምዝተፈጸማ ዝንገረላ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም እትርከቦም ማእከላይን ምብራቓውን ዞባታት ትግራይ ብሰንኪ ጸጥታዊ ጸገም ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሓቢሩ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ርግጸኛ ኮይኑ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረቦ ክሲ ኣይተቐበሎን።
እቶም በቲ መርመራ ዝተኣከቡ ሰነዳት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከቡዎም፡ ብርክት ዝበሉ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ከምዘነጸሩ እተን ኮሚሽነር ኣረዲአን ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም፡ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ መስርሕ ምትንታን ከም ዘሎ ብምጥቃስ ብመሰረት ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2021 ውጽኢቱ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገሊጾም። እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጂ'ውን ንስቓይ ኢትዮጵያውያን ፍታሕ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም" ኢሎም። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ ኮሚሽነር ባችለር ብወገነን ኩሎም ወገናት፡ ብዘይቅድመኩነት ተጻብኦታት ብምቁራጽ፡ ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዐን።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ከኣ እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ'ዩ፡ ብምባል ከም ዘይቅበልዎ ከም ዝገለጹ ካብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
More...
ኣባላት ናይ ዓለም መራሕቲ ዘይሻራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኹሲ ከቋርጽ ሓቲቶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣባላት ናይ ዓለም መራሕቲ ዘይሻራዊ ጉጅለ (THE ELDERS) ኣብዚ ቅንያት መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብዚ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ኣቋሪጾም ንክዛተዩ ዘተባብዕ ስጉምቲ ንክወስድ ሓቲቶም። ብመሰረቲ ብማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተዘርሐ ሓበሬታ፡ እዞም ኣባላት እቲ ጉጅለ ነዚ ሕቶዚ ዘቕረቡ፡ ዓለም ለኻዊ ሰላምን ድሕነትን ንምስፋን ግደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብሓድነት ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ግደኡ ክገብር እውን ኣባላት እዚ ዘይሻራዊ ጉጅለ ጸዊዖም።
ኣብ ዓለም ይረኣዩ ካብ ዘለዉ ቅልውላዋት ተባሂሎም ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ሚንያማር፡ ከምኡ እውን ናይ ፍልስጤም ተጸሪሖም። ናይዚ እዋንዚ ናይቲ ጉጅለ ዓበይቲ ሰባት መራሒት ናይ ኣየር ላንድ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ፕረሲደንትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ዝነበራን ሜሪ ሮቢንሰን “ውግእ ጠጠው ምባል፡ ይረአ ንዘሎ ስቅያት ንምውጋድ መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ እዩ” ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ ምስ ምግዳድ እቲ ውግእ ንሓለዋ ደቂ እንስትዮን በጽሕታትን ቀዳምነት ክወሃብ ኣትሪረን ተምሕጺነን።
እተን መራሒት ናይቲ ጉጅለ ኣተሓሒዘን፡ “ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ብሰንክቲ ውግእ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ዋሕዲ መግብን መግለጺ ተዋሂብዎ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ትግራይ ወሲባዊ ዓመጽን ጥሜትን ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ወሲኽካ ብዙሕ ግህሰት ይፈጸም ከም ዘሎ ተገሊጽሉ እዩ” ኢለን።
ኣብ ርእሲዚ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንክርዳእ ንትግራይ ወሲኽካ ኣብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እሞ ነቲ ኩነታት ህጹጽ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ከም ዝግባእ ጠቒሰን። “ወተሓደራዊ መፍትሒ ግና ኣይረብሕን እዩ” ኢለን።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ተወካሊት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣንበሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “እዚ ጉጅለ ዓበይቲ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ምምኽኻር ንድፎ ኢና።” ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ምምዛዞም ጽቡቕ መርኣያ እዩ ኢለን።
ኣብ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ውግእ 10ይ ወርሑ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ናይ ብዙሓት ሰባት ምምዝባልን ሞትን የኽትል ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ህዝቢ መሲሉ ምቕራብ ካብ መለለይታት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን “ዓይንን ሓመድን” ኢልና እንገልጾ። ነቲ ዝምድና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርሕሓቕ ዘምጸኦ ከኣ ናይቲ ጉጅለ ብዙሕን ተደጋጋምን ጥልመታት እዩ።
ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ምርሕሓቕ ካብ ዝፈጥርዎ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቃልሱ ናጻ ኣውጺኡ ብድምጹ ልኡላውነት ዘልበሳ ሃገሩ ብሕገ-መንግስቲ ክመሓደር ክደሊ እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ብኣንጻሩ ሕገመንግስታዊ መሰረት ብዘየብሎም ግዝያዊ ኣዋጃትን ምስጢራዊ መምርሕታትን ይመርሕ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ብዝተመስረተ መሰላቱን ሓርነታቱን ክሕለወሉ ይደሊ፡ ህግደፍ ከኣ ብጉልበትን ዓመጽን፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ናይ ምእማንን መሰላትን ናጽነትን ህዝቢ ይነፍግ። ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ክወሓሰሉ ይብህግ፡ ብኣንጻርዚ፡ እቲ ጉጅለ ህውከት ይጽሕትር፡ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከይሓርስን ከይነግድን ኢደ-እግሩ ኣሲሩ ይሕዞ። ብኣድላይነት ዲሞክራስን ህዝባዊ ምርጫን ከኣ ይዋራዘ።
እቲ ዘገርም፡ ህግደፍ ነቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ባህጊ ዘየንጸባርቕ ተግባሩ፡ በቲ ህዝቢ ክኾነሉ ዝጽበዮ ከመላኽዖ፡ ከምቲ “ትጽቢት ህዝቢ እናጨረሐ ድሌቱ ዝገብር ጉጅለ” ዝበልናዮ፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ምቁር ቃላት ዝተነድቀ መዳህለሊ መደረታትን መግለጽታትን ዘውጽእ ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኳ “ሓርነት ዘይብሉ ግዙእ ህዝቢ ሂወት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ ክብሃል ስለዘይክኣል፡ ከም ህዝቢ ህያው ንክኸውን ከኣ ንሓርነቱ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍል ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሉ ሓርነቱ ብምጭባጥ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ።” ዝብል ሓሳብ ንረክብ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህልም ዝበለ ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ደፊንካ፡ በዚ ኣበሃህላ ከተዕሽዎን ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ከተሰጋግሮ ምፍታንን እምበኣር፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ “ነቲ ርኡይ በደሉ የለን፡ ነቲ ዘይድህሰስ ተስፋኡ ድማ ኣሎ” ክብል ይህቅን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ሕድሪ ሰማእታትን ህዝቢ ዘንበረሉ እምነትን ኣኽቢሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሉእ ትርጉም ዘትሕዞ፤ መስርሕ ንምምላእ ንቕድሚት ምስጓም ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣተዓባቢኻን ብሒትካን ብምዝንታው ጥራይ ኣብታ ዝነበራ እዩ ጠጠው ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሰርሖን ክቡር ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉን ታሪኽ ንድሕሪት እናተመልሰ ዝጽብጽበሉ ጥራይ ዘይኮነ ንቕድሚት እናማዕደወ መጻኢኡ ዘጣጥሓሉ እዩ ዝጽበ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ማእከሉ ድሌት ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኣብ ድልዱል ባይታ ምህናጽ ዘይኮነ፡ ዋላ ትድከን መንእሰያታ ተሰዲዶም ትባድምን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ጸቢብ ዘይህዝባዊ ዓንኬል ፈጢርካ ንኹሉ ህዝቢ ዝጠልቦ ጸማም እዝኒ ሂብካ ስልጣንካ ምድልዳል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ግዜ ናጽነት ምኹዳድ እምበር ንቕድሚት ኣይሰጐመን። ሎሚ’ሞ ኸዓ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክታት እውን የርኢ ኣሎ።
እስኪ ሓንቲ እናስሓቐት እተተሓሳስብ ጉዳይ ክንጠቅስ “ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደብ ኤርትራውያን ህጽናት፡ ነሽነሽ ኣብ እትበሀል ተለቪዥን ብዩቲብ ዝተዘርሐት እያ። ሓደ ህጻን ናጽነት መን ኣምጺእዋ ምስ ተባህለ “ሓደ ሰብኣይ” ኢሉ መሊሱ። ካልእ ህጻን ከኣ መራሒ ኤርትራ መን ይበሃል ምስ ተባህለት “ኣብይ” ኢላ መሊሳ።”
ጉጅለ ህግደፍ ተግባሩ ፊትንፊት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ዝመስል ጭረሖ ካብ ምስማዕ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺኡኳ፡ ነቲ ኤርትራ ከይትዓብን ከይትህነጽን ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ስደት መንእሰያትን ምንዋጽ ሓድነት ህዝብን ደፊኑ፡ ኣሽኻዕላል ብዝመስል፡ “ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ዘይከውን ዝተባህለ ምዕቃብ ናጻ ሃገር ክዉን ዝገበረ፡ ንመጻኢ’ውን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ራህዋን ልምዓትን ፍትሕን ሃገር ምህናጽ ዝክኣል ክገብሮ ዘኽእሎ ብቕዓት ይውንን’ዩ።” ዝብል ዝርከቦ ሓሳብ ኣስፊሩ። እቲ ዓቕሚ ዝብሎ ዘሎ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ እንተኮይኑ በዚ’ሞ ዝጠራጠር ኣካል የለን።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ንዓኡ እትመስልን ባህጉ እተረጋግጽን ሃገር ናይ ምህናጽ ዕላማ ከዕውት ካብ ዘድልይዎ ቀንዲ መሳርሕታት ሓድነቱ እዩ። ሓድነት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዕዋቱ ቀንዲ መፍትሕ ምዃኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ጸላእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈርህዎ ብብዝሑ ወይ ብዕጥቁ ዘይኮነ ብሓድነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር እቲ ቀንዲ መሳርሒ ሓድነቱ ምድኻም ምዃኑ ኣሚኖም ንምብታኑ ዝጸዓሩ ግና ዘይተዓወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ናይ ጸላእቱ ዘይምዕዋት፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣ ህግደፍ እውን ኣጸቡቑ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ’ውን ካብቲ ህዝቢ ንምድሃኽ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ሓድነት ህዝብና ምድኻም እዩ።
እቲ ጉጅለ ብባህሪኡ “ሓድነት ህዝቢ ኣይንረብሓይን” ካብ ዝብል ዝነቅል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እውን ከምቲ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ኢትዮጵያ ዝጭረሖን ሓዊ ዝኣጉዶን ናብቲ ህዝብና ክምለስ እትጽበዮ ኣይኮነን። “ንህዝቢ ዝደልዮ እናጨራሕካሉ ድሌትካ ምግባር” ካብ ዝብል ምትላል ነቒሉ ኣብቲ ናይ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺኡ “ኣብ መጻኢ’ውን ባህግታትናን ዕላማታትናን ንኽሰምር ናብኡ ዘብጽሓና ሓያል ሓድነትን ውዳቤን፡ ቅኑዕ መስመርን መሪሕነትን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ ከም ዘድልየና ንጹር’እዩ።” ዝበሎ ኣምሰሉነት ምስትብሃል እኹል እዩ። ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ኣብ ቃሉ ከም ዘይጸንዐኸ ህዝብና ረሲዕዎ ማለቱ ድዩ።
ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝተለኽየ ሕብሪ እንተተለኽየ፡ ዝኾነ ምቁር መግለጺ እንተውጸአ፡ ከምቲ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ዝበሃል፡ ካብ ኣነቓቕላኡ ባህጊ ህዝቢ ዘኽብር ሕልና የብሉን። ካብዚ ብምንቃል ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍ ኣወጊድካ ለውጢ ናይ ምምጻእ መኸተ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ተርዲኡ ቃልሱ ክቕጽል ጥራይ እዩ ዝግበኦ።
መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ
Written by ኣቦ መንበር ሰዲህኤሰላምታ ንመራሕትን ኣባላትን ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሰላምታን ምስጋናን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል ባሕቲ መስከረም
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ
ኣብ’ዚ ንታሪኽ ህዝብና ቅኑዕ መንገዱ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ክቡር መዓልቲ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺብና ርድኢትና ከነንጸባርቕ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ዕዙዝ ምስጋና ነመሓልላፍ። ኣካል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምዃን ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀም የኹርዓና፡ የሐብነና። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ) ከኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ተጋድሎና ኣብቅዓና ብማለት፡ ሰላምታ ጽንዓትን ዓወትን ነመሓላልፍ።
ኣሓትን ኣሕዋትን!
ቅድሚ ኩሉ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ነቲ ኣቦ ብረታዊ ቃልስና ዝዀነ፡ ስለ’ዛ ሃገር ድማ ህይወቱ ዝኸፈለ ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ንዝክር። ንስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ስሙ ከነልዕል ከሎና ምስ ጅግንነትን ቆራጽነትን ንተኣሳሰር፣ ንተዋፍይነትን፡ ንጽንዓትን ንጥምጠሞም፣ ንኣይሰዓርን በሃልነት ንሓቑፎ፣ ንተስፋ ንውንንኖ ንዓወትን ሃገራዊ ሓድነትን ድማ ነማዕድዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ባሕቲ መስከረም ኣባናን ኣብ መላእ ህዝብናን ክብርቲ መዓልቲ እያ። መዓልቲ ቃልስን ጽንዓትን ዓወትን።
ተጋዳላይ ሓምድን ምስኡ ዝተበገሱ ውሑዳት ተጋደልትን፡ ብሓደ መስከረም 1961፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ከበስሩ ከለዉ፣ ሽፋቱ እዮም ተባሂሎም። ይኹን’ምበር እዞም ዉሑዳት ሸፋቱ ዝተባህሉ በተን ዝነበራኦም ውሑዳት ኣጽዋርን ብሃገራዊ ራኢን ተስፋን ተሰንዮም ብምቕጻሎም፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓወሶ፡ ቃልሲ ክካየድን ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓያል፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክስዕርን በቒዑ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብነታዊ ቃልሲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ናጻ ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ በቒዑ። ነዚ ዕለት’ዚ ከነኽብር ከሎና እምበኣር ንጽንብል ዓወት ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ምእንቲ ዓወት ዝተሰውኡ ንምዝካር እውን እዩሞ፡ ስዉኣትና ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ይኹኖም፡ ዓቢ ክብሪ ከኣ ይብጻሓዮም።
ድሕሪ ናጽነትክ?
ድሕሪ ናጽነት፡ ሕልሚ ዓዋተ፡ ከምኡ’ውን ባህጊ ህዝቢ በኒኑ እዩ። ዓዋተ ድሕሪ ምሕላፉ ካልእ ዓዋተ፡ ናይ መድረኽ ናጽነት ዓዋተ፡ ሓድሽ ዓዋተ ኣይረኽብናን። ካብ ጭቆና ተናጊፍና፡ ደጊምስ ሓዊና እናበልና ተደጊስና፤ ብናጽነት ተኻሒስና እናበልና ተጠሊምና፤ ካብ ዕዳ ተናጊፍና እናበልና፡ ሓድሽ ወለዶና ዝስከሞ ሓድሽ ዕዳ መጺኡና። ደጊም ወዲእና ኢልና ሩፍታ እናተመንነና ሓድሽ ድኻም ሓድ መገሻ ናብ ስደት ኣርኪቡና።
ቀሲንና ኢልና ኢና፤ ግን ተገሪህና’ምበር ለካስ ኣይቀሰንናን። ብሓጺሩ ብዙሕ ግዜ ንዝተባህለ ስቅያት ህዝብና ንዘይምድጋም፡ጌና ኣብ 2021 ህዝብና ኣብ ናይ ኲናት እቶን ዝነድድ ዘሎ ህዝቢ ኰይኑ’ሎ። እቲ መሪር ሓቂ ኤርትራና፡ ነቲ ግዳማዊ ገዛኢ ብውሽጣዊ ገዛኢ ቀይራቶ’ምበር ነቲ ግዝኣት ንባዕሉ ኣየጥፋእቶን። እንሆ’ምበኣር እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ ድሌት ሓደ ውልቀ መላኺ እትሳቐ፡ ብስምዒት ሓደ ውልቀ መላኺ እትመሓደር ሃገር ኰይና’ላ። እቲ ምረት ኣብዚ’ዩ ዘሎ።
ሕጂኸ?
ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ዝኸፍአ ገጢሙና ኣሎ። ጉዳይ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ። ከባቢና ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝኣተወሉ፡ እቲ ስርዓት ካብ’ቲ ከቢብዎ ዝጸንሐ ናይ ውድቀቱ ምልክታት ንምድሓን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይናቱን፡ ብቐረባ ናብ ዘይምልከቶን ኢትዮጵያዊ ግርጭት ኣእቲዩ፡ ንሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ናብ ውግእ ጠቢሱዎ እዩ። ከም ሃገር ካብ ሓይሊ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክሳብ ክንደይ ክሳራታት ከም ዝገጠመ ወግዓዊ ጸብጻብ እኳ እንተዘየለ፡ ከቢድ ክሳራ ከም ዝተጓነፈ ይንገረሉ ኣሎ። እዚ ኩሉ ንምክያድ ዝደረኽ ብቑዕን እዋናውን ኤርትራዊ ምኽንያት ነይርዎ ዘይኰነስ፡ ብጋህዲ መደብ ውልቃዊ ዓርኩ ንምሕጋዝን፡ ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ምስ ትግራይ ንዘለዎ ውልቃዊ ሕሳባቱ ንምጽራይን እዩ። ታሪኽ ከኣ እናመዝገቦ ይሓልፍ ኣሎ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘየቕስን ከኣ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ኤርትራ ዝወሰዶ ፖሊሲ ቀጥታዊ ምትእትታው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ማእከላይ መንግስቲ ተሰሊፉ ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ውግእ ምክያዱን፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ፡ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ከቢድ ፍልልያት ምግሃዱን እዩ። ስለ’ዚ ጥሩፋት ርእይቶታት ክቕልቀሉ በቒዖም፡ ንመድያ ደምበ ፍትሒ ክቆጻጽርዎ ከኣ ፈቲኖም። እዚ ድማ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ዝተባርዐ ግርጭታት ደለይቲ ፍትሒ ኣትዩ ፍልልያት ንኸሳውር ዕድል ከፊቱሉ።
ክቡራት ኣሕትን ኣሕዋትን
ኣይንረስዕ። እቲ መሰረታዊ ኣጀንዳ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ምልካዊ ስርዓት ምውዳቕን፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካኡን’ዩ። ኣብዚ ዝተሓደሰ ኩነታት ግን እዚ መርሖ’ዚ፡ ቀዳማዊ ቦታኡ ንክለቅቕ ተጻዒሩሉ እዩ። ብፍላጥ ይኹን ብገርሂ፡ ካልእ ኣጀንዳ ክመርሕ ከይኑ። ምልካዊ ስርዓት ከኣ ከም ወርቃዊ ዕድል ተጠቒሙ ካብ መጻብቦ ንክወጽእ፡ ነቲ ከኸዶ ዝጸንሐ ናይ ምንቁልቋል መስርሕ ቀይሩ ናብ ምድያብ ምእንቲ ከምርሕ፡ ንደምበ ፍትሒ ብኣጀንዳኡ ኣብ ክንዲ ዝጐዓዝ፡ ኣብ ኣጀንዳ ካልኦት ንክህውትቶ ጽዒሩ። ደምበ ፍትሒ ካብ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናብ መዓልቦኡ ከብጽሕ ዝኽእል ቀንዲ መንገዲ ኣንሻቲቱ፡ ኣብ ቃራና ንዝረኸቦ መንገዲ ሒዙ ንኽጐዓዝ ፈተነታትን ምርጫታትን ክቐርበሉ ጸኒሑ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡
ንሕና ከም ደምበ ተቓውሞ፡ ኣይንተሃመል። ሕጂ’ውን ዕላማና ንምልኪ ብዘየዳግም ንሎምን ንጽባሕን ምስዓር’ዩ። ኣብዚ ዓቢ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ከነስትውዕለሉ ዘሎና ድማ፡ ሕጂ’ውን ተመሊስና ነቲ ቀንዲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። ነቲ ንኹልና ዘእንግድ ሰፊሕ መንገዲ! ‘መንገዲ ኣርባዓ!’ ጐደና ዓወት!
እቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ምዕባለታት ክጸልወና፡ ከሻቕለና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስቲ ዝተሓደሰ ኩነታት ዘሳኒ ፖሊሲ ክንሕንጽጽን፡ ምሕዝነታትና ከነነጽርን ክገብረና ንቡር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ልዕሊቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ጥምጥም ኣይትንክፈናን’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኢትዮጵያውያን ኣለውዎ፣ ናይ ሱዳን እውን ሱዳናውያን ኣለውዎ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ተራ ኣብ ጉዳያቶም፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ድሩትን ውሱንን እዩ። ከምቲ ካልእ ድማ ንጉዳይ ኤርትራ እውን ኤርትራውያን ኣለውዎ። ንዓና ጉዳይ ኤርትራ እዩ ቀዳማዊ ዋኒንና! ሕጂ’ውን ከም ዓዋተን ብጾቱን ንኤርትራና ነድሕን።
ጸዋዒትና ብኣጀንዳና ንጐዓዝ፡ ዝብል እዩ። ቀዳማይ ኣጀንዳና ድማ ኣብ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ስዒርካ ብህዝባዊ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካኡ እዩ።
ራኢ ባሕቲ መስከረም ንምውሓስ ንቃለስ!
ውድቀት ንምልኪ!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
1 መስከረም 2021
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዘዳለዎ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቲ ብመሪሕነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተበሰረ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ: ብ4 መስከረም 2021 ብናይ ዙም መራኸቢ ተጸንቢሉ። ኣብቲ ብኣሕዋት ኣድያም ተፈራን እስማዒል ገበይታን ዝተመርሐን ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለን ጽንብል ኣባላት እተን ውድባትን ካለኦት ኤርትራውያንን ተሳቲፈምዎ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ጽንብል ኣቦመንበር ኣወሃሃዲት ኣካል ፖሓኤ ዶ/ር መሓመድ በሺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ዶ/ር መሓመድ በሽር ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ታሪኻዊ ኣጀማምራ እቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ጀግንነትን ናይቶም ጀመርትን ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ለኣላዉነት ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋን ዝጽበየና ዘሎ ቃልስን ዝምልከት ጠቒሱ።
ድሕርቲ መኽፈቲ ቃል ኣቦ መንበር ኣዋሃሃዲት ኣካል ፖሓኤ፡ ኣቦመንበራት ናይተን ኣባላት ፖሓኤ ዝኾና ግንባራትን ውድባትን ሰልፍን መደረታት ኣስሚዖም። ብዘይካዚ ንገዳይም ተቓለስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ንመንእሰያትን እውን ብቕደም ሰዓብ ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ዝምልከት ቃላቶም ኣስሚዖም። በቶም ነቲ በዓል ኣመሊቶም መገለጺታት ዘስምዑ ኣሓትን ኣሕዋትን ቆላሕታ ካብ ዝተዋህቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። ኤርትራውያን ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ዘገደዶም ኩነታት፡ ትብዓትን ጽንዓት ናይቶም ውሑዳት ክንሶም ከም ዝበዝሑን ከምዝሕይሉን ኣሚኖም ብረታዊ ቃልሲ ዘበሰሩ ሓርበኛታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል ኩለንተናዊ ዋጋን ዘመዝገቦም ዓወታትን ብኹሎም መደርቲ ተንጸባሪቖም።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓድም እድሪስ ዓዋተ ብውሑዳት ሰባትን ዝኣረገ ዘመናዊ ዘይኮነ ዕጥቅን ዝተጀመረ፡ ደሓር ግና ኣሸሓት ዝሰዓብዎን ካብ ጸላእቱ ብረት ሰሊቡ ዝዓጠቐን ቃልሲ፡ ቀዳማይ ምዕራፉ ብምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከም ዝተዛዘመ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተገሊጹ። እንተኾነ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪቲ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዓወት ተኾሊፉ ሎሚ ህዝብና ኣብ ጸልማት፡ ልኡላውነት ሃገርና ከኣ፡ ኣብ ሓደጋ ምህላዎም ካልእ በቶም ቃል ዘስምዑ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ዛዕባ ነይሩ። ምስዚ ብዝተሓሕዘ ኣብዚ እዋንዚ እውን ካልእ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ዝምጥን ዓዋተ የድልየና ከም ዘሎ ኣብቲ መደረታት ዝተጠቕሰ ክኸውን እንከሎ፡ ቀዳማይ ናይዚ እዋንዚ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ከምዝግበኦን ነዚ ንምዕዋት ሓቢርካ ካብ ምቅላስ መተካእታ ከም ዘየለን ከኣ ካልእ መደርቲ ዘስመርሉ ነይሩ።
ኣብ መንጎ መንጎ ናይቲ መደረታት ከኣ ንባሕቲ መስከረም ዝምልከቱ ግጥምታትን ሰውራዊ መዛሙር ብትግርኛን ዓረብን ቀሪቦም።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ቅድሚ ሕጂ እውን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብዝምልከት ዕዉት ናይ ሓባር መድረኽ ኣዳልዩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ዝኽሪ በዓል ሓደ መስከረም 2021 እውን ከምዝሓለፈ ብዓወት ተዛዚሙ።