ወተሃደራዊ ምልመላ ስደተኛታት ናብ ውግእ ቓዛ
2024-09-16 20:38:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 217 timesተገደስትን ነጠፍትን ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ውግእ ጋዛ ንምምልማል ምውሳኑ፡ መዝማዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ስደተኛታት ማሕበረ-ቁጠባውን ህይወትን ዘመዛብል ምዃኑ ኣጠንቂቖም።
መብዛሕትኦም ካብዞም እስራኤል ናብ ውትህድርና ክትምልምሎም ትሓስብ ዘላ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሕሰት መሰልን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምንባር ስኢኖም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ምዃኖም እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኣገልግለቶም ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቓድ ክወሃቡ እዮም ብዝብል ግዳይ ይኾኑ ከም ዘለዉ እውን እቲ ዜና በተወሳኺ ገሊጹ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ብምሃብ ናብ ውትህድርና ንምውሳዶም ዝፈጸሞ ተግባር፡ ብዝተፈለላዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ምዃኑ ብምጥቃስ ክነቕፍዎ ከም ዝጸንሐ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሕጂ ንዝተወሰኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘበርከቱ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ውትህድርና ንዘገልገሉ ስደተኛታት ዝተዋህበ ፍሉይ ደረጃ መንበሪ ከም ዘየለ ከኣ ተጠቒሱ።
ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻምን ምርካብ መሰል ዜግነትን ከዛምድዎ ዝፍትኑኳ እንተለዉ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ተግባር፡ ዘይሞራላውን ጥሕሰት መሰልካ ናይ ምጥቃም ናጽነትን ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ እስራኤል ብጀኦግራፊ ንእሽቶ ብኣሰፋፍራ ህዝባ ድማ ተሃዋሲትን መሓዛ ዘየብላን ብምዃና፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ መፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰግርሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራይ እዩ። ካለኦት ወገናት ከኣ እስራኤል ናይቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት መሰል ናይ ምሕላው ግደታ ስለ ዘለዋ ሓላፍነቶም ክትወስድ ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።
ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ኣንጻሮም ዝሕሰብ ዘሎ መጻወድያ ብኸመይ ከም ዝድሕኑ ንክሓስብሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት መጠንቀቓታ ይህቡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።