ዜናዊ ጸብጻብ፡ መኽፈቲ ፈስቲቫል ፖሓኤ ጀርመን
2024-08-11 21:22:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP News Read 442 timesፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ብ10 ነሃሰ 2024 ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብቲ ኣሕዋት ኣድያም ተፈራን ግርማይ ዘሚካኤልን ዘመርሕዎ መኽፈቲ፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ሓው ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ፈስቲቫል ብወገኑ ንምስንዳእ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣመጻጽኣ ፈስቲቫል ጀርመን ጠቒሱ ኣብ ምድላው እቲ ፈስቲቫላ ግደ ንዝነበሮም እሞ ንዝተሰውኡ ኣሕዋት ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንበደላት ህግደፍን መራሒኡ ዲክታተር ኢሳያስን ክዕገሶም ከምዘየብሉ ኣመልኪቱ። ሃገርና ብሰንኪ ህግደፍ እናፈረሰት “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” እንተዘይኢሉ ታሪኽ እውን ክሓተና እዩ ኢሉ ከኣ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንተበግሶ ፖሓኤ ከሕይሉ ጸዊዑ።
ኣብዚ ብትግርኛን ዓረብን ዝተኻየደ መኽፈቲ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ውድባትን መድያታትን ብኣካል ብኻልእ ኣገባባትን ናይ ደገፍን መተባብዕን መልእኽታት ተመሓላሊፎም። ሓው ኢብራሂም ሃሮን ኣቦመንበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ብወገኑ ካብ ዘለዎ “እንኳዕ ናብ ምምስራት ፖሓኤን ፈስቲቫልን ኣብ ጸሓና” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይቲ ውድብ ድማ ካብቲ መድረኽ ብዛዕባ መልእኽቲ ሓው ኢብራሂም ሃሩን ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።
ሓው ገርዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ላዕለዋይ ኣካል ፖሓኤ ኣብቲ መድረኽ ሰፊሕ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል። እቲ ፈስቲቫል ብኣካላት ፖሓኤ ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ ታሪኻዊ እዩ ኢልዎ። ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ስለ ዝተመሃርና ነዚ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝመስረትናዮ ጽላል ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ስለ ዝተመሃርና ከም እንዕዉቶ ርግጸኛታት ኢና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ዘይንቡር ህይወትን ንምቕያሩ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልስን ዘርዚሩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተዓገሶም በበይኖም በደላት ህግደፍ ከኣ ብኣብነታት ኣሰንዩ ሰፊሕ ዝርዝር ኣቕሪቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ዓገብ ክብል ድማ ጸዊዑ። ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንኢዱ ንዝያዳ ኣበርክቶ ተማሕጺኑ። ፖሓኤ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝቃለስ ጽላል ምዃኑ ከኣ ኣጉሊሑ ገሊጹ።
ፖሓኤ ዝቖመሉ ኣዕኑድ እንታይ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቦመንበር ገረዝጊሀር ተወልደ፡ እቲ ጽላል ኣብ ቀዳማይ ዋዕላኡ 21 ዝኣባላቱ ማእከላይ መሪሕነት ኣቚሙ ዝተፈላልዩ ሰነዳት ምዳቑ ኣበሲሩ። ናብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ እዞም ጽላል ዝመስረቱ 3ተ ኣካላት ጥራይ ዘይኮኑ ካለኦት እውን ንዝገበርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ንኢዱ። በብኹርንዑ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብምድጋፍ ድማ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ ወሳኒ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብዚ መድረኽ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ብንባብ ቀሪቡ።
ድሕሪቲ መግለጽታትን ምንባብ ደምዳሚ መግለጽን፡ ኣሕዋት ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ያሲን ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ዝመርሕዎ ናይ ሕቶን መልስን ምይይጥን ተኻይዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት “ውድባት ኤርትራ ስለምንታይ ተኣኪበን ይፍንጠሓ? ስለምንታይ መንእሰይ ናብ ውድባት ዘይሳተፍ? ነዚ ዝርአ ዝሎ ምልዕዓል መንእሰያት ከመይ ትርእይዎ?፡ ስለምንታይ ኣብ ምዕራቕ እቶም ዝበኣሱ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘይትሳተፉ?፡ ኣብዚ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ዝበሃል ዘሎ ርኢቶኹም እንታይ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ነዚ ሕቶታት ካብ መድረኽ ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ንተበግሶ ፖሓኤ ዝተባብዕ ርኢቶታን መተሓሳስባታትን ተዋሂቡ።