ሱዳን ንርክብ ጉተረዝን ጀነራል ሕመትን ነጺጋ

2024-01-14 20:43:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 410 times

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ዓሊ ኣል ሳዲቕ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎን ንዝተገብረ ናይ ቴለፎን ርክብ መንግስቶም ከም ዝነጽጎ ገሊጾም። እቲ ርክብ ወገን ጀነራል ዳጋሎ  ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ’ውን እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሮም።

እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ነዚ ተቓውመኦም ነቶም ንመጀመሪያ ግዜ ዝረኸብዎም ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ሱዳን ዝተመደቡ ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ራማታነ ላማምራ ከም ዝገለጽሎም እቲ ዜና ኣፍሊጦም። እዞም ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ሰዳን ናይ ቅድም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣልጀሪያ ዝነበሩ እዮም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ዓሊ ኣልሳዲቕ ኣብ መግለጺኦም፡ ድጋሎ ብሕቡራት ሃገራት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈልጠ ግህሰታት ዝፈጸሙ ምዃኖም ብሰፊሑ ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምሃቦም ንፕሮፖጋንዳ ዳጋሎ ዘሕይል ብምዃንኑ ክቋረጽ ጸዊዖም።

ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ምስ ውና ጸሓፊ ጉተረዝ ከም ዝተራኸኡ ተኣሚኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብደብዳብ ነፈርቲ ጀነራል ኣሉርሃን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉን ጠቒሶም፡ ንወገን ጀንነራል ኣል ቡርሃን ከሲሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ጉዳይ ሱዳን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዘለዎም ርኢቶ ነቶም ዋና ጸሓፊ ከም ዝገለጽሎም ተፈሊጡ።

 ኣብቲ ኢጋድ ን18 ጥሪ 2024 መዲብዎ ዘሎ ፍሉይ ኣኼባ ክልቲኦም ሱዳናውያን ጀነራላት ክራኸኡኳ ትጽቢት እንተለዎ፡ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና ዘጠራጥር እዩ።

Last modified on Sunday, 14 January 2024 21:51