ዕንወት ትካላት ጥዕና ሱዳን፡ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን

2023-11-26 10:17:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 486 times

ኣብ ሱዳን ብሰንክቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ትካላት ጥዕና ስለ ዝዓነዋ፡ ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ሕማማት ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ሱዳን ዝመላለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።  እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እውን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ዝበኾሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ካለኦት ሃገራትን ክመላለሱ ይግደዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 ዞባዊ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣሕመድ ኣልመሃንደሪ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ሱዳን 60 ግዜ መጥቃዕቲ ወሪዱ 34 ናይ ሕክምና ክኢላታት በቲ መጥቃዕትታት ክሞቱ እንከለዉ 38 ድማ ቆሲሎም። በሰንክዚ መጥቃዕትታት ኣብዚ እዋንዚ 80 ካብ ሚእቲ ትካላት ጥዕና ሱዳን ክዓንዋ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብቲ ውግእ ብዝቖሰሉ ወተሃደራት ተታሒዘን ከምዘለዋ ናይቶም ዳይረክተር ጸጻብ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብዚ እዋንዚ 55 ሃገራት ዓለም ብዝለዓለ ዋሕዲ ናይ ጥዕና ክኢላታት ዝሳቐያ ዘለዋ ኮይነን፡ ካብኣተን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝርከበአን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዘን ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዝሰፈ፡ “እንተወሓደ 49 ዝተፈላለየ ደረጃ  ዘለዎም  ክኢላታት ጥዕና ን10 ሺሕ ሰባት” ዝብል መዕቀኒ ንትታሕቲ ዘለዋ እየን።

ካብቶም ዋሕዲ ክኢላታት ጥዕና ዘኸትሉ ጥንቅታት፡ ዘይብቑዕ ስልጠና፡ ቅልጡፍ ወሰኽ ህዝቢ፡ ስደት ክኢላታት፡ ዘይብቑዕ ምምሕዳር ትካላትን ንክኢላት ዝወሃብ ቆላሕታ ትሑት ምዃንን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ጸብጻብ ጥዕና ዓለም ተጠቒሱ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ  ብ2030 ክብጻሕ ተተሊሙ ዘሎ  ሸቶ ጥዕና ኣይክበጽሐኦን  እየን ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 26 November 2023 11:19