ጨንፈር ስዊዘርላንድ፡ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ 2ይ ኣኼብኡ ኣካይዱ

2023-11-21 08:38:28 Written by  ኣካያዲ ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 442 times

ብዕለት 19 ሕዳር 2023፡ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንካልኣይ ጊዜ እተጋብኤ ዕዉት ኣኼባ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር፡ ብጻይ ዳዊት ኣብራህም፡ ንሰልፋዊ ሓበረታታት ስዒቡ ዝህሉ ዛዕባታት ኣኼባ ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያት ጨንፈር ዘትኰሩ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ነቲ ብግዚያዊ መሰጋገሪ ኣካል ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት (ኤፖሓ) ብ17 ሕዳር ንዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርኵስ ብምግባር መብርሂ ሂቡ። ጒዕዞ ሓባራዊ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ ተስፋ ኣብ ዝህብ መድረኽ ከም እተሰጋገረ ድሕሪ ምብሳር፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ 31 ጨንፈራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጨንፈራትን ኣባላትን መሓዙት ውድባት ኰይነን ኣድማዒ ግደ ክጻወታ ትጽቢት መሪሕነት ሰልፊ ከም ዝኾነ እውን ገሊጹ።

ብምቕጻል፡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ጨንፈር በብተራ እናተዛረቡ፡ ቀንድን ቀጻልን ስራሕ ጨንፈር ምስፋሕ ኣባልነት ምዃኑ፣ ከምኡ ኸኣ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ብሪጌድ ንሓመዱ ይኹን ኣብቲ ንዂሉ ደላይ ፍትሒ ዝጥርንፍ “ኮለክቲቭ” (ሓባራዊ ኣካል ስዊስ) ምስታፍ ከም ዘድሊ ኣጥቢቖም ተላብዮም። ገንዘባዊ ጸብጻባት ጨንፈር ናይ 2023 እውን ብዝርዝር ቀሪቡ። እቲ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ንሰልፋዊ ጒዳያት እተዋጽኤ ዓቐን ገንዘብ ልዕሊ 5,500 ኤውሮ ምንባሩ ብምሕባር፡ መሪሕነት ጨንፈር ንኣባላቶም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብጾት ዮውሃንስ ወረደን ተስፋጋብር ገብረን ብዛዕባ ኣቃውማን ዕማማትን ጨንፈር ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም። ብእብረን ነቲ ብዛዕባ ጨንፈር ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝጸደቐ ቅዋም እናኣንበቡ እውን ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም። ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ፡ ሰለስተ ደቀንስትዮ ጨንፈር ብዛዕባ ቃልሲ ደቀንስትዮ ሰዲህኤን ስርዒታዊ ሃለዋተንን መግለጺ ከቕርባ ምዃነን እውን ተሓቢሩ።     

Last modified on Tuesday, 21 November 2023 09:49