ፈጻሚ ጉዳይ ብሪታንያ ፡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ተሓቲቱ
2023-08-11 19:04:42 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 752 timesኣምበሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች
ጀነራል ዳይረክተር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ፡ 10 ነሃሰ 2023 ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪታንያ ብወግዒ ንመብርሂ ከም ዝጸውዖ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። እቲ ፈጻሚ ጉዳይ ዝተጸውዐ፡ ብዛዕባቲ ኣምበሳድር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ብ10 ነሃሰ 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ብዝሃቦ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝገለጾ፡ መብርሂ ንክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣምበሳደር ዓባይ ብሪታንያ ዳረን ወልች ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝኸዱ ኣባል ናይቲ ብፍልይቲ ልእኽቲ ብሪታንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልኡኽ ኮይኖም እዮም።
ኣምበስዳር ዳረን ዌልች ኣብ መቐለ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣለዎ፡ ከም ኣካል ናይዚ ስምምዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ክወጽእ ናይ ግድን እዩ ዝብል መወጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣተሓሒዞም ከኣ መንግስቶም እውን ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ ከም ዝድግፍ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም። ብዘይካዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸመ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፍ ኮሚሽን ኮነ ብካለኦት ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝተረጋገጸ ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ብምፍጻም ብቐጻሊ ዝኽሰስ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።