ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩነታት ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ፡ ናብኡ ዝግበር በረራ ተቛሪጹ

2023-08-09 06:59:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 619 times

ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብ4 ነሃሰ 2023 ኣብ ክልል ኣምሓራ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኩነታት ህጹጽ ግዜ (STATE OF EMERGENCY) ኣዊጁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ብ8 ነሃሰ 2023 ናብን ካብን ክልል ኣምሓራ ዝግበር በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቋረጸ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ላዕለዋይ ኣካል ብኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ኮይኑ፡ 4ተ ናይ እዚ ከባብታት ከም ዝህልዉዎ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኣብቲ ክልል “ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ኩነታት ሰላምን ዝፈረሰ ምምሕዳራዊ ትካላትን ናብ ንቡር ምምላስ” ብዝብል ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እቲ ክልል ደማዊ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ውግእ ኣብ ኩሉ ከተማታት እቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስ፡ ድበረብርሃን፡ ኣጣየን ሽዋሮቢትን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት የውርዱ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ናይ “ኣነ እየ ተዓዊተ” ዜናታት ይዝርግሑ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ደብረብርሃንን ከባቢኡን ዝካየድ ግጭት እቲ ውግእ ናብ ክልል ኦሮሞ ከይልሕም ኣስጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝራኽብ ናይ መሬት መጐዓዝያ ምዕጻዉ ምዃኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ዝርዝር ምኽንያት ከይኣተወ፡ ካብ 8 ነሃሰ 2023 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ኮምበልቻን ደበረማርቆስን ዝገብሮ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጾ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጆ  ኩነታት ህጹጽ ግዜን ኣንጻር ፋኖ ዘካይዶ ዘሎ ውግእን ክድግፋ እንከለዋ፡ ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግና ብወግዒ ዘውጸ መግለጺ የለን። እዚ ውግእ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ፓርላማን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከብዎም፡ ኣሸሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ይእሰሩን ካብ መገሻ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ብዙሓት እቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ከይወስዳ ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት፡  ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ። እንተኾነ ብዘይካ ፈደራላዊ መንግስቲ “ናይ ሰላም ኣፍደገ ዕጽዊ ኣይኮነን” ምባሉ ካልእ ዝተራእየ ተስፋ ሰላም የለን። 

Last modified on Wednesday, 09 August 2023 09:02