ክኢላታት ሕ/ሃ፡ ኢትዮጵያ ምስጓግ ኤርትራውያ ከተቋርጽ ጸዊዖም

2023-07-13 19:14:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 781 times

ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ13 ሓምለ 2023 ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ስነ 2023 ዝጀመረቶ ጃምላውን ሃንደበታውን ምስጓግ ኤርትራውያን ከተቋርጽ ጸዊዖም። እቶም ክኢላታት ኣተሓሒዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ደው ከብልዎ ጸዊዖም።

ናይቶም ክኢላታት መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ነቶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን፡ ከጋጥሞም ዝኽል ምስቓይን ምስዋርን ክብደቱ  ከይተጸንዐ፡ ስድተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣገዲድካ ምስጓግ ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ምስጓግ ገለ ናብ ኤርትራ ከይዶም ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተረፉ ናይ ስድራቤታት ምብትታን ኣስዒቡ ከም ዘሎ እውን እቶም ክኢላታት ጠቒሶም።

ነቶም ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ፡ ከጋጥሞም ካብ ዝኽል ጸገማት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር፡  ግዱድ ውትህድርን ምስቓይን፡ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘጽንዕ ኣካልን ዝተመዝገበ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቶም ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ሃላዋት ከምዘይተፈልጠ ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም።

ኢትዮጵያዊ ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይነበርዎም ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ግና እሙናት ምንጭታቶም ብምጥቃስ፡ ካብቶም ዝተሰጉ ዝተመዝገቡን ዘይተመዝገቡን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዝርከብዎም ኣረጋጊጾም።

እቶም ክኢላታት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ትካላትን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ምስቲ ዝምልከቶ ኢትዮጵያዊ ትካል ተሓባቢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ኣድላይ ምምሕዳራውን ምዝገባን ዝረኽብሉ ኩነታት ንክፈጥሩ ጸዊዖም።

Last modified on Thursday, 13 July 2023 21:33