ዓወት ተጎሩባ ክርስዑ ካብ ዘይግበኦም ፍጻመታት

2023-03-14 19:23:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 767 times

ጎቦ ተጎሩባን ካብ ጀጋኑኣን

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። ናይ 15 መጋቢት 1964ን  ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረ ዝሓለፋ ዕለትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 59 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማ፣ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም ልዕሊ 80 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ  ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ ((ኣቡ ርጀላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ፍሉይ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 59 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግቡእን ብጽሒትን መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን ወሪሱ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Tuesday, 14 March 2023 20:38