ሊንዳ ቶማስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ኣይወጸን ኢለን

2023-01-30 19:43:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 640 times

ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣንበሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምቲ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ ኣብ መገሻአን ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢረን። እተን ኣንበሳድር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ገጹ ተንቀሳቒሱ እምበር በቲ ዲፕሎማት ዝጽበይዎ ኣገባብ ካብ ትግራይ ኣይወጸን ኢለን።

በቲ ናይተን ኣንበሳደር መግለጺ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ  ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብመካይን ተጻዒኑ ክወጽእ ተራእዩ ዝብል ሓበሬታኳ እንተነበረ፡ ካለኦት ወገናት ድማ “ናይ ወጻኢ ሓልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጸን” ዝብል ምስክርነት ከም ዝህቡ እተን ኣንበሳደር ገሊጸን።  ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ በቶም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት ኮነ፡ ብተዓዘብቲ ናይቲ ስምምዕ ከምዘይተረጋገጸ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ተሾመ ገመቹ ዝተባህሉ ኢትዮጵያ መጀር ጀነራል፡ ብ21 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወጻእተኛታትን ኣባላት ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብዘይካ  ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ካልእ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሕብር  መግለጺ ሂቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃልን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፍዎ፡ ነቲ እቶም ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ ብምቅዋም፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

Last modified on Monday, 30 January 2023 20:48