ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ 3 ወርሒ ንካለኣይ ግዜና ናብ ኤርትራ ክገሹ እዮም

2022-11-09 20:18:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 731 times

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ሸበለ መዲያ/ Shabelle Media ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ካብ መቓድሾ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ቪላ-ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም ፕረሲደንት ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ጠቒሱ ናይ መገሸኦም ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ግና ኣይሃበን።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰፊሕ ዝርዝርኳ እንተዘይኣተወ፡ ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብዛዕባቶም  ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ  ከይዶም ኤርትራ ዘለዉ ናይ ሶማሊያ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእልሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝዛረቡ ጠቒሱ። እቲ ኣብ መጻኢ ሰሙን  ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ኣስታት 5ሺሕ መንእሰያት፡ ዝገብርዎ ዝርርብ ንመጻኢ ዝምድና ናይተን ሃገራት ዝትንክፍ ከም ዝኸውን እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

መራሒ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት 2022 ብፓርላማ ሃገሮም  ፕረሲደንት ኮይኖም ምስተሰየሙ፡ ቀልጢፎም ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ወለዲ ናይቶም ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ከይዶም ካብ 2019 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሃለዋቶም ክፍለጥን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረሲደንት ተደጋጋሚ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ኣለዉ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ድማ፡ እዞም ሶማላውያን ካብ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ነይሮም ዝብል ግምት ኣለዎም።

Last modified on Wednesday, 09 November 2022 21:28