ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ውግእን ህውከትንን ጠጠው ከብሉ ተሰማሚዖም

2022-11-03 07:30:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 644 times

እቲ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ 30 ጥቅምቲ 2022 ክዛዘም ተመዲኡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተናዊሑ ብ2 ሕዳር 2022 ተዛዚሙ። ኣብ መወድእታዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲ ብ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣቦሳንጆ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያን ናይ ቅድም ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃን እናተመርሓ ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ፡ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ክዛዘም እንከሎ ክልቲኦም ወገናት ነፍሲ ወከፉ ነናቱ ዝርዝር ዘለዎ15 ዓንቀጻትን 12 ቀንዲ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከቲኦም።

እቲ ብወገን መንግስቲ ትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ብወገንገ ሕወሐት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ፡ ፍሉይ ልኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦቦሳንጁ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ናይ ቅድም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምክትል ፕረሲደንት ፉሙዚለ ምላንቦ ንኩካን ዝኸተምሉ ሰነድ፡ “ ውግን ህውከትን ጠጠው ምባል፡ ሕገመንግስታዊ ክኽበር፡ ክጸንዕን ናብ ንቡር ክምለስን፡ ረዲኤት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይገደብ ክቕጽል፡ ኣብ ትግራይ በዂሩ ዝጸንሐ ኩሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስ፡ ኣብ ትግራይ ኩነታት ጸጥታ ናተመዝነ ብመስርሕ፡ ምፍታሕ፡ ምጥያስን ብሰንኪ ውግእ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ምርኻብን” ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ይርከብዎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምኽታም ሰነድ፡ ኦቦሳንጆን ካለኦት ብቐጥታ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ዝጸንሑን ብዛዕባቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ዘተን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክግበር ዝግበኦ ጻዕርን ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸውን ረዳን ድማ ነቶም ኣብ ስምምዕ ከብጽሕዎ ዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኖም፡ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣብ ውዓልን ኣብ መጻኢ ዳ-ህንጻን ዝምልከቶም ኣካላት ከበርክቱ ጸዊዖም።

Exchanging agreement doc. S.Africa

እዚ ስምምዕ ምስ ተኣወጀ ብዙሓት ወገናት ካልእ ኩሉ ተሪፉ ህይወት ናይቲ ብኹሉ ወገናት ክቕዘፍ ዝጸንሐ መንእሰይ ስለ ዘድሕን ደገፎም ገሊጾም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ  ድሕሪ 17 መዓልታት ብ21 ሕዳር 2020 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባቶ፡

1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ: ዝበሎ :

2. ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት መንግስታት ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕር ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና ብፍላይ ድማ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።”  ዝበሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ።

Last modified on Thursday, 03 November 2022 09:15