ካናዳ ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ትህብ፡ ፈረንሳ ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ተግዕዞም

2022-10-28 18:48:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 713 times

ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 13,965  ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 218,430 ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም ዑቕባ ከም ዝረኸቡ፡ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሲቢኤስ ሓቢራ። ፈረንሳይ ብወገና  ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ 700 ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊረምዎ ዝነበሩ ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ከም ዘግዓዘቶም ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ካናዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዝሃበቶ ዑቕባ፡ 13, 965 ኤርትራውያን ዕድል ከም ዝረኸቡ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ብዘይካዚ ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ 18.6%  ህንዳውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ 11.4% ዜጋታት ፍሊፕናውያንን 8.9% ቻንይናውያንን እውን ተጠቀምቲ ምዃኖም  ጸብጻብ ኢሚግረሽን ካናዳ ሓቢሩ።  

ምስዚ ኩሉ ሶርያውያን 61 ሺሕ ኮይኖም ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ እዮም። ብብዝሒ ደረጃ ደድሕሪ ሶርያውያን ዝስርዑ፡ 15,505 ዒራቓውያን፡ 13 965 ኤርትራውያን፡ 9,490 ኣፍጋኒስታውያንን 7,810 ፓኪስታናውያንን ኮይኖም ከም ዝስርዑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። ኤርትራ ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ካናዳ ካብ ዝፈለሱ ቀዳሞት 8 ሃገራት ሓንቲ እያ። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ክመጣጠን እንከሎ ድማ ኤርትራ በቲ ፍልሰት ቀዳማይቲ’ያ እትስራዕ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊሮም ዝጸንሑ 700 ስደተኛታት ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ኣግዒዛቶም። እዞም ኣብ ጐደናታት ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን፡ ምዃኖም ተፈሊጡ። ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ነቲ ብምልውዋጥ ኣየር ከጋጥም ዝኽእል ያል ዛሕሊ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Last modified on Friday, 28 October 2022 20:56