ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን ናይ ሰላም ኣንፈቱን

2022-10-20 21:16:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 773 times

ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝሳተፈሉ  ዘሎ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ቀጻሊ ኣብ ዘለወሉ፡ እቲ  ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝካየድ በቲ ሕብረት ከም ዝተነግሮምን መንግስቶም ክሳተፍ ድልዊ ከም ዘሎን ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሰን ብ20 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣፍሊጦም።

ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ጸጥታዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኖም፡ ኣባል ናይቲ 7 ዝኣባላቱ ናይ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ናይ ዘተ ሽማግለ እዮም።

ነዚ ተታሒዙ ኣሎ ዝተባህለ ናይ ዘተ መደብ ብዙሓት ወገናት ወይ ኣይካየድን እዩ፡ እንተተኻየደ እውን ውጽኢት ኣይህልዎን እዩ ዝብልዎ ዘለዉን ናይ 24 ጥቅምቲ 2022 ቆጸራ ብዝምልከት እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ክልል ትግራይ ብወገዒ ዝተባህለ የለን።

ብኻልእ ወገን ድማ ነቲ ብ8 ጥቅምቲ 2022 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ እሞ ንዘይተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዘተ መደብ ተኸቲሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጻሊ ኣሎ። ነቲ  ደማዊ ውግእ ዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝቃወምዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ ናይ መቃወሚኦም ማእከላይ ነጥቢ ከኣ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝብል እዩ። ናይ ክልቲኦም ወገናት ናይ ምርኻብ ዕድል እንተ ኣጋጢሙ እውን ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ቀንዲ ዓንቃፊ ዛዕባ ከም ዝኸውን ብብዙሓት ይግመት።

ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ናይቲ ውግእ፡ ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት  ትግራይ ድሕሪ መቐለ ዝዓበየት ከተማ ትግራይ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ትሕቲ’ቲ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ወሲኽካ ኣንጻሮም ዝዋጋእ ዘሎ “ናይ ልፍንቲ ሰራዊት” ዝብልዎ ከም ዝወደቐት ኣፍሊጡ። ኣብ ከባቢ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ኣዝዩ ሓያል ውግኣት ይካየድ ከም ዘሎ ድማ  ኣፍሊጡ።

Last modified on Thursday, 20 October 2022 23:19