ጋዜጣዊ መግለጺ መበል 11፡ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2022-08-28 19:36:04 Written by  ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 817 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ነሰ 2022 መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብሰፊሑ ዝዳህሰሶም እሞ ብፈጻሚ ሽማግለ ንክትግበሩ መምርሒ ዝሃበሎም እዋናዊ ዛዕባታት ብደቂቕ ተመያይጡ። ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ፡ ውሳነታት ወሲኑ፡ ናይ ኣተገባብራ  ዝርዝር ስኢሉ። 

1) ሰልፋዊ ዓቕሚ  ንምሕያልን  ተሳትፎ ኣባላት ንምዝያዳን መሰረት ብምግባር ተተሊሙ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሰልፋዊ ሰሚናር ዝዕወተሉ ኣገባብን ዝካየደሉ ግዜን ወሲኑ። ከምኡ ከኣ ኣባላት ዝሳተፍሉ መንገዲን ዘድሊ ቀረባትን ብዝምልከት ዳህሲሱ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣባላት ሰልፊ መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት፡ ከምቲ ዝተለምደ ክሳትፍሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ   ንኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት ተወሳኺ መምርሒታት ኣውጺኡ።

2) ብሓፈሻ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ዘገምታዊ ጉዕዞ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ኣብ ዝምልከት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ቀጻሊ ግደ ሰዲህኤ እንታይን ብኸመይን ክኸውን ከም ዝግበኦ፡ ንሚዛን  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ክሳብ ንካእባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታታትን ምድህሳስ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ሓንጺጹ።

3) መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ንዝተዳህሰሰ ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዓመተ- 2021-2022 ጸብጻባትን ካለኦት እውናዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ 2022-2023 ዓመታዊ ትልምታት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።

4) ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሽል ዘሎ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ህግደፍ እውን ብሰፊሑ ተመያይጡ ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብቲ ምይይጡ ህግደፍ ነቲ ፈስቲቫላት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዝጥምት፡ ናብ ደገ ጥራይ ክርኢ ዝጥቀመሉ መህደሚ ምዃኑ መዚኑ፡ በዚ መሰረት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ድማ ግዳይ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንመደባት ህግደፍ ብሕጋዊ ኣገባባት ረቲዖም ከፍሽልዎ ምብቀዖም፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ናብ ፍሉይ መድረኽ ከም ዝኣተወ ዘረድእ ምዃኑ ተረዲኡ። ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኣመጒሱ፡ ቃልሶም  ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ዝወሰዳ  ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን  ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።

5) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ዳግማይ ተረዲኡ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓፋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተወሲኽዎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገንዚቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቓሊ ምዃኑ መዚኑ። ኣብ ሱዳንን ጅቡትን ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከምኡ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ፍሉይ ምክትታል ክግበረሉ ወሲኑ። ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ብመሰረት  ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ውሳነታት ወሲኑ። መጽናዕቲ የድልዮም ንዝበሎም ጉዳያት ዝከታተሉ ሽማግለታት‘ውን መዚዙ።

ኣባላት ሰልፊ ናይ ክሳብ ሒጂ ቅሩብነቶም፡ ተወፋይነቶምን ተሳትፎኦምን ንኢዱ ኣብ መጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ካብ ናይ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ ንወጸሉ ዘለና መድረኽ ኣበርክተኦም ኣብ ኩሉ መዳያት ብተዓጻጻፊ ከዛይዱ ጸዊዑ።

“ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!”

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

27 ነሓሰ 2022

Last modified on Sunday, 28 August 2022 21:58