ምሕጽንታ ናብ ሓለፍቲ ስዊስ፡ ፈስቲቫል ህግደፍ ንክስርዙ

2022-08-23 08:48:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 843 times

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብምምሕዳር ህግደፍ ን27 ነሃሰ 2022 ኣብታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ፡ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ናብ ናይታ ሃገር ዳይረተር ኮንፈረንስ ንፍትሕን ፖሊስን ብጽሑፍ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበ ማእከል  ሓበሬታ ኤርትራ፡  ኣፍሊጣ።  እቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ፡ ነቲ ብህግደፍ ብጉልባብ ፈቲቫል ኣብ ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ዝዳሎ መደባት ህግደፍ  ዝምልከቶም ኣካላት ብግቡእ ከቕልብሉ በቲ መልእኽቱ ኣዘኻኺሩ። 

እቲ መልእኽቲ ምምሕዳር ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ናይ ፈስቲቫል መድረኻት ብደርፍታት እናሸፈነ ከም መለዓዓሊ ናብ ውግእን መዝርኢ ጽልእን ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣባላት ካቢነ እውን ዝተሳተፍሉ እሞ ንምዕራባውያን ዝጻረርን ንሩሲያ ዝድግፍን ምልዕዓላት ክካየደሉ ዝተሓስበ መድረኻት ምዃኑ ሓቢሩ። ከም ኣብነት ኣብ ናይ 2018 ፈስቲቫል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ተሳቲፉ ንተጋባእቲ ኣንጻር ምዕራባውያን  ከም  ዘለዓዓለ  ጠቒሱ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ጥርዓን ኣብዚ እዋንዚ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይሳተፍ ምህላዉ ብምሕባር፡ ዕላማ ናይዚ ፈስቲቫላት ድማ ነቲ ኢድ ኣእታውነቱ ቅኑዕ ኣምሲሉ ንምቕራብን መካየዲ ውግእ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብን ክጥቀመሉ ከም ዝመደበ ኣቃሊዑ። ካብቲ ቀንዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣጀንዳኡ፡ ኣንጻር ትግራይ ናይ ጽልኢ መደረታትን ብናይ ሓይልታት ምክልኻል ጉጅለ ባህሊ ዝቐርብ ፋሽስታዊ ደርፍታትን ከም ዝርከቦ ኣብቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ ሰፊሩ። ብዘይካዚ እቲ  መድረኻት ፈስቲቫል፡ ንህግደፍ ዝቃወሙ ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝጽልኡ ንምግባር መርዚ ዝንዝሓሉ ምዃኑ ተጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫላት፡ ብኤርትራውያን ተቐወምትን ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝርከቡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ፖለቲከኛታትን ተቐውሞ ክገጥሞ ከም ዝጸንሐ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ድማ ንሆላንድን ጀርመንን ከም ኣብነት ወሲዱ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ይስረዝ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ከም መጠቓለሊ ናይቲ መልእኽቲ ድማ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣስፊሮም።

1ይ፡ እዚ ናይ 27 ነሃሰ 2022 ፈስቲቫል ስዊዘርላንድ ክስረዝ፡ ኣብዚ እዋንዚ እገዳ ተበይንዎም ዘሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነይኹን ኩነታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክኽልከሉ።

2ይ፡ ሰበ መዚ ሃገር ስዊዘርላን ሓንሳብ ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓሳት ኣካላት ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ክውስኑ።

3ይ፡  ንኹሉቲ ናይ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግብሪ ብዝብል ጉልባብ ዝኸፍልዎ  2%ን ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ መሊእካ ምኽታምን ኣብቲ ቀጥዒ መላእ ቤተሰብካ ኣበይ ከም ዝርከቡ ክትነግር ዘገድድን፡ በቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝካየድ ተግባራት ጠጠው ክብል። 

እዚ ብስም “ኤርትራዊ መርበብ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝዊዘርላንድ”  ዝተዳለወ መልእኽቲ፡ ቅዳሑ ናብ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ሚኒስትሪ ፍትሕን እውን ከም ዝተላእከ ካብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ።

ፈስቲቫል ህግደፍ  ጀርመን ሰን፡ ብ20 ነሃሰ 2022 እውን ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን መንእሰያት  ከም ዝፈሸለ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 23 August 2022 10:55