ኣጸጋሚ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

2022-08-20 07:59:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 735 times

ቅድሚ ኣብ ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 100 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ፡ ሳራ ሚለር ዝተባህለት፡ ናይ ጆርጅታውን ዩኒቨርስቲ ተመራማሪት ኣብ መጽሐት ዘ ኮንቨርዘሽን/ THE CONVERSATION ኣብ ዘሕተመቶ ጽሑፋ ሓቢራ።

እዞም ኤርትራውያን ክስደዱ ዘገደዶም፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ብደረጃ ዓለም እውን ዝኸፈ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ምዃኑ እዛ ተመራማሪት ገሊጻ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ሰፊሕ በደልን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ከም ዝርከቦ ብምጥቃስ፡  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጨቋኒ ምምሕዳር ዘላ ሃገር እያ ኢላታ።  እቶም ፖሊሲ መንግስቲ ንምቅዋም ዝዛረቡ ወይ ከምኡ  ይሓስቡ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ፡  ንሓያሎ ዓመታት ከም ዝእስሩ፡ ከም ዝሳቐዩን ዝስወሩን’ውን እታ ተመራማሪት ኣብቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት መጽናዕታ ኣስፊራ

ምስዚ ኩሉ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሕዝቱ ከባብያዊ ሓይልታትን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ጽንኩር ወጥሪ ኣትዮም ኢላ፡ እቲ ውግእ ዓሌታዊ መልክዕ ብዘለዎ ቀልጢፉ ምስ ሰፍሐ፡ መብዛሕትኡ ከባብታት ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘይውሑስ ኮይኑ  ኢላቶ።

ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ውግእ ኣብ ዝምልከት ናብ ሰላም ዝወስድ ምዕባለ ዘሎ ይመስል፡ ዝበለት ሳራ ሚለር፡ እንተኾነ ነቶም ስደተኛታት ኮነ ነቶም ኣዕቊበምዎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ ድሌት ምቕራብ ጌና ኣጸጋሚ ከምዘሎ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ ትካል መግቢ ዓለም ብወገኑ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ንደሓር ሓገዝ ከቕርብ ከምዘይክእል ሓቢሩ ኣሎ ኢላ።

ስራ ሚለር፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፍልይቲ ክኢላ ምዃና ጠቒሳ፡ ናይዚ ጽሑፍዚ ምቕራባ ዓላማ ከኣ ፍሉይ ድሌት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላሕ ምዃኑ ገሊጻ። መበገሲ ሓበሬታኣ ቃለ መጠይቓት ምስ ስደተኛታት፡ ኣካላት ሕቡራት መንግስታት፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን መንግስታዊ ኣካላትን ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፋ ኣስፊራ።  ኣብቲ ዝገበረቶ መጽናዕቲ ብኹሎም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝተጠቕዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘጋጠምዋ ኣረጋጊጻ።

ሳራ ሚለር ከም ዝገለጸቶ፡ ቅድሚ ውግእ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሰላማዊት ነይራ። በዚ መሰረት ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቆባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራጠቒሳ፡ ብቑጠባ ደሓንን ነይራ ኢላ።  ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ኮኑ ካለኦት ስደተኛታት ከምኡ እውን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ከባቢ ክረኽቡ ኣብ ዝሽገርሉ ደረጃ ምሃልዎም ኣብቲ ሰፊሕ ጽሑፋ ጠቒሳ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ግደታኳ እንተለዋ ዓቕሚ ግና ከምዘየብላ መስኪራ።

Last modified on Saturday, 20 August 2022 10:03