መጻኢ ዕድል ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ወተሃደራት ኤርትራ

2022-06-26 08:07:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 889 times

ናብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ካብ ዝኣተዉ 52 ወተሃደራት ኤርትራ፡  እቶም 18  ናብ ሃገሮም  ክምለሱ ከምዘይደልዩ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ላዕለዋይ ጀነራል ስርዓት ህግደፍ ብዝተሰማመዓሉ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ከም ዝኣተዉ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritea Hub፡  ኣፍሪካን ኢንተለጀንስ ብምጥቃስ ሓቢራ። 

እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝራሕርሑ 18 ወተሃደራት ብ16 ሰነ 2022 እዮም ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያን ተረኪቦም። ድሕሪኡ ከኣ ካብ ከተማ ሳማራ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ 55 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስሓይታ ተወሲዶም።

በቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ መሰረት፡ እዞም 18 ወተሃደራት ኣካል እቶም 52 ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2022 ኣብ ከባቢ ንኤርትራ ምስ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዘራኽብ ባዳ ካብ ዝዓረደ መበል 67 ክፍለ ሰራዊት  ኤርትራ ዝሃደሙ እሞ፡ ኣብ ወረዳ ዳሉል ዓዲ ምሩግ ተገሊሎም ዝነበሩ እዮም።  እዞም ወተሃደራት ብሰንኪ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ፡ ንስግዳን (ሳላ) ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ ምስልምና ወተሃደራት ዝፈጠርዎ እገዳ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብረቶም ከውርዱ ዝተገደዱ ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ኤርትራ፡ እቶም ካብቲ ሰራዊት ዝወጹ ወተሃደራት ኣብ ውሳነኦም ዳግመ-ርኢቶ ገይሮም ናብ ኣርዓት ህግደፍ  ንክምለሱ ክሓትዎም ተላኢኾም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ከም ዘተዓወቱ እቲ ዜና ጠቒሱ። ድሕሪ ናይቶም ዓበይቲ ዓዲ ዘይምዕዋት፡ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ ካሪካሪ ወዲ ዓፋር ኤርትራን ምስ ሓለፍቲ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎን ተባሂሉ ናብቲ ኩነታት ተላኢኹ።  እቲ ጀነራል ነቶም ዝሃደሙ ረኺቡ እቲ ንስግደት (ሶላት) ዝምልከት እገዳ ዳግመ-ርኢቶ ክግበረሉ ከም ዝከኣልን ምስ ተመለሱ ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዘይህሉን ቃል ኣትይሎም። ድሕሪ እዚ ካብቶም 52 እቶም 34 ብመብጸዓ እቲ ጀነራል ከም ዝዓገቡ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እቶም 18 ግና ነቲ መብጸዓ ስለ ዝነጸግዎ፡  ጀነራል ካሪካሪ እውን ብዝተሰማማዓሉ፡ ብምልሻ ክልል ዓፋር ተታሒዞም ናብ ከተማ ሰመራ ከም ዝተወስዱን፡ ካብኡ ድማ ብደረጃ ስደተኛ ናይ ምምዝጋብ መሰል ተሓልይሎም ናብ መደበር ኣስሓይታ ከም ዝተላእኩ ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ውድብ ሃገራዊ ጉባአ ዓፋር ኤርትራ፡  “ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ዓፋር ወታሃደራት ኤርትራ ካብ መበል 67 እገረኛ ክፍለ ሰራዊት ተፈልዮም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ባዳን ዓዲ ምሩግን ብዝተባህለ ቦታ ናብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ሂቦም” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዞም 52 ወተሃደራትከ ኣካሎም ድዮም ኣይኮኑን ዝብል፡ እዚ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና ዝጠቐሶ የለን።

Last modified on Sunday, 26 June 2022 10:13