ኣብ ዳርምሽታት ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ተገይሩ

2022-06-20 09:31:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 816 times

ብባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ዳርምሽታትን ከባቢኡን መኽሰብ ኣልቦ ማሕበር ዝተጸውዐን ዝተዳለወን በዓል ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብዕለት 19 ሰነ 2022 ኣብ ከተማ ዳርምሽታት  ብኽብሪ ተዘኪሩ ውዒሉ። ማሕበር ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን ኣብ 2019 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ምስቶም ብሓሳብን ብግብርን ዝሰማምዑ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ክሰርሕ  ዝጸንሐን ዘሎን ምንቅስቓስ እዩ። ኣብዚ ንዝኽሪ ሰማእታት ናይ 2022 ዝተዳለወ በዓል፣ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ መንእሰያትን ነባራት ተቓለስትን ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ።

እቲ በዓል ኣብ ፕሪንስ ኢምል ዝተባህለ መዘናግዒ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ብዝተፈላለየ ናይ ስዉኣት መዛሙር ዝተጀመረ ኮይኑ፣ ኣቦ መንበር ማሕበር ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን ሓው ጎይትኦም በራኺ፣ ብመጀመርታ ተሳተፍቲ በዓል ንዝሓዝዎ ሽምዓታት ብሓባር ክውልዑን፣ ንዝኽሪ ስዉኣት ኤርትራውያን ንደቓይቕ ናይ ሕልና ጸሎት ክግበርን ሓቢሩ። ሓው ጎይትኦም ቀጺሉ ብምኽንያት ናይቲ በዓል ዝተዳለወ መግለጺ ኣቕሪቡ። እቲ መግለጺ ናብቲ በዓል ንምብጻሕ ዝተኻየደ ቃልስን ምረቱን፣ ዕላማን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ መስዋእቲ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ግዲኣም ኣብ ምብርካት ከለዉ በጃ ሃገር ዝሓለፉ ዝምልከት እምበር፡ ነቶም ብረት ዓጢቆም ኣብ ውግእ ዝተሰዋኡ ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኮነ’ውን  ኣነጺሩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ መስዋእቲ ደሊኻዮ ብምርጫ ዝውሰድ ዘይኮነስ፡ ካልእ መዋጽኢ ምርጫ ምስ ሳኣንካ ተገዲድካ ዝእቶ ምዃኑ ብኣብነት ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

ስዉኣት በጃ ሃገርን ህዝብን ሓሊፎም እዮም ዝምለሱ ከምዘይኮኑን፡ እቶም ህሉዋት ዘለና ግን፡ ነቲ ንሳቶም ዝገደፉልና ሕድርን ዕላማን ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ ስለዝኾነ ተራና፡ ብፍላይ መንእሰያት መሪሕ ግዲኦም ከበርክቱን እቶም ኣብ ዕብየት ዘለና ድማ፡ ናይ ምምኻርን ምምዓድን ግዴና ከነበርክት ይግባእ ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። Darmstadt 20220619 1

ኣስዒቡ ሓው ዳዊት ኣፈወርቂ ኣባል ሽማግለ ማሕበር ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን፡ ኣብ ዳርምሽታት ምስ ዝርከቡ ጀርመናውያን ትካላትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ብዝተገብረ ርክብን ዝምድናን መሰረት፤  ኣብ ማሕበራዊ፡ ኣካላውን ባህላውን ህንጸታት ኤርትራውያን መንእሰያት ከገልግሉ ዝኽእሉ ናይ ምውስዋስ ኣካላትን፣ ሙዚቓን ኮታስ ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ መዘናጊታት ዝውዕሉን፣ ኣብ ምዕባይ ህጻናትን ወለዲ ኣብ ምምልማል ደቆምን ክሕግዞም ዝኽእል ሓበሬታዊ ማእከል ክጥቐምሉ ዝኽእሉ መራኸቢ ቦታ ብነጻ ዝተረኽበ ምህላዉ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ማዓልታት ማለት ሰንበትን ሰኑይ ድሕሪ ቀትርን ኣብቲ ተፈቒዱልና ዘሎ  ሰዓታት ክፉት ምዃኑን ንተሳተፍቲ ዝኽሪ በዓል ሓቢሩ። ስለዚ ማሕበር ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ማእከል ዝገበረ ምቅስቓሳት ዘካይድ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝን ምትሕብባን ኣድህቦ ዝገበረ  ምዃኑን እዩ ገሊጹ።  Darmastadt 20220619 3

ሓው ገብሩ ሓጎስ ቀጺሉ፣ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራን ዕላማታቶምን ብምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ግን፡ ንዝኽሮም ዝኸውን ሓወልቲ ክሰርሕ ዘይካኣለ፡ ብኣንጻሩ ናይ ወጻኣተኛ ሓወልቲ ምድዃኑ፡ ንዕቀት ኤርታውያን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ሕግን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምቛምን ኩልና ኤርትራውያን፡ ንሕድሪ ስዉኣት ከነተግብር ግዴታ ከምዘለናን ክንጽዕር ከምዝባኣናን ገሊጹ። 

ብዘይካዚ፣ ሓደ ካብ መንእሰያት ተሳተፍቲ ዝኽሪ ማዓልቲ ስዉኣት፣ ቀይሕ ቀለም ዘይኮነስ፡ ቀይሕ ደም ኢዮም ከፊሎም ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ፣ ንዝሓለፈ መስዋእቲ ዘዘኻኽር፡ ንቓልሲ ዘሔይል ግጥሚ ኣቕሪቡ፣ ዝኽሪ ማዓልቲ ሰማእታት ዳርምሽታትን ከባቢኡን ተደምዲሙ። 

ማሕበር ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕለት 26.05.2022 ንመዓልቲ ነጻነት ኤርትራውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ቀጽሪ ትካል ADL ዝተባህለ ኣኽቢሩ ምውዓሉ ዝዝከር እዩ።  

Last modified on Monday, 20 June 2022 11:53